ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ዜና መዋእል 16
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ኣሳ ምስ ሶርያ ዝገበሮ ውዕል (1-6)

      • ሓናኒ ንኣሳ ገንሖ (7-10)

      • ሞት ኣሳ (11-14)

2 ዜና መዋእል 16:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኺዓርዳ፣ ዳግም ኪሰርሓ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:25, 27
  • +እያ 18:21, 25
  • +1ነገ 15:17-19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2012፡ ገጽ 10

2 ዜና መዋእል 16:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 7:51
  • +1ነገ 20:1፣ 2ነገ 12:18፣ 16:8

2 ዜና መዋእል 16:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኪዳን።”

  • *

    ወይ፡ “ኺዳን።”

2 ዜና መዋእል 16:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 15:29
  • +መሳ 18:29
  • +1ነገ 15:20-22

2 ዜና መዋእል 16:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምዕራድ፣ ዳግም ምስራሕ።”

2 ዜና መዋእል 16:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓረደን፣ ዳግም ሰርሐን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 18:21, 25
  • +1ነገ 15:17
  • +እያ 18:21, 24፣ 1ዜና 6:60, 64
  • +እያ 18:21, 26፣ መሳ 20:1

2 ዜና መዋእል 16:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “እተመርኰስካ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዘይተመርኰስካ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:1፣ 2ዜና 19:2፣ 20:34
  • +ኤር 17:5

2 ዜና መዋእል 16:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 14:9, 11፣ መዝ 37:39, 40

2 ዜና መዋእል 16:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንዕኡ ውፉይ።”

  • *

    ወይ፡ “ደገፉ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘካ 4:10፣ 1ጴጥ 3:12
  • +1ነገ 15:32

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንየሆዋ ቕረቦ፡ ገጽ 43-44

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/2002፡ ገጽ 14

2 ዜና መዋእል 16:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቤት ኣጕናድ።”

2 ዜና መዋእል 16:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2009፡ ገጽ 32

2 ዜና መዋእል 16:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2012፡ ገጽ 10

2 ዜና መዋእል 16:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:24

2 ዜና መዋእል 16:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ሬሳ ኣሳ ዘይኰነስ፡ ሽቱ ኣንዲዶም ኪዀኑ ኣለዎም።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 5:7
  • +ማር 16:1፣ ሉቃ 23:55, 56፣ ዮሃ 19:40

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2005፡ ገጽ 20

ሓፈሻዊ

2 ዜና 16:11ነገ 15:25, 27
2 ዜና 16:1እያ 18:21, 25
2 ዜና 16:11ነገ 15:17-19
2 ዜና 16:21ነገ 7:51
2 ዜና 16:21ነገ 20:1፣ 2ነገ 12:18፣ 16:8
2 ዜና 16:42ነገ 15:29
2 ዜና 16:4መሳ 18:29
2 ዜና 16:41ነገ 15:20-22
2 ዜና 16:6እያ 18:21, 25
2 ዜና 16:61ነገ 15:17
2 ዜና 16:6እያ 18:21, 24፣ 1ዜና 6:60, 64
2 ዜና 16:6እያ 18:21, 26፣ መሳ 20:1
2 ዜና 16:71ነገ 16:1፣ 2ዜና 19:2፣ 20:34
2 ዜና 16:7ኤር 17:5
2 ዜና 16:82ዜና 14:9, 11፣ መዝ 37:39, 40
2 ዜና 16:9ዘካ 4:10፣ 1ጴጥ 3:12
2 ዜና 16:91ነገ 15:32
2 ዜና 16:111ነገ 15:23
2 ዜና 16:131ነገ 15:24
2 ዜና 16:142ሳሙ 5:7
2 ዜና 16:14ማር 16:1፣ ሉቃ 23:55, 56፣ ዮሃ 19:40
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ዜና መዋእል 16:1-14

2 ዜና መዋእል

16 ኣብ መበል 36 ዓመት ንግስና ኣሳ፡ ባዕሳ+ ንጉስ እስራኤል ኣንጻር ይሁዳ ደዪቡ፡ ሓደ እኳ ኻብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኸይወጽእን ናብኡ ኸይኣቱን ኢሉ፡ ንራማ+ ኺሰርሓ* ጀመረ።+ 2 ኣሳ ድማ ካብ መዛግብቲ ቤት የሆዋን ቤት* ንጉስን ብሩርን ወርቅን ኣውጺኡ+ ናብቲ ኣብ ደማስቆ ዚቕመጥ ዝነበረ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ፡ ከምዚ ኢሉ ለኣኸሉ፦+ 3 “ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ ኣብ መንጎ ኣቦይን ኣብ መንጎ ኣቦኻን ውዕል* ኣሎ። እዚ ብሩርን ወርቅን እሰድደልካ ኣለኹ። ካባይ ምእንቲ ኼንሳሕብሲ፡ ንዓ ነቲ ምስ ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ዝኣቶኻዮ ውዕል* ኣፍርሶ።”

4 ቤን-ሃዳድ ድማ ንንጉስ ኣሳ ሰሚዑ፡ ኣሕሉቕ ሰራዊቱ ኣንጻር ከተማታት እስራኤል ሰደደ፣ ንሳቶም ከኣ ንዒዮንን+ ንዳንን+ ንኣቤል-ማይምን ንዅሉ መኽዘን ከተማታት ንፍታሌምን ወቕዑ።+ 5 ባዕሳ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብኡብኡ ንራማ ምስራሕ* ሓደገ፡ ነቲ ዕዮኡ ድማ ገደፎ። 6 ሽዑ፡ ንጉስ ኣሳ ንዅሉ ይሁዳ ወሰደ፣ ነቲ ባዕሳ ንራማ+ ዚሰርሓሉ ዝነበረ ኣእማንን ኣዕጫውን ወሲዱ ድማ፡+ ብእኡ ገይሩ ንጌባዕን+ ንሚጽጳን+ ሰርሐን።*

7 በታ ግዜ እቲኣ፡ ሓናኒ+ እቲ ረኣዪ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ መጺኡ ኸምዚ በሎ፦ “ብንጉስ ሶርያ ስለ እተኣመንካ፡* ብየሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ ስለ ዘይተኣመንካ፡* ሰራዊት ንጉስ ሶርያ ኻብ ኢድካ ኣምሊጡ እዩ።+ 8 ኢትዮጵያውያንን ሊብያውያንንዶ ግዳ ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኣዝዩ ዓብዪ ሰራዊት ኣይነበሩን፧ ብየሆዋ ስለ እተኣመንካ ግና፡ ንሱ ንዓታቶም ኣብ ኢድካ ሂቡካ።+ 9 ኣዒንቲ የሆዋስ፡ ስለ እቶም ልቦም ምሉእ ብምሉእ ናብኡ* ዝዀነ ብርታዐኡ* ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።+ ኣብዝስ ዕሽነት ኢኻ ዝገበርካ፣ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ውግእ ኪልዓለካ እዩ።”+

10 ግናኸ፡ ኣሳ በቲ ረኣዪ ዀረየ፣ በዚ ነገር እዚ ስለ ዝነደረ ኸኣ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ* ኣእተዎ። በታ ግዜ እቲኣ ድማ፡ ኣሳ ንገለ ኻብቶም ህዝቢ ገፍዖም። 11 ታሪኽ ኣሳ ኸኣ፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጻሒፉ ኣሎ።+

12 ኣሳ ድማ ኣብ መበል 39 ዓመት ንግስናኡ ኣእጋሩ ሓመመ፡ ሕማሙ ኸኣ ኣዝዩ በርትዖ፣ ግናኸ፡ ምስ ሓመመ እኳ ንፈወስቲ እምበር፡ ንየሆዋ ኣይደለዮን። 13 ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣+ ኣብ መበል 41 ዓመት ንግስናኡ እውን ሞተ። 14 ኣብቲ ኣብ ከተማ ዳዊት+ ንርእሱ ዘዅዓቶ ዓብዪ መቓብር ከኣ ተቐብረ፣ ዘይቲ በለሳንን እተፈላለየ ዓይነት ቀመማት ተሓዋዊሱ ብፍሉይ እተገብረ ቕብእን ኣብ ዝመልአ ዓራት ኣንበርዎ።+ ምእንታኡ ድማ ኣዝዩ ዓብዪ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ምንዳድ ገበሩ።*

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ