ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ነገስት 4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ነገስት—ትሕዝቶ

      • ኤልሳእ፡ ዘይቲ ሓንቲ መበለት ኣብዝሐ (1-7)

      • እንግዶት እታ ሹናማዊት (8-16)

      • እታ ሰበይቲ ወዲ ወለደት፣ እቲ ወዲ ሞተ (17-31)

      • ኤልሳእ ነቲ ዝሞተ ወዲ ኣተንስኦ (32-37)

      • ኤልሳእ ንጸብሒ ኺብላዕ ከም ዚከኣል ገበሮ (38-41)

      • ኤልሳእ፡ እንጌራ ኣብዝሐ (42-44)

2 ነገስት 4:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 2:3, 5
  • +1ነገ 19:18

2 ነገስት 4:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መሸንቶ ዘለዎ መቐርሰሚቶ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 17:9, 12

2 ነገስት 4:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማር 6:41፣ 8:6-8፣ ዮሃ 2:7-9

2 ነገስት 4:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 14:19
  • +እያ 5:12፣ 1ነገ 17:14

2 ነገስት 4:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 19:17, 18
  • +ዘፍ 19:1-3፣ መሳ 13:15

2 ነገስት 4:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 3:20፣ 1ነገ 17:19
  • +ማቴ 10:41፣ ሮሜ 12:13፣ እብ 13:2

2 ነገስት 4:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/1997፡ ገጽ 30

2 ነገስት 4:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 5:25-27፣ 8:4
  • +እያ 19:17, 18

2 ነገስት 4:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 16:6
  • +2ነገ 4:1, 2፣ እብ 6:10
  • +2ነገ 8:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/1997፡ ገጽ 30

2 ነገስት 4:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 15:2፣ 30:1

2 ነገስት 4:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 18:10

2 ነገስት 4:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 17:17

2 ነገስት 4:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 4:9, 10

2 ነገስት 4:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 10:10፣ 28:11

2 ነገስት 4:27

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሳ ኣብ ውሽጣ እተመረረት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 28:9

2 ነገስት 4:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 4:16

2 ነገስት 4:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 18:46

2 ነገስት 4:30

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኻ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 15:22, 28

2 ነገስት 4:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 17:15, 16፣ ማር 9:17, 18

2 ነገስት 4:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 4:21

2 ነገስት 4:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 17:19, 20፣ ዮሃ 11:41፣ ግብ 9:40

2 ነገስት 4:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 17:21, 22፣ ግብ 20:9, 10

2 ነገስት 4:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 8:1, 5

2 ነገስት 4:36

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 11:35

2 ነገስት 4:38

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:23, 24፣ 2ነገ 8:1፣ ህዝ 14:13
  • +2ነገ 2:3, 5
  • +2ነገ 4:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 9/2022፡ ገጽ 12

2 ነገስት 4:41

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 15:23-25፣ 2ነገ 2:19-21

2 ነገስት 4:42

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 9:3, 4
  • +ዮሃ 6:9
  • +1ሳሙ 9:6, 7

2 ነገስት 4:43

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 14:17፣ ማር 8:4
  • +ማቴ 14:20፣ ማር 8:8

2 ነገስት 4:44

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 9:17፣ ዮሃ 6:13

ሓፈሻዊ

2 ነገ. 4:12ነገ 2:3, 5
2 ነገ. 4:11ነገ 19:18
2 ነገ. 4:21ነገ 17:9, 12
2 ነገ. 4:5ማር 6:41፣ 8:6-8፣ ዮሃ 2:7-9
2 ነገ. 4:6ማቴ 14:19
2 ነገ. 4:6እያ 5:12፣ 1ነገ 17:14
2 ነገ. 4:8እያ 19:17, 18
2 ነገ. 4:8ዘፍ 19:1-3፣ መሳ 13:15
2 ነገ. 4:10መሳ 3:20፣ 1ነገ 17:19
2 ነገ. 4:10ማቴ 10:41፣ ሮሜ 12:13፣ እብ 13:2
2 ነገ. 4:122ነገ 5:25-27፣ 8:4
2 ነገ. 4:12እያ 19:17, 18
2 ነገ. 4:13ሮሜ 16:6
2 ነገ. 4:132ነገ 4:1, 2፣ እብ 6:10
2 ነገ. 4:132ነገ 8:3
2 ነገ. 4:14ዘፍ 15:2፣ 30:1
2 ነገ. 4:16ዘፍ 18:10
2 ነገ. 4:201ነገ 17:17
2 ነገ. 4:212ነገ 4:9, 10
2 ነገ. 4:23ዘሁ 10:10፣ 28:11
2 ነገ. 4:27ማቴ 28:9
2 ነገ. 4:282ነገ 4:16
2 ነገ. 4:291ነገ 18:46
2 ነገ. 4:30ማቴ 15:22, 28
2 ነገ. 4:31ማቴ 17:15, 16፣ ማር 9:17, 18
2 ነገ. 4:322ነገ 4:21
2 ነገ. 4:331ነገ 17:19, 20፣ ዮሃ 11:41፣ ግብ 9:40
2 ነገ. 4:341ነገ 17:21, 22፣ ግብ 20:9, 10
2 ነገ. 4:352ነገ 8:1, 5
2 ነገ. 4:36እብ 11:35
2 ነገ. 4:38ዘዳ 28:23, 24፣ 2ነገ 8:1፣ ህዝ 14:13
2 ነገ. 4:382ነገ 2:3, 5
2 ነገ. 4:382ነገ 4:12
2 ነገ. 4:41ዘጸ 15:23-25፣ 2ነገ 2:19-21
2 ነገ. 4:421ሳሙ 9:3, 4
2 ነገ. 4:42ዮሃ 6:9
2 ነገ. 4:421ሳሙ 9:6, 7
2 ነገ. 4:43ማቴ 14:17፣ ማር 8:4
2 ነገ. 4:43ማቴ 14:20፣ ማር 8:8
2 ነገ. 4:44ሉቃ 9:17፣ ዮሃ 6:13
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
  • 41
  • 42
  • 43
  • 44
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ነገስት 4:1-44

2 ነገስት

4 ሓንቲ ኻብ ኣንስቲ ደቂ ነብያት+ ናብ ኤልሳእ፡ “ጊልያኻ ሰብኣየይ ሞይቱ እዩ፣ ጊልያኻ ወትሩ ንየሆዋ ይፈርሆ ምንባሩ ድማ ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።+ ሕጂ፡ ኣለቃሒ ንኽልቲኦም ደቀይ ወሲዱ ባሮት ኪገብሮም መጺኡ” ኢላ ጠርዐት። 2 ኤልሳእ ከኣ፡ “እንታይ እሞ ኽገብረልኪ እኽእል፧ ኣብ ቤትኪ እንታይ ከም ዘሎኪ ንገርኒ፧” በላ። ንሳ ድማ፡ “ገረድካ ብዘይካ መቐርሰሚቶ* ዘይቲ ኣብ ቤት ገለ እኳ የብላን” ኢላ መለሰት።+ 3 ንሱ ኸኣ፡ “ናብ ወጻኢ ኼድኪ፡ ካብ ኵለን ጐረባብትኺ ጥራዩ ዝዀነ ኣቕሑ ለምኒ። ኣይተውሕድዮ። 4 ኣቲኺ ድማ፡ ድሕሬኽን ድሕሪ ደቅኽን ማዕጾ ዕጸዊ። ንዅሉ እቲ ኣቕሑ ኸኣ ምልእዮ፡ ነቲ ዘዝመልአ ድማ ኣልግስዮ” በላ። 5 ንሳ ኸኣ ካብኡ ኸደት።

ድሕሪኣን ድሕሪ ደቃን ነቲ ማዕጾ ምስ ዓጸወቶ፡ ንሳቶም ነቲ ኣቕሑ የቕርቡላ ነበሩ፡ ንሳ እውን ተዕርቕ ነበረት።+ 6 እቲ ኣቕሑ ምስ መልአ፡ ንሓደ ኻብቶም ደቃ፡ “ካልእ ኣቕሓ ኣምጽኣለይ” በለቶ።+ ንሱ ግና፡ “ካልእ ኣቕሓ የልቦን” በላ። እቲ ዘይቲ ድማ ቈመ።+ 7 ናብቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ መጺኣ ኸኣ ነገረቶ፣ ንሱ ድማ፡ “ኪዲ፡ ነቲ ዘይቲ ሼጥኪ ዕዳኺ ኽፈሊ፣ በቲ ዝተረፈ ኸኣ ንስኽን ደቅኽን ተናበሩ” በላ።

8 ሓደ መዓልቲ፡ ኤልሳእ ናብ ሹነም ከደ፣+ ኣብኣ ኸኣ ሓንቲ ምርእይቲ ሰበይቲ ነበረት፣ ንሳ ድማ እንጌራ ኺበልዕ ግዲ በለቶ።+ ብእኣ ምስ ዚሓልፍ፡ እንጌራ ኺበልዕ ናብኣ የላግስ ነበረ። 9 ንሳ ኸኣ ንሰብኣያ፡ “እዚ ኣዘውቲሩ በዚ ዚሓልፍሲ፡ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃኑ እፈልጥ እየ። 10 በጃኻ፡ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ንእሽቶ ኽፍሊ ንስራሕ+ እሞ ኣብኣ ዓራትን ሰደቓን መንበርን ቀዋሚ ቐንዴልን ንግበር። ናባና ምስ ዚመጽእ ድማ፡ ኣብኣ ኺጸንሕ ይኽእል” በለቶ።+

11 ሓደ መዓልቲ፡ ናብኣ መጸ፡ ናብታ ኣብ ናሕሲ ዘላ ኽፍሊ ኸይዱ ኸኣ ደቀሰ። 12 ንጊልያኡ ገሓዚ+ ድማ፡ “ነዛ ሹናማዊት+ ጸውዓያ” በሎ። ንሱ ኸኣ ጸውዓ እሞ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለት። 13 ንሱ ድማ ንገሓዚ፡ “‘እንሆ ብዙሕ ተሸጊርክልና።+ እንታይ ኪግበረልኪ ይከኣል፧+ ንንጉስ ወይ ንሓለቓ ሰራዊት ዝዛረበልኪ ነገርዶ ኣሎኪ፧’+ እስከ በጃኻ በላ” በሎ። ንሳ ግና፡ “ኣብ መንጎ ህዝበይ እየ ዝነብር ዘለኹ” ኢላ መለሰት። 14 ንሱ ኸኣ፡ “እንታይ ደኣ ኺግበረላ ይከኣል፧” በለ። ገሓዚ ድማ፡ “ውሉድ እምበር የብላን፣+ ሰብኣያ ኸኣ ኣሪጉ እዩ” በለ። 15 ብኡብኡ፡ “ጸውዓያ” በሎ። ንሱ ድማ ጸውዓ፣ ንሳ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ደው በለት። 16 ንሱ ኸኣ፡ “ንዓመታ ኸምዛ ግዜ እዚኣ ወዲ ኽትሓቝፊ ኢኺ” በላ።+ ንሳ ግና፡ “ኣይፋልካን ጐይታይ፡ ኣታ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ንገረድካ ኣይትሓስዋ” በለቶ።

17 ግናኸ፡ እታ ሰበይቲ ጠነሰት፡ ከምቲ ኤልሳእ እተዛረቦ ድማ፡ ንዓመታኡ በታ ግዜ እቲኣ ወዲ ወለደት። 18 እቲ ቘልዓ ኸኣ ዓበየ፣ ሓደ መዓልቲ ድማ ናብቲ ምስ ዓጻዶ ዝነበረ ኣቦኡ ወጸ። 19 ንኣቦኡ ኸኣ፡ “ርእሰይ፡ ርእሰይ” በሎ። ኣቦኡ ኸኣ ንጊልያኡ፡ “ጾይርካ ናብ ኣዲኡ ውሰዶ” በሎ። 20 ንሱ ድማ ጾይሩ ናብ ኣዲኡ መለሶ፣ ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ሰለፋ ኾፍ በለ፣ ሽዑ ድማ ሞተ።+ 21 ንሳ ኸኣ ደዪባ ኣብ ዓራት እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ኣደቀሰቶ፣+ ነቲ ማዕጾ ብድሕሪኣ ዓጽያቶ ድማ ከደት። 22 ንሰብኣያ ጸዊዓ ኸኣ፡ “ናብቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ቀልጢፈ ኸይደ ኽምለስሲ፡ በጃኻ፡ ሓደ ኻብቶም ገላዉን ሓንቲ ኻብተን ኣእዱግን ስደደለይ” በለቶ። 23 ንሱ ግና፡ “ስለምንታይ ኢኺ ሎሚ ናብኡ እትኸዲ፧ ሰርቂ ወርሒ+ ወይ ሰንበት ኣይኰነን” በላ። ንሳ ግና፡ “ብደሓን እየ” በለት። 24 ሽዑ፡ ኣድጊ ጽዒና፡ ንጊልያኣ፡ “ቀልጥፍ ኪድ። ኣነ ኸይበልኩኻ፡ ቀስ ኣይተብለኒ” በለቶ።

25 ናብቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ናብ ከረን ቀርሜሎስ ድማ ከደት። እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ኣማዕድዩ ምስ ረኣያ፡ ንጊልያኡ ገሓዚ፡ “እታ ሹናማዊት ኣብቲ እንሃ። 26 በጃኻ፡ ጐዪኻ ተቐበላ እሞ፡ ‘ደሓን ዲኺ፧ ሰብኣይኪኸ ደሓን ድዩ፧ ወድኺኸ ደሓን ድዩ፧’ በላ” በሎ። ንሳ ኸኣ፡ “ደሓን” በለት። 27 ናብቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ናብቲ ኸረን ምስ መጸት፡ ኣእጋሩ ኣጽኒዓ ሓዘቶ።+ ገሓዚ ድማ ኪደፍኣ ቐረበ፣ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ግና፡ “ብጭንቂ እተመረረት* እያ እሞ፡ ሕደጋ፣ የሆዋ ኸኣ ሓቢኡለይ እዩ፡ ኣይነገረንን እውን” በለ። 28 ንሳ ድማ፡ “ወዲ ኺውሃበኒ ንጐይታይ ለሚነ ድየ፧ ‘ናይ ሓሶት ተስፋ ኣይትሃበኒ’ ኢለካዶ ኣይነበርኩን” በለት።+

29 ብኡብኡ፡ ንገሓዚ፡ “ሕቘኻ ተዓጠቕ እሞ፡+ በትረይ ኣብ ኢድካ ወሲድካ ኺድ። ሰብ እንተ ኣጓኒፉካ፡ ሰላም ኣይትበሎ፣ ሰላም እንተ ኢሉካ እውን፡ ኣይትመልሰሉ። ኬድካ ነዛ በትረይ ኣብ ገጽ እቲ ቘልዓ ኣንብራ” በሎ። 30 ኣደ እቲ ቘልዓ ኸኣ፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ከምቲ ንስኻ* እውን ህያው ዝዀንካ፡ ኣይሓድገካን እየ” በለት።+ ስለዚ፡ ተንሲኡ ምስኣ ኸደ። 31 ገሓዚ ድማ ቀዲምዎም ሓሊፉ፡ ነታ በትሪ ኣብ ገጽ እቲ ቘልዓ ኣንበራ፣ ግናኸ፡ ደሃይ ወይ ምላሽ ኣይነበረን።+ ንኤልሳእ ኪረኽቦ ተመሊሱ ኸኣ፡ “እቲ ቘልዓ ኣይተንስአን” ኢሉ ነገሮ።

32 ኤልሳእ ናብታ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቲ ቘልዓ ሞይቱ፡ ኣብ ዓራቱ በጥ ኢሉ ጸንሖ።+ 33 ኣትዩ ድማ፡ ድሕሪ ኽልቲኦም ነቲ ማዕጾ ዓጸዎ፡ ናብ የሆዋ ኸኣ ጸለየ።+ 34 ኣብቲ ዓራት ደዪቡ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ በጥ በለ፣ ኣፉ ኣብ ኣፉ፡ ዓይኑ ኣብ ዓይኑ፡ ኢዱ ኣብ ኢዱ ገይሩ ኣብ ልዕሊኡ ተዘርግሐ፡ ሰብነት እቲ ቘልዓ ድማ ኪመውቕ ጀመረ።+ 35 ኣብታ ቤት ናብዝን ናብትን ተዛዊሩ ኸኣ፡ ከም ብሓድሽ ኣብቲ ዓራት ደዪቡ ኣብ ልዕሊኡ ተዘርግሐ። እቲ ቘልዓ ድማ ሸውዓተ ሳዕ እንጥሾ በለ፣ ድሕርዚ፡ ኣዒንቱ ኸፈተ።+ 36 ኤልሳእ ከኣ ንገሓዚ ጸዊዑ፡ “ነታ ሹናማዊት ጸውዓያ” በሎ። ንሱ ድማ ጸውዓ እሞ፡ ናብኡ ኣተወት። ንሱ ኸኣ፡ “ወድኺ ኣልዕሊ” በላ።+ 37 ኣትያ ድማ ኣብ እግሩ ተደፊኣ ናብ ምድሪ ፍግም ኢላ ሰገደት፡ ወዳ ሒዛ እውን ወጸት።

38 ኤልሳእ ከኣ ናብ ጊልጋል ተመልሰ፣ ኣብታ ምድሪ ድማ ጥሜት ነበረ።+ ደቂ ነብያት+ ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ተቐሚጦም ነበሩ። ንሱ ድማ ንጊልያኡ፡+ “ነቲ ዓብዪ ቝራዕ ሰኽቲትካ፡ ነዞም ደቂ ነብያት ጸብሒ ኣፍልሓሎም” በሎ። 39 ሓደ ኻባታቶም ድማ ሓምሊ ልሕቲት ኪሓምል ናብ መሮር ወጸ፣ ተኽሊ ወይኒ መሮር ረኺቡ ኸኣ፡ ካብኡ ሓምሓም መሮር ኣርዩ ኽዳኑ መልኦ። ተመሊሱ ድማ እንታይ ምዃኑ ኸይፈለጠ፡ ቀርዲዱ ናብቲ ቝራዕ ኣእተዎ። 40 ኪበልዑ ኸኣ ነቶም ሰባት ኣቕረቡሎም፣ ካብቲ ጸብሒ ምስ በልዑ ግና፡ “ኦ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብዚ ቝራዕ ሞት ኣሎ” ኢሎም ኣእወዩ። ኪበልዕዎ ድማ ኣይከኣሉን። 41 ንሱ ኸኣ፡ “ሓርጭ ኣምጽኡ” በሎም። ናብቲ ቝራዕ ምስ ኣእተዎ ድማ፡ “ነቶም ህዝቢ ኣቕርቡሎም” በለ። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ቝራዕ ዚጐድእ ነገር ኣይነበረን።+

42 ካብ በዓል-ሻሊሻ+ ኸኣ ሓደ ሰብኣይ መጸ፣ ንሱ ድማ ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ካብ በዅሪ ፍረ እተገብረ 20 ጎጎ ስገምን+ ሓደ ኸረጺት ሓድሽ እኽልን ኣምጽኣሉ።+ ኤልሳእ ከኣ፡ “ኪበልዕዎስ ነዞም ህዝቢ ሃቦም” በሎ። 43 እቲ ጊልያኡ ድማ፡ “እዚ ደኣ ኸመይ ገይረ ን100 ሰባት ከቕርበሎም፧” በሎ።+ ንሱ ኸኣ፡ “የሆዋ፡ ‘ኪበልዑን ኬትርፉን እዮም’ ኢሉ እዩ እሞ፡ ኪበልዕዎስ ነዞም ህዝቢ ሃቦም” በሎ።+ 44 ሽዑ፡ ንሱ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕረበሎም፣ ከምቲ ቓል የሆዋ ድማ፡ በሊዖም ኣትረፉ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ