2 ዜና መዋእል
27 ዮታም+ ኪነግስ ከሎ ድማ፡ ወዲ 25 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 16 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ የሩሻ እዩ፣ ንሳ ጓል ጻዶቅ እያ።+ 2 ንሱ ኸኣ ከምቲ ኣቦኡ ዑዝያ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ፣+ ግናኸ፡ ናብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ጥሒሱ ኣይኣተወን።+ እቶም ህዝቢ ግና ገና ተበላሽዮም ነበሩ። 3 ንሱ ድማ ላዕለዋይ ኣፍ ደገ ቤት የሆዋ ሰርሐ፣+ ኣብ መካበብያ ዖፌል እውን ብዙሕ ሃነጸ።+ 4 ኣብ ኣኽራን ይሁዳ+ ኸኣ ከተማታት ሰርሐ፣+ ኣብ ዱር ድማ ዕርድታትን+ ግምብታትን+ ሰርሐ። 5 ምስ ንጉስ ዓሞናውያን ከኣ ተዋግአ እሞ፡+ ንዓታቶም ሰዓሮም፣ እቶም ዓሞናውያን ድማ 100 ታለንት* ብሩርን 10,000 ቆሮስ* ስርናይን 10,000 ስገምን ሃብዎ። ዓሞናውያን ከኣ ኣብታ ኻልአይትን ሳልሰይትን ዓመት ከክንድዚ ኸፈልዎ።+ 6 ዮታም ድማ፡ መገድታቱ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኹ ሰሪቱ* ነበረ እሞ፡ እናበርትዐ ኸደ።
7 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮታም፡ ኵሉ ውግኡን መገድታቱን፡ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተጻሒፉ ኣሎ።+ 8 ንሱ ኺነግስ ከሎ ድማ፡ ወዲ 25 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 16 ዓመት ነገሰ።+ 9 ዮታም ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት+ ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሓዝ ነገሰ።+