ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 17
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ሓጢኣት ይሁዳ ሱር ዝሰደደ እዩ (1-4)

      • ብየሆዋ ዚእመን ዚረኽቦ በረኸት (5-8)

      • ጠላም ልቢ (9-11)

      • የሆዋ፡ ተስፋ እስራኤል (12, 13)

      • ጸሎት ኤርምያስ (14-18)

      • ንሰንበት ምቕዳስ (19-27)

ኤርምያስ 17:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 3:7፣ 2ዜና 24:18፣ 33:1, 3
  • +ኢሳ 1:29፣ ህዝ 6:13

ኤርምያስ 17:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:11, 13፣ ኤር 15:13
  • +ዘሌ 26:30፣ ህዝ 6:3

ኤርምያስ 17:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ከመይሲ፡ ከም ሓዊ ኣብ ቍጥዓይ ተወሊዕካ ኢኻ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ድጕ 5:2
  • +ዘዳ 28:48፣ ኤር 16:13
  • +ኢሳ 5:25፣ ኤር 15:14

ኤርምያስ 17:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዚውከል።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንስጋ ቕልጽሙ ዚገብር።”

  • *

    ወይ፡ “ሰብኣይ፣ ብርቱዕ ሰብ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 30:1, 2
  • +2ነገ 16:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 44

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2007፡ ገጽ 10

    15/8/1998፡ ገጽ 6

ኤርምያስ 17:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሰብኣይ፣ ብርቱዕ ሰብ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 34:8፣ 146:5፣ ኢሳ 26:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2007፡ ገጽ 10

ኤርምያስ 17:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 1:3፣ 92:12, 13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    9/2019፡ ገጽ 8

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/2011፡ ገጽ 28

    15/3/2011፡ ገጽ 14

    1/3/2009፡ ገጽ 16-17

ኤርምያስ 17:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መታለልን።”

  • *

    ወይ፡ “ዘይሓውን” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 6:5፣ 8:21፣ ምሳ 28:26

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 43-45

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/2004፡ ገጽ 10-11

    15/10/2001፡ ገጽ 25

    1/8/2001፡ ገጽ 9-10

    1/3/2000፡ ገጽ 30

ኤርምያስ 17:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንውሽጣዊ ስምዒት።” ቃ.ቃ.፡ “ንዀላሊት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 2:6፣ ገላ 6:7፣ ራእ 2:23፣ 22:12
  • +1ሳሙ 16:7፣ 1ዜና 28:9፣ ምሳ 17:3፣ 21:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2013፡ ገጽ 9

ኤርምያስ 17:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብዘይፍትሓዊ መገዲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 28:20፣ ኢሳ 1:23፣ ያእ 5:4

ኤርምያስ 17:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 2:5፣ ኢሳ 6:1

ኤርምያስ 17:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዚኽሕዱኒ፣” ንየሆዋ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 2:13፣ ራእ 22:1
  • +መዝ 73:27፣ ኢሳ 1:28

ኤርምያስ 17:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 15:20

ኤርምያስ 17:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 5:19፣ 2ጴጥ 3:4

ኤርምያስ 17:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ክልተ ሳዕ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 15:15፣ 20:11
  • +ኤር 18:23

ኤርምያስ 17:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 7:2

ኤርምያስ 17:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሳትኩም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ነህ 13:19

ኤርምያስ 17:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 20:9, 10፣ ዘሌ 23:3
  • +ዘጸ 31:13

ኤርምያስ 17:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ከይእዘዙን ተግሳጽ ከይቅበሉን ክሳዶም ኣትረሩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 48:4፣ ህዝ 20:13

ኤርምያስ 17:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 5:12-14

ኤርምያስ 17:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 132:11
  • +ኤር 22:4

ኤርምያስ 17:26

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ደቡብን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 32:44
  • +ኤር 33:13
  • +ዘሌ 1:3
  • +እዝ 3:3
  • +ዘሌ 2:1, 2
  • +መዝ 107:22፣ 116:17፣ ኤር 33:10, 11

ኤርምያስ 17:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:9, 10፣ ኤር 39:8
  • +2ነገ 22:16, 17፣ ድጕ 4:11

ሓፈሻዊ

ኤር. 17:2መሳ 3:7፣ 2ዜና 24:18፣ 33:1, 3
ኤር. 17:2ኢሳ 1:29፣ ህዝ 6:13
ኤር. 17:32ነገ 24:11, 13፣ ኤር 15:13
ኤር. 17:3ዘሌ 26:30፣ ህዝ 6:3
ኤር. 17:4ድጕ 5:2
ኤር. 17:4ዘዳ 28:48፣ ኤር 16:13
ኤር. 17:4ኢሳ 5:25፣ ኤር 15:14
ኤር. 17:5ኢሳ 30:1, 2
ኤር. 17:52ነገ 16:7
ኤር. 17:7መዝ 34:8፣ 146:5፣ ኢሳ 26:3
ኤር. 17:8መዝ 1:3፣ 92:12, 13
ኤር. 17:9ዘፍ 6:5፣ 8:21፣ ምሳ 28:26
ኤር. 17:10ሮሜ 2:6፣ ገላ 6:7፣ ራእ 2:23፣ 22:12
ኤር. 17:101ሳሙ 16:7፣ 1ዜና 28:9፣ ምሳ 17:3፣ 21:2
ኤር. 17:11ምሳ 28:20፣ ኢሳ 1:23፣ ያእ 5:4
ኤር. 17:122ዜና 2:5፣ ኢሳ 6:1
ኤር. 17:13ኤር 2:13፣ ራእ 22:1
ኤር. 17:13መዝ 73:27፣ ኢሳ 1:28
ኤር. 17:14ኤር 15:20
ኤር. 17:15ኢሳ 5:19፣ 2ጴጥ 3:4
ኤር. 17:18ኤር 15:15፣ 20:11
ኤር. 17:18ኤር 18:23
ኤር. 17:19ኤር 7:2
ኤር. 17:21ነህ 13:19
ኤር. 17:22ዘጸ 20:9, 10፣ ዘሌ 23:3
ኤር. 17:22ዘጸ 31:13
ኤር. 17:23ኢሳ 48:4፣ ህዝ 20:13
ኤር. 17:24ዘዳ 5:12-14
ኤር. 17:25መዝ 132:11
ኤር. 17:25ኤር 22:4
ኤር. 17:26ኤር 32:44
ኤር. 17:26ኤር 33:13
ኤር. 17:26ዘሌ 1:3
ኤር. 17:26እዝ 3:3
ኤር. 17:26ዘሌ 2:1, 2
ኤር. 17:26መዝ 107:22፣ 116:17፣ ኤር 33:10, 11
ኤር. 17:272ነገ 25:9, 10፣ ኤር 39:8
ኤር. 17:272ነገ 22:16, 17፣ ድጕ 4:11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 17:1-27

ኤርምያስ

17 “ሓጢኣት ይሁዳ ብብርዒ ሓጺን ተጻሒፉ ኣሎ።

ብብልሒ ኣልማዝ ኣብ ጽላት ልቦምን

ኣብ ኣቕርንቲ መሰውኢታቶምን ተቐሪጹ ኣሎ።

 2 ደቆም ከኣ ንመሰውኢታቶምን ንኣዕኑድ ኣምልኾኦምን፡*+

ኣብ ጥቓ ልሙዕ ኦም፡ ኣብ በረኽቲ ዅርባታት ይዝክሩ ኣለዉ፣+

 3 ኣብ መሮር ኣብ ዘሎ ኣኽራን እውን ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ።

ጥሪትካን ኵሉ መዛግብትኻን፡ ንዘመተ ኽህብ እየ፣+

እወ፡ ብሰሪ እቲ ኣብ ብዘሎ ሃገርካ ዘሎ ሓጢኣት ንበረኽትኻ ኸምኡ ኽገብር እየ።+

 4 ነቲ ዝሃብኩኻ ርስቲ ብፍቓድካ ኽትሓድጎ ኢኻ።+

ኣብ ዘይትፈልጣ ምድሪ ኸኣ ንጸላእትኻ ኸም እትግዛእ ክገብረካ እየ፣+

ከመይሲ፡ ንቝጥዓይ ከም ሓዊ ወሊዕካዮ ኢኻ።*+

ንሓዋሩ ድማ ኪነድድ እዩ።”

 5 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦

“ብሰብ ዚእመን፡*+

ኣብ ሓይሊ ሰብ ከኣ ዚጽጋዕ፡*+

ልቡ ድማ ካብ የሆዋ ዚርሕቕ ሰብ* ርጉም ይኹን።

 6 ንሱ ኸምታ ኣብ ምድረ በዳ በይና ዘላ ኦም ኪኸውን እዩ።

ጽቡቕ ኪመጽእ ከሎ ኣይኪርእን እዩ፣

ግናኸ፡ ኣብ ኣጻምእ በረኻ፡

ሓደ እኳ ኣብ ዘይነብሮ ምድሪ ጨው ኪነብር እዩ።

 7 ኣብ የሆዋ ዚውከል፡

እምንቶኡ ድማ ኣብ የሆዋ ዚገብር ሰብ* ብሩኽ እዩ።+

 8 ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማያት እተተኽለት፡

ሰራውራ ኸኣ ናብቲ ወሓዚ እትሰድድ ኦም ይኸውን።

ዋዒ ምስ መጸ፡ ኣየስተብህለሉን፣

ኣቝጽልቱ ግና ወትሩ ይለምዕ።+

ብዓመት ደርቂ ድማ ኣይጭነቕን፣

ካብ ምፍራይ እውን ኣየቋርጽን።

 9 ልቢ ኻብ ኵሉ ጠላምን* ቀባጽን* እዩ።+

መንከ ኺፈልጦ ይኽእል፧

10 ኣነ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገድታቱ፡

ከከም ፍረ ግብርታቱ ምእንቲ ኽህቦስ፡+

ንልቢ እፍትሾ፡+

ንውሽጣዊ ሓሳባት* ከኣ እምርምሮ ኣለኹ።

11 ከምቲ ቆቛሕ ዘይወለደቶ እትእክብ፡

ሃብቲ ብሸፈጥ* ዜጥሪ ድማ ከምኡ እዩ።+

ኣብ ፍርቂ ዕድሚኡ ይሓድጎ፣

ኣብ መወዳእታ ኸኣ ዓሻ ይኸውን።”

12 ቦታ መቕደስና፡

ክቡር ዝፋን፡ ካብ መጀመርታ ልዕል ዝበለ እዩ።+

13 ኦ የሆዋ፡ ተስፋ እስራኤል፡

ኵሎም እቶም ዚሓድጉኻ ኺሓፍሩ እዮም።

ኵሎም እቶም ዚኽሕዱኻ፡*

ንየሆዋ እቲ ምንጪ ህያው ማይ ስለ ዝሓደጉ፡+ ኣብ ሓመድ ኪጽሓፉ እዮም።+

14 ኦ የሆዋ፡ ኣሕውየኒ እሞ ኽሓዊ እየ።

ኣድሕነኒ እሞ ኽድሕን እየ።+

ንስኻስ ውዳሰይ ኢኻ።

15 እንሆ፡ “ቃል የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧+

እስከ ይምጻእ!”

ዚብሉኒ ኣለዉ።

16 ኣነ ግና፡ ጓሳ ዀይነ ንዓኻ ኻብ ምስዓብ ኣይሃደምኩን፣

ንመዓልቲ መዓት እውን ኣይናፈቕኩን።

ንዅሉ እቲ ኸናፍረይ እተዛረባኦ፡ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ፣

ኣብ ቅድሚ ገጽካ እዩ ዀይኑ!

17 መሸበሪ ኣይትኹነኒ።

ብመዓልቲ መዓት መዕቈብየይ ኢኻ።

18 ሰጐጕተይ ደኣ ይሕፈሩ እምበር፡+

ንዓይሲ ኣይተሕፍረኒ።

ንሳቶም ደኣ ይሸበሩ እምበር፡

ንዓይሲ ኣይተሸብረኒ።

መዓልቲ መዓት ኣምጽኣሎም፣+

ጨፍልቆም፡ ጠሪስካ* እውን ኣጥፍኣዮም።

19 የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ “ኬድካ ኣብታ ነገስታት ይሁዳ ዚኣትዉላን ዚወጹላን ኣፍ ደገ ደቂ ህዝብን ኣብ ኵሉ ኣፍ ደገታት የሩሳሌምን ደው በል።+ 20 ከምዚ ኸኣ በሎም፦ ‘ኣቱም በዘን ኣፍ ደገታት እዚአን እትኣትዉ ነገስታት ይሁዳን ኵላትኩም ህዝቢ ይሁዳን ኵላትኩም ነበርቲ የሩሳሌምን ቃል የሆዋ ስምዑ። 21 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ርእስኹም* ሓልዉ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ድማ ጾር ዘበለ ኣይትጹሩ፡ ወይ ብኣፍ ደገታት የሩሳሌም ኣይተእትዉ።+ 22 ብመዓልቲ ሰንበት ጾር ዘበለ ኻብ ኣባይትኹም ኣይተውጽኡ፣ ሓንቲ ዕዮ እኳ ኣይትዕየዩ።+ ከምቲ ንኣቦታትኩም ዝኣዘዝክዎም፡ ንመዓልቲ ሰንበት ቀድስዋ።+ 23 ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ እዝኖም እውን ኣየድነኑን፣ ብንቕጽና ድማ ምእዛዝ ኰነ ተግሳጽ ምቕባል ኣበዩ።”’*+

24 “‘“ግናኸ፡ ኣጸቢቕኩም እንተ ተኣዚዝኩምኒ” ይብል የሆዋ፡ “ብመዓልቲ ሰንበት ብኣፍ ደገታት እዛ ኸተማ እዚኣ ጾር እንተ ዘየእቲኹም፡ ገለ ዕዮ ብዘይምዕያይ ንሰንበት እንተ ቐዲስኩምዋ፡+ 25 ሽዑ፡ እቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጦም ዘለዉ ነገስታትን መሳፍንትን፡+ ንሳቶምን መሳፍንቶምን ሰብ ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን እውን ኣብ ሰረገላን ኣብ ኣፍራስን ተወጢሖም ብኣፍ ደገታት እዛ ኸተማ እዚኣ ኺኣትዉ እዮም፣+ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ንሓዋሩ ነበርቲ ኺህልውዋ እዮም። 26 ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ዙርያ የሩሳሌምን ካብ ምድሪ ብንያምን+ ካብ ቈላን+ ካብ ኣኽራንን ካብ ነጌብን* ድማ ሰባት ኪመጹ፡ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን+ መስዋእቲ ሕሩድን+ መስዋእቲ እኽልን+ ጻዕዳ ዕጣንን መስዋእቲ ምስጋናን እውን ናብ ቤት የሆዋ ኼምጽኡ እዮም።+

27 “‘“ግናኸ፡ ንመዓልቲ ሰንበት ክትቅድሱን ጾር ከይትጾሩን ብመዓልቲ ሰንበት ብኣፍ ደገታት የሩሳሌም ከይተእትዉን እንተ ዘይተኣዚዝኩምኒ፡ ንኣፍ ደገታታ ብሓዊ ኸንድዶ እየ፣ ንሱ ድማ ንእተዓርደ ግምብታት የሩሳሌም ብርግጽ ኪበልዖ እዩ፡+ ኣይኪጠፍእን እውን እዩ።”’”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ