ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ተሰሎንቄ 3
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ተሰሎንቄ—ትሕዝቶ

      • ጳውሎስ ኣብ ኣቴና ብሻቕሎት ተጸበየ (1-5)

      • ጢሞቴዎስ ሒዝዎ እተመልሰ ዜጸናንዕ ወረ (6-10)

      • ምእንቲ ሰብ ተሰሎንቄ እተጸለየ ጸሎት (11-13)

1 ተሰሎንቄ 3:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 17:15

1 ተሰሎንቄ 3:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኼበርትዓኩምን።”

  • *

    ወይ፡ “መዓይይቲ ኣምላኽን” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 16:1, 2፣ ሮሜ 16:21፣ 1ቈረ 16:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2009፡ ገጽ 14

1 ተሰሎንቄ 3:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሰንክልከል ከይብል።”

  • *

    ወይ፡ “ነዚ ኸም እተመደብና።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 14:22፣ 1ቈረ 4:9፣ 1ጴጥ 2:21

1 ተሰሎንቄ 3:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ተሰ 2:14

1 ተሰሎንቄ 3:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 4:3፣ 2ቈረ 11:3
  • +1ተሰ 3:2

1 ተሰሎንቄ 3:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 18:5

1 ተሰሎንቄ 3:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ስእነትናን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ተሰ 1:4

1 ተሰሎንቄ 3:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ብህይወት ንነብር ኣለና።”

1 ተሰሎንቄ 3:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ተሰ 1:3

1 ተሰሎንቄ 3:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ተሰ 4:9፣ 2ተሰ 1:3

1 ተሰሎንቄ 3:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ተሰ 2:19፣ 5:23፣ 2ተሰ 2:1, 2
  • +1ቈረ 1:8

ሓፈሻዊ

1 ተሰ. 3:1ግብ 17:15
1 ተሰ. 3:2ግብ 16:1, 2፣ ሮሜ 16:21፣ 1ቈረ 16:10
1 ተሰ. 3:3ግብ 14:22፣ 1ቈረ 4:9፣ 1ጴጥ 2:21
1 ተሰ. 3:41ተሰ 2:14
1 ተሰ. 3:5ማቴ 4:3፣ 2ቈረ 11:3
1 ተሰ. 3:51ተሰ 3:2
1 ተሰ. 3:6ግብ 18:5
1 ተሰ. 3:72ተሰ 1:4
1 ተሰ. 3:102ተሰ 1:3
1 ተሰ. 3:121ተሰ 4:9፣ 2ተሰ 1:3
1 ተሰ. 3:131ተሰ 2:19፣ 5:23፣ 2ተሰ 2:1, 2
1 ተሰ. 3:131ቈረ 1:8
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ተሰሎንቄ 3:1-13

1 ተሰሎንቄ

3 ስለዚ፡ ደጊም ምጻሩ ምስ ሰኣንና፡ ኣብ ኣቴና በይንና ኽንተርፍ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዩና እዩ፣+ 2 ብዛዕባ እምነትኩም ምእንቲ ኼጽንዓኩምን* ኬጸናንዓኩምን ከኣ፡ ነቲ ሓውናን በቲ ብስራት ክርስቶስ ኣገልጋሊ ኣምላኽን* ዝዀነ ጢሞቴዎስ+ ልኢኽናዮ ኢና፣ 3 ከምኡ ዝገበርና ድማ፡ በዚ ጸበባ እዚ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይናወጽ* ኢልና ኢና። ካብ ከምዚ ዝበለ ጸበባ ኸነምልጥ ከም ዘይንኽእል፡* ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም።+ 4 ምሳኻትኩም ከለና፡ ጸበባ ኸም ዚመጸና ኣቐዲምና ንነግረኩም ኔርና፣ ከምቲ እትፈልጥዎ ኸኣ፡ ከምኡ ዀይኑ።+ 5 ስለዚ፡ ደጊም ምጻሩ ምስ ሰኣንኩ፡ ምናልባት እቲ ፈታኒ+ ፈቲኑኩም ከይህሉ እሞ፡ ጻዕርና ኸንቱ ኸይከውን ኢለ፡ ተኣማንነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ ልኢኸ እየ።+

6 ጢሞቴዎስ ግና ካባኻትኩም ሕጂ ናባና መጺኡ ኣሎ፣+ ብዛዕባ ተኣማንነትኩምን ፍቕርኹምን፡ ኵሉ ሳዕ ብጽቡቕ ከም እትዝክሩና፡ ከምቲ ንሕና እንናፍቐኩም ከኣ ክትርእዩና ትናፍቑ ኸም ዘለኹም ኣበሲሩና እዩ። 7 ስለዚ ኸኣ ኢና፡ ኣሕዋተየ፡ ሳላኹምን ሳላ ተኣማንነትኩምን ኣብ ኵሉ ጭንቅናን* ጸበባናን እተጸናናዕና።+ 8 ብጐይታ ስለ ዝጸናዕኩም፡ ህይወትና ተሓዲሳ ኣላ።* 9 ስለቲ ብሳላኹም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዝረኸብናዮ ሓጐስ፡ ብዛዕባኹም ንኣምላኽ ከመይ ጌርና ኢና እሞ ኸነመስግኖ፧ 10 ገጽኩም ክንርእን ኣብ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእን፡ ለይትን መዓልትን ብእተኻእለና መጠን ብጽኑዕ ንምህለል ኣለና።+

11 ኣቦና ኣምላኽ ባዕሉን ጐይታና የሱስን መገድና ናባኻትኩም የቕንዑ። 12 ጐይታ ድማ፡ ከምቲ ንሕና ንዓኻትኩም ዘላትና ፍቕሪ፡ ነታ ንሓድሕድኩምን ንዅሉን ዘላትኩም ፍቕሪ ይወስኸልኩምን የብዝሓያን፣+ 13 እዚ ድማ ጐይታና የሱስ+ ምስ ኵሎም ቅዱሳቱ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ብቕድስና መንቅብ ዘይብልኩም ኴንኩም ክትርከቡ፡ ልብኹም ምእንቲ ኼጽንዕ እዩ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ