ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • መሳፍንቲ 6
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

መሳፍንቲ—ትሕዝቶ

      • ሚድያን ንእስራኤል ጨቈኖ (1-10)

      • መልኣኽ ንጊዴዎን ኣተባብዖ (11-24)

      • ጊዴዎን፡ መሰውኢ በዓል ኣፍረሰ (25-32)

      • መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ጊዴዎን መጸ (33-35)

      • ፈተና ቝሩጽ ጸምሪ (36-40)

መሳፍንቲ 6:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 2:19
  • +ዘዳ 28:15, 48፣ መሳ 2:14፣ ነህ 9:28

መሳፍንቲ 6:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መኽዘን ዝዀነ ጐዳጕዲ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 33:55
  • +1ሳሙ 13:5, 6

መሳፍንቲ 6:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 3:13
  • +መሳ 8:10

መሳፍንቲ 6:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:15, 33፣ 28:31, 48

መሳፍንቲ 6:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 8:10
  • +መሳ 7:12

መሳፍንቲ 6:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 4:30

መሳፍንቲ 6:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 2:18፣ መዝ 107:19

መሳፍንቲ 6:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 20:2፣ ዘሌ 26:13፣ መሳ 2:1

መሳፍንቲ 6:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 10:42፣ ነህ 9:24

መሳፍንቲ 6:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ድምጸይ ኣይሰማዕኩምን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 6:4
  • +እያ 24:15
  • +ዘዳ 28:15፣ መሳ 2:2፣ ኤር 3:13

መሳፍንቲ 6:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 2:1
  • +እያ 17:2፣ መሳ 6:24፣ 8:32
  • +ዘፍ 49:22, 24፣ እብ 11:32

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2014፡ ገጽ 29

    15/7/2005፡ ገጽ 14

መሳፍንቲ 6:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 2:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2014፡ ገጽ 29

    15/7/2005፡ ገጽ 14

መሳፍንቲ 6:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 6:2
  • +ዘጸ 13:14
  • +ዘዳ 4:9፣ መዝ 44:1
  • +ዘዳ 31:17፣ 2ዜና 15:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2000፡ ገጽ 16-17

መሳፍንቲ 6:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 8:22፣ እብ 11:32

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2000፡ ገጽ 16-17

መሳፍንቲ 6:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣሽሓተይ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2000፡ ገጽ 16-17

መሳፍንቲ 6:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 20:3, 4፣ መሳ 2:18

መሳፍንቲ 6:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 18:3, 5፣ መሳ 13:15

መሳፍንቲ 6:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣስታት 22 ሊ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 18:6, 7፣ 19:1, 3

መሳፍንቲ 6:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 9:24፣ መሳ 13:19, 20፣ 1ነገ 18:38፣ 1ዜና 21:26፣ 2ዜና 7:1

መሳፍንቲ 6:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 13:8, 9፣ እብ 13:2
  • +ዘፍ 16:7, 13፣ 32:24, 30፣ መሳ 13:21, 22፣ ሉቃ 1:11, 12

መሳፍንቲ 6:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዳን 10:19

መሳፍንቲ 6:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “የሆዋ ሰላም እዩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 22:14፣ ዘጸ 17:15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/2014፡ ገጽ 22-23

መሳፍንቲ 6:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 23:24፣ ዘዳ 12:3

መሳፍንቲ 6:26

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

መሳፍንቲ 6:27

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2000፡ ገጽ 17

መሳፍንቲ 6:28

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

መሳፍንቲ 6:30

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

መሳፍንቲ 6:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 6:11
  • +ዘዳ 13:5፣ 17:2-5
  • +1ነገ 18:26, 27፣ መዝ 115:5፣ ኤር 10:5

መሳፍንቲ 6:32

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “በዓል ባዕሉ ይማጐት (ይበኣስ)።”

መሳፍንቲ 6:33

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ፈለግ ተሳጊሮም።”

  • *

    ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 25:17, 18፣ መሳ 6:2
  • +ዘጸ 17:16፣ ዘሁ 24:20፣ ዘዳ 25:19
  • +መሳ 6:3፣ 7:12

መሳፍንቲ 6:34

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ጊዴዎን መንፈስ የሆዋ ለበሰ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 3:9, 10፣ 11:29፣ 13:24, 25፣ 14:6፣ 15:14፣ ዘካ 4:6
  • +መሳ 3:26, 27
  • +እያ 17:2

መሳፍንቲ 6:36

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 6:14

መሳፍንቲ 6:37

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2005፡ ገጽ 26

ሓፈሻዊ

መሳ. 6:1መሳ 2:19
መሳ. 6:1ዘዳ 28:15, 48፣ መሳ 2:14፣ ነህ 9:28
መሳ. 6:2ዘሁ 33:55
መሳ. 6:21ሳሙ 13:5, 6
መሳ. 6:3መሳ 3:13
መሳ. 6:3መሳ 8:10
መሳ. 6:4ዘዳ 28:15, 33፣ 28:31, 48
መሳ. 6:5መሳ 8:10
መሳ. 6:5መሳ 7:12
መሳ. 6:6ዘዳ 4:30
መሳ. 6:7መሳ 2:18፣ መዝ 107:19
መሳ. 6:8ዘጸ 20:2፣ ዘሌ 26:13፣ መሳ 2:1
መሳ. 6:9እያ 10:42፣ ነህ 9:24
መሳ. 6:10ዘዳ 6:4
መሳ. 6:10እያ 24:15
መሳ. 6:10ዘዳ 28:15፣ መሳ 2:2፣ ኤር 3:13
መሳ. 6:11መሳ 2:1
መሳ. 6:11እያ 17:2፣ መሳ 6:24፣ 8:32
መሳ. 6:11ዘፍ 49:22, 24፣ እብ 11:32
መሳ. 6:12መሳ 2:18
መሳ. 6:13መሳ 6:2
መሳ. 6:13ዘጸ 13:14
መሳ. 6:13ዘዳ 4:9፣ መዝ 44:1
መሳ. 6:13ዘዳ 31:17፣ 2ዜና 15:2
መሳ. 6:14መሳ 8:22፣ እብ 11:32
መሳ. 6:16ዘዳ 20:3, 4፣ መሳ 2:18
መሳ. 6:18ዘፍ 18:3, 5፣ መሳ 13:15
መሳ. 6:19ዘፍ 18:6, 7፣ 19:1, 3
መሳ. 6:21ዘሌ 9:24፣ መሳ 13:19, 20፣ 1ነገ 18:38፣ 1ዜና 21:26፣ 2ዜና 7:1
መሳ. 6:22መሳ 13:8, 9፣ እብ 13:2
መሳ. 6:22ዘፍ 16:7, 13፣ 32:24, 30፣ መሳ 13:21, 22፣ ሉቃ 1:11, 12
መሳ. 6:23ዳን 10:19
መሳ. 6:24ዘፍ 22:14፣ ዘጸ 17:15
መሳ. 6:25ዘጸ 23:24፣ ዘዳ 12:3
መሳ. 6:31መሳ 6:11
መሳ. 6:31ዘዳ 13:5፣ 17:2-5
መሳ. 6:311ነገ 18:26, 27፣ መዝ 115:5፣ ኤር 10:5
መሳ. 6:33ዘሁ 25:17, 18፣ መሳ 6:2
መሳ. 6:33ዘጸ 17:16፣ ዘሁ 24:20፣ ዘዳ 25:19
መሳ. 6:33መሳ 6:3፣ 7:12
መሳ. 6:34መሳ 3:9, 10፣ 11:29፣ 13:24, 25፣ 14:6፣ 15:14፣ ዘካ 4:6
መሳ. 6:34መሳ 3:26, 27
መሳ. 6:34እያ 17:2
መሳ. 6:36መሳ 6:14
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
መሳፍንቲ 6:1-40

መሳፍንቲ

6 እስራኤላውያን ግና መሊሶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበሩ።+ የሆዋ ድማ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ኢድ ሚድያን ሃቦም።+ 2 ኢድ ሚድያን ከኣ ኣብ እስራኤል በርትዐት።+ እስራኤላውያን ድማ ብሰሪ ሚድያን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ንምብጻሑ ኣብ ዜጸግም ቦታታትን መሕብኢ* ገበሩ።+ 3 እስራኤል ዘርኢ ምስ ዚዘርእ፡ ሚድያንን ኣማሌቅን+ ደቂ ምብራቕን+ የጥቅዕዎም ነበሩ። 4 ንምጽራሮም ሰፊሮም፡ ክሳብ መገዲ ጋዛ ዘሎ ፍረ እታ ምድሪ የጥፍኡ ነበሩ፣ ንእስራኤል ከኣ፡ ዚብላዕ ኰነ፡ በጊዕ ኰነ፡ ብዕራይ ኰነ፡ ኣድጊ ዀነ ኣይሓድጉሉን ነበሩ።+ 5 ከመይሲ፡ ምስ ማሎምን ምስ ድንኳናቶምን ከም ኣንበጣ ዝምብዛሖም ኰይኖም ይድይቡ ነበሩ፣+ ኣግማሎም እውን ኪቝጸራ ዚኽእላ ኣይነበራን፣+ ናብታ ምድሪ መጺኦም ከኣ የጥፍእዋ ነበሩ። 6 ስለዚ፡ እስራኤል ብሰሪ ሚድያን ብዙሕ ነደየ፣ እስራኤላውያን ድማ ናብ የሆዋ ተማህለሉ።+

7 እስራኤላውያን ብሰሪ ሚድያን ናብ የሆዋ ምስ ተማህለሉ፡+ 8 የሆዋ ንእስራኤላውያን ሓደ ነብዪ ሰደደሎም፣ ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ኣነ ኻብ ግብጺ ኣደየብኩኹም፡ ካብ ቤት ባርነት ድማ ኣውጻእኩኹም።+ 9 ካብ ኢድ ግብጽን ካብ ኢድ ኵሎም ጨቈንትኹምን ኣናገፍኩኹም፣ ንዓታቶም ካብ ቅድሜኹም ሰጒጐ ኸኣ ምድሮም ሃብኩኹም።+ 10 “ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።+ ንኣማልኽቲ እቶም ኣብ ምድሮም እትቕመጡ ዘለኹም ኣሞራውያን ኣይትፍርህዎም” ድማ በልኩኹም።+ ንስኻትኩም ግና ኣይተኣዘዝኩምንን።’”*+

11 መልኣኽ የሆዋ ኸኣ መጺኡ፡+ ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ ዮኣስ እቲ ኣቢ-ዔዘራዊ+ ዝዀነ ኣብ ዖፍራ ዘሎ ዓብዪ ኦም ተቐመጠ። ወዱ ጊዴዎን+ ድማ ካብ ሚድያን ኪሓብእ ኢሉ፡ ስርናይ ኣብ መጽመቝ ወይኒ ይዘብጥ ነበረ። 12 መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ንዕኡ ተራእዮ እሞ፡ “ኣታ ሓያል ጅግና፡ የሆዋ ምሳኻ እዩ”+ በሎ። 13 ጊዴዎን ድማ፡ “ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር ጐይታይ፡ የሆዋ ምሳና እንተ ዀይኑ ደኣ፡ እዚ ዅሉ ስለምንታይ ይወርደና ኣሎ፧+ እቲ ኣቦታትና፡ ‘የሆዋ ኻብ ግብጺ ኣደይቡና ደይኰነን፧’+ ኢሎም ዝነገሩና ዅሉ ዜደንቕ ግብርታቱኸ ኣበይ ኣሎ፧+ ሕጅስ የሆዋ ሓዲጉና፡+ ኣብ ኢድ ሚድያን ከኣ ሂቡና ኣሎ” በሎ። 14 የሆዋ ድማ ናብኡ ገጹ ገይሩ፡ “በዚ ሓይልኻ እዚ ኼድካ ንእስራኤል ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሕኖ።+ ኣነ ደይኰንኩን ዝልእከካ ዘለኹ፧” በሎ። 15 ጊዴዎን ግና፡ “ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር የሆዋ፡ ከመይ ገይረ ንእስራኤል ከድሕኖ እኽእል፧ እንሆ፡ እንዳይ* ካብ ምናሴ ዝነኣሰ እዩ፡ ኣነ ድማ ኣብ ቤት ኣቦይ ዝነኣስኩ እየ” ኢሉ መለሰሉ። 16 የሆዋ ግና፡ “ኣነ ምሳኻ ስለ ዝኸውን፡+ ንሚድያን ከም ንሓደ ሰብኣይ ጌርካ ኽትወቕዖ ኢኻ” በሎ።

17 ንሱ ኸኣ፡ “ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ እትዛረበኒ ዘለኻ ንስኻ ኸም ዝዀንካ ምልክት ሃበኒ። 18 ህያበይ ሒዘ ተመሊሰ ኣብ ቅድሜኻ ኽሳዕ ዘቕርበልካስ፡ በጃኻ ኻብዚ ኣይትኺድ” በሎ።+ ንሱ ድማ፡ “ክሳዕ እትምለስ፡ ኣብዚ ኽጸንሕ እየ” በሎ። 19 ጊዴዎን ከኣ ኣትዩ ሓደ ማሕስእ ኣዳለወ፡ ካብ ሓደ ኤፋ* ሓርጭ ድማ ቅጫ ሰንከተ።+ ነቲ ስጋ ኣብ መሶብ፡ ነቲ መረቕ እውን ኣብ ቍራዕ ገይሩ፡ ናብኡ ኣውጽኦ፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ዓብዪ ኦም ከኣ ኣቕረበሉ።

20 እቲ መልኣኽ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ፡ “ነቲ ስጋን ነቲ ቕጫን ኣብቲ ኸውሒ ኣንብሮ፡ ነቲ መረቕ እውን ኣፍስሶ” በሎ። ንሱ ኸኣ ከምኡ ገበረ። 21 ሽዑ፡ መልኣኽ የሆዋ ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት በትሪ ዘርጊሑ፡ ነቲ ስጋን ነቲ ቕጫን ተንከዮ እሞ፡ ሓዊ ኻብቲ ኸውሒ ወጺኡ፡ ነቲ ስጋን ነቲ ቕጫን በልዖ።+ እቲ መልኣኽ የሆዋ ድማ፡ ካብ ኣዒንቱ ተሰወረ። 22 ሽዑ፡ ጊዴዎን፡ ንሱ መልኣኽ የሆዋ ኸም ዝዀነ ፈለጠ።+

ብኡብኡ፡ ጊዴዎን፡ “ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ንመልኣኽ የሆዋ ገጽ ንገጽ ርእየዮ እየ እሞ፡ ወይለይ!” በለ።+ 23 የሆዋ ግና፡ “ሰላም ንዓኻ ይኹን። ኣይትፍራህ፡+ ኣይትመውትን ኢኻ” በሎ። 24 ጊዴዎን ከኣ ኣብኡ ንየሆዋ መሰውኢ ሰርሐ፣ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ፡ የሆዋ-ሻሎም*+ ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ። ገና ኸኣ ኣብ ናይ ኣቢ-ዔዘራውያን ዖፍራ ኣሎ።

25 በታ ለይቲ እቲኣ፡ የሆዋ ኸምዚ በሎ፦ “ዝራብዕ ኣቦኻ፡ እቲ ሸውዓተ ዓመት ዝገበረ ኻልኣይ ዝራብዕ ውሰድ፣ ነቲ ናይ ኣቦኻ ዝዀነ መሰውኢ በዓል ድማ ኣፍርሶ፡ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ዓንዲ ኣምልኾ* እውን ቍረጾ።+ 26 ኣብ ርእሲ እዚ ዕርዲ እዚ ብኣእማን ሰሪዕካ ንየሆዋ ኣምላኽካ መሰውኢ ምስ ሰራሕካ፡ ነቲ ኻልኣይ ዝራብዕ ወሲድካ፡ ኣብቲ እትቘራርጾ ዕንጨይቲ እቲ ዓንዲ ኣምልኾ* ዚሓርር መስዋእቲ ኪኸውን ኣቕርቦ።” 27 ጊዴዎን ድማ ካብ ገላዉኡ ዓሰርተ ሰብኡት ወሲዱ፡ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ገበረ። ግናኸ፡ ብመዓልቲ ኸይገብሮ ንቤተ ሰብ ኣቦኡን ንሰብ እታ ኸተማን ስለ ዝፈርሆም፡ ብለይቲ ገበሮ።

28 ንጽብሒቱ ሰብ እታ ኸተማ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ መሰውኢ በዓል ፈሪሱ፡ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ዓንዲ ኣምልኾ* ድማ ተቘሪጹ ረኣዩ፣ እቲ ኻልኣይ ዝራብዕ ከኣ ኣብቲ ተሰሪሑ ዝነበረ መሰውኢ ተሰዊኡ ነበረ። 29 ንሓድሕዶም ድማ፡ “መን እዩ እዚ ገይሩ፧” ተባሃሃሉ። ምስ መርመሩ፡ “ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ እዩ ገይርዎ” በሉ። 30 ሰብ እታ ኸተማ ኸኣ ንዮኣስ፡ “ወድኻ መሰውኢ በዓል ኣፍሪሱ፡ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ዓንዲ ኣምልኾ* ድማ ቈሪጹ እዩ እሞ፡ ኪመውት ኣውጽኣዮ” በልዎ። 31 ዮኣስ+ ከኣ ንዅሎም እቶም ኪቃወምዎ ዝተንስኡ፡ “ንበዓልዶ ኽትማጐቱሉ ኢኹም፧ ከተድሕንዎዶኸ ኢኹም፧ ዚማጐተሉ ዘበለ፡ በዛ ንግሆ እዚኣ ይቀተል።+ ንሱ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ መሰውኢኡ ኣፍሪሱሉ እዩ እሞ፡ ባዕሉ ይማጐት”+ በሎም። 32 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ “ንበዓል መሰውኢኡ ኣፍሪሱሉ እዩ እሞ፡ ባዕሉ ይማጐት” ኢሉ ንጊዴዎን የሩብበዓል* ኢሉ ጸውዖ።

33 ኵሎም ሚድያንን+ ኣማሌቅን+ ደቂ ምብራቕን ከኣ ሓይልታቶም ኣሕበሩ፣+ ተሳጊሮም* ድማ ኣብ ስንጭሮ* ይዝርኤል ሰፈሩ። 34 ሽዑ፡ መንፈስ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ጊዴዎን መጸ፣*+ ንሱ ኸኣ መለኸት ነፍሐ፣+ ኣቢ-ዔዘራውያን+ ድማ ተኣኪቦም ሰዓብዎ። 35 ናብ ኵሉ ምናሴ ኸኣ ልኡኻት ለኣኸ፣ ንሳቶም እውን ተኣኪቦም ሰዓብዎ። ናብ ኣሴርን ዛብሎንን ንፍታሌምን ድማ ልኡኻት ለኣኸ፣ ንሳቶም እውን ኪረኽብዎ ደየቡ።

36 ጊዴዎን ከኣ ንናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ “ከምቲ ዘተስፎኻዮ፡ ንእስራኤል ብኢደይ እተድሕኖ እንተ ዄንካ፡+ 37 እንሆ፡ ቍሩጽ ጸምሪ ኣብ ዓውዲ አንብር ኣለኹ። ኣብዚ ጸምሪ ጥራይ ኣውሊ እንተ ዀይኑ፡ ኵላ እታ ምድሪ ግና ንቕጽቲ እንተ ዀይና፡ ከምቲ ዘተስፎኻዮ ንእስራኤል ብኣይ ከም እተድሕኖ እፈልጥ” በሎ። 38 ከምኡ ድማ ኰነ። ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ነቲ ጸምሪ ምስ ጸመቖ፡ ካብቲ ጸምሪ ዝወጸ ኣውሊ፡ ሒላብ ምሉእ ማይ ኰነ። 39 ጊዴዎን ግና ንናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ “ሓንሳእ ጥራይ ክዛረብ፡ ቍጥዓኻ ኣባይ ኣይንደድ። በጃኻ፡ በቲ ጸምሪ ሓንሳእ ጥራይ ክፍትን። በጃኻ፡ እቲ ጸምሪ ጥራይ ንቑጽ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ እታ ምድሪ ኸኣ ኣውሊ ይኹን” በሎ። 40 ኣምላኽ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ኸምኡ ገበረ፣ እቲ ጸምሪ ጥራይ ንቑጽ ኰነ፣ ኣብ ልዕሊ ዅላ እታ ምድሪ ኸኣ ኣውሊ ዀነ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ