ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ግምቢ ባቤል (1-4)

      • የሆዋ፡ ቋንቋ ደባለቐ (5-9)

      • ካብ ሴም ክሳዕ ኣብራም (10-32)

        • ቤተ ሰብ ታራ (27)

        • ኣብራም ካብ ኡር ወጸ (31)

ዘፍጥረት 11:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 10:9, 10፣ ዳን 1:2

ዘፍጥረት 11:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/9/2013፡ ገጽ 11

    1/7/2012፡ ገጽ 11

    ንቕሑ!፡

    8/4/1999፡ ገጽ 20

ዘፍጥረት 11:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 9:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/1998፡ ገጽ 24-25

ዘፍጥረት 11:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 3/2020፡ ገጽ 2

ዘፍጥረት 11:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 11:1

ዘፍጥረት 11:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 1:26

ዘፍጥረት 11:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 32:8

ዘፍጥረት 11:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ድብልቕልቕ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:1

ዘፍጥረት 11:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 6:10፣ ሉቃ 3:23, 36
  • +ዘፍ 10:22፣ 1ዜና 1:17

ዘፍጥረት 11:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 10:21

ዘፍጥረት 11:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 10:24፣ 1ዜና 1:18፣ ሉቃ 3:23, 35

ዘፍጥረት 11:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 10:21፣ 1ዜና 1:18

ዘፍጥረት 11:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 10:25፣ 1ዜና 1:19

ዘፍጥረት 11:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 3:23, 35

ዘፍጥረት 11:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 11:32፣ ሉቃ 3:23, 34

ዘፍጥረት 11:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 12:7፣ 15:1, 6፣ 17:5፣ ያእ 2:23
  • +እያ 24:2

ዘፍጥረት 11:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 12:4፣ 19:1፣ 2ጴጥ 2:7

ዘፍጥረት 11:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 15:7፣ ነህ 9:7
  • +ግብ 7:4

ዘፍጥረት 11:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 12:11፣ 17:15፣ 20:12, 13፣ 1ጴጥ 3:6
  • +ዘፍ 22:20፣ 24:15

ዘፍጥረት 11:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 16:1, 2፣ ሮሜ 4:19፣ እብ 11:11

ዘፍጥረት 11:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 11:27, 28
  • +ዘፍ 10:19
  • +ዘፍ 12:4፣ 27:42, 43፣ ግብ 7:2, 4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 3 2017፡ ገጽ 14

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ገጽ 28

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2006፡ ገጽ 15

    15/8/2001፡ ገጽ 14-15፡ 16-17

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 11:2ዘፍ 10:9, 10፣ ዳን 1:2
ዘፍ. 11:4ዘፍ 9:1
ዘፍ. 11:6ዘፍ 11:1
ዘፍ. 11:7ዘፍ 1:26
ዘፍ. 11:8ዘዳ 32:8
ዘፍ. 11:9ኤር 50:1
ዘፍ. 11:10ዘፍ 6:10፣ ሉቃ 3:23, 36
ዘፍ. 11:10ዘፍ 10:22፣ 1ዜና 1:17
ዘፍ. 11:11ዘፍ 10:21
ዘፍ. 11:12ዘፍ 10:24፣ 1ዜና 1:18፣ ሉቃ 3:23, 35
ዘፍ. 11:14ዘፍ 10:21፣ 1ዜና 1:18
ዘፍ. 11:16ዘፍ 10:25፣ 1ዜና 1:19
ዘፍ. 11:18ሉቃ 3:23, 35
ዘፍ. 11:24ዘፍ 11:32፣ ሉቃ 3:23, 34
ዘፍ. 11:26ዘፍ 12:7፣ 15:1, 6፣ 17:5፣ ያእ 2:23
ዘፍ. 11:26እያ 24:2
ዘፍ. 11:27ዘፍ 12:4፣ 19:1፣ 2ጴጥ 2:7
ዘፍ. 11:28ዘፍ 15:7፣ ነህ 9:7
ዘፍ. 11:28ግብ 7:4
ዘፍ. 11:29ዘፍ 12:11፣ 17:15፣ 20:12, 13፣ 1ጴጥ 3:6
ዘፍ. 11:29ዘፍ 22:20፣ 24:15
ዘፍ. 11:30ዘፍ 16:1, 2፣ ሮሜ 4:19፣ እብ 11:11
ዘፍ. 11:31ዘፍ 11:27, 28
ዘፍ. 11:31ዘፍ 10:19
ዘፍ. 11:31ዘፍ 12:4፣ 27:42, 43፣ ግብ 7:2, 4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 11:1-32

ዘፍጥረት

11 ኵላ ምድሪ ብሓደ ቛንቋን ብሓደ ጕጅለ ቓላትን ትዛረብ ነበረት። 2 ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ምስ ተጓዕዙ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ሲንኣር+ ጐልጐል ስንጭሮ ረኸቡ፡ ኣብኡ እውን ተቐመጡ። 3 ንሓድሕዶም ድማ፡ “ንዑ፡ ሕጡብ ንስራሕ እሞ ብሓዊ ነብስሎ” ተባሃሃሉ። ስለዚ፡ ሕጡብ ኣብ ክንዲ እምኒ፡ ቅጥራን ከኣ ኣብ ክንዲ ጭቃ መንደቕ ተጠቕሙ። 4 ሽዑ ድማ፡ “ኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ፋሕ ምእንቲ ኸይንብልሲ፡+ ንዑ፡ ከተማን ርእሱ ኽሳብ ሰማያት ዚበጽሕ ግምብን ንስራሕ፡ ስምና ኸኣ ነጸውዕ” በሉ።

5 የሆዋ ድማ ነቲ ደቂ ሰብ ዝሰርሕዎ ኸተማን ግምብን ኪርኢ ወረደ። 6 የሆዋ ኸኣ፡ “እንሆ፡ ሓደ ዝቛንቋኦም ሓደ ህዝቢ እዮም፣+ እዚ ኸኣ ኪገብሩ ጀሚሮም። ሕጂ ድማ ካብቲ ኺገብርዎ ዚህቅኑ፡ ዘይከኣሎም ኣይኪህሉን እዩ። 7 ሓደ ናይቲ ሓደ ቛንቋ ምእንቲ ኸይርድኦስ፡ ንዑ+ ናብኡ ንውረድ እሞ ቛንቋኦም ንደባልቕ” በለ። 8 የሆዋ ድማ ካብኡ ናብ ገጽ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም፡+ ምስራሕ እታ ኸተማ እውን በብቝሩብ ገደፉ። 9 የሆዋ ኣብኣ ቛንቋ ዅላ ምድሪ ስለ ዝደባለቐ፡ ስም እታ ኸተማ ባቤል*+ ተባህለ፣ ካብኣ ኸኣ የሆዋ ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም።

10 ታሪኽ ሴም+ እዚ እዩ።

ክልተ ዓመት ድሕሪ ማይ ኣይሂ፡ ሴም ወዲ 100 ዓመት ምስ ኰነ፡ ንኣርፋክሳድ+ ወለደ። 11 ሴም ንኣርፋክሳድ ምስ ወለደ፡ 500 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።+

12 ኣርፋክሳድ ድማ 35 ዓመት ገበረ፣ ንሸላሕ ከኣ ወለደ።+ 13 ኣርፋክሳድ ንሸላሕ ምስ ወለደ፡ 403 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።

14 ሸላሕ ድማ 30 ዓመት ገበረ፣ ንዔበር ከኣ ወለደ።+ 15 ሸላሕ ንዔበር ምስ ወለደ፡ 403 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።

16 ዔበር ድማ 34 ዓመት ገበረ፣ ንፌሌግ ከኣ ወለደ።+ 17 ዔበር ንፌሌግ ምስ ወለደ፡ 430 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።

18 ፌሌግ ድማ 30 ዓመት ገበረ፣ ንረጉ ኸኣ ወለደ።+ 19 ፌሌግ ንረጉ ምስ ወለደ፡ 209 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።

20 ረጉ ድማ 32 ዓመት ገበረ፣ ንሴሩግ ከኣ ወለደ። 21 ረጉ ንሴሩግ ምስ ወለደ፡ 207 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።

22 ሴሩግ ድማ 30 ዓመት ገበረ፣ ንናሆር ከኣ ወለደ። 23 ሴሩግ ንናሆር ምስ ወለደ፡ 200 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።

24 ናሆር ድማ 29 ዓመት ገበረ፣ ንታራ ኸኣ ወለደ።+ 25 ናሆር ንታራ ምስ ወለደ፡ 119 ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።

26 ታራ ድማ 70 ዓመት ገበረ፣ ንኣብራምን+ ንናሆርን+ ንሃራንን ከኣ ወለደ።

27 ታሪኽ ታራ እዚ እዩ።

ታራ ንኣብራምን ንናሆርን ንሃራንን ወለደ፣ ሃራን ድማ ንሎጥ+ ወለደ። 28 ሃራን ከኣ ኣቦኡ ታራ ብህይወቱ ኸሎ፡ ኣብታ እተወልደላ ምድሪ ኡር+ ናይ ከለዳውያን+ ሞተ። 29 ኣብራምን ናሆርን ድማ ኣንስቲ ኣእተዉ። ስም ሰበይቲ ኣብራም ሳራይ እዩ፣+ ስም ሰበይቲ ናሆር ድማ ሚልካ፡+ ጓል ሃራን፡ ኣቦ ሚልካን ዪስካን እዩ። 30 ሳራይ ድማ መኻን ነበረት፣+ ውሉድ ከኣ ኣይነበራን።

31 ታራ ድማ ንኣብራም ወዱን ንሎጥ ወዲ ሃራን ወዲ ወዱን+ ንሳራይ ሰበይቲ ኣብራም ወዱን ወሰደ፣ ካብ ኡር ናይ ከለዳውያን ናብ ምድሪ ከነኣን ኪኸዱ ምስኡ ወጹ።+ ናብ ካራን መጺኦም ድማ፡+ ኣብኣ ተቐመጡ። 32 ዕድመ ታራ ድማ 205 ዓመት ኰነ። ታራ ኸኣ ኣብ ካራን ሞተ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ