ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 51
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ኣንጻር ባቢሎን እተዘርበ ትንቢት (1-64)

        • ባቢሎን ብሃንደበት ኣብ ኢድ ሜዶናውያን ክትወድቕ እያ (8-12)

        • መጽሓፍ ናብ ኤፍራጥስ ተደርበየት (59-64)

ኤርምያስ 51:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እዚ፡ ምስጢራዊ ስም ከለዳ ይመስል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:9

ኤርምያስ 51:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:14, 29

ኤርምያስ 51:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣይርገጽ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 13:17, 18፣ ኤር 50:30

ኤርምያስ 51:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 13:15

ኤርምያስ 51:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ምድሪ ከለዳውያን።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 94:14፣ ኢሳ 44:21፣ ኤር 46:28፣ ዘካ 2:12

ኤርምያስ 51:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍስኹም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:12, 14፣ 50:15
  • +ኤር 50:8፣ ዘካ 2:7፣ ራእ 18:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2008፡ ገጽ 8-9

ኤርምያስ 51:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ራእ 17:1, 2፣ 18:3
  • +ኤር 25:15, 16

ኤርምያስ 51:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 21:9፣ 47:9፣ ራእ 14:8
  • +ራእ 18:2, 9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2002፡ ገጽ 30-31

ኤርምያስ 51:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 13:14
  • +ራእ 18:4, 5

ኤርምያስ 51:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚክ 7:9
  • +ኤር 50:28

ኤርምያስ 51:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጕልድባታት ምልኡ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:14
  • +ኢሳ 13:17፣ 45:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    6/2017፡ ገጽ 3

ኤርምያስ 51:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ራእ 17:17
  • +ኢሳ 13:2

ኤርምያስ 51:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መስፈር።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 45:3፣ ኤር 50:37
  • +ራእ 17:1, 15
  • +ኣን 2:9፣ ራእ 18:11, 12, 19

ኤርምያስ 51:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብነፍሱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:15

ኤርምያስ 51:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 93:1፣ 104:24
  • +መዝ 136:5፣ ምሳ 3:19፣ ኢሳ 40:22፣ ኤር 10:12-16

ኤርምያስ 51:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ግመ።”

  • *

    ወይ፡ “መፈንቶ፣ መተንፍሶ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 135:7

ኤርምያስ 51:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ትንፋስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 44:11
  • +ኣን 2:19

ኤርምያስ 51:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ከንቱነት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 41:29፣ ኤር 14:22

ኤርምያስ 51:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “በትሪ ርስቱ ዝደኰነ ኸኣ ንሱ እዩ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 32:9
  • +ኢሳ 47:4

ኤርምያስ 51:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 137:8

ኤርምያስ 51:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:9
  • +ኤር 50:31

ኤርምያስ 51:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:13, 40፣ ራእ 18:21

ኤርምያስ 51:27

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ቀድሱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 13:2፣ ኤር 51:12
  • +ዘፍ 8:4
  • +ዘፍ 10:2, 3፣ ኤር 50:41

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2001፡ ገጽ 26

ኤርምያስ 51:28

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ቀድሱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 13:17፣ ዳን 5:30, 31

ኤርምያስ 51:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 13:13, 19፣ ኤር 50:13, 39, 40

ኤርምያስ 51:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 13:7
  • +ኤር 50:37
  • +መዝ 107:16፣ ኢሳ 45:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    6/2017፡ ገጽ 3

    ኤርምያስ፡ ገጽ 161

ኤርምያስ 51:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 47:11፣ ኤር 50:24, 43

ኤርምያስ 51:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 44:27፣ ኤር 50:38፣ ራእ 16:12

ኤርምያስ 51:34

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:17, 18፣ ኤር 50:17
  • +ኤር 51:44

ኤርምያስ 51:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 137:8፣ ኤር 50:29

ኤርምያስ 51:36

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:34
  • +ዘዳ 32:35
  • +ኢሳ 44:27፣ ኤር 50:38

ኤርምያስ 51:37

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጋውሕታታትን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:12፣ 50:15
  • +ኢሳ 13:19, 22
  • +ኤር 50:13, 39

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    6/2017፡ ገጽ 3

ኤርምያስ 51:39

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዳን 5:1, 4
  • +ኤር 25:17, 27፣ 51:57

ኤርምያስ 51:40

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ኤርምያስ 51:41

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እዚ፡ ምስጢራዊ ስም ባቤል (ባቢሎን) ይመስል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:17, 26
  • +ኢሳ 13:19፣ ኤር 49:25፣ ዳን 4:30

ኤርምያስ 51:43

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 13:1, 20፣ ኤር 50:39

ኤርምያስ 51:44

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 46:1፣ ኤር 50:2
  • +2ዜና 36:7፣ እዝ 1:7፣ ኤር 51:34፣ ዳን 1:1, 2
  • +ኤር 51:58

ኤርምያስ 51:45

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍስኹም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 48:20፣ ራእ 18:4
  • +ኢሳ 13:13
  • +ኤር 51:6፣ ዘካ 2:7

ኤርምያስ 51:47

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 13:15፣ ዳን 5:30

ኤርምያስ 51:48

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:3, 41
  • +ኢሳ 44:23፣ 48:20፣ 49:13፣ ራእ 18:20

ኤርምያስ 51:49

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:17፣ 51:24

ኤርምያስ 51:50

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:8፣ ራእ 18:4
  • +እዝ 1:3፣ መዝ 137:5

ኤርምያስ 51:51

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 79:1፣ ድጕ 1:10

ኤርምያስ 51:52

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 13:15

ኤርምያስ 51:53

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 14:13፣ ዳን 4:30
  • +ኤር 50:10

ኤርምያስ 51:54

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 13:6
  • +ኤር 50:22, 23

ኤርምያስ 51:56

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 21:2
  • +ኤር 50:36
  • +ዘዳ 32:35፣ መዝ 94:1፣ ኢሳ 34:8፣ ኤር 50:29፣ ራእ 18:5
  • +መዝ 137:8

ኤርምያስ 51:57

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:27
  • +ኤር 51:39

ኤርምያስ 51:58

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:15፣ 51:44
  • +ኣን 2:13

ኤርምያስ 51:59

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 32:12፣ 36:4፣ 45:1

ኤርምያስ 51:62

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 13:1, 20፣ 14:23፣ ኤር 50:3, 39፣ 51:29, 37

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    6/2017፡ ገጽ 3

ኤርምያስ 51:63

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ራእይ፡ ገጽ 269

ኤርምያስ 51:64

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ራእ 18:21
  • +ኤር 51:58

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ራእይ፡ ገጽ 269

ሓፈሻዊ

ኤር. 51:1ኤር 50:9
ኤር. 51:2ኤር 50:14, 29
ኤር. 51:3ኢሳ 13:17, 18፣ ኤር 50:30
ኤር. 51:4ኢሳ 13:15
ኤር. 51:5መዝ 94:14፣ ኢሳ 44:21፣ ኤር 46:28፣ ዘካ 2:12
ኤር. 51:6ኤር 25:12, 14፣ 50:15
ኤር. 51:6ኤር 50:8፣ ዘካ 2:7፣ ራእ 18:4
ኤር. 51:7ራእ 17:1, 2፣ 18:3
ኤር. 51:7ኤር 25:15, 16
ኤር. 51:8ኢሳ 21:9፣ 47:9፣ ራእ 14:8
ኤር. 51:8ራእ 18:2, 9
ኤር. 51:9ኢሳ 13:14
ኤር. 51:9ራእ 18:4, 5
ኤር. 51:10ሚክ 7:9
ኤር. 51:10ኤር 50:28
ኤር. 51:11ኤር 50:14
ኤር. 51:11ኢሳ 13:17፣ 45:1
ኤር. 51:12ራእ 17:17
ኤር. 51:12ኢሳ 13:2
ኤር. 51:13ኢሳ 45:3፣ ኤር 50:37
ኤር. 51:13ራእ 17:1, 15
ኤር. 51:13ኣን 2:9፣ ራእ 18:11, 12, 19
ኤር. 51:14ኤር 50:15
ኤር. 51:15መዝ 93:1፣ 104:24
ኤር. 51:15መዝ 136:5፣ ምሳ 3:19፣ ኢሳ 40:22፣ ኤር 10:12-16
ኤር. 51:16መዝ 135:7
ኤር. 51:17ኢሳ 44:11
ኤር. 51:17ኣን 2:19
ኤር. 51:18ኢሳ 41:29፣ ኤር 14:22
ኤር. 51:19ዘዳ 32:9
ኤር. 51:19ኢሳ 47:4
ኤር. 51:24መዝ 137:8
ኤር. 51:25ኤር 25:9
ኤር. 51:25ኤር 50:31
ኤር. 51:26ኤር 50:13, 40፣ ራእ 18:21
ኤር. 51:27ኢሳ 13:2፣ ኤር 51:12
ኤር. 51:27ዘፍ 8:4
ኤር. 51:27ዘፍ 10:2, 3፣ ኤር 50:41
ኤር. 51:28ኢሳ 13:17፣ ዳን 5:30, 31
ኤር. 51:29ኢሳ 13:13, 19፣ ኤር 50:13, 39, 40
ኤር. 51:30ኢሳ 13:7
ኤር. 51:30ኤር 50:37
ኤር. 51:30መዝ 107:16፣ ኢሳ 45:2
ኤር. 51:31ኢሳ 47:11፣ ኤር 50:24, 43
ኤር. 51:32ኢሳ 44:27፣ ኤር 50:38፣ ራእ 16:12
ኤር. 51:342ዜና 36:17, 18፣ ኤር 50:17
ኤር. 51:34ኤር 51:44
ኤር. 51:35መዝ 137:8፣ ኤር 50:29
ኤር. 51:36ኤር 50:34
ኤር. 51:36ዘዳ 32:35
ኤር. 51:36ኢሳ 44:27፣ ኤር 50:38
ኤር. 51:37ኤር 25:12፣ 50:15
ኤር. 51:37ኢሳ 13:19, 22
ኤር. 51:37ኤር 50:13, 39
ኤር. 51:39ዳን 5:1, 4
ኤር. 51:39ኤር 25:17, 27፣ 51:57
ኤር. 51:41ኤር 25:17, 26
ኤር. 51:41ኢሳ 13:19፣ ኤር 49:25፣ ዳን 4:30
ኤር. 51:43ኢሳ 13:1, 20፣ ኤር 50:39
ኤር. 51:44ኢሳ 46:1፣ ኤር 50:2
ኤር. 51:442ዜና 36:7፣ እዝ 1:7፣ ኤር 51:34፣ ዳን 1:1, 2
ኤር. 51:44ኤር 51:58
ኤር. 51:45ኢሳ 48:20፣ ራእ 18:4
ኤር. 51:45ኢሳ 13:13
ኤር. 51:45ኤር 51:6፣ ዘካ 2:7
ኤር. 51:47ኢሳ 13:15፣ ዳን 5:30
ኤር. 51:48ኤር 50:3, 41
ኤር. 51:48ኢሳ 44:23፣ 48:20፣ 49:13፣ ራእ 18:20
ኤር. 51:49ኤር 50:17፣ 51:24
ኤር. 51:50ኤር 50:8፣ ራእ 18:4
ኤር. 51:50እዝ 1:3፣ መዝ 137:5
ኤር. 51:51መዝ 79:1፣ ድጕ 1:10
ኤር. 51:52ኢሳ 13:15
ኤር. 51:53ኢሳ 14:13፣ ዳን 4:30
ኤር. 51:53ኤር 50:10
ኤር. 51:54ኢሳ 13:6
ኤር. 51:54ኤር 50:22, 23
ኤር. 51:56ኢሳ 21:2
ኤር. 51:56ኤር 50:36
ኤር. 51:56ዘዳ 32:35፣ መዝ 94:1፣ ኢሳ 34:8፣ ኤር 50:29፣ ራእ 18:5
ኤር. 51:56መዝ 137:8
ኤር. 51:57ኤር 25:27
ኤር. 51:57ኤር 51:39
ኤር. 51:58ኤር 50:15፣ 51:44
ኤር. 51:58ኣን 2:13
ኤር. 51:59ኤር 32:12፣ 36:4፣ 45:1
ኤር. 51:62ኢሳ 13:1, 20፣ 14:23፣ ኤር 50:3, 39፣ 51:29, 37
ኤር. 51:64ራእ 18:21
ኤር. 51:64ኤር 51:58
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
  • 41
  • 42
  • 43
  • 44
  • 45
  • 46
  • 47
  • 48
  • 49
  • 50
  • 51
  • 52
  • 53
  • 54
  • 55
  • 56
  • 57
  • 58
  • 59
  • 60
  • 61
  • 62
  • 63
  • 64
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 51:1-64

ኤርምያስ

51 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦

“እንሆ፡ ንባቢሎንን ንነበርቲ ለብ-ቃማይን*

ዜጥፍእ ንፋስ አተንስእ ኣለኹ።+

 2 ናብ ባቢሎን፡ ኣዝረውቲ ኽሰድድ እየ፣

ንሳቶም ከኣ ኬዝርውዋን ንምድራ ጥራያ ኺገብርዋን እዮም፣

ብመዓልቲ መዓት፡ ብዅሉ ሸነኽ ኣንጻራ ኺመጹ እዮም።+

 3 ቀስተኛ ቐስቱ ኣይገትር።*

ሓደ እኳ ድርዒ ተኸዲኑ ኣይተንስእ።

ንኣጕባዛ ኣይትራሕርሑሎም።+

ኵሉ ሰራዊታ ኣጥፍኡ።

 4 ኣብ ምድሪ ከለዳውያን ከኣ ቅቱላት፡

ኣብ ጐደናታታ እውን ውጉኣት ኪወድቁ እዮም።+

 5 እስራኤልን ይሁዳንሲ ብኣምላኾም፡ ብየሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ መበለት ኣይኰኑን።+

ግናኸ፡ ምድሮም* ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ብበደል ዝመልአት እያ።

 6 ግዜ ሕነ የሆዋ እዩ፣

ከምቲ ዝገበረቶ ድማ ይፈድያ ኣሎ እሞ፡+

ካብ ማእከል ባቢሎን ህደሙ፣

ንህይወትኩም* ኢልኩም ኣምልጡ።+

ብሰሪ ስሕተታ ኣይትጥፍኡ።

 7 ባቢሎን ኣብ ኢድ የሆዋ ጽዋእ ወርቂ እያ ነይራ፣

ንዅላ ምድሪ ኣስኪራታ እያ።

ካብ ወይና ኣህዛብ ሰኺሮም እዮም፣+

ስለዚ እዮም ኣህዛብ እተጸለሉ።+

 8 ባቢሎን ብሃንደበት ወዲቓን ተሰባቢራን እያ።+

ዋይዋይ በሉላ!+

ምናልባት እንተ ሓወየትሲ፡ ንስቓያ በለሳን ኣምጽኡላ።”

 9 “ንባቢሎን ከነሕውያ ፈቲንናስ፡ ኣይሓወየትን።

ሕደግዋ፡ ነፍሲ ወከፍና ነናብ ምድርና ንኺድ።+

ፍርዳስ ክሳብ ሰማያት በጺሑ እዩ፣

ክሳብ ደበናታት ዝምልዓሉ እዩ።+

10 የሆዋ ፍትሒ ኣውጺኡልና ኣሎ።+

ንዑ፡ ኣብ ጽዮን ግብሪ የሆዋ ኣምላኽና ነዘንቱ።”+

11 “ፍላጻታት ስሓሉ፣+ ከበብቲ ዋላቱ ኣልዕሉ።*

የሆዋ ንባቢሎን ኬዕንዋ ስለ ዝሓሰበ፡

ንመንፈስ ነገስታት ሜዶን ኣለዓዒሉ ኣሎ።+

እዝስ ሕነ የሆዋ፡ ሕነ ቤተ መቕደሱ እዩ።

12 የሆዋ ስልቲ ምሂዙ፡

እቲ ኣንጻር ነበርቲ ባቢሎን እተዛረቦ ኸኣ ኪፍጽሞ እዩ እሞ፡+

ኣንጻር መካበብያ ባቢሎን ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉ።+

ዘብዐኛታት ኣበርትዑ፡ ሓለውቲ ኣቝሙ።

ኣድብዮም ንዘለዉ ኣዳልውዎም።”

13 “ኣቲ ምስ ብዙሕ መዛግብቲ+

ኣብ ብዙሕ ማያት እትቕመጢ ሰበይቲ፡+

መወዳእታኺ፡ ደረት* መኽሰብኪ መጺኡ።+

14 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ኢሉ ብርእሱ* ምሒሉ ኣሎ፦

‘ከም ኣንበጣ ብዝምብዛሖም ሰባት ክመልኣኪ እየ፣

ንሳቶም ድማ ኣብ ልዕሌኺ ብዓወት ኪጭድሩ እዮም።’+

15 ንሱ ብሓይሉ ንምድሪ ዝገበራ፡

ብጥበቡ ንፍርያም ምድሪ ዝሰረታ፡+

ብኣእምሮኡ ኸኣ ንሰማያት ዝዘርግሐ እዩ።+

16 ድምጹ ምስ ዜስምዕ፡

ኣብ ሰማያት ዘሎ ማያት ይናወጽ፣

ካብ ወሰናት ምድሪ ድማ ደበናታት* የዕርግ።

ንዝናም በርቂ* ይገብረሉ፣

ካብ ማዕከኑ እውን ንፋስ የውጽእ።+

17 ኵሉ ሰብ ይዕሹን ፍልጠት ዘይብሉ ይኸውንን።

ኵሉ ኣንጠረኛ ብሰሪ እቲ ጽሩብ ምስሊ ይሓፍር፣+

እቲ ፍሱስ ምስሉስ ናይ ሓሶት እዩ፣

መንፈስ* ከኣ የብሎምን።+

18 ናይ ሓሶት*+ እዮም፣ ዕዮ ላግጺ እውን እዮም።

መዓልቲ ምጽብጻቦም ምስ መጸት፡ ኪጠፍኡ እዮም።

19 ግደ ያእቆብ ከምዚኣቶም ኣይኰነን፣

ንሱስ ንዅሉ ዝደኰነ እዩ፣

በትሪ ርስቱ ኸኣ እዩ።*+

ስሙ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ።”+

20 “ንስኻ በትሪ ውግአይ፡ ኣጽዋር ውግአይ ኢኻ፣

ከመይሲ፡ ብኣኻ ኣህዛብ ክሕምሽሽ እየ።

ብኣኻ መንግስትታት ከዕኑ እየ።

21 ብኣኻ ፈረስን ተወጣሒኡን ክሕምሽሽ እየ።

ብኣኻ ሰረገላን ተወጣሒኡን ክሕምሽሽ እየ።

22 ብኣኻ ሰብኣይን ሰበይትን ክሕምሽሽ እየ።

ብኣኻ ኣረጊትን ቈልዓን ክሕምሽሽ እየ።

ብኣኻ ጐበዝን ጐርዞን ክሕምሽሽ እየ።

23 ብኣኻ ጓሳን መጓሰኡን ክሕምሽሽ እየ።

ብኣኻ ሓረስታይን ዝጸመዶም እንስሳታቱን ክሕምሽሽ እየ።

ብኣኻ ሹማምንትን መኳንንትን ክሕምሽሽ እየ።

24 ንባቢሎንን ንዅሎም ነበርቲ ከለዳን፡

ስለቲ ዅሉ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ኣብ ጽዮን ዝፈጸምዎ እከይ ክፈድዮም እየ”+ ይብል የሆዋ።

25 “ኣታ እተጥፍእ ከረን፡ ኣታ ንብዘላ ምድሪ እተጥፍእ፡+

እንሆ፡ ኣነ ኣንጻርካ እየ”+ ይብል የሆዋ።

“ኣንጻርካ ኢደይ ክዝርግሕ፡ ካብ ኣኻውሕ ከኣ ከንከባልለካ፡

ዝነደደ ኸረን እውን ክገብረካ እየ።”

26 “ንዘለኣለም ባድም ስለ እትኸውን፡+

ካባኻስ እምኒ መኣዝን ወይ እምኒ መሰረት ዚወስድ የልቦን” ይብል የሆዋ።

27 “ኣብታ ምድሪ ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉ።+

ኣብ መንጎ ኣህዛብ መለኸት ንፍሑ።

ኣንጻራ ኣህዛብ ሽሙ።*

ኣንጻራ መንግስትታት ኣራራትን+ ሚኒን ኣሽከናዝን+ ኣኽትቱ።

ኣንጻራ ኣኽታቢ መዝዙ።

ኣፍራስ ከም ጸጓራት ኣንበጣ ኣደይቡላ።

28 ኣንጻራ ኣህዛብን ነገስታት ሜዶንን፡+

ሹማምንታን መኳንንታን፡

ኵለን እተን ዚገዝእወን ሃገራትን ሽሙ።*

29 የሆዋ ንምድሪ ባቢሎን መሰክሕን ብዘይ ነባርን ኪገብራ ኢሉ+

ኣንጻር ባቢሎን ዝሓሰቦ ሓሳብ ኪፍጸም እዩ እሞ፡

ምድሪ ኸተንቀጥቅጥን ራዕራዕ ክትብልን እያ።

30 ጀጋኑ ባቢሎን ምውጋእ ሓዲጎም ኣለዉ።

ኣብ ዕርድታቶም ተቐሚጦም ኣለዉ።

ሓይሎም ተወዲኡ እዩ።+

ከም ኣንስቲ ዀይኖም ኣለዉ።+

ኣባይታ ብሓዊ ነዲዱ እዩ።

ተገዳማታ ተሰይሩ ኣሎ።+

31 ንንጉስ ባቢሎን ከተማኡ ብዅሉ ሸነኽ ከም እተታሕዘት ኪነግርሲ፡+

ሓደ መልእኽተኛ ነቲ ኻልእ መልእኽተኛ ኺረኽቦ፡

ሓደ ልኡኽ ድማ ነቲ ኻልእ ልኡኽ ኪረኽቦ ይጐዪ ኣሎ።

32 መሳገሪታት ከም እተታሕዘ፡+

ጃለቡ ጳጲሮስ ብሓዊ ኸም ዝነደዳ፡

እቶም ተዋጋእቲ እውን ከም እተሸበሩ ኺነግርሲ ይጐዪ ኣሎ።”

33 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤልሲ፡ ከምዚ ይብል፦

“ጓል ባቢሎን ከም ዓውዲ እያ።

ኣመና እትርገጸሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ።

ቍሩብ ጸኒሑ፡ ግዜ ቐውዒ ኺመጻ እዩ።”

34 “ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን በሊዑኒ፣+

ኣሸቢሩኒ።

ከም ጥራዩ ኣቕሓ ገይሩኒ።

ከም ዓብዪ ተመን ውሒጡኒ።+

ከብዱ ብጽቡቐይ መሊኡ።

ጸሪጉኒ።

35 ‘እቲ ኣባይን ኣብ ሰብነተይን እተገብረ ዓመጻ፡ ኣብ ባቢሎን ይውረድ!’ ትብል ነባሪት ጽዮን።+

‘ደመይ ድማ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ከለዳ ይውረድ’ ትብል የሩሳሌም።”

36 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦

“እንሆ፡ ንጕዳይኪ እማጐተልኪ ኣለኹ፣+

ሕነ ኸኣ ክፈድየልኪ እየ።+

ባሕራ ኸንጽፎ፡ ዒላታታ እውን ከንቅጾ እየ።+

37 ንባቢሎን ድማ ኵምራ ኣእማንን+

ሰፈር ወኻሩን*+

መሰክሕን መፋጸይን

ብዘይ ነባርን ክገብራ እየ።+

38 ሓቢሮም ከም ሽደናት ኣናብስ ኪጓዝሙ እዮም።

ከም ኰራዅር ኣናብስ ሕኒን ኪብሉ እዮም።”

39 “ምስ ረሰኑ፡ ምእንቲ ኺፍስሁስ፡+

ክድግሰሎምን ከስክሮምን እየ፣

ሽዑ፡ ዘይነቕሑሉ

ናይ ሓዋሩ ድቃስ ኪድቅሱ እዮም”+ ይብል የሆዋ።

40 “ከም ገንሸላትን* ከም ደዓውልን ከም ድቤላታትን

ናብ ማሕረዲ ኸውርዶም እየ።”

41 “ሼሻኽሲ* ኸመይ ኰን እያ እተማረኸት!+

እታ ውዳሰ ብዘላ ምድርስ ከመይ ኰን እያ እተታሕዘት!+

ባቢሎን ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከመይ ኰን እያ መሰክሒ ዝዀነት!

42 ባሕሪ ናብ ልዕሊ ባቢሎን መጺኡ ኣሎ።

ብብዝሒ ማዕበላቱ ተኸዲና ኣላ።

43 ከተማታታ መሰክሕን ማይ ዘይብለንን ምድረ በዳን ኰይነን ኣለዋ።

ሰብ ዘይነብራን ወዲ ሰብ ዘይሓልፋን ምድሪ ዀይና ኣላ።+

44 ቈላሕታይ ናብ ቤል+ ናብ ባቢሎን ክገብር፡

ነቲ ዝወሓጦ ድማ ካብ ኣፉ ኸውጽኦ እየ።+

ድሕሪ ደጊም ኣህዛብ ናብኡ ኣይኪውሕዙን እዮም፣

መካበብያ ባቢሎን እውን ኪወድቕ እዩ።+

45 ኣቱም ህዝበይ፡ ካብ ማእከላ ውጹ!+

ንህይወትኩም* ኢልኩም ካብቲ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ+ ኣምልጡ!+

46 በቲ ኣብታ ምድሪ ዚስማዕ ወረ ኣይትጃጅዉ ወይ ኣይትፍርሁ።

ብሓንቲ ዓመት ወረ ኺመጽእ፡

በታ እትቕጽል ዓመት ከኣ ካልእ ወረ ኺመጽእ እዩ፣

እወ፡ ኣብታ ምድሪ ናይ ዚህሉ ዓመጻን ኣንጻራ ናይ ዚመጽእ ገዛእን ወረ ኺውረ እዩ።

47 ስለዚ፡ እንሆ፡ ቈላሕታይ ናብቲ ቕሩጽ ምስልታት ባቢሎን ዚገብረለን

መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ።

ኵሉ ምድራ ኺሓፍር እዩ፣

ኵሎም ቅቱላታ እውን ኣብ ማእከላ ኺወድቁ እዮም።+

48 እቶም መጥፋእቲ ኻብ ሰሜን ኪመጽዋ እዮም እሞ፡+

ሰማያትን ምድርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን

ብባቢሎን እልል ኪብል እዩ”+ ይብል የሆዋ።

49 “ባቢሎን ንቕቱላት እስራኤል ጥራይ ኣይኰነትን ኣውዲቓ፣+

የግዳስ፡ ኣብ ባቢሎን ቅቱላት ኵላ ምድሪ እውን ወዲቖም እዮም።

50 ኣቱም ካብ ሰይፊ ዘምለጥኩም፡ ኪዱ፡ ደው ኣይትበሉ!+

ንየሆዋ ኻብ ርሑቕ ዘክርዎ፣

የሩሳሌም እውን ኣብ ልብኹም ትምጻእ።”+

51 “ባጫ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ ሓፊርና ኣለና።

ጓኖት ኣንጻር መቕደስ ቤት የሆዋ መጺኦም እዮም እሞ፡+

ውርደት ንገጽና ሸፊንዎ ኣሎ።”

52 “ስለዚ፡ እንሆ፡ ቈላሕታይ ናብቲ ቕሩጽ ምስልታታ ዚገብረለን

መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ” ይብል የሆዋ፡

“ኣብ ብዘሎ ምድራ ኸኣ ቍሱላት ኪግዕሩ እዮም።”+

53  “ባቢሎን ክሳብ ሰማያት እኳ እንተ ደየበት፡+

ነቲ ነዋሕቲ ዕርድታታ እኳ እንተ ኣጽንዐት፡

መጥፋእታ ኻባይ ኪመጹ እዮም”+ ይብል የሆዋ።

54 “ስምዑ! ካብ ባቢሎን ኣውያት፡+

ካብ ምድሪ ከለዳውያን ከኣ ደሃይ ብርቱዕ ጥፍኣት ይስማዕ ኣሎ፣+

55 የሆዋስ ንባቢሎን የጥፍኣ ኣሎ፣

ነቲ ብርቱዕ ድምጻ ድማ ስቕ ኬብሎ እዩ፣

ማዕበሎም ከኣ ከም ብዙሕ ማያት ኪሃምም እዩ።

ደሃይ ድምጾም እውን ኪስማዕ እዩ።

56 እቲ መጥፍእስ ናብ ባቢሎን ኪመጽእ እዩ፣+

ጀጋኑኣ ኺትሓዙ እዮም፣+

ቀስትታቶም ኪሰባበር እዩ።

የሆዋስ ኣምላኽ ፍዳ እዩ፣+

ብርግጽ እውን ኪፈዲ እዩ።+

57  ኣነ ኸኣ ንመሳፍንታን ንጥበበኛታታን

ንሹማምንታን ንመኳንንታን ንጀጋኑኣን ከስክሮም እየ፣+

ዘይነቕሑሉ ናይ ሓዋሩ ድቃስ ድማ ኪድቅሱ እዮም”+

ይብል እቲ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስ።

58 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦

“መካበብያ ባቢሎን ገፊሕ እኳ እንተ ዀነ፡ ጠሪሱ ኺፈርስ እዩ፣+

ኣፍ ደገታታ ኸኣ ነዊሕ እኳ እንተ ዀነ፡ ብሓዊ ኺነድድ እዩ።

ህዝብታት ብኸንቱ ኺጽዕሩ፡

ኣህዛብ ድማ ሓዊ ንዚበልዖ ኺደኽሙ እዮም።”+

59 ነብዪ ኤርምያስ ንሰራያ ወዲ ኔርያ+ ወዲ ማህሰያ፡ ምስ ጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ንግስናኡ ናብ ባቢሎን ምስ ከደ ዝኣዘዞ ቓል እዚ እዩ፣ ሰራያ ኸኣ ሓላፊ ዕጥቅን ስንቅን ነበረ። 60 ኤርምያስ ድማ፡ ኵሉ እቲ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ዚወርድ መዓት፡ ኵለን እተን ኣንጻር ባቢሎን እተጻሕፋ ቓላት፡ ኣብ ሓንቲ መጽሓፍ ጸሓፈን። 61 ኤርምያስ ከኣ ንሰራያ ኸምዚ በሎ፦ “ናብ ባቢሎን ምስ በጻሕካን ምስ ረኣኻያን፡ ንዅለን እዘን ቃላት እዚአን ዓው ኢልካ ኣንብበን። 62 ድሕሪኡ፡ ‘ኦ የሆዋ፡ እዛ ቦታ እዚኣ ኸም እትጠፍእን ሰብ ኰነ እንስሳ ኸም ዘይነብራን ንዘለኣለም ከም እትባድምን ብዛዕባኣ ተዛሪብካ ኢኻ’ በል።+ 63 ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣንቢብካ ምስ ወዳእካ፡ እምኒ እሰረላ እሞ፡ ኣብ ማእከል ኤፍራጥስ ደርብያ። 64 ሽዑ፡ ‘ባቢሎን ብሰሪ እቲ ኣነ ዘውርደላ መዓት፡ ከምዚ ኢላ ኽትጥሕል፡ መሊሳ እውን ከቶ ኣይክትትንስእን እያ፣+ ኪደኽሙ ድማ እዮም’ በል።”+

ክሳብ እዚ፡ ቃላት ኤርምያስ እዩ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ