ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ሚልክያስ 1
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ሚልክያስ—ትሕዝቶ

      • የሆዋ ንህዝቡ ዘለዎ ፍቕሪ (1-5)

      • ካህናት ጕድለት ዘለዎ መስዋእቲ የቕርቡ (6-14)

        • ስም ኣምላኽ ኣብ ኣህዛብ ዓብዪ ኪኸውን እዩ (11)

ሚልክያስ 1:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ልኡኸይ።”

ሚልክያስ 1:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 10:15
  • +ዘፍ 25:25, 26

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/2002፡ ገጽ 10

ሚልክያስ 1:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንጋውሕታታት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 9:13
  • +ኤር 49:20፣ ዮኤ 3:19
  • +ኢሳ 34:10, 13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/2002፡ ገጽ 10-11

ሚልክያስ 1:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 34:5፣ ኦብ 18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 17

ሚልክያስ 1:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣኽብሮት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 22:26
  • +ዘጸ 20:12
  • +ዘጸ 4:22
  • +ኢሳ 1:2

ሚልክያስ 1:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 41:21, 22፣ 1ቈረ 10:21

ሚልክያስ 1:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 22:20, 22፣ ዘዳ 15:21

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/2002፡ ገጽ 11-12

    15/11/2000፡ ገጽ 22

ሚልክያስ 1:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ገጹ ኣፈሽሕዉ።”

ሚልክያስ 1:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ንመዓጹ ቤተ መቕደስ ብሓላፍነት ምዕጻው ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 23:4
  • +ኤር 6:13፣ ሚክ 3:11
  • +ኢሳ 1:11፣ ኤር 6:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2007፡ ገጽ 27

    1/5/2002፡ ገጽ 12

ሚልክያስ 1:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 113:3፣ ኢሳ 45:6፣ 59:19
  • +መዝ 22:27፣ ጸፎ 3:9፣ ማቴ 28:19፣ ራእ 15:4

ሚልክያስ 1:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ተርክሱኒ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚል 1:7
  • +ህዝ 22:26

ሚልክያስ 1:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 22:20, 22፣ ዘዳ 15:21፣ 17:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/2002፡ ገጽ 12-13

ሚልክያስ 1:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጕድለት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 47:2፣ ኤር 10:10
  • +ራእ 15:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/2002፡ ገጽ 13

ሓፈሻዊ

ሚል. 1:2ዘዳ 10:15
ሚል. 1:2ዘፍ 25:25, 26
ሚል. 1:3ሮሜ 9:13
ሚል. 1:3ኤር 49:20፣ ዮኤ 3:19
ሚል. 1:3ኢሳ 34:10, 13
ሚል. 1:4ኢሳ 34:5፣ ኦብ 18
ሚል. 1:6ህዝ 22:26
ሚል. 1:6ዘጸ 20:12
ሚል. 1:6ዘጸ 4:22
ሚል. 1:6ኢሳ 1:2
ሚል. 1:7ህዝ 41:21, 22፣ 1ቈረ 10:21
ሚል. 1:8ዘሌ 22:20, 22፣ ዘዳ 15:21
ሚል. 1:102ዜና 23:4
ሚል. 1:10ኤር 6:13፣ ሚክ 3:11
ሚል. 1:10ኢሳ 1:11፣ ኤር 6:20
ሚል. 1:11መዝ 113:3፣ ኢሳ 45:6፣ 59:19
ሚል. 1:11መዝ 22:27፣ ጸፎ 3:9፣ ማቴ 28:19፣ ራእ 15:4
ሚል. 1:12ሚል 1:7
ሚል. 1:12ህዝ 22:26
ሚል. 1:13ዘሌ 22:20, 22፣ ዘዳ 15:21፣ 17:1
ሚል. 1:14መዝ 47:2፣ ኤር 10:10
ሚል. 1:14ራእ 15:4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ሚልክያስ 1:1-14

ሚልክያስ

1 ከቢድ መልእኽቲ፦

ብሚልክያስ* ኣቢሉ ናብ እስራኤል ዝመጸ ቓል የሆዋ፦

2 “ኣነ ኣፍቂረኩም እየ”+ ይብል የሆዋ።

ንስኻትኩም ግና፡ “ከመይ ጌርካ ኢኻ ዘፍቀርካና፧” ትብሉ ኣለኹም።

“ኤሳውዶ ሓው ያእቆብ ኣይኰነን፧”+ ይብል የሆዋ። “ግናኸ፡ ንያእቆብ ኣፍቂረዮ፡ 3 ንኤሳው ድማ ጸሊአዮ፣+ ንኣኽራኑ ኸኣ ኣባዲመዮ፡+ ርስቱ እውን ንወኻሩ* በረኻ ሓዲገዮ።”+

4 “ኤዶም፡ ‘ፈሪስና ኣለና፣ ግናኸ፡ ተመሊስና ነቲ ዑናታት ዳግም ክንሃንጾ ኢና’ እኳ እንተ በለ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ‘ንሳቶም ኪሃንጹ፡ ኣነ ግና ከፍርስ እየ፣ “ሃገር እከይ፡” “የሆዋ ንዘለኣለም ዝዀነኖ ህዝቢ” ተባሂሎም እውን ኪጽውዑ እዮም።+ 5 ኣዒንትኹም ኪርእያኦ እየን፣ “የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሃገር እስራኤል ይዕበ” ኸኣ ክትብሉ ኢኹም።’”

6 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ንዓኻትኩም ነቶም ንስመይ እትንዕቁ ዘለኹም፡+ ‘ወዲ ንኣቦኡ፡ ጊልያ ድማ ንጐይታኡ የኽብሮ እዩ።+ ስለዚ፡ ኣነ ኣቦ እንተ ዀይነ፡+ ዚግብኣኒ ኽብሪ ኣበይ ኣሎ፧+ ጐይታ እንተ ዀይነኸ፡ ዚግብኣኒ ፍርሃት* ኣበይ ኣሎ፧’ ይብል ኣሎ።

“‘ንስኻትኩም ግና፡ “ንስምካ ኸመይ ጌርና ኢና ዝነዓቕና፧” ትብሉ ኣለኹም።’

7 “‘ኣብ መሰውእየይ እተበከለ እንጌራ ብምቕራብኩም እዩ።’

“‘“ከመይ ጌርና ኢና በኪልናካ፧” ድማ ትብሉ ኣለኹም።’

“‘“መኣዲ የሆዋ+ ንዑቕ እዩ” ብምባልኩም እዩ። 8 መስዋእቲ ኪኸውን ዕዉር እንስሳ ኸተቕርቡ ኸለኹም ከኣ፡ “ክፉእ ኣይኰነን” ትብሉ። ሓንካስ ወይ ሕሙም እንስሳ ኸተቕርቡ ኸለኹም ድማ፡ “ክፉእ ኣይኰነን” ትብሉ።’”+

“በጃኻ እስከ ንሹምካ ኸተቕርበሉ ፈትን። ብኣኻ ባህ ይብሎዶ፧ ወይስ ኣብኡዶ ሞገስ ትረክብ ኢኻ፧” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።

9 “ሕጂ ድማ፡ ኣምላኽ ሞገሱ ምእንቲ ኼርእየና፡ በጃኹም ለምንዎ።* ካብ ኢድኩም ከምዚ ዝበለ መስዋእቲ እናቐረበስ፡ ኣብኡዶ ሞገስ ክትረኽቡ ኢኹም፧” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።

10 “ካባኻትኩም ነቲ መዓጹ ኺዓጽዎ ፍቓደኛ ዝዀነኸ መን እዩ፧*+ ከይተኸፍለኩምሲ ኣብ መሰውእየይ እኳ ሓዊ ኣይተንድዱን ኢኹም።+ ብኣኻትኩም ደስ ኣይብለንን እዩ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ “በቲ ኻብ ኢድኩም ዚቐርብ መባእ እውን ባህ ኣይብለንን እዩ።”+

11 “ከመይሲ፡ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ፡* ስመይ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዓብዪ ኪኸውን እዩ።+ ስመይ ኣብ ኣህዛብ ዓብዪ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ኣብ ኵሉ ቦታ ኺዕጠን፡ ንስመይ ጽሩይ መባእ ከም መስዋእቲ ኪቐርብ እዩ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።

12 “ንስኻትኩም ግና፡ ‘መኣዲ የሆዋ ተበኪሉ፡ ፍሪኡን ምግቡን ንዑቕ እዩ’ ብምባልኩም+ ተርክስዎ* ኣለኹም።+ 13 ‘ኣየ ኽንደይ የድክም!’ እውን ትብሉ ኣለኹም፣ ብንዕቀት ድማ ኡፍ ትብሉሉ ኣለኹም” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። “እተሰርቀን ሓንካስን ሕሙምን እንስሳ ኸኣ ተምጽኡ ኣለኹም። እወ፡ ከምዚ ዝበለስ መባእ ጌርኩም ተምጽኡ ኣለኹም! ነዚዶ ኻብ ኢድኩም ክቕበሎ እየ፧”+ ይብል የሆዋ።

14 “ኣብ መጓሰኡ ጥዑይ ተባዕታይ እንስሳ እናሃለወ ኽነሱ፡ ኣበር* ዘለዎ ንየሆዋ ዚመባጽዓሉን ዚስውኣሉን ተንኰለኛ ሰብ ርጉም ይኹን። ኣነስ ዓብዪ ንጉስ እየ”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ “ስመይ ድማ ኣብ ኣህዛብ ዜፍርህ እዩ።”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ