ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ዜና መዋእል 24
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ግዝኣት ዮኣስ (1-3)

      • ዮኣስ ነታ ቤተ መቕደስ ሓደሳ (4-14)

      • ክሕደት ዮኣስ (15-22)

      • ዮኣስ ተቐትለ (23-27)

2 ዜና መዋእል 24:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 11:21
  • +ዘፍ 21:14፣ 2ሳሙ 3:10፣ 2ነገ 12:1

2 ዜና መዋእል 24:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 12:2

2 ዜና መዋእል 24:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 22:3-5

2 ዜና መዋእል 24:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 12:4, 5፣ 2ዜና 29:1, 3፣ 34:9, 10
  • +2ነገ 12:6

2 ዜና መዋእል 24:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 12:7
  • +ዘጸ 30:12-16
  • +ዘሁ 1:50

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 9/2020፡ ገጽ 7

2 ዜና መዋእል 24:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 22:2, 3
  • +2ዜና 28:24

2 ዜና መዋእል 24:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማር 12:41
  • +2ነገ 12:9

2 ዜና መዋእል 24:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 30:12-16፣ ነህ 10:32፣ ማቴ 17:24

2 ዜና መዋእል 24:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ውጽኢታት ኣምጺኦም ድማ ኵሎም ክሳዕ ዚህቡ፡ ናብቲ ሳጹን የውድቕዎ ነበሩ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 29:9

2 ዜና መዋእል 24:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 12:10

2 ዜና መዋእል 24:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 12:11, 12፣ 2ዜና 34:10, 11

2 ዜና መዋእል 24:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 37:16፣ ዘሁ 7:84
  • +ዘሁ 28:3

2 ዜና መዋእል 24:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 23:1
  • +1ነገ 2:10

2 ዜና መዋእል 24:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ቍጥዓ መጸ።”

2 ዜና መዋእል 24:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ይምስክሩሎም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 17:13, 14፣ 2ዜና 36:15, 16፣ ኤር 7:25, 26

2 ዜና መዋእል 24:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዘካርያስ ወዲ ኻህን የሆያዳ መንፈስ ኣምላኽ ለበሰ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 23:11
  • +ዘዳ 29:24, 25፣ 1ዜና 28:9፣ 2ዜና 15:2

2 ዜና መዋእል 24:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 11:19
  • +ማቴ 23:35፣ ሉቃ 11:51

2 ዜና መዋእል 24:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ኣቦ ዘካርያስ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 9:5፣ መዝ 94:1፣ ኤር 11:20፣ እብ 10:30

2 ዜና መዋእል 24:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ምእታው ዓመት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 12:17
  • +2ዜና 24:17, 18

2 ዜና መዋእል 24:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ሶርያውያን።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:17, 37፣ ዘዳ 32:30

2 ዜና መዋእል 24:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምስ ብዙሕ ሕማም።”

  • *

    ወይ፡ “ወዲ።” እታ ብብዙሕ ዝሰፈረት ቃል፡ ኣኽብሮት እተመልክት ክትከውን ትኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 24:20, 21
  • +2ነገ 12:20
  • +2ሳሙ 5:9፣ 1ነገ 2:10
  • +2ዜና 21:16, 20፣ 28:27

2 ዜና መዋእል 24:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 12:21

2 ዜና መዋእል 24:27

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ምስራት።”

  • *

    ወይ፡ “መግለጺ፣ ርእይቶ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 24:20
  • +2ዜና 24:13

ሓፈሻዊ

2 ዜና 24:12ነገ 11:21
2 ዜና 24:1ዘፍ 21:14፣ 2ሳሙ 3:10፣ 2ነገ 12:1
2 ዜና 24:22ነገ 12:2
2 ዜና 24:42ነገ 22:3-5
2 ዜና 24:52ነገ 12:4, 5፣ 2ዜና 29:1, 3፣ 34:9, 10
2 ዜና 24:52ነገ 12:6
2 ዜና 24:62ነገ 12:7
2 ዜና 24:6ዘጸ 30:12-16
2 ዜና 24:6ዘሁ 1:50
2 ዜና 24:72ዜና 22:2, 3
2 ዜና 24:72ዜና 28:24
2 ዜና 24:8ማር 12:41
2 ዜና 24:82ነገ 12:9
2 ዜና 24:9ዘጸ 30:12-16፣ ነህ 10:32፣ ማቴ 17:24
2 ዜና 24:101ዜና 29:9
2 ዜና 24:112ነገ 12:10
2 ዜና 24:122ነገ 12:11, 12፣ 2ዜና 34:10, 11
2 ዜና 24:14ዘጸ 37:16፣ ዘሁ 7:84
2 ዜና 24:14ዘሁ 28:3
2 ዜና 24:162ዜና 23:1
2 ዜና 24:161ነገ 2:10
2 ዜና 24:192ነገ 17:13, 14፣ 2ዜና 36:15, 16፣ ኤር 7:25, 26
2 ዜና 24:202ዜና 23:11
2 ዜና 24:20ዘዳ 29:24, 25፣ 1ዜና 28:9፣ 2ዜና 15:2
2 ዜና 24:21ኤር 11:19
2 ዜና 24:21ማቴ 23:35፣ ሉቃ 11:51
2 ዜና 24:22ዘፍ 9:5፣ መዝ 94:1፣ ኤር 11:20፣ እብ 10:30
2 ዜና 24:232ነገ 12:17
2 ዜና 24:232ዜና 24:17, 18
2 ዜና 24:24ዘሌ 26:17, 37፣ ዘዳ 32:30
2 ዜና 24:252ዜና 24:20, 21
2 ዜና 24:252ነገ 12:20
2 ዜና 24:252ሳሙ 5:9፣ 1ነገ 2:10
2 ዜና 24:252ዜና 21:16, 20፣ 28:27
2 ዜና 24:262ነገ 12:21
2 ዜና 24:272ዜና 24:20
2 ዜና 24:272ዜና 24:13
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ዜና መዋእል 24:1-27

2 ዜና መዋእል

24 ዮኣስ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ነበረ፣+ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 40 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ጺብያ እዩ፣ ንሳ ኻብ ብኤር-ሸባዕ እያ።+ 2 ዮኣስ ድማ ብዅሉ ዘመን ካህን የሆያዳ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ።+ 3 የሆያዳ ኸኣ ክልተ ኣንስቲ ሓረየሉ፣ ንሱ ድማ ኣወዳትን ኣዋልድን ወለደ።

4 ድሕርዚ፡ ዮኣስ ንቤት የሆዋ ኺሕድሳ ብልቡ ተመነየ።+ 5 ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣኪቡ ኸኣ፡ “ናብ ከተማታት ይሁዳ ኼድኩም፡ ዓመት ንዓመት ንምጽጋን ቤት ኣምላኽኩም ዚኸውን ገንዘብ ካብ ኵሎም እስራኤል ኣክቡ፣+ ነዚ ነገር እዚ እውን ቀልጢፍኩም ግበርዎ” በሎም። እቶም ሌዋውያን ግና ነዚ ቐልጢፎም ኣይገበርዎን።+ 6 ንጉስ ከኣ ንየሆያዳ እቲ ሊቅ ጸዊዑ፡+ “ስለምንታይ ኢኻ ነቶም ሌዋውያን፡ ነቲ ንድንኳን ምስክር ዚኸውን ብሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ እተኣዘዘ ቕዱስ ግብሪ፡+ ቅዱስ ግብሪ ጉባኤ እስራኤል፡ ካብ ይሁዳን የሩሳሌምን ከም ዜምጽኡ ዘይገበርካዮም፧+ 7 ደቂ ዓታልያ+ እታ እክይቲ ሰበይትስ፡ ናብ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጥሒሶም ኣትዮም፡+ ነቲ ናይ ቤት የሆዋ ዘበለ ዅሉ ቕዱስ ነገር ንበዓላት ገይሮምዎ እዮም” በሎ። 8 ብትእዛዝ ንጉስ ድማ፡ ሳጹን ገይሮም፡+ ኣብ ወጻኢ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት የሆዋ ኣቐመጥዎ።+ 9 ድሕሪኡ፡ እቲ ብሙሴ እቲ ጊልያ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ በረኻ እተኣዘዘ ቕዱስ ግብሪ+ ናብ የሆዋ ኼምጽኡ፡ ኣብ ብዘሎ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣወጁ። 10 ኵሎም እቶም መሳፍንትን ኵሎም እቶም ህዝብን ከኣ ተሓጐሱ፣+ ውጽኢታት ኣምጺኦም ድማ እቲ ሳጹን ክሳዕ ዚመልእ፡ ናብኡ የውድቕዎ ነበሩ።*

11 ኣብቲ እቶም ሌዋውያን ንንጉስ ነቲ ሳጹን ዜረክቡሉ ዘበለ እዋን፡ ኣብኡ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘሎ ምስ ረኣዩ፡ ጸሓፊ እቲ ንጉስን ብዓል መዚ እቲ ሊቀ ኻህናትን መጺኦም ነቲ ሳጹን ገልቢጦም፡+ ናብ ቦታኡ ይመልስዎ ነበሩ። ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ኸምኡ ገበሩ፣ ኣኺሉ ዚተርፍ ገንዘብ ድማ ኣከቡ። 12 ንጉስን የሆያዳን ከኣ፡ እዚ ነቶም ዕዮ ኣገልግሎት ቤት የሆዋ ዚቈጻጸሩ ይህብዎም ነበሩ፣ ንሳቶም ድማ ንቤት የሆዋ ንምሕዳስ ወቐርቲ እምንን ኢደ ጥበበኛታትን፡+ ንምጽጋን ቤት የሆዋ እውን ዓየይቲ ሓጺንን ነሓስን ይቘጽሩ ነበሩ። 13 እቶም ነቲ ዕዮ ዚቈጻጸሩ ኸኣ ጀመርዎ፣ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ድማ እቲ ዕዮ ጽገና ሰጐመ፣ ንቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ከም ናይ ቀደማ ገይሮም ኣዐረይዋን ኣጽንዕዋን። 14 ምስ ወድኡ ድማ፡ ነቲ ዝተረፈ ገንዘብ ናብ ንጉስን የሆያዳን ኣምጽእዎ፣ ንሳቶም ከኣ ንቤት የሆዋ ዚኸውን ኣቕሑ፡ ንኣገልግሎትን ንመስዋእትን ዚኸውን ኣቕሑን ጽዋኣትን ኣቕሑ ወርቅን ብሩርን ንምስራሕ ተጠቐሙሉ።+ ብዅሉ ዘመን የሆያዳ ድማ፡ ኣብ ቤት የሆዋ ወትሩ ዚሓርር መስዋእቲ የቕርቡ ነበሩ።+

15 የሆያዳ ኣሪጉን ዕድመ ጸጊቡን ሞተ፣ ኪመውት ከሎ ኸኣ፡ ወዲ 130 ዓመት ነበረ። 16 ኣብ እስራኤል ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ምስ ቤቱን ብዚተሓሓዝ ጽቡቕ ስለ ዝገበረ፡+ ምስ ነገስታት ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ።+

17 ድሕሪ ሞት የሆያዳ፡ መሳፍንቲ ይሁዳ መጺኦም ንንጉስ ሰገዱሉ፣ ንጉስ ድማ ሰምዖም። 18 ንቤት የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎም ከኣ፡ ንኣዕኑድ ኣምልኾን* ንጣኦታትን ኣገልገሉ፣ ስለዚ፡ ብሰንኪ በደሎም፡ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ቍጥዓ ኣምላኽ መጸ።* 19 ናብ የሆዋ ኺመልስዎም ድማ፡ ንሱ ነብያቱ ይሰድደሎም ነበረ፣ ንሳቶም ከኣ የጠንቅቕዎም* ነበሩ፣ ግናኸ፡ ኣይሰምዕዎምን።+

20 መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ልዕሊ ዘካርያስ ወዲ ኻህን የሆያዳ+ መጸ፣* ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝቢ ተንሲኡ፡ “እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከምዚ ይብል፦ ‘ስለምንታይ ኢኹም ትእዛዛት የሆዋ እትጥሕሱ ዘለኹም፧ ኣይኪቐንዓኩምን እዩ! ንየሆዋ ስለ ዝሓደግኩምዎ፡ ንሱ እውን ኪሓድገኩም እዩ’” በሎም።+ 21 ንሳቶም ግና ውዲት ኣለሙሉ፡+ ብትእዛዝ ንጉስ ከኣ ኣብ ኣጸድ ቤት የሆዋ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ።+ 22 በዚ ኸምዚ፡ ንጉስ ዮኣስ ነቲ ኣቦኡ* የሆያዳ ብተኣማንነት ዘርኣዮ ፍቕሪ ኣይዘከሮን፣ ንወዱ ደኣ ቐተሎ። ንሱ ኺመውት ከሎ ድማ፡ “ነዝስ የሆዋ ይርኣዮ፡ ተሓታቲ እውን ይግበርካ” በለ።+

23 ኣብ መጀመርታ ዓመት፡* ሰራዊት ሶርያ ኣንጻር ዮኣስ ደየበ፣ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ከኣ ወረርወን።+ ንዅሎም መሳፍንቲ+ ህዝቢ ድማ ኣጥፍእዎም፣ ኵሉ እቲ ምርኮኦም ከኣ ናብ ንጉስ ደማስቆ ሰደዱ። 24 እቲ ወራሪ ሰራዊት ሶርያ ሒደት ሰባት እኳ እንተ ነበርዎ፡ እቲኣቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎምዎ ስለ ዝነበሩ፡ የሆዋ ንዓታቶም ኣዝዩ ዓብዪ ሰራዊት ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም፣+ ንሳቶም* ድማ ነቲ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ዮኣስ ፈጸምዎ። 25 ንሳቶም ብብርቱዕ ቈሲሉ* ሓዲጎምዎ ነበሩ እሞ፡ ካብኡ ምስ ከዱ፡ ደም ደቂ* ኻህን የሆያዳ ስለ ዘፍሰሰ፡+ ገላዉኡ ውዲት ኣለሙሉ። ኣብ ዓራቱ ኸኣ ቀተልዎ።+ ምስ ሞተ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ፣+ ኣብ መቓብር ነገስታት ግና ኣይቀበርዎን።+

26 እቶም ውዲት ዝኣለሙሉ ኸኣ፡+ ዛባድ ወዲ ሺምዓት እታ ዓሞናዊትን የሆዛባድ ወዲ ሺምሪት እታ ሞኣባዊትን እዮም። 27 ብዛዕባ ደቁን ብዛዕባ እቲ ኣንጻሩ እተዘርበ ሓያሎ ኸቢድ መልእኽትን+ ብዛዕባ እቲ ሕደሳ* ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን፡+ እዚ ዅሉ ኣብ ጽሑፋት* መጽሓፍ ነገስታት ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣማስያ ነገሰ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ