ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 59
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ሓጢኣት እስራኤል ካብ ኣምላኽ የርሕቕ (1-8)

      • ኑዛዜ ሓጢኣት (9-15ሀ)

      • የሆዋ ንዚንስሑ ይድግፎም (15ለ-21)

ኢሳይያስ 59:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 11:23፣ ኢሳ 50:2
  • +መዝ 116:1

ኢሳይያስ 59:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 5:25
  • +ዘዳ 31:16, 17፣ 32:20፣ ኢሳ 57:17፣ ህዝ 39:23፣ ሚክ 3:4

ኢሳይያስ 59:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:15፣ ኤር 2:34፣ ህዝ 7:23
  • +ኤር 7:9, 10፣ ህዝ 13:8

ኢሳይያስ 59:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብባዶነት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 5:1፣ ህዝ 22:30፣ ሚክ 7:2
  • +ኢሳ 30:12, 13
  • +ሚክ 2:1

ኢሳይያስ 59:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዮ 8:13, 14

ኢሳይያስ 59:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 57:12
  • +ኤር 6:7፣ ሚክ 6:12

ኢሳይያስ 59:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 22:17፣ ህዝ 9:9፣ ማቴ 23:35
  • +ሮሜ 3:15-17

ኢሳይያስ 59:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 5:7፣ 59:15፣ ኤር 5:1፣ ኣሞ 6:12፣ ኣን 1:4
  • +ኤር 8:15

ኢሳይያስ 59:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 5:30

ኢሳይያስ 59:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:15, 29

ኢሳይያስ 59:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:5፣ ህዝ 5:5, 6
  • +ኤር 14:7፣ ሆሴ 5:5
  • +እዝ 9:13፣ ነህ 9:33፣ ዳን 9:5

ኢሳይያስ 59:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 31:6፣ 32:6፣ ኤር 17:13
  • +ኤር 5:23

ኢሳይያስ 59:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቅንዕና።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 82:2፣ ኣን 1:4
  • +ኢሳ 5:22, 23

ኢሳይያስ 59:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቅንዕና።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ኽፉእ ነይሩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 48:1
  • +ሚክ 3:2

ኢሳይያስ 59:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓወት ኣምጺኡሉ።”

ኢሳይያስ 59:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓወት።”

  • *

    ወይ፡ “እጅገ ብዘይብሉ ቐምሽ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤፌ 6:17፣ 1ተሰ 5:8
  • +ዘዳ 32:35፣ መዝ 94:1

ኢሳይያስ 59:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዮ 34:11፣ መዝ 62:12፣ ኤር 17:10
  • +ኢሳ 1:24፣ ድጕ 4:11፣ ህዝ 5:13

ኢሳይያስ 59:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 30:1-3፣ ሮሜ 11:26
  • +ኢሳ 48:17
  • +ኢሳ 62:11

ኢሳይያስ 59:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዘርእኻ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዘርኢ ዘርእኻ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 11:27

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/1995፡ ገጽ 9

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 59:1ዘሁ 11:23፣ ኢሳ 50:2
ኢሳ. 59:1መዝ 116:1
ኢሳ. 59:2ኤር 5:25
ኢሳ. 59:2ዘዳ 31:16, 17፣ 32:20፣ ኢሳ 57:17፣ ህዝ 39:23፣ ሚክ 3:4
ኢሳ. 59:3ኢሳ 1:15፣ ኤር 2:34፣ ህዝ 7:23
ኢሳ. 59:3ኤር 7:9, 10፣ ህዝ 13:8
ኢሳ. 59:4ኤር 5:1፣ ህዝ 22:30፣ ሚክ 7:2
ኢሳ. 59:4ኢሳ 30:12, 13
ኢሳ. 59:4ሚክ 2:1
ኢሳ. 59:5እዮ 8:13, 14
ኢሳ. 59:6ኢሳ 57:12
ኢሳ. 59:6ኤር 6:7፣ ሚክ 6:12
ኢሳ. 59:7ኤር 22:17፣ ህዝ 9:9፣ ማቴ 23:35
ኢሳ. 59:7ሮሜ 3:15-17
ኢሳ. 59:8ኢሳ 5:7፣ 59:15፣ ኤር 5:1፣ ኣሞ 6:12፣ ኣን 1:4
ኢሳ. 59:8ኤር 8:15
ኢሳ. 59:9ኢሳ 5:30
ኢሳ. 59:10ዘዳ 28:15, 29
ኢሳ. 59:12ኢሳ 1:5፣ ህዝ 5:5, 6
ኢሳ. 59:12ኤር 14:7፣ ሆሴ 5:5
ኢሳ. 59:12እዝ 9:13፣ ነህ 9:33፣ ዳን 9:5
ኢሳ. 59:13ኢሳ 31:6፣ 32:6፣ ኤር 17:13
ኢሳ. 59:13ኤር 5:23
ኢሳ. 59:14መዝ 82:2፣ ኣን 1:4
ኢሳ. 59:14ኢሳ 5:22, 23
ኢሳ. 59:15ኢሳ 48:1
ኢሳ. 59:15ሚክ 3:2
ኢሳ. 59:17ኤፌ 6:17፣ 1ተሰ 5:8
ኢሳ. 59:17ዘዳ 32:35፣ መዝ 94:1
ኢሳ. 59:18እዮ 34:11፣ መዝ 62:12፣ ኤር 17:10
ኢሳ. 59:18ኢሳ 1:24፣ ድጕ 4:11፣ ህዝ 5:13
ኢሳ. 59:20ዘዳ 30:1-3፣ ሮሜ 11:26
ኢሳ. 59:20ኢሳ 48:17
ኢሳ. 59:20ኢሳ 62:11
ኢሳ. 59:21ሮሜ 11:27
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 59:1-21

ኢሳይያስ

59 እንሆ፡ ኢድ የሆዋ ንምድሓን ሓጻር ኣይኰነትን፣+

እዝኑ ድማ ንምስማዕ እትጻንዖ ኣይኰነትን።+

 2 ስሕተትኩም ደኣ እዩ ኻብ ኣምላኽኩም ፈልዩኩም።+

ሓጢኣትኩም ከኣ እዩ ገጹ ኻባኻትኩም ከም ዚሓብእን

ምስማዕ ከም ዚኣብየኩምን ገይርዎ።+

 3 ከመይሲ፡ ኣእዳውኩም ብደም፡+

ኣጻብዕኩም ድማ ብስሕተት ተበኪለን እየን።

ከናፍርኩም ሓሶት ይዛረባ፡+ ልሳንኩም እውን ዓመጻ ተዕዘምዝም።

 4 ንጽድቂ ዚጽውዕ የልቦን፣+

ብሓቂ ናብ ፍርዲ ዚኸይድ እውን የልቦን።

ብኸንቱነት* ይእመኑ፡+ ዘይረብሕ ነገር ድማ ይዛረቡ።

ሽግር ጠኒሶም፡ ጕድኣት ይወልዱ።+

 5 እንቋቝሖታት መርዛም ተመን የንቍሑ፣

ዓለባ ሳሬት ከኣ ይኣልሙ።+

እንቋቝሖታቶም ዚበልዕ ይመውት፣

እተጨፍለቐ እንቋቝሖ ድማ ኣፍዑት ይነቍሕ።

 6 ዓለባ ሳሬቶም ክዳን ኣይኪኸውንን እዩ፣

ብዚገብርዎ ኸኣ ኣይኪኽደኑን እዮም።+

ግብሮምሲ ጐዳኢ እዩ፣

ኣብ ኣእዳዎም ድማ ተግባር ዓመጻ ኣሎ።+

 7 ኣእጋሮም ናብ ክፍኣት ይጐይያ፣

ንጹህ ደም ናብ ምፍሳስ ከኣ ይቕልጥፉ።+

ሓሳባቶም ሓሳብ ጕድኣት እዩ፣

ጥፍኣትን ጸበባን ኣብ መገድታቶም ኣሎ።+

 8 ንመገዲ ሰላም ኣይፈለጥዋን፣

ኣብ ኣሰራቶም ፍትሒ የልቦን።+

ንመገድታቶም ድማ የቕንንዎ።

ብእኡ ዚኸይድ ዘበለ ንሰላም ኣይፈልጣን።+

 9 ስለዚ እዩ ፍትሒ ኻባና ዝረሓቐ፡

ጽድቂ እውን ዘየርከበና።

ንብርሃን ተስፋ ጌርናስ፡ እንሆ ግና፡ ጸልማት፣

ንድምቀት፡ ግናኸ ብድነ ንመላለስ ኣለና።+

10 ከም ዕዉራት፡ መንደቕ ሃሰስ ንብል፡

ኣዒንቲ ኸም ዘይብሎም፡ ሃሰስ ንብል ኣለና።+

ቀትሪ ኸሎስ፡ ከም ኣብ ጸልማት ምሸት ንዕንቀፍ ኣለና፣

ኣብ መንጎ እቶም ብርቱዓት፡ ከም ምዉታት ኢና።

11 ከም ድብታት ሕኒን ንብል፡

ከም ረገቢት ከኣ ብሓዘን ኩኩ ንብል ኣለና።

ንፍትሒ ተስፋ ጌርናስ፡ ግናኸ የልቦን፣

ንድሕነት፡ ንሱ ግና ካባና ርሑቕ እዩ።

12 ዕልወትናስ ኣብ ቅድሜኻ ብዙሕ እዩ፣+

ኵሉ ሓጢኣትና ይምስክረልና ኣሎ።+

ዕልወትናስ ምሳና ኣሎ፣

ንስሕተትና ድማ ኣጸቢቕና ንፈልጦ ኢና።+

13 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣቢስና፡ ንዕኡ እውን ክሒድናዮ፣

ንኣምላኽና ዝባንና መሊስናሉ።

ብዛዕባ ጭቈናን ዕልወትን ተዛሪብና፣+

ሓሶት ጠኒስና፡ ካብ ልብና ኸኣ ቃላት ሓሶት ኣዕዘምዚምና።+

14 ፍትሒ ንድሕሪት ተመሊሱ፣+

ጽድቂ ድማ ኣብ ርሑቕ ቈይሙ፣+

ከመይሲ፡ ሓቂ* ኣብ ኣደባባይ ተዓንቂፋ፣

ቅኑዕ ዘበለ ኺኣቱ ኣይከኣለን።

15 ሓቂ* ጠፊኣ፣+

ካብ ክፉእ ዚርሕቕ ዘበለ ድማ ተዘሚቱ።

የሆዋ እዚ ርእዩስ፡

ፍትሒ ስለ ዘየልቦ፡ ጕህዩ።*+

16 ሓደ እኳ ኸም ዘየልቦ ርእዩ፣

ሓደ እኳ ኣብ ክንዲ ኻልእ ከም ዘይልምን ርእዩ ተገሪሙ፣

ስለዚ፡ ቅልጽሙ ድሕነት ኣምጺኡ፣*

ጽድቁ እውን ደጊፍዎ።

17 ንጽድቂ ኸም ድርዒ ለቢስዎ፣

ኣብ ርእሱ ድማ ናይ ድሕነት* ቍራዕ ርእሲ ገይሩ።+

ክዳውንቲ ሕነ ኸም ክዳን ተኸዲኑ፣+

ከም ብቐምሽ ላዕሊ* ኸኣ ብቕንኣት ተወንዚፉ።

18 ከከም ግብሮም ኪፈድዮም እዩ፦+

ቍጥዓ ንተጻረርቱ፡ ፍዳ ንጸላእቱ።+

ንደሴታት ከኣ ዚግብአን ኪፈድየን እዩ።

19 ካብ ምዕራብ ጸሓይ፡ ስም የሆዋ፡

ካብ ምብራቕ ጸሓይ ድማ፡ ክብሩ ኺፈርሁ እዮም፣

ከመይሲ፡ ከምቲ መንፈስ የሆዋ ምስ ከብከቦ

ኣበርቲዑ ዚውሕዝ ፈለግ ኰይኑ ኺመጽእ እዩ።

20 “ንጽዮንን ነቶም ካብ ኣበሳ ዘልገሱ ኣብ ያእቆብ ዘለዉን+

ተበጃዊ+ ኺመጽእ እዩ”+ ይብል የሆዋ።

21 “ኣነስ ምሳታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳን እዚ እዩ”+ ይብል የሆዋ። “ኣባኻ ዘሎ መንፈሰይን ኣብ ኣፍካ ዘንበርክዎ ቓለይን፡ ካብ ኣፍካ፡ ካብ ኣፍ ደቅኻ፡* ወይ ካብ ኣፍ ደቂ ደቅኻ፡* ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ኣይኪርሕቕን እዩ” ይብል የሆዋ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ