ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘሌዋውያን 1
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘሌዋውያን—ትሕዝቶ

      • ዚሓርር መስዋእቲ (1-17)

ዘሌዋውያን 1:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 40:34

ዘሌዋውያን 1:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንደቂ እስራኤል።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 22:18-20

ዘሌዋውያን 1:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 15:19, 21፣ ሚል 1:14
  • +2ቈረ 9:7

ዘሌዋውያን 1:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 10:11
  • +እብ 9:13, 14

ዘሌዋውያን 1:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 7:8

ዘሌዋውያን 1:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 6:12

ዘሌዋውያን 1:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 18:23

ዘሌዋውያን 1:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 8:20, 21፣ ዘሁ 15:2, 3

ዘሌዋውያን 1:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 4:4
  • +ዘሌ 12:6፣ 22:18-20

ዘሌዋውያን 1:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:16-18፣ ዘሌ 8:18-21፣ 9:12-14

ዘሌዋውያን 1:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 5:7፣ 12:8፣ ሉቃ 2:24

ዘሌዋውያን 1:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ብስብሒ እቲ መስዋእቲ ዝጠስጠሰ ሓምዅሽቲ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 27:3፣ ዘሌ 4:11, 12፣ 6:10

ሓፈሻዊ

ዘሌ. 1:1ዘጸ 40:34
ዘሌ. 1:2ዘሌ 22:18-20
ዘሌ. 1:3ዘዳ 15:19, 21፣ ሚል 1:14
ዘሌ. 1:32ቈረ 9:7
ዘሌ. 1:5እብ 10:11
ዘሌ. 1:5እብ 9:13, 14
ዘሌ. 1:6ዘሌ 7:8
ዘሌ. 1:7ዘሌ 6:12
ዘሌ. 1:81ነገ 18:23
ዘሌ. 1:9ዘፍ 8:20, 21፣ ዘሁ 15:2, 3
ዘሌ. 1:10ዘፍ 4:4
ዘሌ. 1:10ዘሌ 12:6፣ 22:18-20
ዘሌ. 1:11ዘጸ 29:16-18፣ ዘሌ 8:18-21፣ 9:12-14
ዘሌ. 1:14ዘሌ 5:7፣ 12:8፣ ሉቃ 2:24
ዘሌ. 1:16ዘጸ 27:3፣ ዘሌ 4:11, 12፣ 6:10
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘሌዋውያን 1:1-17

ዘሌዋውያን

1 የሆዋ ድማ ንሙሴ ጸዊዑ፡ ካብ ድንኳን ምርኻብ+ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን* ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ካባኻትኩም ሓደ ሰብ ንየሆዋ ኻብ እንስሳታት ዘቤት መስዋእቲ ምስ ዜቕርብ፡ መስዋእትኹም ካብ ከብቲ ወይ ካብ ጤለ በጊዕ ኣቕርቡ።+

3 “‘እቲ ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን መስዋእቱ ኻብ ከብቲ እንተ ዀይኑ፡ ጥዑይ ተባዕታይ የቕርብ።+ ብፍታዉ ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡+ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የቕርቦ። 4 ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ የንብሮ እሞ፡ ንምትዕራቑ ቕቡል ይኸውን።

5 “‘እቲ ዝራብዕ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይተሓረድ፣ ደቂ ኣሮን እቶም ካህናት ከኣ፡+ ነቲ ደም የቕርብዎ፣ ነቲ ደም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ።+ 6 እቲ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ቈርበቱ ተጠቢሑ፡ በብብልዕቱ ይቈራረጽ።+ 7 ደቂ ኣሮን እቶም ካህናት ድማ፡ ኣብ መሰውኢ፡ ሓዊ ይእጐዱ፣+ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ኸኣ፡ ዕንጨይቲ ይጸፍጽፉ። 8 ደቂ ኣሮን እቶም ካህናት ከኣ ነቲ ብልዕትታት እቲ መስዋእቲ+ ምስ ርእስን ምስ ስብሒ ዀላሊትን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሓዊ ዘሎ ዕንጨይቲ ይስርዕዎ። 9 ኣምዑቱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይተሓጸብ፣ እቲ ኻህን ከኣ ንዅሉ፡ ኣብቲ መሰውኢ ንዚሓርር መስዋእቲ፡ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን የሕርሮ።+

10 “‘እቲ ንዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን መስዋእቱ ኻብ ጤለ በጊዕ፡+ ካብ ገንሸላት* ወይ ካብ ኣጣል እንተ ዀይኑ፡ ጥዑይ ተባዕታይ የቕርብ።+ 11 ብሸነኽ ሰሜን እቲ መሰውኢ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይተሓረድ፣ ደቂ ኣሮን እቶም ካህናት ድማ ነቲ ደሙ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ይንጸግዎ።+ 12 ምስ ርእሱን ስብሒ ዀላሊቱን በብብልዕቱ ይቘራርጾ፣ እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ፡ ኣብቲ ኣብ ሓዊ ዘሎ ዕንጨይቲ ይስርዓዮ። 13 ኣምዑቱን ኣእጋሩን ድማ ብማይ ይሕጸቦ፣ እቲ ኻህን ከኣ ንዅሉ የቕርቦ፡ ኣብቲ መሰውኢ ድማ የሕርሮ። እዚ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ።

14 “‘እቲ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን መስዋእቱ ኻብ ኣዕዋፍ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ባሬቶታት ወይ ካብ ጨቓዊት ርግቢ የቕርብ።+ 15 እቲ ኻህን ድማ ኣብቲ መሰውኢ ኣቕሪቡ፡ ነቲ ርእሱ ቐርጢፉ፡ ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ፣ ደሙ ግና ኣብ ጐድኒ እቲ መሰውኢ የጽርሮ። 16 ለቘታ እኽሉ ምስ ከናቲቱ ፈልዩ፡ ኣብ ጐድኒ እቲ መሰውኢ፡ ብሸነኽ ምብራቕ፡ ናብቲ ስፍራ ሓምዅሽቲ* ይደርብዮ።+ 17 ብኣኽናፉ ይጭደዶ፣ ግናኸ ኣይፈላልዮ። እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሓዊ ዘሎ ዕንጨይቲ የሕርሮ። እዚ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ