ናይ ዳዊት፣ ኣብ ቅድሚ ኣቢሜሌክ ኣእምሮ ዘይብሉ ምስ መሰለ እሞ፡+ ተሰጒጉ ምስ ከደ።
א  [ኣሌፍ]
34 ንየሆዋ ዅሉ ግዜ ኽውድሶ እየ፣
ውዳሰኡ ወትሩ ኣብ ከናፍረይ ኪኸውን እዩ።
ב  [ቤት]
 2 ብየሆዋ ኽምካሕ እየ፣+
ዓቃላት ኪሰምዑን ኪሕጐሱን እዮም።
ג  [ጊሜል]
 3 ንየሆዋ ምሳይ ኣዕብይዎ፣+
ንስሙ ሓቢርና ልዕል ነብሎ።
ד [ዳሌጥ]
 4 ንየሆዋ ሓቲተዮ፣ ንሱ እውን መሊሱለይ።+
ካብ ኵሉ ፍርሀይ ኣናጊፉኒ።+
ה  [ሄ]
 5 እቶም ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፣
ገጾም እውን ከቶ ኣይሓፍርን።
ז  [ዛይን]
 6 እዚ ትሑት እዚ ጸዊዑ፡ የሆዋ ድማ ሰሚዕዎ።
ካብ ኵሉ ጭንቁ ኸኣ ኣድሒንዎ።+
ח  [ሔት]
 7 መልኣኽ የሆዋ ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር፡+
የናግፎም እውን።+
ט  [ጤት]
 8 የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን፣+
ኣብኡ ዚምዕቈብ ሰብ ሕጉስ እዩ።
י  [ዮድ]
 9 እቶም ዚፈርህዎ ገለ እኳ ኣይጐድሎምን እዩ እሞ፡+
ኣቱም ቅዱሳቱ ዅልኹም፡ ንየሆዋ ፍርህዎ።
כ  [ካፍ]
10 ሽደናት ኣናብስ እኳ ስኢኖም ይጠምዩ፣
እቶም ንየሆዋ ዚደልይዎ ግና፡ ገለ ጽቡቕ እኳ ኣይጐድሎምን።+
ל  [ላሜድ]
11 ደቀየ፡ ንዑ ስምዑኒ፣
ፍርሃት የሆዋ ድማ ክምህረኩም እየ።+
מ [ሜም]
12 ካባኻትኩምሲ ብህይወት ባህ ዚብሎ፡
ጽቡቕ መዓልትታት እውን ኪርኢ ዚፈቱ ሰብ መን እዩ፧+
נ [ኑን]
13 እምበኣር፡ ልሳንካ ኻብ ክፉእ፡+
ከናፍርካ ኸኣ ምትላል ካብ ምዝራብ ሓሉ።+
ס [ሳሜኽ]
14 ካብ ክፉእ ርሓቕ፡ ሰናይ ድማ ግበር፣+
ንሰላም ድለያ፡ ስዓባ እውን።+
ע  [ዓይን]
15 ኣዒንቲ የሆዋ ናብ ጻድቃን፡+
ኣእዛኑ ኸኣ ንኣውያቶም ይሰምዓ እየን።+
פ  [ፌ]
16 ንመዘከርታኦም ካብ ምድሪ ምእንቲ ኺድምስሶ ግና፡
ገጽ የሆዋ ኣንጻር እቶም ክፉእ ዚገብሩ እዩ።+
צ [ጻዴ]
17 እቲኣቶም ኣእውዮም፡ የሆዋ ድማ ሰሚዕዎም፣+
ካብ ኵሉ ጭንቆም እውን ኣናጊፍዎም።+
ק  [ቆፍ]
18 የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ቀረባኦም እዩ፣+
ነቶም መንፈሶም እተደቝሰ ኸኣ የድሕኖም።+
ר  [ሬሽ]
19 ሽግር ጻድቕ ብዙሕ እዩ፣+
የሆዋ ግና ካብ ኵሉ የናግፎ።+
ש  [ሺን]
20 ንዅለን ኣዕጽምቱ ይሕልወን፣
ሓንቲ እኳ ኣይተሰብረትን።+
ת  [ታው]
21 መዓት ንእኩይ ይቐትሎ፣
ንጻድቕ ዚጸልኡ ድማ ኪዅነኑ እዮም።
22 የሆዋ ንህይወት ገላዉኡ ይብጀዋ፣
ካብቶም ኣብኡ ዚምዕቈቡ ሓደ እኳ ኣይኪዅነንን እዩ።+