ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ቈረንቶስ 12
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ቈረንቶስ—ትሕዝቶ

      • ውህበት መንፈስ (1-11)

      • ሓደ ሰብነት፡ ብዙሕ ኣካላት (12-31)

1 ቈረንቶስ 12:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 14:1

1 ቈረንቶስ 12:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ዘይኣመንቲ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 115:5፣ ኣን 2:18፣ 1ቈረ 8:4፣ ገላ 4:8፣ 1ተሰ 1:9

1 ቈረንቶስ 12:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዮሃ 4:2, 3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2007፡ ገጽ 21

1 ቈረንቶስ 12:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤፌ 4:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ስላሴ፡ ገጽ 23

1 ቈረንቶስ 12:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤፌ 4:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ስላሴ፡ ገጽ 23

1 ቈረንቶስ 12:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ጴጥ 4:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2011፡ ገጽ 25

    ስላሴ፡ ገጽ 23

1 ቈረንቶስ 12:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 14:26

1 ቈረንቶስ 12:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መልእኽቲ።”

1 ቈረንቶስ 12:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 13:2
  • +ግብ 3:5-8፣ 28:8, 9

1 ቈረንቶስ 12:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ልሳናት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 2:3, 4
  • +1ዮሃ 4:1
  • +ግብ 10:45, 46፣ 1ቈረ 14:18
  • +1ቈረ 14:26

1 ቈረንቶስ 12:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 12:4, 5

1 ቈረንቶስ 12:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 110

1 ቈረንቶስ 12:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤፌ 4:16

1 ቈረንቶስ 12:15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    8/2020፡ ገጽ 23-24

1 ቈረንቶስ 12:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    8/2020፡ ገጽ 23-24

1 ቈረንቶስ 12:21

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/1996፡ ገጽ 20

1 ቈረንቶስ 12:22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2014፡ ገጽ 24

    15/10/1997፡ ገጽ 14-15

1 ቈረንቶስ 12:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 3:7, 21

1 ቈረንቶስ 12:24

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/1999፡ ገጽ 20

1 ቈረንቶስ 12:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 12:10፣ ገላ 6:2፣ ኤፌ 4:25

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 19

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2007፡ ገጽ 20

    15/5/2004፡ ገጽ 19

1 ቈረንቶስ 12:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 13:3
  • +ሮሜ 12:15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 19

1 ቈረንቶስ 12:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤፌ 1:22, 23
  • +ሮሜ 12:4, 5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/1995፡ ገጽ 5

1 ቈረንቶስ 12:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤፌ 2:20
  • +ግብ 13:1
  • +ኤፌ 4:11
  • +ገላ 3:5
  • +ግብ 5:16
  • +እብ 13:17
  • +ግብ 2:6, 7

1 ቈረንቶስ 12:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 14:4
  • +1ቈረ 14:5

1 ቈረንቶስ 12:31

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብቕንኣት ድለዩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 14:1
  • +1ቈረ 13:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2009፡ ገጽ 26-27

    15/2/1999፡ ገጽ 22-23

ሓፈሻዊ

1 ቈረ. 12:11ቈረ 14:1
1 ቈረ. 12:2መዝ 115:5፣ ኣን 2:18፣ 1ቈረ 8:4፣ ገላ 4:8፣ 1ተሰ 1:9
1 ቈረ. 12:31ዮሃ 4:2, 3
1 ቈረ. 12:4ኤፌ 4:4
1 ቈረ. 12:5ኤፌ 4:11
1 ቈረ. 12:61ጴጥ 4:11
1 ቈረ. 12:71ቈረ 14:26
1 ቈረ. 12:91ቈረ 13:2
1 ቈረ. 12:9ግብ 3:5-8፣ 28:8, 9
1 ቈረ. 12:10እብ 2:3, 4
1 ቈረ. 12:101ዮሃ 4:1
1 ቈረ. 12:10ግብ 10:45, 46፣ 1ቈረ 14:18
1 ቈረ. 12:101ቈረ 14:26
1 ቈረ. 12:12ሮሜ 12:4, 5
1 ቈረ. 12:14ኤፌ 4:16
1 ቈረ. 12:23ዘፍ 3:7, 21
1 ቈረ. 12:25ሮሜ 12:10፣ ገላ 6:2፣ ኤፌ 4:25
1 ቈረ. 12:26እብ 13:3
1 ቈረ. 12:26ሮሜ 12:15
1 ቈረ. 12:27ኤፌ 1:22, 23
1 ቈረ. 12:27ሮሜ 12:4, 5
1 ቈረ. 12:28ኤፌ 2:20
1 ቈረ. 12:28ግብ 13:1
1 ቈረ. 12:28ኤፌ 4:11
1 ቈረ. 12:28ገላ 3:5
1 ቈረ. 12:28ግብ 5:16
1 ቈረ. 12:28እብ 13:17
1 ቈረ. 12:28ግብ 2:6, 7
1 ቈረ. 12:301ቈረ 14:4
1 ቈረ. 12:301ቈረ 14:5
1 ቈረ. 12:311ቈረ 14:1
1 ቈረ. 12:311ቈረ 13:8
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ቈረንቶስ 12:1-31

1 ቈረንቶስ

12 ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ መንፈሳዊ ውህበታት፡+ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይደልን እየ። 2 ኣህዛብ* ኣብ ዝነበርኩምሉ እዋን፡ እቶም ዓባሳት ጣኦታት+ ናብ ዝመርሑኹም እናሰዓብኩም፡ ብኣታቶም ትጽለዉን ናባታቶም ትምርሑን ከም ዝነበርኩም ትፈልጡ ኢኹም። 3 እምበኣር፡ ብመንፈስ ኣምላኽ እናተዛረበ፡ “የሱስ ርጉም እዩ!” ዚብል ሓደ እኳ ኸም ዘየልቦ፡ ብመንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይኰነ እውን፡ “የሱስ ጐይታ እዩ!” ኺብል ዚኽእል ሓደ እኳ ኸም ዘየልቦ አፍልጠኩም ኣለኹ።+

4 እምበኣር፡ በበይኑ ውህበት ኣሎ፡ መንፈስ ግና ሓደ እዩ፣+ 5 በበይኑ ኣገልግሎት ከኣ ኣሎ፡+ ጐይታ ግና ሓደ እዩ፣ 6 በበይኑ ተግባራት ኣሎ፡ ንዅሉ ተግባራት ኣብ ኵሉ ዚገብር ግና ሓደ ኣምላኽ እዩ።+ 7 ግናኸ፡ እቲ መንፈስ ንጥቕሚ ኻልኦት ተባሂሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ይገሃድ እዩ።+ 8 ንሓደስ ብመንፈስ ዘረባ* ጥበብ፡ ንሓደ ኸኣ በቲ መንፈስ እቲ ዘረባ ፍልጠት ይውሃቦ፣ 9 ንሓደ በቲ መንፈስ እቲ እምነት፡+ ንሓደ በቲ መንፈስ እቲ ውህበት ምፍዋስ፡+ 10 ንሓደ ኸኣ ተግባራት ግብርታት ሓይሊ፡+ ንሓደ ምንባይ፡ ንሓደ ምስትውዓል እቲ ብድራኸ መንፈስ ዚዝረብ ዘረባ፡+ ንሓደ እተፈላለየ ቛንቋታት፡*+ ንሓደ ኸኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይውሃቦ።+ 11 ንዅሉ እዚ ተግባራት እዚ ግና፡ እቲ ሓደ መንፈስ እቲ፡ ከም ዝደለዮ ገይሩ ንነፍሲ ወከፍ ነናቱ እዩ ዚዕድሎ።

12 ከምቲ ሰብነት ሓደ ኽነሱስ፡ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ኵሉ ኣካላት እቲ ሰብነት ከኣ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ሰብነት ዝዀነ፡+ ክርስቶስ እውን ከምኡ እዩ። 13 ከመይሲ፡ ኣይሁድ ኰንና ወይስ ግሪኻውያን፡ ባሮት ኰንና ወይስ ጭዋታት፡ ኵላትና ሓደ ሰብነት ክንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና፡ ሓደ መንፈስ እውን ሰቲና ኢና።

14 ሰብነትሲ ብብዙሕ እምበር፡ ብሓደ ኣካል ኣይኰነን ቈይሙ።+ 15 እግሪ፡ “ኢድ ስለ ዘይኰንኩስ፡ ክፍሊ ሰብነት ኣይኰንኩን” እንተ ኢሉ፡ ክፍሊ ሰብነት ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ። 16 እዝኒ ድማ፡ “ዓይኒ ስለ ዘይኰንኩስ፡ ክፍሊ ሰብነት ኣይኰንኩን” እንተ ኢላ፡ ክፍሊ ሰብነት ምዃና ኣይተርፋን እዩ። 17 ብዘሎ እቲ ሰብነት ዓይኒ እንተ ዚኸውን፡ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ፧ ኵሉ ምስማዕ እንተ ዚኸውንከ፡ ምሽታት ኣበይ ምተረኽበ፧ 18 ሕጂ ግና ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ኣካላት ሰብነት ከም ዝደለዮ ገይሩ ሰሪዕዎ ኣሎ።

19 ኵሉ ሕደ ኣካል ጥራይ እንተ ዚኸውን፡ ሰብነት ኣበይ ምሃለወ፧ 20 ሕጂ ግና እቲ ኣካላት ብዙሕ ክነሱ፡ እቲ ሰብነት ሓደ እዩ። 21 ዓይኒ ንኢድ፡ “ኣይደልየክን” ክትብላ ኣይትኽእልን እያ፣ ወይስ ርእሲ ንኣእጋር፡ “ኣይደልየኩምን” ኪብሎም ኣይክእልን እዩ። 22 እኳ ደኣስ፡ እቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣካላት ሰብነት እዮም ዜድልዩ፣ 23 ነቲ ሕሱር ዚመስለና ኽፍሊ ሰብነትና ኸኣ፡ ብዝያዳ ኽብሪ ንከናኸኖ ኢና፣+ እቲ ዘይምዕሩግ ኣካላትና እውን ብዝያዳ ይኽበር እዩ፣ 24 እቲ ምዕሩግ ኣካላትና ግና እዚ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ፡ ኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዝያዳ ኽብሪ እናሃበ፡ ነቲ ሰብነት ኣጋጢምዎ ኣሎ፣ 25 ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ምእንቲ ኺተሓላለ እምበር፡ ኣብቲ ሰብነት ፍልልይ ምእንቲ ኸይከውን እዩ።+ 26 ሓደ ኣካል እንተ ተሳቕዩ ኸኣ፡ ኵሉ ኣካላት ምስኡ ይሳቐ እዩ፣+ ወይስ ሓደ ኣካል እንተ ኸቢሩ፡ ኵሉ ኣካላት ምስኡ ይሕጐስ እዩ።+

27 ንስኻትኩም ድማ ሰብነት ክርስቶስ ኢኹም፣+ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብውልቂ ኣካላት ኢኹም።+ 28 ኣምላኽ ድማ ኣብ ጉባኤ እተፈላለየ ኣካላት ሰሪዑ ኣሎ፦ ቀዳማይ፡ ሃዋርያት፣+ ካልኣይ፡ ነብያት፣+ ሳልሳይ፡ መምህራን፣+ ድሕሪኡ፡ ግብርታት ሓይሊ፣+ ድሕሪኡ፡ ውህበት ምፍዋስ፣+ ሓጋዚ ኣገልግሎት፡ ክእለት ምምራሕ፡+ እተፈላለየ ቛንቋታት።+ 29 ኵላቶምዶ ሃዋርያት እዮም፧ ኵላቶምዶ ነብያት እዮም፧ ኵላቶምዶ መምህራን እዮም፧ ኵላቶምዶ ግብርታት ሓይሊ ይገብሩ እዮም፧ 30 ኵላቶምዶ ውህበት ምፍዋስ ኣለዎም እዩ፧ ኵላቶምዶ ብቛንቋታት ይዛረቡ እዮም፧+ ኵላቶምዶኸ ይትርጕሙ እዮም፧+ 31 ነተን ዝዓበያ ውህበታት ደኣ ብቐጻሊ ጽዓቱ።*+ ገና ኸኣ ዝበለጸ መገዲ ኽሕብረኩም እየ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ