ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ነገስት 11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ነገስት—ትሕዝቶ

      • ዓታልያ፡ ዝፋን መንዝዐት (1-3)

      • ዮኣስ ብምስጢር ንጉስ ኰነ (4-12)

      • ዓታልያ ተቐትለት (13-16)

      • የሆያዳ ዝገበሮ ተሓድሶ (17-21)

2 ነገስት 11:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ ዘርኢ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 8:26፣ 11:20፣ 2ዜና 21:5, 6፣ 24:7
  • +2ነገ 9:27
  • +2ዜና 21:4፣ 22:10-12

2 ነገስት 11:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 12:1

2 ነገስት 11:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ጐየይቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 14:27
  • +2ዜና 23:1-3

2 ነገስት 11:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 7:1፣ 2ዜና 23:4-7

2 ነገስት 11:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኪወጽእን ኪኣቱን ከሎ።”

2 ነገስት 11:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 11:4
  • +2ዜና 23:8-11

2 ነገስት 11:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 14:27
  • +1ነገ 8:22፣ 2ዜና 4:1

2 ነገስት 11:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ሕጊ ኣምላኽ ዝሓዘ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 11:2
  • +ዘጸ 25:21፣ 31:18
  • +1ነገ 1:39, 40

2 ነገስት 11:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 23:12-15

2 ነገስት 11:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:3
  • +2ዜና 5:12

2 ነገስት 11:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 11:4፣ 2ዜና 23:9

2 ነገስት 11:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 7:1

2 ነገስት 11:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 10:25፣ 2ሳሙ 5:3
  • +2ዜና 23:16, 17

2 ነገስት 11:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”

  • *

    ወይ፡ “ሓለፍቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:3
  • +ዘዳ 7:25
  • +ዘዳ 13:5
  • +2ዜና 23:18-21

2 ነገስት 11:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 11:4, 15
  • +1ነገ 14:27
  • +2ሳሙ 7:8, 16

2 ነገስት 11:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 11:2
  • +2ዜና 24:1

ሓፈሻዊ

2 ነገ. 11:12ነገ 8:26፣ 11:20፣ 2ዜና 21:5, 6፣ 24:7
2 ነገ. 11:12ነገ 9:27
2 ነገ. 11:12ዜና 21:4፣ 22:10-12
2 ነገ. 11:22ነገ 12:1
2 ነገ. 11:41ነገ 14:27
2 ነገ. 11:42ዜና 23:1-3
2 ነገ. 11:51ነገ 7:1፣ 2ዜና 23:4-7
2 ነገ. 11:92ነገ 11:4
2 ነገ. 11:92ዜና 23:8-11
2 ነገ. 11:111ነገ 14:27
2 ነገ. 11:111ነገ 8:22፣ 2ዜና 4:1
2 ነገ. 11:122ነገ 11:2
2 ነገ. 11:12ዘጸ 25:21፣ 31:18
2 ነገ. 11:121ነገ 1:39, 40
2 ነገ. 11:132ዜና 23:12-15
2 ነገ. 11:142ነገ 23:3
2 ነገ. 11:142ዜና 5:12
2 ነገ. 11:152ነገ 11:4፣ 2ዜና 23:9
2 ነገ. 11:161ነገ 7:1
2 ነገ. 11:171ሳሙ 10:25፣ 2ሳሙ 5:3
2 ነገ. 11:172ዜና 23:16, 17
2 ነገ. 11:18ዘዳ 12:3
2 ነገ. 11:18ዘዳ 7:25
2 ነገ. 11:18ዘዳ 13:5
2 ነገ. 11:182ዜና 23:18-21
2 ነገ. 11:192ነገ 11:4, 15
2 ነገ. 11:191ነገ 14:27
2 ነገ. 11:192ሳሙ 7:8, 16
2 ነገ. 11:212ነገ 11:2
2 ነገ. 11:212ዜና 24:1
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ነገስት 11:1-21

2 ነገስት

11 ዓታልያ+ ኣደ ኣሓዝያ፡ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ረኣየት፡+ ተንሲኣ ንብዘሎ ዘርኢ ንጉስ* ኣጥፍአት።+ 2 ግናኸ፡ የሆሸባ ጓል ንጉስ ዮራም፡ ሓብቲ ኣሓዝያ፡ ንዮኣስ+ ወዲ ኣሓዝያ ኻብ መንጎ እቶም ዚቕተሉ ደቂ ንጉስ ሰሪቓ ወሰደቶ፣ ንዕኡን ንመጕዚቱን ከኣ ኣብ ውሽጣዊት መደቀሲ ኣእተወቶም። ካብ ቅድሚ ዓታልያ ድማ ሓብእዎ እሞ ኣይተቐትለን። 3 ዓታልያ ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ነጊሳ ኸላ ኸኣ፡ ምስኣ ኣብ ቤት የሆዋ ሽዱሽተ ዓመት ነበረ።

4 ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት ድማ፡ የሆያዳ ነቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ እቶም ዘብዐኛታት ካራውያንን ሓለውቲ* ቤተ መንግስትን+ ልኢኹ ናብ ቤት የሆዋ ኣምጽኦም። ምሳታቶም ኪዳን ገበረ እሞ፡ ኣብ ቤት የሆዋ ኣምሓሎም፣ ሽዑ፡ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣርኣዮም።+ 5 ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣዘዞም፦ “እቲ እትገብርዎ እዚ እዩ፦ ሲሶ ኻባኻትኩም ብሰንበት ክትዓይዩን ንቤት* ንጉስ ብጽኑዕ ክትሕልዉን ኢኹም፣+ 6 ሲሶ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ መሰረት ክትኰኑ፡ ሲሶ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ድሕሪ እቶም ሓለውቲ ቤተ መንግስቲ ዘሎ ኣፍ ደገ ኽትኰኑ ኢኹም። በብተራ ነታ ቤት ክትሕልውዋ ኢኹም። 7 እቶም ብሰንበት ካብ ዕዮ ናጻ ኪዀኑ ዘለዎም ክልተ ኽፍልኹም፡ ንንጉስ ንምሕላው ንቤት የሆዋ ብጽኑዕ ይሓልዉ። 8 ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ንንጉስ ብዙርያኡ ኽበብዎ። ብመንጎ እቲ መስርዕ ዚኣቱ ዘበለ ድማ ይቀተል። ንጉስ ናብ ዝኸዶ ዘበለ፡* ምስኡ ኹኑ።”

9 እቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ+ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ኻህን የሆያዳ ዝኣዘዞም ገበሩ። ነፍሲ ወከፍ ድማ ነቶም ብሰንበት ኣብ ዕዮ ዝነበሩ ምስቶም ብሰንበት ካብ ዕዮ ናጻ ዝነበሩ ሰቦም ወሲዶም ናብ ካህን የሆያዳ መጹ።+ 10 እቲ ኻህን ድማ ነቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ፡ እቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበረ ናይ ንጉስ ዳዊት ኲናውትን ከበብቲ ዋላቱን ሃቦም። 11 እቶም ሓለውቲ ቤተ መንግስቲ+ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ካብ የማናይ ሸነኽ እታ ቤት ክሳብ ጸጋማይ ሸነኽ እታ ቤት፡ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን+ ኣብ ጥቓ እታ ቤትን፡ ኣብ ዙርያ ንጉስ ቈሙ። 12 የሆያዳ ድማ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውጺኡ፡+ ዘውዲ ደፍኣሉ፡ ምስክር* እውን ሃቦ፣+ ኣንገስዎን ቀብእዎን ከኣ። ብኣእዳዎም እናኣጣቕዑ ድማ፡ “ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር!” በሉ።+

13 ዓታልያ ኸኣ ደሃይ እቶም ዚጐይዩ ህዝቢ ምስ ሰምዐት፡ ብኡብኡ ናብቶም ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበሩ ህዝቢ መጸት።+ 14 ከምቲ ልምዲ ድማ ንጉስ ኣብ ጥቓ ዓንዲ ቘይሙ ረኣየት።+ እቶም ኣሕሉቕን እቶም ነፋሕቲ መለኸትን+ ምስ ንጉስ ነበሩ፣ ኵሎም ህዝቢ እታ ምድሪ ኸኣ ይሕጐሱን መለኸት ይነፍሑን ነበሩ። ሽዑ፡ ዓታልያ ኽዳውንታ ቐዲዳ፡ “ውዲት! ውዲት!” ኢላ ጨርሐት። 15 ካህን የሆያዳ ግና ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት እተሸሙ ኣሕሉቕ ሚእቲ፡+ “ካብ መንጎ እቲ መስርዕ ኣውጽእዋ፣ ንዚስዕባ ዘበለ እውን፡ ብሰይፊ ቕተልዎ!” ኢሉ ኣዘዞም። እቲ ኻህንሲ፡ “ኣብ ቤት የሆዋ ኣይትቕተልዋ” ኢሉ ነበረ። 16 ንሳቶም ድማ ሓዝዋ፣ ኣብታ ኣፍራስ ናብ ቤት*+ ንጉስ ዚኣትዉላ ቦታ ምስ በጽሐት ከኣ፡ ኣብኣ ተቐትለት።

17 የሆያዳ ድማ ህዝቢ የሆዋ ዀይኖም ምእንቲ ኪቕጽሉ ኢሉ፡ ኣብ መንጎ የሆዋን ኣብ መንጎ ንጉስን ኣብ መንጎ እቲ ህዝብን ኪዳን ገበረ፣+ ኣብ መንጎ ንጉስን ኣብ መንጎ ህዝብን እውን ኪዳን ገበረ።+ 18 ድሕርዚ፡ ኵሎም ህዝቢ እታ ምድሪ ናብ ቤት* በዓል ከይዶም ነቲ መሰውኢታቱ ኣፍረስዎ፡+ ምስልታቱ ኣጸቢቖም ሰባበርዎ፣+ ንማታን ካህን በዓል ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢታት ቀተልዎ።+

እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቤት የሆዋ ሓለውቲ* ሸመ።+ 19 ንንጉስ ካብ ቤት የሆዋ ዓጂቦም ኬውርድዎ ኸኣ ነቶም ኣሕሉቕ ሚእትን+ ዘብዐኛታት ካራውያንን ሓለውቲ ቤተ መንግስቲ+ ንዅሎም ህዝቢ እታ ምድርን ወሰደ፣ ብመገዲ ኣፍ ደገ ሓለውቲ ቤተ መንግስቲ ኣቢሎም ድማ ናብ ቤት* ንጉስ መጹ። ንሱ ኸኣ ኣብ ዝፋን ነገስታት ተቐመጠ።+ 20 ንዓታልያ ኣብ ቤት ንጉስ ብሰይፊ ስለ ዝቐተልዋ፡ ኵሎም ህዝቢ እታ ምድሪ ተሓጐሱ፡ እታ ኸተማ እውን ሃድአት።

21 ዮኣስ+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ነበረ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ