መዝሙር
ንኣላዪ፣ ብቕዲ ማሓላት።* መስኪል።* ናይ ዳዊት።
ብዓመጻ ዚገብርዎ ተግባሮም ብልሹውን ፍንፉንን እዩ፣
ጽቡቕ ዚገብር የልቦን።+
3 ኵላቶም ኣልጊሶም፡
ኵላቶም ብሓደ ተበላሽዮም እዮም።
ጽቡቕ ዚገብር የልቦን፣
ሓደ እኳ የልቦን።+
4 ገበርቲ ኽፉእዶ ኣይርድኡን እዮም፧
ንህዝበይ ከምቲ እንጌራ ዚብላዕ ገይሮም ይበልዕዎ።
ናብ የሆዋ ኣይምህለሉን።+
የሆዋ ደርብይዎም እዩ እሞ፡ ንስኻ ኸተሕፍሮም ኢኻ።
6 ኣየ፡ ድሕነት እስራኤል ካብ ጽዮን እንተ ዚመጽእ!+
የሆዋ ንምሩኻት ህዝቡ ኺመልስ ከሎ፡
ያእቆብ ይተሓጐስ፡ እስራኤል እውን ባህ ይበሎ።