ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 20
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ሳራ ኻብ ኣቢሜሌክ ደሓነት (1-18)

ዘፍጥረት 20:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ስደተኛ ዀይኑ ተቐሚጡ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 13:18
  • +ዘሁ 13:26
  • +ዘፍ 25:17, 18
  • +ዘፍ 10:19፣ 26:6

ዘፍጥረት 20:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 12:11-13፣ 20:11, 12
  • +ዘፍ 12:15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2015፡ ገጽ 12

ዘፍጥረት 20:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 22:22
  • +ዘፍ 12:17፣ መዝ 105:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/1995፡ ገጽ 22

ዘፍጥረት 20:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይገበረን ነበረ።

  • *

    ወይ፡ “ንጻድቕ።”

ዘፍጥረት 20:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 105:14, 15
  • +እዮ 42:8

ዘፍጥረት 20:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 12:18, 19፣ 26:9, 10

ዘፍጥረት 20:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 12:11, 12፣ 26:7

ዘፍጥረት 20:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 11:29

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 3 2017፡ ገጽ 12

ዘፍጥረት 20:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 12:1
  • +ዘፍ 12:13

ዘፍጥረት 20:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መጐልበብ ኣዒንቲ ይኹንኪ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 20:2, 12

ዘፍጥረት 20:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኵሉ ማሕጸን ኣንስቲ ቤት ኣቢሜሌክ ጠሪሱ ዓጽዩ ነበረ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 12:17

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 20:1ዘፍ 13:18
ዘፍ. 20:1ዘሁ 13:26
ዘፍ. 20:1ዘፍ 25:17, 18
ዘፍ. 20:1ዘፍ 10:19፣ 26:6
ዘፍ. 20:2ዘፍ 12:11-13፣ 20:11, 12
ዘፍ. 20:2ዘፍ 12:15
ዘፍ. 20:3ዘዳ 22:22
ዘፍ. 20:3ዘፍ 12:17፣ መዝ 105:14
ዘፍ. 20:7መዝ 105:14, 15
ዘፍ. 20:7እዮ 42:8
ዘፍ. 20:10ዘፍ 12:18, 19፣ 26:9, 10
ዘፍ. 20:11ዘፍ 12:11, 12፣ 26:7
ዘፍ. 20:12ዘፍ 11:29
ዘፍ. 20:13ዘፍ 12:1
ዘፍ. 20:13ዘፍ 12:13
ዘፍ. 20:16ዘፍ 20:2, 12
ዘፍ. 20:18ዘፍ 12:17
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 20:1-18

ዘፍጥረት

20 ኣብርሃም ድማ ሰፈሩ ኻብኡ+ ናብ ምድሪ ነጌብ ኣግዓዘ፣ ኣብ መንጎ ቃዴስን+ ሹርን+ ድማ ተቐመጠ። ኣብ ጌራር+ ተቐሚጡ* ኸሎ ኸኣ፡ 2 ኣብርሃም ብዛዕባ ሰበይቱ ሳራ መሊሱ፡ “ሓብተይ እያ” በለ።+ ኣቢሜሌክ ንጉስ ጌራር ከኣ፡ ልኢኹ ንሳራ ወሰዳ።+ 3 ኣምላኽ ድማ ናብ ኣቢሜሌክ ለይቲ ብሕልሚ መጺኡ፡ “እዛ ወሲድካያ ዘለኻ ሰበይቲ፡ ብዓልቲ ሰብኣይ ስለ ዝዀነት፡+ እንሆ፡ ብሰራ ኽትመውት ኢኻ” በሎ።+ 4 ኣቢሜሌክ ግና ኣይቀረባን ነበረ።* ስለዚ፡ “የሆዋ፡ ንንጹህ* ህዝቢ እውንዶ ትቐትል ኢኻ፧ 5 ንሱ ባዕሉ ደይኰነን፡ ‘ንሳ ሓብተይ እያ’ ዝበለኒ፧ ንሳኸ ባዕላ ደይኰነትን፡ ‘ንሱ ሓወይ እዩ’ ዝበለትኒ፧ ብቕኑዕ ልበይን ብንጹህ ኢደይን እየ እዚ ዝገበርኩ” በለ። 6 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ብሕልሚ፡ “ኣነ እውን እዚ ብቕኑዕ ልብኻ ኸም ዝገበርካዮ እፈልጥ እየ፣ ኣብ ቅድመይ ሓጢኣት ከይትገብር ድማ ከልከልኩኻ። ስለዚ፡ ክትትንክያ ኣይፈቐድኩልካን። 7 ሕጂ ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ምለሳ፣ ንሱስ ነብዪ እዩ፡+ ኪምህለለልካ ኸኣ እዩ፡+ ንስኻ ድማ ብህይወት ትነብር። እንተ ዘይመሊስካያ ግና፡ ንስኻን ናትካ ዘበለ ዅሉን ብርግጽ ከም እትሞቱ ፍለጥ” በሎ።

8 ኣቢሜሌክ ድማ ኣንጊሁ ተንስአ፣ ንዅሎም ገላዉኡ ጸዊዑ ኸኣ ንዅሉ እዚ ነገር እዚ ነገሮም፡ ንሳቶም እውን ኣዝዮም ፈርሁ። 9 ሽዑ፡ ኣቢሜሌክ ንኣብርሃም ጸዊዑ፡ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካና፧ እንታይ በዲለካ እየ፡ ኣባይን ኣብ መንግስተይን ዓብዪ ሓጢኣት ከተምጽኣልና ዝበልካ፧ ዘይግበር ግብሪ ኢኻ ጌርካኒ” በሎ። 10 ኣቢሜሌክ ድማ ንኣብርሃም፡ “እንታይ ሓሲብካ ኢኻ እዚ ነገር እዚ ዝገበርካ፧” በሎ።+ 11 ኣብርሃም ከኣ ከምዚ በለ፦ “‘ኣብዛ ቦታ እዚኣ ብርግጽ ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን፡ ብሰሪ ሰበይተይ ድማ ኪቐትሉኒ እዮም’ ኢለ እየ።+ 12 ንሳ ድማ ብሓቂ ሓብተይ፡ ጓል ኣቦይ እያ፡ ጓል ኣደይ ግና ኣይኰነትን፣ ሰበይተይ ከኣ ኰነት።+ 13 ስለዚ፡ ኣምላኽ ካብ ቤት ኣቦይ ኬውጽኣኒ ኸሎ፡+ ‘ንዓይ ብተኣማንነት እተፍቅርኒ በዚ እዩ፦ ኣብ ኵሉ እንኸዶ ዘበለ፡ “ንሱ ሓወይ እዩ” በሊ’ በልክዋ።”+

14 ኣቢሜሌክ ከኣ ኣባጊዕን ከብትን ገላዉን ኣግራድን ወሲዱ ንኣብርሃም ሃቦ፣ ሰበይቱ ሳራ ድማ መለሰሉ። 15 ኣቢሜሌክ ከኣ፡ “እንሆ፡ ምድረይ ኣብ ቅድሜኻ እያ። ቃሕ ኣብ ዝበለካ ተቐመጥ” በለ። 16 ንሳራ ድማ፡ “እንሆ፡ ንሓውኪ 1,000 ብሩር ሂበዮ ኣለኹ።+ እዚ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኺ ዘለዉን ኣብ ቅድሚ ዅሉን ምልክት ንጽህናኺ እዩ፣* ንስኺ እውን ካብ ወቐሳ ናጻ ዄንኪ ኢኺ” በላ። 17 ኣብርሃም ከኣ ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተማህለለ፣ ኣምላኽ ድማ ንኣቢሜሌክን ንሰበይቱን ንደቂ ኣንስትዮ ባሮቱን ኣሕወዮም፡ ኪወልዱ እውን ጀመሩ። 18 ከመይሲ፡ የሆዋ ብሰሪ ሳራ ሰበይቲ ኣብርሃም፡ ንዅለን ኣንስቲ ቤት ኣቢሜሌክ ኣምኪንወን ነበረ።*+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ