ኣሞጽ
9 የሆዋ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ደው ኢሉ ረኣኽዎ፣+ ከምዚ ድማ በለ፦ “ንርእሲ እቲ ዓንዲ ውቕዓዮ እሞ እቲ ድርኵዂት ኪናወጽ እዩ። ኣብ ርእሲ ቝረጾም፣ ካባታቶም ንዚተረፉ ድማ ብሰይፊ ክቐትሎም እየ። ሓደ እኳ ሃዲሙ ዚመልቝ የልቦን፣ ሓደ እኳ ኼምልጥ ፈቲኑ ዚሰልጦ የልቦን።+
3 ኣብ ርእሲ ቀርሜሎስ እንተ ተሓቢኦም፡
ካብኡ ደልየ ኽወስዶም እየ።+
ካብ ኣዒንተይ ኣብ ባይታ ባሕሪ እንተ ተሓቢኦም፡
ኣብኡ ንተመን ክእዝዞ እሞ ንሱ ኺነኽሶም እዩ።
5 ነታ ምድሪ* ዚትንክያስ እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ፣
ስለዚ፡ ንሳ ኽትመክኽ እያ፣+ ኵሎም ነበርታ ድማ ኪሓዝኑ እዮም፣+
ኵላ ኸኣ ከም ኒል ክትትንስእ፡
ከም ኒል ግብጺ እውን ለጠቕ ክትብል እያ።+
7 ‘ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ ንስኻትኩምሲ ንዓይ ከም ደቂ ኩሻውያን ደይኰንኩምን፧’ ይብል የሆዋ።
8 ‘እንሆ፡ ኣዒንቲ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እታ ሓጥእ መንግስቲ እየን፣
ንሱ ኸኣ ካብ ገጽ ምድሪ ኼጥፍኣ እዩ።+
ግናኸ፡ ንቤት ያእቆብ ጠሪሰ ኣይከጥፍኦን እየ’+ ይብል የሆዋ።
9 ‘ከመይሲ፡ እንሆ፡ እእዝዝ ኣለኹ፣
ንቤት እስራኤል ድማ ኣብ መንጎ ዅሎም ኣህዛብ
ከምቲ ብምሔ ዚንዝነዝ፡ ክንዝንዞ እየ፣+
ሓንቲ ጸጸር እኳ ኣብ ምድሪ ኣይክትወድቕን እያ።
10 ኵሎም እቶም “መዓት ኣይኪቐርበናን ወይ ኣይኪበጽሓናን እዩ” ዚብሉ
ሓጥኣን ህዝበይ ብሰይፊ ኺሞቱ እዮም።’
11 ‘በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ነታ ዝወደቐት ዳስ* ዳዊት ከተንስኣ፡+
ፍሩሳታ* ኽጽግን፡
ዑናታታ እውን ከዐሪ እየ፣
ከምቲ ብዘመን ጥንቲ ዝነበረቶ ገይረ ዳግም ክሃንጻ እየ፣+
12 በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ኻብ ኤዶም ዝተረፈን
ንዅሎም እቶም ስመይ ኣባታቶም እተጸውዐ ኣህዛብን ኪወርሱ እዮም’+ ይብል እቲ እዚ ዚገብር ዘሎ የሆዋ።