ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ነገስት 14
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ነገስት—ትሕዝቶ

      • ኣሒያ ኣንጻር የሮብዓም እተነበዮ ትንቢት (1-20)

      • ንግስና ሮብዓም ኣብ ልዕሊ ይሁዳ (21-31)

        • ወረራ ሺሻቅ (25, 26)

1 ነገስት 14:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 11:30, 31

1 ነገስት 14:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 18:1፣ 1ሳሙ 4:3

1 ነገስት 14:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ከምዝን ከምዝን ኢልካ ተዛረባ።”

1 ነገስት 14:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 11:30, 31፣ 12:20

1 ነገስት 14:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:16
  • +1ነገ 15:5፣ ግብ 13:22

1 ነገስት 14:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 27:15፣ 2ዜና 11:15
  • +ነህ 9:26፣ መዝ 50:17

1 ነገስት 14:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ዚሸይን ዘበለ።” ንተባዕትዮ ዜመልክት ናይ ንዕቀት መግለጺ እብራይስጢ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:25-29

1 ነገስት 14:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንየሆዋ ቕረቦ፡ ገጽ 244

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2010፡ ገጽ 29

    1/7/2005፡ ገጽ 31

    1/4/1995፡ ገጽ 12

1 ነገስት 14:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:25-29

1 ነገስት 14:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

  • *

    ማለት፡ ኤፍራጥስ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:3
  • +ዘዳ 8:7-9፣ 29:28፣ እያ 23:15፣ 2ነገ 17:6
  • +ዘዳ 28:64፣ 2ነገ 15:29፣ 18:11

1 ነገስት 14:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:28-30፣ 13:33, 34

1 ነገስት 14:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 12:15፣ 13:3

1 ነገስት 14:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 13:20
  • +1ነገ 15:25

1 ነገስት 14:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 20:24፣ ዘዳ 12:5, 6፣ 1ነገ 8:16, 17
  • +መዝ 78:68፣ 132:13
  • +1ነገ 11:1፣ 2ዜና 12:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2011፡ ገጽ 10

1 ነገስት 14:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 11:7፣ 2ዜና 12:1
  • +ኢሳ 65:2

1 ነገስት 14:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 65:7
  • +ዘዳ 12:2, 3፣ ኢሳ 57:5፣ ኤር 2:20፣ ሆሴ 4:13
  • +ዘሌ 26:1

1 ነገስት 14:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 23:17, 18፣ 1ነገ 15:11, 12፣ 22:46፣ 2ነገ 23:7፣ ሆሴ 4:14

1 ነገስት 14:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 11:40
  • +2ዜና 12:2-4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” መጽናዕቲ ቝ. 3፡ ገጽ 10

1 ነገስት 14:26

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 7:51፣ 15:18፣ 2ነገ 18:14, 15፣ 24:12, 13
  • +1ነገ 10:16, 17፣ 2ዜና 12:9-11

1 ነገስት 14:27

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ጐየይቲ።”

1 ነገስት 14:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 27:24፣ 2ዜና 12:15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2009፡ ገጽ 32

1 ነገስት 14:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:6

1 ነገስት 14:31

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብያ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 11:43
  • +1ነገ 11:1፣ 2ዜና 12:13
  • +1ዜና 3:10፣ ማቴ 1:7

ሓፈሻዊ

1 ነገ. 14:21ነገ 11:30, 31
1 ነገ. 14:4እያ 18:1፣ 1ሳሙ 4:3
1 ነገ. 14:71ነገ 11:30, 31፣ 12:20
1 ነገ. 14:81ነገ 12:16
1 ነገ. 14:81ነገ 15:5፣ ግብ 13:22
1 ነገ. 14:9ዘዳ 27:15፣ 2ዜና 11:15
1 ነገ. 14:9ነህ 9:26፣ መዝ 50:17
1 ነገ. 14:101ነገ 15:25-29
1 ነገ. 14:141ነገ 15:25-29
1 ነገ. 14:15ዘዳ 12:3
1 ነገ. 14:15ዘዳ 8:7-9፣ 29:28፣ እያ 23:15፣ 2ነገ 17:6
1 ነገ. 14:15ዘዳ 28:64፣ 2ነገ 15:29፣ 18:11
1 ነገ. 14:161ነገ 12:28-30፣ 13:33, 34
1 ነገ. 14:192ዜና 12:15፣ 13:3
1 ነገ. 14:202ዜና 13:20
1 ነገ. 14:201ነገ 15:25
1 ነገ. 14:21ዘጸ 20:24፣ ዘዳ 12:5, 6፣ 1ነገ 8:16, 17
1 ነገ. 14:21መዝ 78:68፣ 132:13
1 ነገ. 14:211ነገ 11:1፣ 2ዜና 12:13
1 ነገ. 14:221ነገ 11:7፣ 2ዜና 12:1
1 ነገ. 14:22ኢሳ 65:2
1 ነገ. 14:23ኢሳ 65:7
1 ነገ. 14:23ዘዳ 12:2, 3፣ ኢሳ 57:5፣ ኤር 2:20፣ ሆሴ 4:13
1 ነገ. 14:23ዘሌ 26:1
1 ነገ. 14:24ዘዳ 23:17, 18፣ 1ነገ 15:11, 12፣ 22:46፣ 2ነገ 23:7፣ ሆሴ 4:14
1 ነገ. 14:251ነገ 11:40
1 ነገ. 14:252ዜና 12:2-4
1 ነገ. 14:261ነገ 7:51፣ 15:18፣ 2ነገ 18:14, 15፣ 24:12, 13
1 ነገ. 14:261ነገ 10:16, 17፣ 2ዜና 12:9-11
1 ነገ. 14:291ዜና 27:24፣ 2ዜና 12:15
1 ነገ. 14:301ነገ 15:6
1 ነገ. 14:311ነገ 11:43
1 ነገ. 14:311ነገ 11:1፣ 2ዜና 12:13
1 ነገ. 14:311ዜና 3:10፣ ማቴ 1:7
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ነገስት 14:1-31

1 ነገስት

14 በታ ግዜ እቲኣ፡ ኣብያ ወዲ የሮብዓም ሓመመ። 2 የሮብዓም ድማ ንሰበይቱ፡ “በጃኺ፡ ተንስኢ እሞ፡ ሰበይቲ የሮብዓም ምዃንኪ ኸይፍለጥሲ፡ ትርኢትኪ ለውጢ፡ ናብ ሺሎ ኸኣ ኪዲ። እንሆ፡ ነብዪ ኣሒያ ኣብኣ ኣሎ። ንሱ እቲ ብዛዕባይ ኣብ ልዕሊ እዚ ህዝቢ እዚ ኸም ዝነግስ እተዛረበ እዩ።+ 3 ዓሰርተ እንጌራን እተነስነሶ ሕምባሻን ሳርማ መዓርን ሒዝኪ ናብኡ ኺዲ። ንሱ እዚ ቘልዓ እንታይ ከም ዚኸውን ኪነግረኪ እዩ” በላ።

4 ሰበይቲ የሮብዓም ድማ ከምቲ ዝበላ ገበረት። ተንሲኣ ናብ ሺሎ ኸደት፡+ ናብ ቤት ኣሒያ ኸኣ መጸት። ኣዒንቲ ኣሒያ ብእርጋን ፈዚዘን ነበራ፡ ኪርኢ እውን ኣይክእልን ነበረ።

5 የሆዋ ግና ንኣሒያ፡ “እንሃ፡ ሰበይቲ የሮብዓም፡ ወዳ ስለ ዝሓመመ፡ ብዛዕባኡ ኽትሓትተካ ትመጽእ ኣላ። እንታይ ከም እትብላ ኽነግረካ እየ።* መንነታ ሓቢኣ ኽትመጽእ እያ” በሎ።

6 ኣሒያ ኸኣ ንሳ ናብ ኣፍ ደገ ኽትመጽእ ከላ ደሃይ ኣእጋራ ምስ ሰምዐ፡ “ኣቲ ሰበይቲ የሮብዓም፡ እተዊ። ስለምንታይ ኢኺ መንነትኪ ሓቢእኪ ዘለኺ፧ ብርቱዕ መልእኽቲ ኽነግረኪ ተመዲበ ኣለኹ። 7 ኪዲ እሞ ንየሮብዓም ከምዚ በልዮ፦ ‘የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ “ካብ መንጎ ህዝብኻ ኣተንሲአ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ገይረካ።+ 8 መንግስቲ ኻብ ቤት ዳዊት ቀዲደ ድማ ሂበካ።+ ንስኻ ግና፡ ከምቲ ትእዛዛተይ ዝሓለወን ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ቅኑዕ ጥራይ ብምግባር ብምሉእ ልቡ ደድሕረይ ዝኸደን ጊልያይ ዳዊት ኣይኰንካን።+ 9 የግዳስ፡ ካብ ኵሎም እቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ዝኸፍአ ጌርካ፣ ከተዀርየኒ ኸኣ ካልእ ኣምላኽን ፍሱስ ምስልታትን ጌርካ፣+ ንዓይ ድማ ዝባንካ መሊስካለይ።+ 10 ስለዚ፡ ኣብ ልዕሊ ቤት የሮብዓም መዓት ከምጽእ እየ፣ ካብ የሮብዓም ድማ ተባዕታይ ዘበለ፡* እንተላይ ኣብ እስራኤል ዘሎ ረዳኢ ኣልቦን ድኹምን፡ ከጽንት እየ። ከምቲ ፋንድያ ኽሳዕ ዚውገድ ዚዅስተር ገይረ ኸኣ፡ ንቤት የሮብዓም ክዅስትራ እየ።+ 11 የሆዋ ተዛሪቡ ኣሎ እሞ፡ እቲ ኻብ የሮብዓም ዘበለ ኣብ ከተማ ዚመውት፡ ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፣ እቲ ኣብ መሮር ዚመውት ድማ፡ ኣዕዋፍ ሰማያት ኪበልዓኦ እየን።”’

12 “ሕጂ ተንሲእኪ ናብ ቤትኪ ኺዲ። እግርኺ ናብ ከተማ ኽትኣቱ ኸላ፡ እቲ ቘልዓ ኺመውት እዩ። 13 ካብ ቤት የሮብዓም፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ገለ ጽቡቕ ነገር ዝረኸበሉ ንሱ ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ስድራ ቤት የሮብዓም ንሱ በይኑ ኣብ መቓብር ኪንበር እዩ እሞ፡ ኵሎም እስራኤል ኪሓዝኑሉን ኪቐብርዎን እዮም። 14 የሆዋ ኸኣ ኣብ እስራኤል ንጉስ ዚዀኖ ኼተንስእ እዩ፣ ንሱ ድማ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር፡ እወ ሕጂ እውን ከይተረፈ፡ ንቤት የሮብዓም ኬጥፍኣ እዩ።+ 15 የሆዋ ንእስራኤል፡ ከምቲ ኣብ ማይ ሰሰው ዚብል ሻምብቆ፡ ኪወቕዖ እዩ፣ ንየሆዋ ኬዀርዩ ኣዕኑድ ኣምልኾ* ስለ ዝገበሩ ኸኣ፡+ ንእስራኤል ካብዛ ንኣቦታቶም ዝሃቦም ጽብቕቲ ምድሪ ኺምሕዎም፡+ ናብ ስግር እቲ ፈለግ* እውን ፋሕ ኬብሎም እዩ።+ 16 ብሰሪ እቲ የሮብዓም ዝገበሮ ሓጢኣትን ብሰሪ እቲ ንእስራኤል ዘሕጥኦምን፡ ንእስራኤል ኪጥንጥኖ እዩ።”+

17 ሽዑ፡ ሰበይቲ የሮብዓም ተንሲኣ ኸደት፡ ናብ ቲርጻ እውን መጸት። ናብ ድርኵዂት ቤታ ምስ በጽሐት ከኣ፡ እቲ ቘልዓ ሞተ። 18 ከምቲ የሆዋ ብጊልያኡ ነብዪ ኣሒያ ኣቢሉ እተዛረቦ ቓል ድማ፡ ቀበርዎ፡ ኵሎም እስራኤል እውን ሓዘኑሉ።

19 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ የሮብዓም ከኣ፡ እቲ እተዋግኦን+ እቲ ዝነገሶን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉ ኣሎ። 20 እቲ የሮብዓም ዝነገሰሉ ዘመን* ድማ 22 ዓመት እዩ፣ ድሕርዚ፡ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣+ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ናዳብ ነገሰ።+

21 ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ድማ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ሮብዓም ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 41 ዓመት ነበረ፣ ኣብታ የሆዋ ስሙ ኼንብረላ+ ኻብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ዝሓረያ ኸተማ የሩሳሌም+ ከኣ 17 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ናዓማ እዩ፣ ንሳ ዓሞናዊት እያ።+ 22 ይሁዳ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ፣+ ካብቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ዚበዝሕ ሓጢኣት ብምግባር ከኣ ኣቘጥዕዎ።+ 23 ንሳቶም እውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነዋሕቲ ዅርባን+ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኦምን፡+ በረኽትን ሓወልትታት ኣምልኾን ኣዕኑድ ኣምልኾን* ይሰርሑ ነበሩ።+ 24 ኣብታ ምድሪ ድማ ተባዕትዮ ኣመናዝር ቤተ መቕደስ ነበሩ።+ ከም ኵሉ ፍንፉን ነገራት እቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ እስራኤላውያን ዝሰጐጎም ኣህዛብ ከኣ ይገብሩ ነበሩ።

25 ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት ንጉስ ሮብዓም ድማ፡ ሺሻቅ+ ንጉስ ግብጺ ኣንጻር የሩሳሌም ደየበ።+ 26 መዛግብቲ ቤት የሆዋን መዛግብቲ ቤት* ንጉስን ከኣ ወሰደ።+ ኵሉ ነገራት፡ እንተላይ ኵሉ እቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ዋላቱ ወርቂ ወሰደ።+ 27 ንጉስ ሮብዓም ከኣ ኣብ ክንዳኡ ዋላቱ ነሓሲ ገበረ፣ ነዚ ድማ ንኣሕሉቕ እቶም ኣፍ ደገ ቤት ንጉስ ዚሕልዉ ሓለውቲ* ብሕድሪ ሃቦም። 28 ንጉስ ናብ ቤት የሆዋ ምስ ዚመጽእ፡ እቶም ሓለውቲ ነዚ ይጾርዎ ነበሩ፣ ድሕሪኡ፡ ናብ ክፍሊ ሓለውቲ ይመልስዎ ነበሩ።

29 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ሮብዓም ከኣ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧+ 30 ኣብ መንጎ ሮብዓምን የሮብዓምን ድማ፡ ኵሉ ሳዕ ውግእ ነበረ።+ 31 ሮብዓም ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ምስ ኣቦታቱ እውን ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ።+ ስም ኣዲኡ ናዓማ እዩ፣ ንሳ ዓሞናዊት እያ።+ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣብያም*+ ነገሰ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ