ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 38
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ይሁዳን ታማርን (1-30)

ዘፍጥረት 38:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 24:2, 3፣ 28:1

ዘፍጥረት 38:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 26:19

ዘፍጥረት 38:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ይሁዳ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 19:29, 31

ዘፍጥረት 38:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 1:3

ዘፍጥረት 38:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 25:5, 6፣ ማቴ 22:24

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ገጽ 1520

ዘፍጥረት 38:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሩት 4:6
  • +ዘዳ 25:7, 9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 5/2020፡ ገጽ 4

ዘፍጥረት 38:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 2:3

ዘፍጥረት 38:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 26:19

ዘፍጥረት 38:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 38:2
  • +ዘፍ 38:1
  • +እያ 15:10, 12፣ መሳ 14:1

ዘፍጥረት 38:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 25:5

ዘፍጥረት 38:15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2004፡ ገጽ 30

ዘፍጥረት 38:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 38:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2004፡ ገጽ 30

ዘፍጥረት 38:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 41:42፣ 1ነገ 21:8

ዘፍጥረት 38:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 38:1

ዘፍጥረት 38:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 21:9

ዘፍጥረት 38:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 38:16, 18

ዘፍጥረት 38:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 38:11፣ ዘዳ 25:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2004፡ ገጽ 29

ዘፍጥረት 38:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ምስንጣቕ፣” ካብ ማሕጸን ሰንጢቕካ ምውጻእ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 46:12፣ ሩት 4:12፣ 1ዜና 2:4፣ ሉቃ 3:23, 33

ዘፍጥረት 38:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 1:3

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 38:2ዘፍ 24:2, 3፣ 28:1
ዘፍ. 38:3ዘሁ 26:19
ዘፍ. 38:5እያ 19:29, 31
ዘፍ. 38:6ማቴ 1:3
ዘፍ. 38:8ዘዳ 25:5, 6፣ ማቴ 22:24
ዘፍ. 38:9ሩት 4:6
ዘፍ. 38:9ዘዳ 25:7, 9
ዘፍ. 38:101ዜና 2:3
ዘፍ. 38:11ዘሁ 26:19
ዘፍ. 38:12ዘፍ 38:2
ዘፍ. 38:12ዘፍ 38:1
ዘፍ. 38:12እያ 15:10, 12፣ መሳ 14:1
ዘፍ. 38:14ዘዳ 25:5
ዘፍ. 38:16ዘፍ 38:11
ዘፍ. 38:18ዘፍ 41:42፣ 1ነገ 21:8
ዘፍ. 38:20ዘፍ 38:1
ዘፍ. 38:24ዘሌ 21:9
ዘፍ. 38:25ዘፍ 38:16, 18
ዘፍ. 38:26ዘፍ 38:11፣ ዘዳ 25:5
ዘፍ. 38:29ዘፍ 46:12፣ ሩት 4:12፣ 1ዜና 2:4፣ ሉቃ 3:23, 33
ዘፍ. 38:30ማቴ 1:3
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 38:1-30

ዘፍጥረት

38 ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ፡ ይሁዳ ኻብ ኣሕዋቱ ተፈልዩ፡ ኣብ ጥቓ ሓደ ሒራ ዝስሙ ዓዱላማዊ ሰብኣይ ድንኳኑ ተኸለ። 2 ኣብኡ ኸኣ ይሁዳ፡ ሓንቲ ጓል ሓደ ሹዓ ዝስሙ ከነኣናዊ ሰብኣይ ረኣየ።+ ንዓኣ ወሲዱ ኸኣ ናብኣ ኣተወ፣ 3 ንሳ ድማ ጠነሰት፡ ወዲ ኸኣ ወለደት፡ ዔር ኢላ እውን ሰመየቶ።+ 4 መሊሳ ድማ ጠነሰት፡ ወዲ ኸኣ ወለደት፡ ኦናን ኢላ እውን ሰመየቶ። 5 ከም ብሓድሽ ድማ ወዲ ወለደት፡ ሸላሕ ኢላ እውን ሰመየቶ። ንዕኡ ኽትወልድ ከላ ኸኣ፡ ንሱ* ኣብ ኣክዚብ+ ነበረ።

6 ይሁዳ ድማ ንዔር እቲ በዅሪ ወዱ፡ ታማር+ ዝስማ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ። 7 ዔር እቲ በዅሪ ይሁዳ ግና፡ ንየሆዋ ዜጕሂ ነበረ፣ ስለዚ፡ የሆዋ ቐተሎ። 8 ሽዑ፡ ይሁዳ ንኦናን፡ “ናብ ሰበይቲ ሓውካ እቶ እሞ ውረሳ፡ ንሓውካ ድማ ዘርኢ ኣተንስኣሉ” በሎ።+ 9 ኦናን ግና እቲ ዘርኢ ንዕኡ ኸም ዘይከውን ፈለጠ።+ ስለዚ፡ ናብ ሰበይቲ ሓዉ ኺኣቱ ኸሎ፡ ንሓዉ ዘርኢ ምእንቲ ኸይህብ ኢሉ፡ ዘርኡ ናብ ምድሪ ኸዓዎ።+ 10 እቲ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ነበረ። ስለዚ፡ ንዕኡ እውን ቀተሎ።+ 11 ሽዑ፡ ይሁዳ፡ ንታማር ሰበይቲ ወዱ፡ “ወደይ ሸላሕ ክሳዕ ዚዓቢ፡ ኣብ ቤት ኣቦኺ መበለት ኴንኪ ተቐመጢ” በላ። ከመይሲ፡ ‘ንሱ እውን ከም ኣሕዋቱ ኺመውት ይኽእል እዩ’ ኢሉ ነበረ።+ ታማር ድማ ከይዳ ኣብ ቤት ኣቦኣ ተቐመጠት።

12 ድሕሪ ገለ እዋን ከኣ ጓል ሹዓ ሰበይቲ ይሁዳ+ ሞተት። ይሁዳ ሓዘኑ ድሕሪ ምውዳኡ፡ ምስ ሒራ እቲ ዓዱላማዊ+ ፈታዊኡ ናብቶም ኣብ ቲምና+ ዝነበሩ ቐምቀምቲ ኣባጊዑ ደየበ። 13 ንታማር ድማ፡ “ሓሙኺ ኣባጊዑ ኪቕምቅም ናብ ቲምና ይድይብ ኣሎ” ተባሂሉ ተነግራ። 14 ንሳ ኸኣ፡ ሸላሕ ዓብዩ ኽነሱ፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ ኸም ዘይተዋህበት ረኣየት እሞ፡+ ክዳን ምብልውናኣ ቐንጢጣ፡ ብመጐልበቢ ተጐልቢባ ኣብታ ኣብ ጥቓ መገዲ ቲምና ዘላ ኣፍ ደገ ዔናይም ተቐመጠት።

15 ይሁዳ ምስ ረኣያ፡ ገጻ ሸፊና ስለ ዝነበረት፡ ኣመንዝራ መሰለቶ። 16 ሰበይቲ ወዱ ምዃና ኣይፈለጠን እሞ፡+ ናብኣ ናብቲ ጥቓ መገዲ ኣላጊሱ፡ “ናባኺ ኽኣቱ በጃኺ ፍቐድለይ” በላ። ንሳ ድማ፡ “ናባይ ክትኣቱስ እንታይ እሞ ኽትህበኒ ኢኻ፧” በለቶ። 17 ንሱ ኸኣ፡ “ካብ መጓሰይ ማሕስእ ክሰድደልኪ እየ” በላ። ንሳ ድማ፡ “ክሳዕ እትሰድደለይከ ትሕጃዶ ኽትህበኒ፧” በለቶ። 18 ንሱ ኸኣ፡ “እንታይ ትሕጃ ደኣ እሞ ኽህበኪ፧” በላ። ንሳ ድማ፡ “ቀለቤት ማሕተምካን+ ማዕተብካን እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ በትርኻን” በለቶ። ሽዑ፡ ንሱ ንዓኣ ሃባ፡ ናብኣ ኸኣ ኣተወ፡ ንሳ እውን ካብኡ ጠነሰት። 19 ድሕርዚ፡ ተንሲኣ ኸደት፡ መጐልበቢኣ ቐንጢጣ ድማ ክዳን ምብልውናኣ ተኸድነት።

20 ይሁዳ ኸኣ ነቲ ትሕጃ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ኺወስድ ኢሉ፡ ብኢድ እቲ ዓዱላማዊ+ ፈታዊኡ ማሕስእ ሰደደላ፣ ንሱ ግና ኣይረኸባን። 21 ሽዑ፡ ንሰብ እታ ቦታ እቲኣ፡ “እታ ኣብ ዔናይም፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ዝነበረት ኣመንዝራ ቤተ መቕደስ ኣበይ ኣላ፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ “ኣብዚ ቦታ እዚ ኣመንዝራ ቤተ መቕደስ ኣይነበረትን” በሉ። 22 ናብ ይሁዳ ተመሊሱ ድማ፡ “ኣይረኸብክዋን፡ ሰብ እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ፡ ‘ኣብዚ ቦታ እዚ ኣመንዝራ ቤተ መቕደስ ኣይነበረትን’ ኢሎም” በሎ። 23 ይሁዳ ኸኣ፡ “ከይንነዓቕሲ፡ ንዓኣ ትውሰዶ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣነ ነዚ ማሕስእ እዚ ልኢኸ እየ፣ ንስኻ ግና ኣይረኸብካያን” በለ።

24 ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ፡ ንይሁዳ፡ “ታማር ሰበይቲ ወድኻ መንዚራ፡ ብምንዝርናኣ እውን ጠኒሳ ኣላ” ተባሂሉ ተነግሮ። ይሁዳ ድማ፡ “ኣውጽእዋ እሞ ትንደድ” በለ።+ 25 ምስ ኣውጽእዋ ኸኣ፡ ናብ ሓሙኣ፡ “ኣነ ኻብ ብዓል እዚ እየ ጠኒሰ ዘለኹ” ኢላ ሰደደት። “እዛ ቐለቤት ማሕተም እዚኣን እዛ ማዕተብ እዚኣን እዛ በትሪ እዚኣን ናይ መን ከም ዝዀና እስከ በጃኻ መርምር” ድማ በለት።+ 26 ይሁዳ ኸኣ መርመሮ፡ “ንወደይ ሸላሕ ስለ ዘይሃብክዋስ፡+ ካባይ ንሳ ትጸድቕ” ድማ በለ። ድሕሪኡ ኸኣ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይገበረን።

27 ግዜ ሕርሳ ምስ ኣኸለ፡ ኣብ ማሕጸና ማንታ ነበሩ። 28 ክትወልድ ከላ ኸኣ፡ እቲ ሓደ ኢዱ ኣውጽአ፣ እታ መሕረሲት ድማ፡ “እዚ ቐዳማይ ወጸ” ኢላ ብኡብኡ ቐይሕ ፈትሊ ወሲዳ ኣብ ኢዱ ኣሰረትሉ። 29 ንሱ ኢዱ ምስ መለሰ ግና፡ ሓዉ ወጸ፣ ንሳ ኸኣ፡ “ከመይ ሰንጠቕካ!” በለት። ስለዚ፡ ስሙ ፋሬስ* ተባህለ።+ 30 ድሕሪኡ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ኢዱ ቐይሕ ፈትሊ ዝነበሮ ወጸ፣ ስሙ ድማ ዜራሕ ተባህለ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ