ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘሌዋውያን 4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘሌዋውያን—ትሕዝቶ

      • መስዋእቲ ሓጢኣት (1-35)

ዘሌዋውያን 4:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 5:17፣ ዘሁ 15:27, 28

ዘሌዋውያን 4:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 8:12፣ 21:10
  • +ዘሁ 12:1, 11
  • +እብ 5:1-3፣ 7:27

ዘሌዋውያን 4:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 6:25
  • +ዘጸ 29:10, 11

ዘሌዋውያን 4:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 30:30

ዘሌዋውያን 4:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 8:15, 16
  • +ዘሌ 16:14, 19

ዘሌዋውያን 4:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 30:10
  • +ዘሌ 5:9

ዘሌዋውያን 4:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 9:8, 10

ዘሌዋውያን 4:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 3:3, 4

ዘሌዋውያን 4:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:14

ዘሌዋውያን 4:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ብስብሒ እቲ መስዋእቲ ዝጠስጠሰ ሓምዅሽቲ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 8:14, 17፣ እብ 13:11

ዘሌዋውያን 4:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 7:11
  • +ዘሁ 15:22-24

ዘሌዋውያን 4:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 26:31፣ 40:21፣ እብ 10:19, 20

ዘሌዋውያን 4:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 30:1, 6
  • +ዘጸ 27:1፣ 40:6

ዘሌዋውያን 4:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 3:16

ዘሌዋውያን 4:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 32:30፣ ዘሌ 16:17፣ ዘሁ 15:25፣ ኤፌ 1:7፣ እብ 2:17

ዘሌዋውያን 4:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 4:11, 12
  • +ዘሌ 16:15፣ 1ዮሃ 2:1, 2

ዘሌዋውያን 4:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 18:21

ዘሌዋውያን 4:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 1:10, 11፣ 6:25፣ 7:2

ዘሌዋውያን 4:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 9:8, 9፣ 16:18፣ እብ 9:22
  • +ዘሌ 8:15

ዘሌዋውያን 4:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 3:3-5

ዘሌዋውያን 4:27

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሓንቲ ነፍሲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 15:27-29

ዘሌዋውያን 4:28

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣርሕዶ ኻብ ማሕስእ እትዓቢ፡ ንእሽቶ ኣንስተይቲ ጤል እያ።

ዘሌዋውያን 4:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 1:10, 11፣ 6:25

ዘሌዋውያን 4:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 4:25፣ 8:15፣ 9:8, 9፣ እብ 9:22

ዘሌዋውያን 4:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 3:3, 4
  • +ዘሌ 3:16

ዘሌዋውያን 4:32

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ሽበን ካብ ዕየት እትዓቢ፡ ንእሽቶ ኣንስተይቲ በጊዕ እያ።

ዘሌዋውያን 4:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 1:10, 11

ዘሌዋውያን 4:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 4:25፣ 16:18

ዘሌዋውያን 4:35

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:13, 14፣ ዘሌ 3:3, 4፣ 6:12፣ 9:8, 10
  • +ዘሁ 15:28፣ 1ዮሃ 1:7፣ 2:1, 2

ሓፈሻዊ

ዘሌ. 4:2ዘሌ 5:17፣ ዘሁ 15:27, 28
ዘሌ. 4:3ዘሌ 8:12፣ 21:10
ዘሌ. 4:3ዘሁ 12:1, 11
ዘሌ. 4:3እብ 5:1-3፣ 7:27
ዘሌ. 4:4ዘሌ 6:25
ዘሌ. 4:4ዘጸ 29:10, 11
ዘሌ. 4:5ዘጸ 30:30
ዘሌ. 4:6ዘሌ 8:15, 16
ዘሌ. 4:6ዘሌ 16:14, 19
ዘሌ. 4:7ዘጸ 30:10
ዘሌ. 4:7ዘሌ 5:9
ዘሌ. 4:9ዘሌ 9:8, 10
ዘሌ. 4:10ዘሌ 3:3, 4
ዘሌ. 4:11ዘጸ 29:14
ዘሌ. 4:12ዘሌ 8:14, 17፣ እብ 13:11
ዘሌ. 4:13እያ 7:11
ዘሌ. 4:13ዘሁ 15:22-24
ዘሌ. 4:17ዘጸ 26:31፣ 40:21፣ እብ 10:19, 20
ዘሌ. 4:18ዘጸ 30:1, 6
ዘሌ. 4:18ዘጸ 27:1፣ 40:6
ዘሌ. 4:19ዘሌ 3:16
ዘሌ. 4:20ዘጸ 32:30፣ ዘሌ 16:17፣ ዘሁ 15:25፣ ኤፌ 1:7፣ እብ 2:17
ዘሌ. 4:21ዘሌ 4:11, 12
ዘሌ. 4:21ዘሌ 16:15፣ 1ዮሃ 2:1, 2
ዘሌ. 4:22ዘጸ 18:21
ዘሌ. 4:24ዘሌ 1:10, 11፣ 6:25፣ 7:2
ዘሌ. 4:25ዘሌ 9:8, 9፣ 16:18፣ እብ 9:22
ዘሌ. 4:25ዘሌ 8:15
ዘሌ. 4:26ዘሌ 3:3-5
ዘሌ. 4:27ዘሁ 15:27-29
ዘሌ. 4:29ዘሌ 1:10, 11፣ 6:25
ዘሌ. 4:30ዘሌ 4:25፣ 8:15፣ 9:8, 9፣ እብ 9:22
ዘሌ. 4:31ዘሌ 3:3, 4
ዘሌ. 4:31ዘሌ 3:16
ዘሌ. 4:33ዘሌ 1:10, 11
ዘሌ. 4:34ዘሌ 4:25፣ 16:18
ዘሌ. 4:35ዘጸ 29:13, 14፣ ዘሌ 3:3, 4፣ 6:12፣ 9:8, 10
ዘሌ. 4:35ዘሁ 15:28፣ 1ዮሃ 1:7፣ 2:1, 2
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘሌዋውያን 4:1-35

ዘሌዋውያን

4 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ሓደ ሰብ* ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ኸይግበር ዝኣዘዞ ሓደ ብምግባር ብዘይፍላጥ እንተ ሓጢኡ፦+

3 “‘እቲ ቕቡእ ካህን+ እንተ ሓጢኡ+ እሞ፡ ነቲ ህዝቢ በዳሊ እንተ ገይርዎ፡ ስለቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንመስዋእቲ ሓጢኣት ጥዑይ ዝራብዕ ንየሆዋ የቕርበሉ።+ 4 ነቲ ዝራብዕ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ፡+ ናብ ቅድሚ የሆዋ ኣምጺኡ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብር እሞ፡ ነቲ ዝራብዕ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይሕረዶ።+ 5 እቲ ቕቡእ ካህን+ ድማ ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ የእትዎ፣ 6 እቲ ኻህን ከኣ ኣጻብዑ ኣብቲ ደም ይጥማዕ፡+ ካብቲ ደም ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ መጋረጃ መቕደስ ሸውዓተ ሳዕ ይንጸግ።+ 7 እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ ደም ኣብ ኣቕርንቲ እቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ይግበር።+ ንዅሉ ዝተረፈ ደም እቲ ዝራብዕ ድማ ኣብ እግሪ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ የፍስሶ።+

8 “‘ካብቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት፡ ኵሉ ስብሒ፡ እንተላይ ነቲ ንኣምዑት ዜጐልብብ ስብሕን ነቲ ንኣምዑት ዚኸብቦ ስብሕን ይፍለ፣ 9 ንኽልቲአን ኵሊትን ነቲ ኣብአን ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጸላም ከብዲ ዘሎ ስብሒ እውን ምስተን ኰላሊት ይፍለ።+ 10 ከምቲ ኻብ ብዕራይ መስዋእቲ ሕብረት ዚፍለ ይኹን።+ እቲ ኻህን ከኣ ኣብ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ የሕርሮ።

11 “‘ግናኸ፡ ቈርበት እቲ ዝራብዕን ኵሉ ስጋኡን ምስ ርእሱን ኣእጋሩን ኣምዑቱን ፈርሱን፡+ 12 ንዅሉ እቲ ኻብቲ ዝራብዕ ዝተረፈ፡ ናብታ ሓምዅሽቲ* ዚጕሓፈላ ኣብ ወሰን ሰፈር እትርከብ ጽርይቲ ቦታ ኸም ዚውሰድ ይግበሮ፣ ኣብ ልዕሊ ዕንጨይቲ ገይሩ ድማ ብሓዊ የንድዶ።+ ኣብታ ሓምዅሽቲ ዚጕሓፈላ ይንደድ።

13 “‘ብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ብዘይፍላጥ ብምሕጣኡ እንተ በዲሉ፡+ ግናኸ እቲ ጉባኤ ኻብ ኵሉ እቲ የሆዋ ኸይግበር ዝኣዘዞ ሓደ ምግባሩ እንተ ዘይፈሊጡ፡+ 14 እቲ ሓጢኣት ከኣ እንተ ተፈሊጡ፡ እቲ ጉባኤ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ዝራብዕ የቕርብ፡ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ከኣ የምጽኣዮ። 15 እቶም ዓበይቲ እቲ ኣኼባ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ፣ እቲ ዝራብዕ ከኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይተሓረድ።

16 “‘እቲ ቕቡእ ካህን ድማ ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ናብ ድንኳን ምርኻብ የምጽእ። 17 እቲ ኻህን ከኣ ኣጻብዑ ኣብቲ ደም ጠሚዑ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ መጋረጃ+ ሸውዓተ ሳዕ ይንጸግ። 18 ካብቲ ደም ድማ ኣብ ኣቕርንቲ እቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ይልከ፣+ ንዅሉ እቲ ዝተረፈ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ የፍስሶ።+ 19 ንዅሉ እቲ ስብሑ ድማ ካብኡ ፈልዩ፡ ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ።+ 20 ነቲ ዝራብዕ ከምቲ ነቲ ኻልእ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ዝገበሮ ይግበሮ። ነዚ ኸኣ ከምኡ ይግበሮ፣ እቲ ኻህን ድማ የተዓርቆም፡+ ይቕረ ኺብሃለሎም ከኣ እዩ። 21 ነቲ ዝራብዕ ድማ ናብ ወሰን እቲ ሰፈር ከም ዚውሰድ ይግበሮ እሞ፡ ከምቲ ነቲ ቐዳማይ ዝራብዕ ዘንደዶ፡ የንድዶ።+ እዚ ነቲ ጉባኤ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ።+

22 “‘ሓደ ሹም፡+ ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ኣምላኹ ኸይግበር ዝኣዘዞ ሓደ ብምግባሩ ብዘይፍላጥ እንተ ሓጢኡ እሞ፡ በዳሊ እንተ ዀይኑ፡ 23 ወይ ትእዛዝ ብምጥሓሱ ኸም ዝሓጥአ እንተ ተፈሊጥዎ፡ ንመስዋእቱ ሓደ ጥዑይ ወጠጦ የምጽእ። 24 ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ወጠጦ የንብር፡ ኣብታ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ዚሕረደላ ቦታ ኸኣ ይሕረዶ።+ ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ። 25 እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም መስዋእቲ ሓጢኣት ብኣጻብዑ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ+ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ ይልከ፣ ነቲ ዝተረፈ ደሙ ኸኣ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ የፍስሶ።+ 26 ንዅሉ ስብሑ ድማ፡ ከምቲ ስብሒ መስዋእቲ ሕብረት፡ ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ፣+ እቲ ኻህን ከኣ ብዛዕባ እቲ ሓጢኣቱ የተዓርቆ፡ ይቕረ ኺብሃለሉ ድማ እዩ።

27 “‘ሓደ* ኻብቲ ህዝቢ እታ ምድሪ ብዘይፍላጥ እንተ ሓጢኡ፡ ካብቲ የሆዋ ኸይግበር ዝኣዘዞ ሓደ ብምግባር ከኣ በዳሊ እንተ ዀይኑ፡+ 28 ወይ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት እንተ ተፈሊጥዎ፡ ስለቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንመስዋእቱ፡ ጥዕይቲ ኣርሕዶ* የምጽእ። 29 ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ መስዋእቲ ሓጢኣት የንብር፣ ነታ መስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ኣብታ ቦታ እቲኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ይሕረዳ።+ 30 እቲ ኻህን ድማ ካብ ደማ ብኣጻብዑ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ ይልከ፣ ንዅሉ እቲ ዝተረፈ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ የፍስሶ።+ 31 ከምቲ ስብሒ ኻብ መስዋእቲ ሕብረት ዚፍለ ድማ፡+ ኵሉ እቲ ስብሓ ይፍለ፣+ እቲ ኻህን ከኣ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ኪኸውን ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ፣ እቲ ኻህን ድማ የተዓርቆ፣ ይቕረ ኺብሃለሉ ኸኣ እዩ።

32 “‘ንመስዋእቲ ሓጢኣቱ ሽበን* እንተ ኣምጺኡ ግና፡ ጥዕይቲ ሽበን የምጽእ። 33 ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ መስዋእቲ ሓጢኣት የንብር፣ ኣብታ ዚሓርር መስዋእቲ ዚሓርዱላ ቦታ ኸኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ይሕረዳ።+ 34 እቲ ኻህን ድማ ካብ ደም እታ መስዋእቲ ሓጢኣት ብኣጻብዑ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ ይልከ፣+ ንዅሉ እቲ ዝተረፈ ደማ ኸኣ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ የፍስሶ። 35 ከምቲ ስብሒ ኻብ ገንሸል* መስዋእቲ ሕብረት ዚፍለ፡ ንዅሉ እቲ ስብሓ ይፍለ እሞ፡ እቲ ኻህን ኣብቲ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ የሕርሮ፣+ እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት የተዓርቆ፡ ይቕረ ኺብሃለሉ ኸኣ እዩ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ