ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ነገስት 6
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ነገስት—ትሕዝቶ

      • ሰሎሞን ቤተ መቕደስ ሃነጸ (1-38)

        • ውሽጣዊት ክፍሊ (19-22)

        • ኪሩቤል (23-28)

        • እተቐርጸ ቕርጽታትን መዓጹን እቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድን (29-36)

        • ቤተ መቕደስ ብሸውዓተ ዓመት ተፈጸመት (37, 38)

1 ነገስት 6:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ደቂ እስራኤል።”

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ለ8 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 12:14, 51
  • +1ነገ 6:37
  • +1ዜና 28:11, 12፣ 2ዜና 3:1, 2

1 ነገስት 6:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ሓደ እመት፡ 44.5 ሰ.ሜ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 3:3፣ እዝ 6:3

1 ነገስት 6:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ቤተ መቕደስ እታ ቤት።”

  • *

    ወይ፡ “ዝግፍሑ።”

  • *

    ወይ፡ “ማዕረ ግፍሒ እታ ቤት ኰይኑ 20 እመት ዝዓቐኑ ነበረ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 3:4

1 ነገስት 6:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ከፋቱ እናጸበበ ዚኸይድ መሳዅቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 41:26

1 ነገስት 6:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብዚ ነታ ቕድስቲ ተመልክት።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 16:2፣ 2ዜና 5:7፣ እብ 9:3
  • +1ነገ 6:10፣ ህዝ 41:5, 26

1 ነገስት 6:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣታው።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 41:6, 7

1 ነገስት 6:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 5:17

1 ነገስት 6:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “የማን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 41:11

1 ነገስት 6:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 6:38
  • +1ነገ 5:6፣ 6:20

1 ነገስት 6:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 6:5

1 ነገስት 6:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 17:18, 19፣ 1ነገ 8:25፣ 1ዜና 28:9
  • +2ሳሙ 7:13፣ 1ዜና 22:9

1 ነገስት 6:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 25:8፣ ዘሌ 26:12፣ መዝ 132:13
  • +1ዜና 28:20

1 ነገስት 6:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ተርሚን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 5:8፣ 2ዜና 3:5

1 ነገስት 6:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ኣብ ውሽጢ እታ ቤት።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 6:5
  • +2ዜና 3:8, 9፣ እብ 9:3

1 ነገስት 6:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ እታ ኣብ ቅድሚ እታ ቕድስተ ቕዱሳን ዘላ ቕድስቲ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 9:2

1 ነገስት 6:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 7:24
  • +ዘጸ 25:33

1 ነገስት 6:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 40:21፣ 1ነገ 8:6
  • +እብ 9:3

1 ነገስት 6:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 6:16
  • +ዘጸ 30:1፣ 1ነገ 7:48

1 ነገስት 6:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 26:29፣ 2ዜና 3:7
  • +ዘጸ 26:33

1 ነገስት 6:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 30:1, 3፣ 40:5

1 ነገስት 6:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኦም ዘይቲ፡” ጽሕዲ ኣለጶ ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 3:10-13፣ 5:8
  • +ዘፍ 3:24፣ 2ነገ 19:15፣ መዝ 99:1

1 ነገስት 6:27

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ቅድስተ ቕዱሳን።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 80:1፣ ኢሳ 37:16፣ እብ 9:4, 5

1 ነገስት 6:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ውሽጥን ደገን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 3:14
  • +ህዝ 41:17, 18
  • +ዘጸ 25:33፣ 1ነገ 6:18

1 ነገስት 6:31

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ንስርሓት እቲ መቓን ማዕጾ፡ ወይ ንዓቐን እቲ መዓጹ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።

1 ነገስት 6:33

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብዚ ነታ ቕድስቲ ተመልክት።

  • *

    ንስርሓት እቲ መቓን ማዕጾ፡ ወይ ንዓቐን እቲ መዓጹ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።

1 ነገስት 6:34

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ተርሚን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 41:24, 25

1 ነገስት 6:36

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 27:9፣ 2ዜና 4:9፣ 7:7
  • +1ነገ 7:12

1 ነገስት 6:37

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 6:1

1 ነገስት 6:38

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 28:11, 12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ገጽ 1512፡ 1604

ሓፈሻዊ

1 ነገ. 6:1ዘጸ 12:14, 51
1 ነገ. 6:11ነገ 6:37
1 ነገ. 6:11ዜና 28:11, 12፣ 2ዜና 3:1, 2
1 ነገ. 6:22ዜና 3:3፣ እዝ 6:3
1 ነገ. 6:32ዜና 3:4
1 ነገ. 6:4ህዝ 41:26
1 ነገ. 6:5ዘሌ 16:2፣ 2ዜና 5:7፣ እብ 9:3
1 ነገ. 6:51ነገ 6:10፣ ህዝ 41:5, 26
1 ነገ. 6:6ህዝ 41:6, 7
1 ነገ. 6:71ነገ 5:17
1 ነገ. 6:8ህዝ 41:11
1 ነገ. 6:91ነገ 6:38
1 ነገ. 6:91ነገ 5:6፣ 6:20
1 ነገ. 6:101ነገ 6:5
1 ነገ. 6:12ዘዳ 17:18, 19፣ 1ነገ 8:25፣ 1ዜና 28:9
1 ነገ. 6:122ሳሙ 7:13፣ 1ዜና 22:9
1 ነገ. 6:13ዘጸ 25:8፣ ዘሌ 26:12፣ መዝ 132:13
1 ነገ. 6:131ዜና 28:20
1 ነገ. 6:151ነገ 5:8፣ 2ዜና 3:5
1 ነገ. 6:161ነገ 6:5
1 ነገ. 6:162ዜና 3:8, 9፣ እብ 9:3
1 ነገ. 6:17እብ 9:2
1 ነገ. 6:181ነገ 7:24
1 ነገ. 6:18ዘጸ 25:33
1 ነገ. 6:19ዘጸ 40:21፣ 1ነገ 8:6
1 ነገ. 6:19እብ 9:3
1 ነገ. 6:201ነገ 6:16
1 ነገ. 6:20ዘጸ 30:1፣ 1ነገ 7:48
1 ነገ. 6:21ዘጸ 26:29፣ 2ዜና 3:7
1 ነገ. 6:21ዘጸ 26:33
1 ነገ. 6:22ዘጸ 30:1, 3፣ 40:5
1 ነገ. 6:232ዜና 3:10-13፣ 5:8
1 ነገ. 6:23ዘፍ 3:24፣ 2ነገ 19:15፣ መዝ 99:1
1 ነገ. 6:27መዝ 80:1፣ ኢሳ 37:16፣ እብ 9:4, 5
1 ነገ. 6:292ዜና 3:14
1 ነገ. 6:29ህዝ 41:17, 18
1 ነገ. 6:29ዘጸ 25:33፣ 1ነገ 6:18
1 ነገ. 6:34ህዝ 41:24, 25
1 ነገ. 6:36ዘጸ 27:9፣ 2ዜና 4:9፣ 7:7
1 ነገ. 6:361ነገ 7:12
1 ነገ. 6:371ነገ 6:1
1 ነገ. 6:381ዜና 28:11, 12
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ነገስት 6:1-38

1 ነገስት

6 እስራኤላውያን* ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ መበል 480 ዓመት፡+ ካብታ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝነገሰላ ኣብ ራብዐይቲ ዓመት፡ ኣብ ወርሒ ዚው*+ (ንሳ እታ ኻልአይቲ ወርሒ)፡ ንሱ ምህናጽ ቤት የሆዋ* ጀመረ።+ 2 እታ ሰሎሞን ንየሆዋ ዝሃነጸሉ ቤት ድማ፡ 60 እመት* ዝንውሓታ፡ 20 እመት ከኣ ዝግፍሓ፡ 30 እመት ድማ ዝቝመታ ነበረት።+ 3 እቲ ኣብ ቅድሚ እታ ቤተ መቕደስ* ዝነበረ ገበላ ኸኣ፡+ 20 እመት ዝንውሓቱ፡* ማዕረ ግፍሒ እታ ቤት ነበረ።* ግፍሑ ድማ ካብ ቅድሚ እታ ቤት ዓሰርተ እመት ነበረ።

4 ነታ ቤት ከኣ እናጸበበ ዚኸይድ መቓናት ዘለዎ መሳዅቲ* ገበረላ።+ 5 ኣብ መንደቕ እታ ቤት ኣጸጊዑ ድማ ህንጻ ሃነጸ፣ ኣብ ዙርያ መንደቕ እታ ቤት፡ ኣብ ዙርያ እታ ቤተ መቕደስን* እታ ውሽጣዊት ክፍልን ነበረ፣+ ኣብቲ ዙርያ ኸኣ ጐድናዊ ኽፍልታት ገበረ።+ 6 ገለ እኳ ናብ ውሽጢ መንደቕ እታ ቤት ኣትዩ ኸይተሓሓዝሲ፡ ኣብ ዙርያ እታ ቤት ብደጊኣ ሕድጋት* ገይሩላ ነበረ እሞ፡ እቲ ታሕተዋይ ባይታ እቲ ጐድናዊ ኽፍልታት ሓሙሽተ እመት ዝግፍሑ፡ እቲ ማእከላይ ባይታ ድማ ሽዱሽተ እመት ዝግፍሑ፡ እቲ ሳልሳይ ባይታ ኸኣ ሸውዓተ እመት ዝግፍሑ ነበረ።+

7 እታ ቤት ኣብቲ እተፋሕረሉ ቦታ ብእተዳለወ ኣእማን እያ ተሃኒጻ እሞ፡+ እታ ቤት ክትህነጽ ከላ፡ ሞደሻታት ኰነ፡ ፋሳት ኰነ፡ ናውቲ ሓጺን ኰነ ኣይተሰምዐን። 8 መእተዊ እታ ታሕተወይቲ ጐድናዊት ክፍሊ ብሸነኽ ደቡብ* እታ ቤት ነበረ፣+ እቲ ዓንኬላዊ መደያይቦ ድማ ናብ ማእከላይ ባይታ፡ ካብ ማእከላይ ባይታ ኸኣ ናብ ሳልሳይ ባይታ ይመርሕ ነበረ። 9 ነታ ቤት ድማ ሃኒጹ ወድኣ፣+ ነታ ቤት ከኣ ብኣግማልን ብእተረብበ ኣልዋሕ ቄድሮስን ከደና።+ 10 ኣብ ዙርያ እታ ቤት፡ ነፍሲ ወከፉ ሓሓሙሽተ እመት ዝቝመቱ ጐድናዊ ኽፍልታት ሃነጸ፣+ እዚ ድማ ምስታ ቤት ብዕንጨይቲ ቄድሮስ ተላጊቡ ነበረ።

11 ሽዑ ኸኣ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ሰሎሞን መጸ፦ 12 “ብዛዕባ እዛ እትሃንጻ ዘለኻ ቤት፡ ብሕግታተይ እንተ ተመላሊስካ፡ ፍርድታተይ ድማ እንተ ፈጺምካ፡ ብእኡ ብምምልላስ ከኣ ኵሉ ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኻ፡+ እቲ ንኣቦኻ ዳዊት ዘተስፎኽዎ ቓል ኣባኻ ኽፍጽሞ እየ፣+ 13 ኣብ ማእከል እስራኤላውያን ድማ ክነብር፡+ ንህዝበይ እስራኤል እውን ኣይክሓድጎን እየ።”+

14 ሰሎሞን ከኣ ነታ ቤት ንምውዳኣ ይሃንጽ ነበረ። 15 ንውሽጣዊ መንደቕ እታ ቤት ብኣልዋሕ ቄድሮስ ሃነጾ። ነቲ ውሽጣዊ መንደቕ ድማ፡ ካብ ባይታ እታ ቤት ክሳብ ሰርወታት እቲ ሰንቀ ብዕንጨይቲ ረበቦ፣ ንባይታ እታ ቤት ከኣ ብኣልዋሕ ጽሕዲ* ኸደኖ።+ 16 ብሸነኽ ድሕሪት እታ ቤት ከኣ ናይ 20 እመት ክፋል፡ ካብቲ ባይታ ኽሳብ እቲ ሰርወታት ብኣልዋሕ ቄድሮስ ሃነጸ፣ ኣብ ውሽጣ* ድማ ውሽጣዊት ክፍሊ፡+ ቅድስተ ቕዱሳን+ ሃነጸ። 17 እታ ቤተ መቕደስ*+ ከኣ፡ ማለት እታ ኣብ ቅድሚኣ ዘላ ኽፋል እታ ቤት፡ 40 እመት ነበረት። 18 እቲ ኣብ ውሽጢ እታ ቤት ዝነበረ ቄድሮስ፡ ሓምሓማትን+ ዝዓምበበ ዕምባባታትን+ እተቐርጾ ነበረ። ኵሉ ቄድሮስ ነበረ፣ እምኒ ድማ ኣይርአን ነበረ።

19 ኣብ ውሽጢ እታ ቤት ከኣ፡ ኣብኣ ታቦት ኪዳን የሆዋ ንምንባር፡+ ውሽጣዊት ክፍሊ ኣዳለወ።+ 20 እታ ውሽጣዊት ክፍሊ 20 እመት ዝንውሓታን 20 እመት ዝግፍሓን 20 እመት ዝቝመታን ነበረት፣+ ንዓኣ ድማ ብጽሩይ ወርቂ ለበጣ፣ ነቲ መሰውኢ+ ኸኣ ብቄድሮስ ከደኖ። 21 ሰሎሞን ድማ ንውሽጢ እታ ቤት ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ፣+ ኣብ ቅድሚ እታ ብወርቂ እተለበጠት ውሽጣዊት ክፍሊ+ ኸኣ ሰንሰለት ወርቂ ዘርግሐ። 22 ኵላ እታ ቤት ክሳዕ እትፍጸም፡ ንብዘላ እታ ቤት ብወርቂ ለበጣ፣ ንዅሉ እቲ ኣብ ጥቓ እታ ውሽጣዊት ክፍሊ ዘሎ መሰውኢ እውን ብወርቂ ለበጦ።+

23 ኣብታ ውሽጣዊት ክፍሊ ድማ ዓዓሰርተ እመት ዝቝመቶም+ ክልተ ኪሩቤል+ ካብ ዕንጨይቲ ጽሕዲ* ገበረ። 24 ሓንቲ ኽንፊ እቲ ሓደ ኪሩብ ሓሙሽተ እመት ነበረት፡ እታ ሓንቲ ኽንፊ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ነበረት። ካብ ጫፍ እታ ሓንቲ ኽንፊ ኽሳብ እታ ሓንቲ ኽንፊ ዓሰርተ እመት ነበረ። 25 እቲ ኻልኣይ ኪሩብ እውን ዓሰርተ እመት ነበረ። እቶም ክልተ ኪሩቤል ሕደ ዓቐንን ቅርጽን ነበሮም። 26 ቍመት እቲ ሓደ ኪሩብ ዓሰርተ እመት ነበረ፣ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ እውን ከምኡ ነበረ። 27 ነቶም ኪሩቤል+ ድማ ኣብ ውሽጢ እታ ውሽጣዊት ቤት* ኣንበሮም። ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ተዘርጊሐን ነበራ እሞ፡ ክንፊ እቲ ሓደ ኪሩብ ኣብቲ መንደቕ በጽሐ፡ ክንፊ እቲ ኻልኣይ እውን ኣብቲ ኻልኣይ መንደቕ በጽሐ፣ እተን ኣኽናፎም ናብ ማእከል እታ ቤት ተዘርጊሐን ነበራ እሞ፡ እተን ኣኽናፍ ተተናኸያ። 28 ነቶም ኪሩቤል ድማ ብወርቂ ለበጦም።

29 ኣብ ኵሉ መንደቕ እታ ቤት፡ ኣብ ዙርያ እታ ውሽጣዊት ክፍልን እታ ደጋዊት ክፍልን፡* ምስልታት ኪሩቤልን+ ኣእዋም ስየን+ ዝዓምበበ ዕምባባታትን+ ቀረጸ። 30 ነቲ ኣብታ ውሽጣዊት ክፍልን ኣብታ ደጋዊት ክፍልን ዘሎ ባይታ እታ ቤት ብወርቂ ለበጦ። 31 ንኣፍ ደገ እታ ውሽጣዊት ክፍሊ፡ ካብ ዕንጨይቲ ጽሕዲ መዓጹ ገበረ፣ ጐድናዊ ኣዕኑድ፡ ቀወምቲ ልዳውቲ፡ ሓምሻይ ኢድ* ገይሩ ገበረ። 32 እተን ክልተ ማዕጾ ኻብ ዕንጨይቲ ጽሕዲ ነበራ፣ ኣብአን ከኣ ኪሩቤልን ኣእዋም ስየን ዝዓምበበ ዕምባባታትን ቀረጸ፣ ብወርቂ እውን ለበጠን። ነቲ ወርቂ ኣብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤልን እቲ ኣእዋም ስየን ቀጥቂጡ ዘርግሖ። 33 ንኣፍ ደገ እታ ቤተ መቕደስ፡* ከምኡ ገይሩ ቐወምቲ ልዳውቲ ኻብ ዕንጨይቲ ጽሕዲ፡ ናይ ራብዓይ ኢድ* ገበረ። 34 ካብ ኦም ጽሕዲ* ድማ ክልተ ማዕጾ ገበረ። እቲ ሓደ ማዕጾ ኣብ ወንድወንዶ ዚዘውር ክልተ ኽፋል ነበሮ፡ እቲ ኻልኣይ ማዕጾ ኸኣ ኣብ ወንድወንዶ ዚዘውር ክልተ ኽፋል ነበሮ።+ 35 ኪሩቤልን ኣእዋም ስየን ዝዓምበበ ዕምባባታትን ቀሪጹ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ቕርጽታት ብወረቐት ወርቂ ለበጦ።

36 ነቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድ+ ከኣ ብሰለስተ መስርዕ ውቑር ኣእማንን ብሓደ መስርዕ ኣግማል ቄድሮስን ሃነጾ።+

37 ኣብ 4ይቲ ዓመት፡ ኣብ ወርሒ ዚው፡* መሰረት እታ ቤት የሆዋ ተሰረተ፣+ 38 ኣብ መበል 11 ዓመት፡ ኣብ ወርሒ ቡል፡* (ንሳ ሻምነይቲ ወርሒ)፡ እታ ቤት ምስ ኵሉ ዝርዝራታ፡ ከምቲ ውጥና ተፈጸመት።+ ስለዚ፡ ንምህናጻ ሸውዓተ ዓመት ወሰደ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ