ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ግብሪ ሃዋርያት 9
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ግብሪ ሃዋርያት—ትሕዝቶ

      • ሳውል ናብ ደማስቆ ኣብ እትወስድ መገዲ (1-9)

      • ሃናንያ ንሳውል ኪሕግዞ ተላእከ (10-19ሀ)

      • ሳውል ኣብ ደማስቆ ብዛዕባ የሱስ ሰበኸ (19ለ-25)

      • ሳውል ናብ የሩሳሌም ከደ (26-31)

      • ጴጥሮስ ንኤንያ ኣሕወዮ (32-35)

      • እታ ለጋስ ዝነበረት ዶርቃስ ካብ ምዉታት ተንስአት (36-43)

ግብሪ ሃዋርያት 9:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 8:3፣ 22:4፣ 26:10, 11፣ ገላ 1:13፣ 1ጢሞ 1:12, 13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 60-61

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2000፡ ገጽ 27

ግብሪ ሃዋርያት 9:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 11:26፣ 22:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 60-61

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2000፡ ገጽ 27

ግብሪ ሃዋርያት 9:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 22:6-11፣ 26:13-18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2000፡ ገጽ 27

ግብሪ ሃዋርያት 9:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 60-61

ግብሪ ሃዋርያት 9:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 25:45
  • +1ቈረ 15:8

ግብሪ ሃዋርያት 9:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 22:9

ግብሪ ሃዋርያት 9:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 13:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2000፡ ገጽ 29

ግብሪ ሃዋርያት 9:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 22:12

ግብሪ ሃዋርያት 9:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 21:39፣ 22:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/9/2004፡ ገጽ 32

    15/1/2000፡ ገጽ 29

ግብሪ ሃዋርያት 9:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 9:17

ግብሪ ሃዋርያት 9:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 9:1, 2

ግብሪ ሃዋርያት 9:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 1:5፣ ገላ 2:7፣ 1ጢሞ 2:7
  • +ግብ 26:1፣ 27:24
  • +ግብ 13:2፣ ሮሜ 1:1፣ 1ጢሞ 1:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    9/2016፡ ገጽ 14-16

    6/2016፡ ገጽ 7

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2006፡ ገጽ 8-9

    15/5/1999፡ ገጽ 29-31

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” 1ተሰ-ራእ፡ ገጽ 13

ግብሪ ሃዋርያት 9:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 20:22, 23፣ 21:11፣ 2ቈረ 11:23-28፣ ቈሎ 1:24፣ 2ጢሞ 1:12

ግብሪ ሃዋርያት 9:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 22:12, 13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 63

ግብሪ ሃዋርያት 9:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 26:19, 20

ግብሪ ሃዋርያት 9:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 63-64

ግብሪ ሃዋርያት 9:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 8:3፣ ገላ 1:13, 23
  • +ግብ 9:1, 2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 64

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2005፡ ገጽ 28

ግብሪ ሃዋርያት 9:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 17:2, 3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 64

    ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ ገጽ 170

ግብሪ ሃዋርያት 9:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 20:2, 3፣ 23:12፣ 2ቈረ 11:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 64

ግብሪ ሃዋርያት 9:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ቈረ 11:32, 33

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 64

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2005፡ ገጽ 29

ግብሪ ሃዋርያት 9:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ገላ 1:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/1998፡ ገጽ 20-21

ግብሪ ሃዋርያት 9:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 4:36, 37
  • +ግብ 9:3, 4፣ 1ቈረ 9:1
  • +ግብ 9:19, 20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 65

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2007፡ ገጽ 16

    15/4/1998፡ ገጽ 20-21

ግብሪ ሃዋርያት 9:28

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ይኣቱን ይወጽእን።”

ግብሪ ሃዋርያት 9:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ቈረ 11:23, 26

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2007፡ ገጽ 17

ግብሪ ሃዋርያት 9:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 11:25፣ ገላ 1:21

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2007፡ ገጽ 17

    15/7/2000፡ ገጽ 26

ግብሪ ሃዋርያት 9:31

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 8:1
  • +ዮሃ 14:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 65-66

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    7/2017፡ ገጽ 13

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2008፡ ገጽ 31

    15/4/2007፡ ገጽ 22

ግብሪ ሃዋርያት 9:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 9:38

ግብሪ ሃዋርያት 9:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 10:8፣ ግብ 4:9, 10
  • +ግብ 3:6

ግብሪ ሃዋርያት 9:36

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ያፎ።”

  • *

    ዶርቃስ ዚብል ናይ ግሪኽኛ ስምን ጣቢታ ዚብል ናይ ኣራማይስጢ ስምን “ሰስሓ” ማለት እዩ።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 67

ግብሪ ሃዋርያት 9:37

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 67

ግብሪ ሃዋርያት 9:38

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 67

ግብሪ ሃዋርያት 9:39

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 67

ግብሪ ሃዋርያት 9:40

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 8:51
  • +ማቴ 9:24, 25፣ ሉቃ 7:14, 15፣ ዮሃ 11:43, 44

ግብሪ ሃዋርያት 9:41

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 17:23

ግብሪ ሃዋርያት 9:42

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮሃ 11:44, 45

ግብሪ ሃዋርያት 9:43

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 10:6, 32

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/6/2011፡ ገጽ 18

    1/3/2002፡ ገጽ 17

ሓፈሻዊ

ግብ. 9:1ግብ 8:3፣ 22:4፣ 26:10, 11፣ ገላ 1:13፣ 1ጢሞ 1:12, 13
ግብ. 9:2ግብ 11:26፣ 22:4
ግብ. 9:3ግብ 22:6-11፣ 26:13-18
ግብ. 9:5ማቴ 25:45
ግብ. 9:51ቈረ 15:8
ግብ. 9:7ግብ 22:9
ግብ. 9:9ግብ 13:11
ግብ. 9:10ግብ 22:12
ግብ. 9:11ግብ 21:39፣ 22:3
ግብ. 9:12ግብ 9:17
ግብ. 9:14ግብ 9:1, 2
ግብ. 9:15ሮሜ 1:5፣ ገላ 2:7፣ 1ጢሞ 2:7
ግብ. 9:15ግብ 26:1፣ 27:24
ግብ. 9:15ግብ 13:2፣ ሮሜ 1:1፣ 1ጢሞ 1:12
ግብ. 9:16ግብ 20:22, 23፣ 21:11፣ 2ቈረ 11:23-28፣ ቈሎ 1:24፣ 2ጢሞ 1:12
ግብ. 9:17ግብ 22:12, 13
ግብ. 9:19ግብ 26:19, 20
ግብ. 9:21ግብ 8:3፣ ገላ 1:13, 23
ግብ. 9:21ግብ 9:1, 2
ግብ. 9:22ግብ 17:2, 3
ግብ. 9:23ግብ 20:2, 3፣ 23:12፣ 2ቈረ 11:23
ግብ. 9:252ቈረ 11:32, 33
ግብ. 9:26ገላ 1:18
ግብ. 9:27ግብ 4:36, 37
ግብ. 9:27ግብ 9:3, 4፣ 1ቈረ 9:1
ግብ. 9:27ግብ 9:19, 20
ግብ. 9:292ቈረ 11:23, 26
ግብ. 9:30ግብ 11:25፣ ገላ 1:21
ግብ. 9:31ግብ 8:1
ግብ. 9:31ዮሃ 14:16
ግብ. 9:32ግብ 9:38
ግብ. 9:34ማቴ 10:8፣ ግብ 4:9, 10
ግብ. 9:34ግብ 3:6
ግብ. 9:40ሉቃ 8:51
ግብ. 9:40ማቴ 9:24, 25፣ ሉቃ 7:14, 15፣ ዮሃ 11:43, 44
ግብ. 9:411ነገ 17:23
ግብ. 9:42ዮሃ 11:44, 45
ግብ. 9:43ግብ 10:6, 32
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
  • 41
  • 42
  • 43
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ግብሪ ሃዋርያት 9:1-43

ግብሪ ሃዋርያት

9 ሳውል ግና ንደቀ መዛሙርቲ ጐይታ እናጠለቐሎምን ከም ዚቐትሎም እናፈከረን+ ናብ ሊቀ ኻህናት ከይዱ፡ 2 በታ መገዲ እቲኣ ዝረኸቦም ሰብኡት ወይ ኣንስቲ ኣሲሩ ናብ የሩሳሌም ምእንቲ ኼምጽእ፡ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዚርከባ ምኵራባት ዚበጽሓ ደብዳበታት ካብኡ ለመነ።+

3 ኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ ናብ ደማስቆ ምስ ቀረበ፡ ብሃንደበት ካብ ሰማይ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ በርሀ፣+ 4 ንሱ ድማ ናብ ምድሪ ወደቐ፣ “ሳውል፡ ሳውል፡ ስለምንታይ ትሰጕጐኒ ኣለኻ፧” ዚብል ድምጺ ኸኣ ሰምዐ። 5 ንሱ ድማ፡ “ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧” ኢሉ ሓተተ። ንሱ ኸኣ፡ “እቲ ንስኻ እትሰጕጎ ዘለኻ+ የሱስ እየ።+ 6 ግናኸ፡ ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፣ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ እውን ኪንገረካ እዩ” በሎ። 7 እቶም ምስኡ ዚጕዓዙ ዝነበሩ ሰብኡት፡ ደሃይ እናሰምዑ ኽነሶም፡ ሓደ እኳ ኸይረኣዩ፡ ተዓኒዶም ደው በሉ።+ 8 ሳውል ግና ካብ ምድሪ ተንሲኡ ኣዒንቱ ቛሕ እኳ እንተ ኣበለ፡ ኪርኢ ኣይከኣለን። ብኢዱ መሪሖም ከኣ ናብ ደማስቆ ኣእተውዎ። 9 ከይረኣየን ከይበልዐን ከይሰተየን ድማ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ።+

10 ኣብ ደማስቆ ኸኣ ሃናንያ+ ዝስሙ ወደ መዝሙር ነበረ፣ ጐይታ ድማ ንዕኡ ብራእይ፡ “ሃናንያ!” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “እነኹ፡ ጐይታይ” በለ። 11 ጐይታ ድማ፡ “ተንስእ እሞ ናብታ ቕንዕቲ እትብሃል ጐደና ኺድ፣ ንሓደ ሳውል ዝስሙ ብዓል ጠርሴስ+ ከኣ ኣብ ቤት ይሁዳ ድለዮ። እንሆ፡ ይጽሊ ኣሎ፣ 12 ንሱ እውን ሃናንያ ዝስሙ ሰብኣይ መጺኡ፡ ምእንቲ ኺርኢ፡ ኣእዳዉ ኸም ዜንብረሉ፡ ብራእይ ርእዩ ኣሎ” በሎ።+ 13 ሃናንያ ግና፡ “ጐይታይ፡ ብዛዕባ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ንቕዱሳትካ ኣብ የሩሳሌም ክንደይ ክፉእ ከም ዝገበሮም፡ ካብ ብዙሓት ሰሚዐ ኣለኹ። 14 ኣብዚ ድማ ንዅሎም እቶም ስምካ ዚጽውዑ ኺኣስር፡ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን ኣለዎ” ኢሉ መለሰ።+ 15 ጐይታ ግና፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን+ ነገስታትን+ ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር፡ ንዓይ ሕሩይ ኣቕሓ ስለ ዝዀነ፡+ ኪድ ደኣ። 16 ምእንቲ ስመይ ክንደይ መከራ ኺጸግብ ከም ዚግብኦስ ብግልጺ ኸርእዮ እየ” በሎ።+

17 ሽዑ፡ ሃናንያ ኸደ እሞ ናብታ ቤት ኣተወ፣ ኣእዳዉ ኣብኡ ኣንቢሩ ኸኣ፡ “ሳውል ሓወይ፡ እቲ ኽትመጽእ ከለኻ ኣብ መገዲ እተራእየካ ጐይታና የሱስ፡ ምእንቲ ኽትርእን ብመንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽትምላእን፡ ናባኻ ልኢኹኒ” በሎ።+ 18 ብኡብኡ ድማ፡ ካብ ኣዒንቱ ኸም ቅርፍቲ ዝበለ ወደቐ እሞ ረኣየ። ተንሲኡ እውን ተጠምቀ፣ 19 ምግቢ ምስ በልዐ ድማ፡ በርትዐ።

ምስቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ገለ መዓልትታት ጸንሐ፣+ 20 ብኡብኡ ድማ፡ ኣብ ምኵራባት ብዛዕባ የሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ሰበኸ። 21 ኵሎም እቶም ዝሰምዕዎ ግና ተደመሙ እሞ፡ “እቲ ኣብ የሩሳሌም ነቶም ነዚ ስም እዚ ዚጽውዑ ዘጥፍኦም እዚ ደይኰነን፧+ ኣሲሩ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ምእንቲ ኺወስዶም ኢሉ ደይኰነን ናብዚ ዝመጸ፧” ይብሉ ነበሩ።+ 22 ሳውል ግና እናበርትዐ ኸደ፣ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዚነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ፡ የሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ኣረድኦም።+

23 ብዙሕ መዓልትታት ምስ ሓለፈ፡ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ውዲት ኣለሙ።+ 24 ሳውል ግና ውዲቶም ፈለጠ። ንሳቶም ከኣ ምእንቲ ኪቐትልዎ፡ መዓልትን ለይትን ነቲ ኣፍ ደገታት ይሕልውዎ ነበሩ። 25 ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ብለይቲ ወሲዶም ኣብ ከፈር ገይሮም፡ በቲ ኣብቲ መካበብያ ዘሎ መስኰት ኣውረድዎ።+

26 ናብ የሩሳሌም ምስ በጽሐ ኸኣ፡+ ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ኺሕወስ ፈተነ፣ ንሳቶም ግና፡ ወደ መዝሙር ምዃኑ ስለ ዘይኣመንዎ፡ ኵላቶም ፈርህዎ። 27 ሽዑ፡ በርናባስ+ ረድኦ፡ ናብ ሃዋርያት እውን ወሰዶ፣ ንሱ ድማ፡ ጐይታ ኣብ መገዲ ኸመይ ኢሉ ኸም እተራእዮን+ ከም እተዛረቦን፡ ኣብ ደማስቆ ኸኣ ብስም የሱስ ከመይ ገይሩ ብትብዓት ከም እተዛረበ ኣዘንተወሎም።+ 28 ብስም ጐይታ ተቢዑ እናተዛረበ፡ ምሳታቶም ኣብ የሩሳሌም ብናጻ ይንቀሳቐስ* ነበረ። 29 ምስቶም ግሪኽኛ ዝቛንቋኦም ኣይሁድ ከኣ ይዛረብን ይከራኸርን ነበረ። ንሳቶም ግና ኪቐትልዎ ይፈታትኑ ነበሩ።+ 30 እቶም ኣሕዋት እዚ ምስ ፈለጡ፡ ናብ ቂሳርያ ኣውረድዎ፡ ናብ ጠርሴስ እውን ሰደድዎ።+

31 ሽዑ፡ እታ ኣብ ብዘላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ጉባኤ+ ሰላም ረኺባ ተሃንጸት፣ ብፍርሃት የሆዋን* ብምጽንናዕ መንፈስ ቅዱስን ክትመላለስ ከላ ኸኣ፡+ እናበዝሐት ከደት።

32 ጴጥሮስ ብዅሉ እቲ ዞባ ኺዘውር ከሎ ድማ፡ ናብቶም ኣብ ልዳ ዚነብሩ ቕዱሳት እውን ወረደ።+ 33 ኣብኡ ኸኣ ኤንያ ዝስሙ ንሸሞንተ ዓመት ኣብ ዓራቱ ዝደቀሰ ልሙስ ረኸበ። 34 ጴጥሮስ ድማ፡ “ኤንያ፡ የሱስ ክርስቶስ የሕውየካ ኣሎ።+ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣንጽፍ” በሎ።+ ንሱ ኸኣ፡ ብኡብኡ ተንስአ። 35 ኵሎም እቶም ኣብ ልዳን ኣብ ጐልጐል ሳሮንን ዚነብሩ ዝነበሩ ንዕኡ ምስ ረኣይዎ፡ ናብ ጐይታ ተመልሱ።

36 ኣብ ዮጴ* ኸኣ ጣቢታ ዝስማ ጓለ መዝሙር ነበረት፣ ትርጉም ስማ ድማ “ዶርቃስ”* ማለት እዩ። ንሳ ኸኣ ብብዝሒ ሰናይ ግብሪ ትገብርን ምጽዋት ትምጽውትን ነበረት። 37 በተን መዓልትታት እቲአን ግና፡ ሓሚማ ሞተት። ሓጺቦም ድማ ኣብ ደርቢ ኣንበርዋ። 38 ልዳ ጥቓ ዮጴ ስለ ዝነበረት፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ጴጥሮስ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ኸም ዘሎ ምስ ሰምዑ፡ “ከይደንጐኻ ግዳ ምጸና” ኢሎም ምእንቲ ኺልምንዎ ኽልተ ሰብኡት ለኣኹሉ። 39 ሽዑ፡ ጴጥሮስ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ። ኣብኡ ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ናብቲ ደርቢ ኣደየብዎ፣ ኵለን እተን መበለታት ከኣ እናበኸያን ዶርቃስ ምሳታተን ከላ ዝሰፈየቶ ቐመውሽን ክዳውንትን እናኣርኣያኦን ኣብ ቅድሚኡ ቐረባ። 40 ጴጥሮስ ግና ንዅላቶም ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ፡+ ተምበርኪኹ ጸለየ፣ ናብቲ ሬሳኣ ግልጽ ኢሉ ኸኣ፡ “ጣቢታ፡ ተንስኢ!” በለ። ንሳ ድማ ኣዒንታ ቛሕ ኣበለት፣ ንጴጥሮስ ምስ ረኣየቶ እውን፡ ኮፍ በለት።+ 41 ኢዱ ዘርጊሑ ኣተንስኣ፣ ነቶም ቅዱሳትን ነተን መበለታትን ጸዊዑ ድማ፡ ህያው ገይሩ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕረባ።+ 42 እዚ ኣብ ብዘላ ዮጴ ተፈልጠ፣ ብዙሓት ከኣ ብጐይታ ኣመኑ።+ 43 ንሱ ድማ ንሓያሎ መዓልትታት ምስ ስምኦን ዚብሃል ኣልፋዓይ፡ ኣብ ዮጴ ቐነየ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ