ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • መሳፍንቲ 4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

መሳፍንቲ—ትሕዝቶ

      • ያቢን ንጉስ ከነኣን ንእስራኤል ጨቈኖ (1-3)

      • ነብዪት ዴቦራን ባራቅን (4-16)

      • ያዔል ንሲሰራ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ቀተለቶ (17-24)

መሳፍንቲ 4:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 2:19

መሳፍንቲ 4:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣብ ሓሮሼት-ሃ-ጎይም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 2:14፣ 3:8፣ 10:7
  • +መሳ 4:16

መሳፍንቲ 4:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንሱ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “900 ሰረገላታት ሓጺን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 17:16፣ መሳ 1:19
  • +ዘዳ 28:48
  • +መሳ 2:18፣ 3:9፣ መዝ 107:19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    4/2017፡ ገጽ 29

መሳፍንቲ 4:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 15:20፣ 2ነገ 22:14፣ ሉቃ 2:36፣ ግብ 21:8, 9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2015፡ ገጽ 12

መሳፍንቲ 4:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 18:21, 25
  • +ዘፍ 28:17, 19

መሳፍንቲ 4:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሰብካ ኣውፍር።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 11:32
  • +እያ 21:32

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2003፡ ገጽ 28-29

መሳፍንቲ 4:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 18:40፣ መዝ 83:9
  • +ዘዳ 20:1

መሳፍንቲ 4:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2015፡ ገጽ 13

    15/1/2005፡ ገጽ 25

    15/11/2003፡ ገጽ 29

መሳፍንቲ 4:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 4:21, 22፣ 5:24, 26
  • +እያ 20:7, 9፣ 21:32

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2003፡ ገጽ 29

መሳፍንቲ 4:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 5:18

መሳፍንቲ 4:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 24:21፣ መሳ 1:16፣ 1ሳሙ 15:6
  • +ዘሁ 10:29

መሳፍንቲ 4:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 4:6

መሳፍንቲ 4:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “900 ሰረገላታት ሓጺን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 5:20, 21

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    4/2017፡ ገጽ 29

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2015፡ ገጽ 14

መሳፍንቲ 4:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2015፡ ገጽ 14

    15/12/1998፡ ገጽ 11-12

መሳፍንቲ 4:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 14:24፣ እያ 10:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2015፡ ገጽ 14

    15/12/1998፡ ገጽ 11-12

መሳፍንቲ 4:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2015፡ ገጽ 14

መሳፍንቲ 4:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 4:1, 2
  • +መሳ 5:24
  • +መሳ 4:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2015፡ ገጽ 14-15

መሳፍንቲ 4:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2015፡ ገጽ 15

መሳፍንቲ 4:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 5:25

መሳፍንቲ 4:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 4:9፣ 5:26, 27

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2015፡ ገጽ 15

መሳፍንቲ 4:22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2015፡ ገጽ 15

መሳፍንቲ 4:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 11:32, 33

መሳፍንቲ 4:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 7:24
  • +ዘፍ 9:25

ሓፈሻዊ

መሳ. 4:1መሳ 2:19
መሳ. 4:2መሳ 2:14፣ 3:8፣ 10:7
መሳ. 4:2መሳ 4:16
መሳ. 4:3እያ 17:16፣ መሳ 1:19
መሳ. 4:3ዘዳ 28:48
መሳ. 4:3መሳ 2:18፣ 3:9፣ መዝ 107:19
መሳ. 4:4ዘጸ 15:20፣ 2ነገ 22:14፣ ሉቃ 2:36፣ ግብ 21:8, 9
መሳ. 4:5እያ 18:21, 25
መሳ. 4:5ዘፍ 28:17, 19
መሳ. 4:6እብ 11:32
መሳ. 4:6እያ 21:32
መሳ. 4:71ነገ 18:40፣ መዝ 83:9
መሳ. 4:7ዘዳ 20:1
መሳ. 4:9መሳ 4:21, 22፣ 5:24, 26
መሳ. 4:9እያ 20:7, 9፣ 21:32
መሳ. 4:10መሳ 5:18
መሳ. 4:11ዘሁ 24:21፣ መሳ 1:16፣ 1ሳሙ 15:6
መሳ. 4:11ዘሁ 10:29
መሳ. 4:12መሳ 4:6
መሳ. 4:13መሳ 5:20, 21
መሳ. 4:15ዘጸ 14:24፣ እያ 10:10
መሳ. 4:16ዘሌ 26:7
መሳ. 4:17መሳ 4:1, 2
መሳ. 4:17መሳ 5:24
መሳ. 4:17መሳ 4:11
መሳ. 4:19መሳ 5:25
መሳ. 4:21መሳ 4:9፣ 5:26, 27
መሳ. 4:23እብ 11:32, 33
መሳ. 4:24ዘዳ 7:24
መሳ. 4:24ዘፍ 9:25
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
መሳፍንቲ 4:1-24

መሳፍንቲ

4 እስራኤላውያን ግና፡ ኤሁድ ምስ ሞተ፡ መሊሶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበሩ።+ 2 የሆዋ ድማ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ሓጾር ነጊሱ ዝነበረ ያቢን ንጉስ ከነኣን ሸጦም።+ ሓለቓ ሰራዊቱ ኸኣ እቲ ኣብ ናይ ኣህዛብ ሓሮሼት*+ ዚቕመጥ ዝነበረ ሲሰራ ነበረ። 3 ያቢን* ድማ ማዕጺድ ሓጺን ዘለወን 900 ሰረገላታት* ነበራኦ፡+ ንእስራኤላውያን ከኣ 20 ዓመት ኣመና ጨቈኖም፣+ ስለዚ፡ እስራኤላውያን ናብ የሆዋ ተማህለሉ።+

4 ዴቦራ፡ ነብዪት+ ሰበይቲ ላጲዶት ድማ፡ በታ ግዜ እቲኣ ንእስራኤል ትፈርድ ነበረት። 5 ንሳ ኸኣ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ መንጎ ራማን+ ቤት-ኤልን+ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም እትርከብ ኦም ተምሪ ዴቦራ ትቕመጥ ነበረት፣ እስራኤላውያን ድማ ንፍርዲ ናብኣ ይድይቡ ነበሩ። 6 ንሳ ኸኣ ንባራቅ+ ወዲ ኣቢኖዓም ካብ ቀደሽ-ንፍታሌም+ ልኢኻ ጸዊዓ፡ ከምዚ በለቶ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤልሲ ትእዛዝዶ ኣይሃበን፧ ‘ኪድ፡ ናብ ከረን ታቦር ተጐዓዝ፣* ካብ ደቂ ንፍታሌምን ካብ ደቂ ዛብሎንን ድማ 10,000 ሰብኡት ውሰድ። 7 ንሲሰራ ሓለቓ ሰራዊት ያቢን ምስ ሰረገላታቱን ሰራዊቱን ናባኻ ናብ ርባ ቂሶን+ ከምጽኦ እየ፣ ኣብ ኢድካ ኸኣ ክህበካ እየ።’”+

8 ባራቅ ድማ፡ “ምሳይ እንተ ኼድኪ፡ ክኸይድ እየ፣ ምሳይ እንተ ዘይኬድኪ ግና፡ ኣይከይድን እየ” በላ። 9 ንሳ ኸኣ፡ “ብርግጽ ምሳኻ ክኸይድ እየ። ግናኸ፡ የሆዋ ንሲሰራ ኣብ ኢድ ሰበይቲ ኺህቦ እዩ እሞ፡ እዚ እትኸዶ ዘለኻ ወፈራ ንኽብርኻ ኣይኪኸውንን እዩ” በለቶ።+ ዴቦራ ድማ ተንሲኣ፡ ምስ ባራቅ ናብ ቀደሽ ከደት።+ 10 ባራቅ ከኣ ንዛብሎንን ንንፍታሌምን+ ናብ ቀደሽ ጸውዖም፣ 10,000 ሰብኡት ድማ ኣሰሩ ሰዓቡ። ዴቦራ እውን ምስኡ ደየበት።

11 ሔበር እቲ ቄናዊ ኸኣ ካብ ቄናውያን፡+ ደቂ ሖባብ ሓሙ ሙሴ፡+ ተፈልዩ ነበረ፣ ድንኳኑ ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ቀደሽ ዘሎ ዓብዪ ኦም ጸዓናኒም ተኺሉ ነበረ።

12 ንሲሰራ ኸኣ፡ ባራቅ ወዲ ኣቢኖዓም ናብ ከረን ታቦር ከም ዝደየበ ተነግሮ።+ 13 ሽዑ፡ ሲሰራ ንዅሉ ሰረገላታቱን፡—ማዕጺድ ሓጺን ዘለወን 900 ሰረገላታት፡*—ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ሰራዊትን ካብ ናይ ኣህዛብ ሓሮሼት ናብ ርባ ቂሶን ኣኽተተ።+ 14 ዴቦራ ድማ ንባራቅ፡ “እታ የሆዋ ንሲሰራ ኣብ ኢድካ ዚህበላ መዓልቲ እዚኣ እያ እሞ፡ ተንስእ። የሆዋ ቐቅድሜኻ ይወጽእዶ የሎን፧” በለቶ። ባራቅ ከኣ 10,000 ሰብኡት እናሰዓብዎ፡ ካብ ከረን ታቦር ወረደ። 15 የሆዋ ድማ ንሲሰራን ንዅሉ ሰረገላታቱን ንዅሉ ሰራዊቱን ኣብ ቅድሚ ሰይፊ ባራቅ ኣሸበሮም።+ ሲሰራ ኸኣ ካብ ሰረገላኡ ወሪዱ፡ ብእግሩ ሃደመ። 16 ባራቅ ድማ ነቲ ሰረገላታትን ነቲ ሰራዊትን ክሳብ ናይ ኣህዛብ ሓሮሼት ሰጐጎ። ብዘሎ ሰራዊት ሲሰራ ኸኣ ብሰይፊ ወደቐ፣ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።+

17 ኣብ መንጎ ያቢን+ ንጉስ ሓጾርን ቤት ሔበር እቲ ቄናውን ሰላም ነበረ እሞ፡ ሲሰራ ብእግሩ ናብ ድንኳን ያዔል+ ሰበይቲ ሔበር+ እቲ ቄናዊ ሃደመ። 18 ያዔል ድማ ንሲሰራ ኽትቅበሎ ወጺኣ፡ “ጐይታይ፡ እቶ፡ ናብዚ እቶ። ኣይትፍራህ” በለቶ። ንሱ ኸኣ ናብ ድንኳና ኣተወ፡ ንሳ ድማ ብወጮ ኸደነቶ። 19 ንሱ ድማ፡ “ጸሚአ እየ እሞ፡ በጃኺ ሒደት ማይ ኣስትይኒ” በላ። ንሳ ኸኣ ሓርቢ ጸባ ፈቲሓ ኣስተየቶ፣+ ድሕሪኡ ድማ መሊሳ ኸደነቶ። 20 ንሱ ኸኣ፡ “ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ደው በሊ፣ ዝዀነ ሰብ መጺኡ፡ ‘ኣብዚዶ ሰብኣይ ኣሎ፧’ ኢሉ እንተ ሓቲቱኪ፡ ‘የልቦን’ በሊ” በላ።

21 ያዔል ሰበይቲ ሔበር ግና ሽኻል ድንኳንን ሞደሻን ብኢዳ ወሰደት። ንሱ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ደቂሱን ደኺሙን ከሎ፡ ሰላሕ ኢላ ናብኡ ቐሪባ፡ ነቲ ሽኻል ኣብ መትልሑ ሸኸለቶ፡ ወቒዓ ድማ ናብ ምድሪ ኣእተወቶ፣ ንሱ ኸኣ ሞተ።+

22 ባራቅ ንሲሰራ ስዒቡ ናብኡ ምስ ከደ፡ ያዔል ክትቅበሎ ወጸት እሞ፡ “እቲ እትደልዮ ዘለኻ ሰብኣይ ከርእየካስ ንዓ” በለቶ። ምስኣ ኸኣ ኣተወ፣ ሲሰራ ሞይቱ ተዘርጊሑ ድማ ረኣየ፣ እቲ ሽኻል እውን ኣብ መትልሑ ነበረ።

23 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ኣምላኽ ንያቢን ንጉስ ከነኣን ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን ኣምበርከኾ።+ 24 ንያቢን ንጉስ ከነኣን ክሳዕ ዜጥፍእዎ፡+ ኢድ እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ ያቢን ንጉስ ከነኣን እናኸበደት ከደት።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ