ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ነገስት 10
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ነገስት—ትሕዝቶ

      • የሁ ንቤት ኣከኣብ ቀተሎም (1-17)

        • ዮናዳብ ምስ የሁ ሓበረ (15-17)

      • የሁ ንኣምለኽቲ በዓል ቀተሎም (18-27)

      • ንግስና የሁ (28-36)

2 ነገስት 10:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መዕበይቲ ኣከኣብ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:29
  • +1ነገ 21:8

2 ነገስት 10:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዝቐንዐን።”

2 ነገስት 10:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 9:24, 27

2 ነገስት 10:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ቤትን።”

2 ነገስት 10:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 21:21

2 ነገስት 10:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጻድቃን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 9:14, 24

2 ነገስት 10:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 15:29፣ ኢሳ 14:27
  • +1ነገ 21:19-24፣ 2ነገ 9:7, 36

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 11/2022፡ ገጽ 4

2 ነገስት 10:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 18:19፣ 2ነገ 23:19, 20
  • +1ነገ 21:21

2 ነገስት 10:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣባጊዕ ኪቕምቀማ ዚቕየዳሉ ቦታ ኪኸውን ኣለዎ።

2 ነገስት 10:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እተጌን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 8:29፣ 9:21, 27፣ 2ዜና 22:1

2 ነገስት 10:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 22:8

2 ነገስት 10:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምስ ባረኾ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ምሳይ ቅኑዕ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 35:6, 19
  • +1ዜና 2:55

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2005፡ ገጽ 11

    1/1/1998፡ ገጽ 12-13

2 ነገስት 10:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቅንኣተይ ንየሆዋ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 25:11፣ 1ነገ 19:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/1/1998፡ ገጽ 12-13

2 ነገስት 10:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 21:20, 21፣ 2ነገ 9:26
  • +2ነገ 9:8፣ 2ዜና 22:7

2 ነገስት 10:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:32, 33፣ 18:22

2 ነገስት 10:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 3:13
  • +2ነገ 10:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2011፡ ገጽ 5

2 ነገስት 10:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ቀድሱ።”

2 ነገስት 10:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:30, 32

2 ነገስት 10:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 10:15፣ ኤር 35:6, 19

2 ነገስት 10:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣብ ክንዲ ነፍሱ ነፍስኹም።”

2 ነገስት 10:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ጐየይትን።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “እታ ኸተማ፡” ምናልባት ከም ዕርዲ ንዝበለ ነገር ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 32:26, 27፣ ዘዳ 13:6-9፣ ህዝ 9:5

2 ነገስት 10:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:1
  • +ዘዳ 7:25

2 ነገስት 10:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:30፣ ዘዳ 7:5
  • +1ነገ 16:30, 32

2 ነገስት 10:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:28-30፣ 13:33፣ ሆሴ 8:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2011፡ ገጽ 5

2 ነገስት 10:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 21:21
  • +2ነገ 13:1, 10፣ 14:23፣ 15:8, 12

2 ነገስት 10:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 10:12፣ ሆሴ 1:4
  • +1ነገ 12:28-30፣ 13:34፣ 14:16

2 ነገስት 10:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 19:17፣ 2ነገ 8:12፣ 13:22

2 ነገስት 10:33

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ርባ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 32:33፣ እያ 22:9
  • +ዘዳ 3:13-16፣ 28:63፣ እያ 13:8-12

2 ነገስት 10:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 13:1

2 ነገስት 10:36

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታት።”

ሓፈሻዊ

2 ነገ. 10:11ነገ 16:29
2 ነገ. 10:11ነገ 21:8
2 ነገ. 10:42ነገ 9:24, 27
2 ነገ. 10:71ነገ 21:21
2 ነገ. 10:92ነገ 9:14, 24
2 ነገ. 10:101ሳሙ 15:29፣ ኢሳ 14:27
2 ነገ. 10:101ነገ 21:19-24፣ 2ነገ 9:7, 36
2 ነገ. 10:111ነገ 18:19፣ 2ነገ 23:19, 20
2 ነገ. 10:111ነገ 21:21
2 ነገ. 10:132ነገ 8:29፣ 9:21, 27፣ 2ዜና 22:1
2 ነገ. 10:142ዜና 22:8
2 ነገ. 10:15ኤር 35:6, 19
2 ነገ. 10:151ዜና 2:55
2 ነገ. 10:16ዘሁ 25:11፣ 1ነገ 19:10
2 ነገ. 10:171ነገ 21:20, 21፣ 2ነገ 9:26
2 ነገ. 10:172ነገ 9:8፣ 2ዜና 22:7
2 ነገ. 10:181ነገ 16:32, 33፣ 18:22
2 ነገ. 10:192ነገ 3:13
2 ነገ. 10:192ነገ 10:11
2 ነገ. 10:211ነገ 16:30, 32
2 ነገ. 10:232ነገ 10:15፣ ኤር 35:6, 19
2 ነገ. 10:25ዘጸ 32:26, 27፣ ዘዳ 13:6-9፣ ህዝ 9:5
2 ነገ. 10:26ዘሌ 26:1
2 ነገ. 10:26ዘዳ 7:25
2 ነገ. 10:27ዘሌ 26:30፣ ዘዳ 7:5
2 ነገ. 10:271ነገ 16:30, 32
2 ነገ. 10:291ነገ 12:28-30፣ 13:33፣ ሆሴ 8:6
2 ነገ. 10:301ነገ 21:21
2 ነገ. 10:302ነገ 13:1, 10፣ 14:23፣ 15:8, 12
2 ነገ. 10:31ዘዳ 10:12፣ ሆሴ 1:4
2 ነገ. 10:311ነገ 12:28-30፣ 13:34፣ 14:16
2 ነገ. 10:321ነገ 19:17፣ 2ነገ 8:12፣ 13:22
2 ነገ. 10:33ዘሁ 32:33፣ እያ 22:9
2 ነገ. 10:33ዘዳ 3:13-16፣ 28:63፣ እያ 13:8-12
2 ነገ. 10:352ነገ 13:1
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ነገስት 10:1-36

2 ነገስት

10 ኣከኣብ+ ድማ ኣብ ሰማርያ 70 ኣወዳት ነበርዎ። የሁ ኸኣ ደብዳበታት ጽሒፉ ናብ ሰማርያ፡ ናብ መሳፍንቲ ይዝርኤል፡ ናብቶም ዓበይትን+ ናብቶም መዕበይቲ ደቂ ኣከኣብን* ከምዚ ኢሉ ለኣኸ፦ 2 “ሕጂ፡ እዛ ደብዳበ እዚኣ ኽትበጽሓኩም ከላ፡ ደቂ ጐይታኹም ምሳኻትኩም ኣለዉ፣ ሰረገላታትን ኣፍራስን እተዓርደት ከተማን ኣጽዋርን ከኣ ኣሎኩም። 3 ነቲ ኻብ ደቂ ጐይታኹም ዝበለጸን ዝሓሸን* ሓሪኹም፡ ኣብ ዝፋን ኣቦኡ ኣቐምጥዎ። ምእንቲ ቤት ጐይታኹም ድማ ተዋግኡ።”

4 ንሳቶም ግና ኣዝዮም ፈርሁ እሞ፡ “እንሆ፡ ክልተ ነገስታት እኳ ኣብ ቅድሚኡ ኪቘሙ ዘይከኣሉስ፡+ ንሕና ግዳ ኸመይ ጌርና ኽንቀውም፧” በሉ። 5 እቲ ሓላፊ ቤተ መንግስትን* እቲ ኣመሓዳሪ እታ ኸተማን እቶም ዓበይትን እቶም መዕበይትን ድማ ናብ የሁ፡ “ንሕና ገላዉኻ ኢና፣ እትብለና ዅሉ ኸኣ ንገብር። ንሓደ እኳ ኣይነንግስን ኢና። ኣብ ኣዒንትኻ ጽቡቕ ዝመሰለካ ግበር” ኢሎም ለኣኹ።

6 ንሱ ድማ፡ “ንስኻትኩም ናተይ እንተ ዄንኩም፡ ክትእዘዙኒ ኸኣ ፍቓደኛታት እንተ ዄንኩም፡ ኣራእስ እቶም ደቂ ጐይታኹም ናባይ ኣምጽኡ፡ ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ድማ ናብ ይዝርኤል ምጹኒ” ኢሉ ኻልአይቲ ደብዳበ ጸሓፈሎም።

እቶም 70 ደቂ ንጉስ ከኣ ምስቶም ዜዕብይዎም ዓበይቲ እታ ኸተማ ነበሩ። 7 እታ ደብዳበ ምስ በጽሓቶም፡ ነቶም ደቂ ንጉስ፡ ን70 ሰባት፡+ ወሲዶም ሓረድዎም፣ ነቲ ኣራእሶም ድማ ኣብ ከፈራት ገይሮም ናብ ይዝርኤል ሰደድዎ። 8 ልኡኽ መጺኡ ኸኣ፡ “ኣራእስ እቶም ደቂ ንጉስ ኣምጺኦምዎ” ኢሉ ነገሮ። ንሱ ድማ፡ “ክሳዕ ንግሆ፡ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ኣብ ክልተ ዅምራ ግበርዎ” በለ። 9 ንግሆ ምስ ወጸ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ህዝቢ ደው ኢሉ ኸምዚ በለ፦ “ንስኻትኩም ንጹሃት* ኢኹም። ኣነ ደኣ እየ ንጐይታይ ውዲት ዝኣለምኩሉን ዝቐተልክዎን፣+ ንዅሎም እዚኣቶም ግና መን እዩ ቐቲልዎም፧ 10 እምበኣር፡ ካብቲ የሆዋ ኣንጻር ቤት ኣከኣብ እተዛረቦ፡ ሓንቲ ቓል የሆዋ እውን ኣብ ምድሪ ኸም ዘይትወድቕ ፍለጡ፣+ የሆዋ ኸኣ ነቲ ብጊልያኡ ኤልያስ እተዛረቦ ገይርዎ ኣሎ።”+ 11 የሁ ድማ ንዅሎም እቶም ኣብ ይዝርኤል ካብ ቤት ኣከኣብ ተሪፎም ዝነበሩን ንዅሎም ዓበይቱን ፈለጥቱን ካህናቱን+ ሓደ እኳ ኸየትረፈ ቐተሎም።+

12 ተንሲኡ ኸኣ ናብ ሰማርያ ኸደ። እታ ናይ ጓሶት ቤት ቀይዲ* ድማ ኣብ መገዲ ነበረት። 13 የሁ ኸኣ ንኣሕዋት ኣሓዝያ+ ንጉስ ይሁዳ ተጓነፎም እሞ፡ “ንስኻትኩም መን ኢኹም፧” በሎም። ንሳቶም ድማ፡ “ንሕና ኣሕዋት ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳ ኢና፣ ንደቂ ንጉስን ንደቂ ኣደ ንጉስን* ሰላም ክንብል ከኣ ንወርድ ኣለና” በሉ። 14 ብኡብኡ፡ “ብህይወቶም ከለዉ ሓዝዎም!” በለ። ን42 ሰባት ብህይወቶም ከለዉ ሒዞም ድማ ኣብ መዕቘር ማይ እቲ ቤት ቀይዲ ሓረድዎም። ካባታቶም ሓደ እኳ ኣየትረፈን።+

15 ካብኡ ምስ ከደ ኸኣ፡ ዮናዳብ+ ወዲ ሬካብ+ ኪቕበሎ ኺመጽእ ከሎ ረኸቦ። ሰላም ምስ በሎ* ድማ፡ “ከምቲ ልበይ ምስ ልብኻ ዝዀነ፡ ልብኻ ምሉእ ብምሉእ ምሳይ* ድዩ፧” በሎ።

ዮናዳብ ከኣ፡ “ከምኡ እዩ” ኢሉ መለሰ።

“ከምኡ እንተ ዀይኑስ፡ ኢድካ ሃበኒ።”

ኢዱ ድማ ሃቦ፣ የሁ ኸኣ ናብኡ ናብ ሰረገላ ኣደየቦ። 16 “ንዓ ምሳይ እሞ ንየሆዋ ንዚቀናቐን ከም ዘይጻወር* ርአ” ድማ በሎ።+ ኣብ ሰረገላኡ ኸኣ ኣደየብዎ። 17 ናብ ሰማርያ ድማ መጸ፣ ከምቲ የሆዋ ንኤልያስ እተዛረቦ ቓል ከኣ፡+ ንዅሎም እቶም ካብ ቤት ኣከኣብ ኣብ ሰማርያ ዝተረፉ ኽሳዕ ዜጽንቶም ቀተሎም።+

18 የሁ ድማ ንዅሎም ህዝቢ ኣኪቡ ኸምዚ በሎም፦ “ኣከኣብ ንበዓል ቍሩብ እዩ ኣምሊኽዎ፣+ የሁ ግና ብዝያዳ ኼምልኾ እዩ። 19 እምበኣር፡ ንዅሎም ነብያት በዓልን+ ንዅሎም ኣምለኽቱን ንዅሎም ካህናቱን+ ጸውዑለይ። ንበዓል ዓብዪ መስዋእቲ ኣሎኒ እሞ፡ ሓደ እኳ ኣይትረፍ። ዝተረፈ ዘበለ ብህይወት ኣይኪነብርን እዩ።” የሁ ግና ነቶም ኣምለኽቲ በዓል ምእንቲ ኼጥፍኦም ኢሉ፡ ብተንኰል እዩ እዚ ገይሩ።

20 የሁ ኸኣ፡ “ንበዓል ዓብዪ በዓል ኣውጁ”* በለ። ንሳቶም ድማ ኣወጁ። 21 ድሕርዚ፡ የሁ ናብ ብዘሎ እስራኤል ለኣኸ፣ ኵሎም ኣምለኽቲ በዓል ከኣ መጹ። ከይመጸ ዝተረፈ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ናብ ቤት* በዓል ድማ ኣተዉ፣+ ቤት በዓል ከኣ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን መልአት። 22 ነቲ ኣብ ልዕሊ እንዳ ኽዳውንቲ ሓላፍነት እተዋህቦ ድማ፡ “ንዅሎም ኣምለኽቲ በዓል ክዳውንቲ ኣውጽኣሎም” በሎ። ንሱ ኸኣ ክዳውንቲ ኣውጽኣሎም። 23 የሁ ድማ ምስ ዮናዳብ+ ወዲ ሬካብ ናብ ቤት በዓል ኣተወ። ንኣምለኽቲ በዓል ከኣ፡ “ብዘይካ ኣምለኽቲ በዓል፡ ኣብዚ ኣምለኽቲ የሆዋ ኸይህልዉ፡ ተጠንቂቕኩም መርምሩን ርኣዩን” በሎም። 24 መስዋእቲ ሕሩድን ዚሓርር መስዋእትን ድማ ሰውኡ። የሁ ግና 80 ሰባት ኣብ ወጻኢ ኣቚሙ ነበረ፣ ንዓታቶም ከኣ፡ “ካብዞም ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፈ ዝህበኩም ዘለኹ ሰባት ሓደ ሰብ እንተ ኣምሊጡ፡ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ህይወትኩም* ክትሓልፍ እያ” ኢልዎም ነበረ።

25 ዚሓርር መስዋእቲ ሰዊኡ ምስ ወድአ፡ የሁ ነቶም ሓለውትን* ነቶም ሓገዝትን፡ “እተዉ እሞ ቕተልዎም! ሓደ እኳ ኣየምልጥ!” በሎም።+ እቶም ሓለውትን እቶም ሓገዝትን ድማ ብሰይፊ ቐቲሎም ናብ ወጻኢ ደርበይዎም፣ ክሳብ እታ ውሽጣዊት መቕደስ* ቤት በዓል ከኣ ከዱ። 26 ነቲ ኣብ ቤት በዓል ዝነበረ ሓወልትታት ኣምልኾ+ ድማ ኣውጺኦም ኣንደድዎ።+ 27 ንሓወልቲ ኣምልኾ በዓል ከኣ ኣፍረስዎ፡+ ንቤት በዓል+ እውን ኣፍረስዋ፣ ከምቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዀይናቶ ዘላ ድማ ዓይኒ ምድሪ ገበርዋ።

28 በዚ ኸምዚ፡ የሁ ንበዓል ካብ እስራኤል ኣጥፍኦ። 29 ግናኸ፡ የሁ ኻብቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት፡ ማለት ካብቶም ኣብ ቤት-ኤልን ዳንን ዝነበሩ ምራኹት ወርቂ ኣየልገሰን።+ 30 የሆዋ ድማ ንየሁ፡ “ንቤት ኣከኣብ ከምቲ ኣብ ልበይ ዝነበረ ዅሉ ብምግባር ጽቡቕ ስለ ዝገበርካን ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ቅኑዕ ስለ ዝገበርካን፡+ ኣርባዕተ ወለዶ ደቅኻ ኣብ ዝፋን እስራኤል ኪቕመጡ እዮም” በሎ።+ 31 የሁ ግና ብዅሉ ልቡ ብሕጊ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ንምምልላስ ኣይተጠንቀቐን።+ ካብቲ የሮብዓም ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት ኣየልገሰን።+

32 በተን መዓልትታት እቲአን፡ የሆዋ ንእስራኤል ኪቝርምማ ጀመረ። ሓዛኤል ከኣ ኣብ ብዘሎ ሃገር እስራኤል የጥቅዖም ነበረ።+ 33 ካብ ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ፡ ኵላ ምድሪ ጊልዓድ፡—ምድሪ ጋዳውያንን ሮቤላውያንን ምናስያውያንን፡+—ካብታ ኣብ ጥቓ ስንጭሮ* ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ክሳብ ጊልዓድን ባሳንን የጥቅዖም ነበረ።+

34 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ የሁ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮን ኵሉ ሓይሉን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 35 የሁ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ኣብ ሰማርያ ኸኣ ቀበርዎ፣ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮኣሓዝ ነገሰ።+ 36 እቲ የሁ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝነገሰሉ ዘመን* ከኣ 28 ዓመት እዩ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ