ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ዜና መዋእል 6
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ሰሎሞን ነቲ ህዝቢ እተዛረቦ ዘረባ (1-11)

      • ሰሎሞን ኣብ መመረቕታ ዝጸለዮ ጸሎት (12-42)

2 ዜና መዋእል 6:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 20:21፣ 1ነገ 8:12, 13፣ መዝ 97:2

2 ዜና መዋእል 6:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 132:13, 14

2 ዜና መዋእል 6:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 8:14-21

2 ዜና መዋእል 6:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2005፡ ገጽ 19

2 ዜና መዋእል 6:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:5, 6

2 ዜና መዋእል 6:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 48:1
  • +2ሳሙ 7:8፣ 1ዜና 28:4

2 ዜና መዋእል 6:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 7:2፣ 1ነገ 5:3

2 ዜና መዋእል 6:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ካብ ሕቘኻ ዚወጽእ ወድኻ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 17:4

2 ዜና መዋእል 6:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 17:11
  • +1ዜና 28:5፣ 29:23

2 ዜና መዋእል 6:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 40:20፣ 1ነገ 8:9

2 ዜና መዋእል 6:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 8:22

2 ዜና መዋእል 6:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ሓደ እመት፡ 44.5 ሰ.ሜ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 6:36
  • +1ነገ 8:54

2 ዜና መዋእል 6:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 7:9፣ 1ነገ 8:23-26

2 ዜና መዋእል 6:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 3:6
  • +2ሳሙ 7:12, 13፣ 1ዜና 22:10

2 ዜና መዋእል 6:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 132:12
  • +1ነገ 2:4

2 ዜና መዋእል 6:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 7:48
  • +2ዜና 2:6፣ ኢሳ 40:12፣ ግብ 17:24
  • +1ነገ 8:27-30፣ ኢሳ 66:1

2 ዜና መዋእል 6:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 26:2

2 ዜና መዋእል 6:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዳን 6:10
  • +2ነገ 19:20፣ 2ዜና 30:27
  • +2ዜና 7:12-14፣ ሚክ 7:18

2 ዜና መዋእል 6:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እንተ ረጊምዎ።” ማለት፡ ብሓሶት እንተ ተማሒሉ ወይ ማሕላ እንተ ተጣሒሱ መቕጻዕቲ ዚኸውን መርገም ዘለዎ ማሕላ።

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ብመርገም።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መርገም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 8:31, 32

2 ዜና መዋእል 6:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ጻድቕ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዮ 34:11
  • +ኢሳ 3:10, 11፣ ህዝ 18:20

2 ዜና መዋእል 6:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:14, 17፣ እያ 7:8, 11፣ መሳ 2:14
  • +ዳን 9:3, 19
  • +እዝ 9:5
  • +1ነገ 8:33, 34

2 ዜና መዋእል 6:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 57:15
  • +መዝ 106:47

2 ዜና መዋእል 6:26

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዝወጻዕካዮም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 14:13
  • +ዘሌ 26:19፣ ዘዳ 28:23
  • +1ነገ 8:35, 36

2 ዜና መዋእል 6:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 30:20, 21፣ 54:13
  • +1ነገ 18:1

2 ዜና መዋእል 6:28

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጐደበ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብታ ምድሪ፡ ኣብ ኣፍ ደገታቱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሩት 1:1፣ 2ነገ 6:25
  • +ዘሌ 26:14, 16፣ ዘዳ 28:21, 22
  • +ኣሞ 4:9፣ ሃጌ 2:17
  • +ዘዳ 28:38፣ ዮኤ 1:4
  • +2ዜና 12:2፣ 32:1
  • +1ነገ 8:37-40

2 ዜና መዋእል 6:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 14:10
  • +2ዜና 20:5, 6
  • +2ዜና 33:13
  • +ዳን 6:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2010፡ ገጽ 11

    15/3/2008፡ ገጽ 12-13

    1/1/2004፡ ገጽ 32

    15/4/1997፡ ገጽ 4

2 ዜና መዋእል 6:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 63:15
  • +መዝ 130:4
  • +1ሳሙ 16:7፣ 1ዜና 28:9፣ ኤር 11:20፣ 17:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2010፡ ገጽ 11

    15/3/2008፡ ገጽ 12-13

    1/1/2004፡ ገጽ 32

2 ዜና መዋእል 6:32

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዝናኻ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 12:48፣ ሩት 1:16፣ 2ነገ 5:15፣ ኢሳ 56:6, 7፣ ግብ 8:27
  • +1ነገ 8:41-43

2 ዜና መዋእል 6:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 22:27፣ 46:10

2 ዜና መዋእል 6:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 31:2፣ እያ 8:1፣ መሳ 1:1, 2፣ 1ሳሙ 15:3
  • +1ነገ 8:44, 45፣ 2ዜና 14:11፣ 20:5, 6

2 ዜና መዋእል 6:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 37:36

2 ዜና መዋእል 6:36

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 130:3፣ መክ 7:20፣ ሮሜ 3:23
  • +ዘሌ 26:34፣ 1ነገ 8:46-50፣ ዳን 9:7

2 ዜና መዋእል 6:37

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:40፣ እዝ 9:6፣ ነህ 1:6፣ መዝ 106:6፣ ዳን 9:5

2 ዜና መዋእል 6:38

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 30:1-3፣ ዳን 9:2, 3
  • +1ሳሙ 7:3
  • +ዳን 6:10

2 ዜና መዋእል 6:39

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 51:36, 37

2 ዜና መዋእል 6:40

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብዛዕባ እዛ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 7:15፣ 16:9፣ መዝ 65:2፣ ኢሳ 37:17

2 ዜና መዋእል 6:41

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብሕያውነትካ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 28:2
  • +መዝ 65:4፣ 132:8-10

2 ዜና መዋእል 6:42

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ገጽ ቅቡእካ ንድሕሪት ኣይትምለስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 1:34፣ መዝ 18:50
  • +ግብ 13:34

ሓፈሻዊ

2 ዜና 6:1ዘጸ 20:21፣ 1ነገ 8:12, 13፣ መዝ 97:2
2 ዜና 6:2መዝ 132:13, 14
2 ዜና 6:31ነገ 8:14-21
2 ዜና 6:5ዘዳ 12:5, 6
2 ዜና 6:6መዝ 48:1
2 ዜና 6:62ሳሙ 7:8፣ 1ዜና 28:4
2 ዜና 6:72ሳሙ 7:2፣ 1ነገ 5:3
2 ዜና 6:91ዜና 17:4
2 ዜና 6:101ዜና 17:11
2 ዜና 6:101ዜና 28:5፣ 29:23
2 ዜና 6:11ዘጸ 40:20፣ 1ነገ 8:9
2 ዜና 6:121ነገ 8:22
2 ዜና 6:131ነገ 6:36
2 ዜና 6:131ነገ 8:54
2 ዜና 6:14ዘዳ 7:9፣ 1ነገ 8:23-26
2 ዜና 6:151ነገ 3:6
2 ዜና 6:152ሳሙ 7:12, 13፣ 1ዜና 22:10
2 ዜና 6:16መዝ 132:12
2 ዜና 6:161ነገ 2:4
2 ዜና 6:18ግብ 7:48
2 ዜና 6:182ዜና 2:6፣ ኢሳ 40:12፣ ግብ 17:24
2 ዜና 6:181ነገ 8:27-30፣ ኢሳ 66:1
2 ዜና 6:20ዘዳ 26:2
2 ዜና 6:21ዳን 6:10
2 ዜና 6:212ነገ 19:20፣ 2ዜና 30:27
2 ዜና 6:212ዜና 7:12-14፣ ሚክ 7:18
2 ዜና 6:221ነገ 8:31, 32
2 ዜና 6:23እዮ 34:11
2 ዜና 6:23ኢሳ 3:10, 11፣ ህዝ 18:20
2 ዜና 6:24ዘሌ 26:14, 17፣ እያ 7:8, 11፣ መሳ 2:14
2 ዜና 6:24ዳን 9:3, 19
2 ዜና 6:24እዝ 9:5
2 ዜና 6:241ነገ 8:33, 34
2 ዜና 6:25ኢሳ 57:15
2 ዜና 6:25መዝ 106:47
2 ዜና 6:26ህዝ 14:13
2 ዜና 6:26ዘሌ 26:19፣ ዘዳ 28:23
2 ዜና 6:261ነገ 8:35, 36
2 ዜና 6:27ኢሳ 30:20, 21፣ 54:13
2 ዜና 6:271ነገ 18:1
2 ዜና 6:28ሩት 1:1፣ 2ነገ 6:25
2 ዜና 6:28ዘሌ 26:14, 16፣ ዘዳ 28:21, 22
2 ዜና 6:28ኣሞ 4:9፣ ሃጌ 2:17
2 ዜና 6:28ዘዳ 28:38፣ ዮኤ 1:4
2 ዜና 6:282ዜና 12:2፣ 32:1
2 ዜና 6:281ነገ 8:37-40
2 ዜና 6:29ምሳ 14:10
2 ዜና 6:292ዜና 20:5, 6
2 ዜና 6:292ዜና 33:13
2 ዜና 6:29ዳን 6:10
2 ዜና 6:30ኢሳ 63:15
2 ዜና 6:30መዝ 130:4
2 ዜና 6:301ሳሙ 16:7፣ 1ዜና 28:9፣ ኤር 11:20፣ 17:10
2 ዜና 6:32ዘጸ 12:48፣ ሩት 1:16፣ 2ነገ 5:15፣ ኢሳ 56:6, 7፣ ግብ 8:27
2 ዜና 6:321ነገ 8:41-43
2 ዜና 6:33መዝ 22:27፣ 46:10
2 ዜና 6:34ዘሁ 31:2፣ እያ 8:1፣ መሳ 1:1, 2፣ 1ሳሙ 15:3
2 ዜና 6:341ነገ 8:44, 45፣ 2ዜና 14:11፣ 20:5, 6
2 ዜና 6:35ኢሳ 37:36
2 ዜና 6:36መዝ 130:3፣ መክ 7:20፣ ሮሜ 3:23
2 ዜና 6:36ዘሌ 26:34፣ 1ነገ 8:46-50፣ ዳን 9:7
2 ዜና 6:37ዘሌ 26:40፣ እዝ 9:6፣ ነህ 1:6፣ መዝ 106:6፣ ዳን 9:5
2 ዜና 6:38ዘዳ 30:1-3፣ ዳን 9:2, 3
2 ዜና 6:381ሳሙ 7:3
2 ዜና 6:38ዳን 6:10
2 ዜና 6:39ኤር 51:36, 37
2 ዜና 6:402ዜና 7:15፣ 16:9፣ መዝ 65:2፣ ኢሳ 37:17
2 ዜና 6:411ዜና 28:2
2 ዜና 6:41መዝ 65:4፣ 132:8-10
2 ዜና 6:421ነገ 1:34፣ መዝ 18:50
2 ዜና 6:42ግብ 13:34
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
  • 41
  • 42
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ዜና መዋእል 6:1-42

2 ዜና መዋእል

6 ሽዑ፡ ሰሎሞን ከምዚ በለ፦ “የሆዋ ኣብ ብርቱዕ ድነ ኸም ዚነብር ኢሉ እዩ።+ 2 ኣነ ኸኣ ልዕልቲ ቤት፡ ንዘለኣለም እትነብረላ ቐዋሚት ቦታ ሃኒጸልካ ኣለኹ።”+

3 እቲ ንጉስ ድማ ገጹ መሊሱ፡ ኵሉ ጉባኤ እስራኤል ደው ኢሉ ኸሎ፡ ንብዘሎ ጉባኤ እስራኤል መረቖ።+ 4 ከምዚ ኸኣ በለ፦ “እቲ ንኣቦይ ዳዊት ብኣፉ ዘተስፈዎ፡ ብኢዱ እውን ዝፈጸሞ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ይወደስ፣ ንሱ ኸምዚ ኢሉ ነበረ፦ 5 ‘ካብታ ንህዝበይ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩላ መዓልቲ ኣትሒዘ፡ ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዚነብረላ ቤት እትህነጸላ ኸተማ ኣይሓረኹን፣+ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ዚኸውን ሰብኣይ እውን ኣይሓረኹን። 6 ግናኸ፡ ንየሩሳሌም ስመይ ከንብረላ ሓርየያ ኣለኹ፣+ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ኪኸውን እውን ሓርየዮ ኣለኹ።’+ 7 ኣቦይ ዳዊት ድማ ንስም የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ቤት ኪሃንጸሉ ብልቡ ተመነየ።+ 8 የሆዋ ግና ንኣቦይ ዳዊት፡ ‘ንስመይ ቤት ክትሃንጽ ትምኒት ልብኻ እዩ ነይሩ፣ ነዚ ብልብኻ ብምምናይካ ኸኣ ጽቡቕ ጌርካ። 9 ግናኸ፡ እቲ ኻባኻ ዚውለድ ወድኻ* ደኣ እዩ ንስመይ ቤት ዚሃንጽ እምበር፡ ንስኻስ ነታ ቤት ኣይክትሃንጻን ኢኻ’ በሎ።+ 10 የሆዋ ድማ ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ፈጺምዎ ኣሎ፣ ከምቲ የሆዋ ዘተስፈዎስ፡+ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ተንሲአ፡ ኣብ ዝፋን እስራኤል ተቐሚጠ ኣለኹ።+ ንስም የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል እውን ቤት ሃኒጸ ኣለኹ፣ 11 ኣብኣ ኸኣ ነቲ የሆዋ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝኣተዎ ኺዳን ዝሓዘ ታቦት ኣንቢረዮ ኣለኹ።”+

12 ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ጉባኤ እስራኤል ደው በለ፡ ኣእዳዉ እውን ዘርግሐ።+ 13 (ሰሎሞንሲ ኻብ ነሓሲ ሓሙሽተ እመት ዝንውሓቱን ሓሙሽተ እመት* ዝግፍሑን ሰለስተ እመት ዝቝመቱን መድረኽ ገይሩ ኣብ ማእከል እቲ ኣጸድ+ ኣንቢርዎ ነበረ። ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ደው በለ።) ኣብ ቅድሚ ዅሉ ጉባኤ እስራኤል ተምበርኪኹ ድማ፡ ኣእዳዉ ናብ ሰማያት ዘርግሐ፡+ 14 ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ኦ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቶም ኣብ ቅድሜኻ ብዅሉ ልቦም ዚመላለሱ ገላዉኻ ኺዳን እትሕሉን ብተኣማንነት እተፍቅርን፡ ኣብ ሰማያት ኰነ ኣብ ምድሪ ኸማኻ ዝበለ ኣምላኽ የልቦን።+ 15 እቲ ንጊልያኻ ንኣቦይ ዳዊት ዘተስፎኻዮ ሓሊኻዮ ኢኻ።+ ብኣፍካ ኣተስፊኻ ኢኻ፣ በዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ብኢድካ ፈጺምካዮ ኣለኻ።+ 16 ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቲ ንጊልያኻ ንኣቦይ ዳዊት፡ ‘ደቅኻ፡ ከምቲ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እተመላለስካዮ ብሕገይ ጥራይ ብምምልላስ ንመገዶም እንተ ተጠንቂቖም፡ ካባኻ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ከቶ ኣይኬቋርጽን እዩ’+ ኢልካ ዘተስፎኻዮ ሓልዎ።+ 17 ሕጂ ድማ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ እቲ ንጊልያኻ ንዳዊት ዘተስፎኻዮ ተስፋ እሙን ይኹን።

18 “ግናኸ፡ ብሓቂዶ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምስ ሰብ ይነብር እዩ፧+ እንሆ፡ ሰማያት፡ እወ ሰማየ ሰማያት ኪሕዙኻ ኣይክእሉን እዮም፣+ እዛ ኣነ ዝሃነጽክዋ ቤት ግዳ ኽንደይ ዘይትንእስ!+ 19 ሕጂ ድማ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ናብ ጸሎት ጊልያኻን ናብ ናይ ሞገስ ልማኖኡን ኣድህብ፣ ንኣውያትን ነቲ ጊልያኻ ኣብ ቅድሜኻ ዚጽልዮ ጸሎትን ስማዕ። 20 ነቲ ጊልያኻ ናብዛ ቦታ እዚኣ ዚጽልዮ ጸሎት ንምስማዕ፡ ኣዒንትኻ መዓልትን ለይትን ናብዛ ቤት እዚኣ፡ ናብዛ ስምካ ኣብኣ ኸተንብር ዝበልካያ ቦታ እዚኣ ይከፈታ።+ 21 ነቲ ጊልያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ናብዛ ቦታ እዚኣ ብምጽላይ ዜቕርብዎ ልማኖ ረድኤት ከኣ ስማዕ፣+ ካብታ እትነብረላ ቦታ፡ ካብ ሰማያት ስማዕ፣+ እወ፡ ስማዕ እሞ፡ ይቕረ በል።+

22 “ሰብ ንብጻዩ እንተ በዲልዎ፡ እቲ እውን እንተ ኣምሒልዎን* ብማሕላ* ተሓታቲ እንተ ገይርዎን፡ ኣብ ትሕቲ ማሕላ* ኸሎ ኸኣ ናብ ቅድሚ እቲ ኣብዛ ቤት እዚኣ ዘሎ መሰውኢኻ እንተ መጺኡ፡+ 23 ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማያት ስማዕ፡ ስጕምቲ ውሰድ፡ ንገላዉኻ ድማ ፍረደሎም፣ ነቲ እኩይ ከምቲ ዝገበሮ ፍደዮ፡ ኣብ ርእሱ እውን ምለሰሉ፣+ ነቲ ጻድቕ ከኣ ንጹህ* ግበሮ፡ ከም ጽድቁ እውን ፍደዮ።+

24 “ህዝብኻ እስራኤል ኣንጻርካ ብዝሓጥእዎ ሓጢኣት ብምጽናዖም ብጸላኢ እንተ ተሳዒሮም፡+ ተመሊሶም ድማ ንስምካ እንተ ኣሞጊሶምን+ ኣብዛ ቤት እዚኣ ኣብ ቅድሜኻ እንተ ጸልዮምን+ ሞገስ እንተ ለሚኖምን፡+ 25 ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማያት ስማዕ፡+ ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ከኣ ይቕረ በል፡ ናብታ ንዓታቶምን ንኣቦታቶምን ዝሃብካዮም ምድሪ ድማ ምለሶም።+

26 “ኣንጻርካ ብዝሓጥእዎ ሓጢኣት ብምጽናዖም+ ሰማያት ምስ ዚዕጾ እሞ ዝናም ምስ ዘይዘንም፡+ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ ምስ ዚጽልዩን ንስምካ ምስ ዜሞግሱን፡ ስለ ዘዋረድካዮም* ድማ ካብ ሓጢኣቶም ምስ ዚምለሱ፡+ 27 ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማያት ስማዕ፡ እታ ኺመላለሱላ ዚግባእ ጽብቕቲ መገዲ ስለ እትምህሮም ከኣ፡ ሓጢኣት ገላዉኻ ዝዀኑ ህዝብኻ እስራኤል ይቕረ በል፣+ ነታ ንህዝብኻ ርስቲ ኽትከውን ዝሃብካዮም ምድርኻ ድማ ዝናም ሃባ።+

28 “ኣብታ ምድሪ፡ ጥሜት፡+ ወይ ለበዳ፡+ ወይ ሃጒ፡ ወይ ዋግ፡+ ወይ ዕስለ ኣንበጣ፡ ወይ በላዒ ኣንበጣ*+ እንተ ዀይኑ፡ ወይ ጸላእቶም ኣብ ሓንቲ ኻብ ከተማታት እታ ምድሪ* እንተ ኸቢቦምዎም፡+ ወይ ካልእ ዓይነት መዓት ወይ ሕማም እንተ ዀይኑ፡+ 29 ነፍሲ ወከፍ ቍስሉን ስቓዩን ይፈልጥ እዩ እሞ፡+ ዝዀነ ሰብ ወይ ኵሉ ህዝብኻ እስራኤል ጸሎት ዘበለን+ ልማኖ ሞገስ ዘበለን+ ምስ ዜቕርብ፡ ናብዛ ቤት እዚኣ ድማ ኣእዳዎም ምስ ዚዝርግሑ፡+ 30 ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማያት፡ ካብቲ እትነብረሉ ቦታ ስማዕ፡+ ይቕረ በል፣+ ንስኻ በይንኻ ንልቢ ሰብ ብሓቂ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ልቡ ስለ እትፈልጥ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ኵሉ መገድታቱ ፍደዮ።+ 31 እዚ ኸኣ ብዅለን እተን ኣብታ ንኣቦታቶም ዝሃብካዮም ምድሪ ኣብ ዚነብሩለን መዓልትታቶም ብመገድታትካ ብምምልላስ ምእንቲ ኺፈርሁኻ እዩ።

32 “ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኰነ ጓና ድማ፡ ንሱ ስለቲ ዓብዪ ስምካን*+ ስለታ ሓያል ኢድካን ስለታ ዝርግሕቲ ቕልጽምካን ኢሉ ኻብ ርሑቕ ምድሪ ምስ ዚመጽእ፡ መጺኡ ኸኣ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ ምስ ዚጽሊ፡+ 33 ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኺፈልጡን+ ከም ህዝብኻ እስራኤል ገይሮም ምእንቲ ኺፈርሁኻን፡ ስምካ ድማ ኣብዛ ኣነ ዝሃነጽክዋ ቤት ከም እተጸውዐ ምእንቲ ኺፈልጡ፡ ንስኻ ኻብ ሰማያት፡ ካብቲ እትነብረሉ ቦታ ስማዕ፡ ነቲ ጓና ድማ ከምቲ ዚልምነካ ዘበለ ዅሉ ግበረሉ።

34 “ህዝብኻ ምስ ጸላእቶም ኪዋግኡ ኢሎም በታ ዝለኣኽካዮም መገዲ እንተ ኸይዶም፡+ ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሃነጽክዋ ቤትን ኣቢሎም ከኣ ናባኻ እንተ ጸልዮም፡+ 35 ንስኻ ኻብ ሰማያት ጸሎቶምን ናይ ሞገስ ልማኖኦምን ስማዕ፡ ፍርዲ እውን ኣውጽኣሎም።+

36 “ዘይብድል ሰብ የልቦን እሞ፡ እንተ በዲሎምኻ፡+ ተቘጢዕካ ድማ ንጸላኢ ኣሕሊፍካ እንተ ሂብካዮም እሞ፡ እቶም ማረኽቶም ናብ ርሑቕ ኰነ ናብ ቀረባ ምድሪ እንተ ማሪኾምዎም፡+ 37 ኣብታ ተማሪኾም ዝኸዱላ ምድሪ ኸኣ ናብ ልቦም እንተ ተመሊሶም፡ ኣብታ ምሩኻት ኰይኖምላ ዘለዉ ምድሪ ድማ ‘ሓጢእና፡ ተጋጊና፡ ክፉእ ጌርና’ ኢሎም ናባኻ እንተ ተመሊሶምን ሞገስካ እንተ ለሚኖምን፡+ 38 ኣብታ ምሩኻት ኰይኖም እተወስዱላ ምድሪ ምርኮ ኸኣ+ ብዅሉ ልቦምን ብዅሉ ነፍሶምን* ናባኻ እንተ ተመሊሶም፡+ ናብዛ ንኣቦታቶም ዝሃብካዮም ምድርን ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሃነጽክዋ ቤትን ኣቢሎም ድማ እንተ ጸልዮም፡+ 39 ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማያት፡ ካብቲ እትነብረሉ ቦታ ጸሎቶምን ናይ ሞገስ ልማኖኦምን ስማዕ፡ ፍርዲ እውን ኣውጽኣሎም፣+ ነቶም ዝበደሉኻ ህዝብኻ ኸኣ ይቕረ በለሎም።

40 “ሕጂ፡ ኦ ኣምላኸይ፡ በጃኻ ናብቲ ኣብዛ* ቦታ እዚኣ እተጸለየ ጸሎት ኣዒንትኻ ይከፈታ፡ ኣእዛንካ እውን የድህባ።+ 41 ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽ፡ ንስኻን ታቦት ብርታዐኻን ናብ መዕረፊኻ ደይብ።+ ኦ የሆዋ ኣምላኽ፡ ካህናትካ ድሕነት ይልበሱ፡ እሙናትካ እውን ብሰናይካ* ይተሓጐሱ።+ 42 ኦ የሆዋ ኣምላኽ፡ ንቕቡእካ ኣይትደርብዮ።*+ ነቲ ንጊልያኻ ዳዊት ብተኣማንነት ዘርኣኻዮ ፍቕሪ ዘክሮ።”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ