ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 18
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ካይላ ኣብ ኢድ ሰራሕ ካይላ (1-12)

      • የሆዋ ንእስራኤል ዝባኑ መለሰሉ (13-17)

      • ንኤርምያስ እተኣልመሉ ውዲት፣ ልማኖኡ (18-23)

ኤርምያስ 18:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 19:1

ኤርምያስ 18:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/4/1999፡ ገጽ 22

ኤርምያስ 18:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 9:20, 21

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    4/2017፡ ገጽ 3

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/4/1999፡ ገጽ 22

ኤርምያስ 18:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 1:10፣ 12:14፣ 25:9፣ 45:4

ኤርምያስ 18:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነቲ ኸምጽኦ ሓሲበ ዝነበርኩ መዓት ክጥዓሰሉ እየ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 8:33, 34፣ መዝ 106:45፣ ኤር 7:3፣ 26:3፣ ህዝ 18:21፣ ዮኤ 2:13፣ ዮና 3:5, 10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    4/2017፡ ገጽ 3

    ኤርምያስ፡ ገጽ 151

ኤርምያስ 18:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነቲ ኽገብሮ ሓሲበ ዝነበርኩ ጽቡቕ ክጥዓሰሉ እየ።”

ኤርምያስ 18:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “እገብረልኩም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:16፣ ህዝ 18:23

ኤርምያስ 18:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 2:25
  • +ዘዳ 29:19, 20፣ ኤር 7:24

ኤርምያስ 18:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 2:13

ኤርምያስ 18:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓጢኖም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 2:19፣ 3:21
  • +ኤር 10:14, 15
  • +ኤር 6:16

ኤርምያስ 18:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:33፣ ህዝ 6:14
  • +1ነገ 9:8፣ ኤር 19:8፣ ድጕ 2:15፣ ሚክ 6:16
  • +ዘዳ 28:37

ኤርምያስ 18:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 31:17

ኤርምያስ 18:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ትምህርቲ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ብልሳን ንውቅዓዮ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 11:19

ኤርምያስ 18:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍሰይ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 35:7

ኤርምያስ 18:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 12:3
  • +ድጕ 5:3
  • +2ዜና 36:17

ኤርምያስ 18:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 38:12

ኤርምያስ 18:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 11:19, 20
  • +ኤር 15:15
  • +መዝ 35:4

ሓፈሻዊ

ኤር. 18:2ኤር 19:1
ኤር. 18:6ሮሜ 9:20, 21
ኤር. 18:7ኤር 1:10፣ 12:14፣ 25:9፣ 45:4
ኤር. 18:81ነገ 8:33, 34፣ መዝ 106:45፣ ኤር 7:3፣ 26:3፣ ህዝ 18:21፣ ዮኤ 2:13፣ ዮና 3:5, 10
ኤር. 18:11ኢሳ 1:16፣ ህዝ 18:23
ኤር. 18:12ኤር 2:25
ኤር. 18:12ዘዳ 29:19, 20፣ ኤር 7:24
ኤር. 18:13ኤር 2:13
ኤር. 18:15ኤር 2:19፣ 3:21
ኤር. 18:15ኤር 10:14, 15
ኤር. 18:15ኤር 6:16
ኤር. 18:16ዘሌ 26:33፣ ህዝ 6:14
ኤር. 18:161ነገ 9:8፣ ኤር 19:8፣ ድጕ 2:15፣ ሚክ 6:16
ኤር. 18:16ዘዳ 28:37
ኤር. 18:17ዘዳ 31:17
ኤር. 18:18ኤር 11:19
ኤር. 18:20መዝ 35:7
ኤር. 18:21ኤር 12:3
ኤር. 18:21ድጕ 5:3
ኤር. 18:212ዜና 36:17
ኤር. 18:22መዝ 38:12
ኤር. 18:23ኤር 11:19, 20
ኤር. 18:23ኤር 15:15
ኤር. 18:23መዝ 35:4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 18:1-23

ኤርምያስ

18 እቲ ኻብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል፦ 2 “ተንስእ እሞ ናብ ቤት ሰራሕ ካይላ ውረድ፣+ ኣብኡ ኸኣ ቃላተይ ከስምዓካ እየ።”

3 ኣነ ድማ ናብ ቤት ሰራሕ ካይላ ወረድኩ፣ ንሱ ኸኣ ኣብ መንኰርኰር ካይላ ይሰርሕ ነበረ። 4 እቲ ሰራሕ ካይላ ብመሬት ዚሰርሖ ዝነበረ ኣቕሓ ግና ኣብ ኢዱ ተበላሸወ። ስለዚ፡ እቲ ሰራሕ ካይላ ኸምቲ ኣብ ኣዒንቱ ቕኑዕ ኰይኑ እተራእዮ፡ መሊሱ ኻልእ ኣቕሓ ገይሩ ሰርሖ።

5 ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 6 “‘ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ኣነስ ከምቲ እዚ ሰራሕ ካይላ እዚ ዝገበሮ ኽገብረኩምዶ ኣይክእልን እየ፧’ ይብል የሆዋ። ‘ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ከምቲ መሬት ኣብ ኢድ ሰራሕ ካይላ ዘሎ፡ ከምኡ ንስኻትኩም ኣብ ኢደይ ኢኹም።+ 7 ብዛዕባ ምምሓውን ምፍራስን ምጥፋእን ህዝቢ ወይ መንግስቲ ምስ ዝዛረብ፡+ 8 እቲ ህዝቢ እቲ ድማ ነቲ እተዛረብኩሉ እከይ እንተ ሓዲግዎ፡ ኣነ እውን ብዛዕባ እቲ ኸምጽኦ ሓሲበ ዝነበርኩ መዓት ሓሳበይ ክልውጥ እየ።*+ 9 ግናኸ፡ ብዛዕባ ምህናጽን ምትካልን ህዝቢ ወይ መንግስቲ ምስ ዝዛረብ፡ 10 ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ክፉእ ምስ ዚገብርን ድምጸይ ምስ ዘይእዘዝን፡ ኣነ እውን ብዛዕባ እቲ ኽገብሮ ሓሲበ ዝነበርኩ ጽቡቕ ሓሳበይ ክልውጥ እየ።’*

11 “ሕጂ፡ በጃኻ ንሰብ ይሁዳን ንነበርቲ የሩሳሌምን፡ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ መዓት አዳልወልኩም፡* ኣንጻርኩም ከኣ ሓሳብ እሓስበልኩም ኣለኹ። ካብ ክፉእ መገድታትኩም ተመለሱ፣ መገድታትኩምን ተግባራትኩምን ኣሐድሱ”’ በሎም።”+

12 ንሳቶም ግና፡ “እዝስ ዘይከውን እዩ!+ ንሕናስ ደድሕሪ ሓሳብ ርእስና ኽንመላለስ ኢና፣ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከም ንቕጽና እቲ እኩይ ልቡ ኺገብር እዩ” በሉ።+

13 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦

“ኣብ መንጎ ኣህዛብ እስከ በጃኹም ሕተቱ።

ከምዚ ዝበለስ መን ሰሚዑ፧

ድንግል እስራኤል ዝኸፍአ ጉድ ገይራ።+

14 ውርጪ ሊባኖስዶ ኻብ ኣኻውሕ ካብ ጎቦኡ ይጠፍእ እዩ፧

ወይስ ካብ ርሑቕ ዚውሕዝ ዝሑል ማያትዶ ይነጽፍ እዩ፧

15 ህዝበይ ግና ረሲዑኒ።+

ንኸንቱስ ሰዊኦም* እዮም፣+

ጥጡሕ ብዘይኰነ እሉይ መገድታት ኪኸዱስ፡

ኣብ መገድታቶም፡ ኣብቲ ናይ ጥንቲ መገድታት ንሰብ ኣዐንቂፎም እዮም።+

16 ስለዚ፡ ንምድሮም መሰክሒ፡+

ንዘለኣለም ከኣ መፋጸዪ ኺገብርዋ እዮም።+

ብእኣ ዚሓልፍ ዘበለ ዅሉ ሰኪሑ ኺጥምትን ርእሱ ኺንቕንቕን እዩ።+

17 ከም ንፋስ ምብራቕ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ፋሕ ከብሎም እየ።

ብመዓልቲ መዓቶም ገጸይ ዘይኰነስ፡ ዝባነይ ከርእዮም እየ።”+

18 ንሳቶም ድማ፡ “ሕጊ* ኻብ ካህናትና፡ ወይ ምኽሪ ኻብ ጥበበኛታት፡ ወይ ቃል ካብ ነብያት ኣይጠፍእን እዩ እሞ፡ ንዑ ንኤርምያስ ውዲት ንእለመሉ።+ ንዑ ኣንጻሩ ንዛረብ፡* ንዚብሎ ድማ ኣይነቕልበሉ” በሉ።

19 ኦ የሆዋ፡ ኣቕልበለይ፡

ነቲ ተጻረርተይ ዚብልዎ ኸኣ ስማዕ።

20 ኣብ ክንዲ ጽቡቕዶ ኽፉእ ይፍደ እዩ፧

ንሳቶምሲ ንህይወተይ* ጕድጓድ ኵዒቶምላ ኣለዉ።+

ጽቡቕ ክዛረበሎምን ቍጥዓኻ ኸርሕቐሎምን ኢለ

ኸመይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዝቘምኩ ዘክር።

21 ስለዚ፡ ደቆም ንጥሜት ሃብ፣

ንሓይሊ ሰይፊ ኣሕሊፍካ ሃቦም።+

ኣንስቶም ደቀን ዝሰኣናን መበለታትን ይኹና።+

ሰብኡቶም ድማ ብመቕዘፍቲ ይቀተሉ፣

ኣጕባዞም እውን ኣብ ውግእ ብሰይፊ ይቀተሉ።+

22 ብሃንደበት ዘመትቲ ምስ ኣምጻእካሎም፡

ኣውያት ካብ ኣባይቶም ይሰማዕ።

ኪሕዙንስ ጕድጓድ ኵዒቶምለይ፡

ንኣእጋረይ ከኣ መጻወድያታት ኣጻዊዶምለይ እዮም።+

23 ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ግና

ንዅሉ እቲ ኪቐትሉኒ ዝሓሰቡለይ ተንኰል ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።+

ስሕተቶም ኣይትሸፍን፣

ሓጢኣቶም ድማ ካብ ቅድሜኻ ኣይትደምስስ።

ብቝጥዓኻ ስጕምቲ ኽትወስደሎም ከለኻ፡+

ኣብ ቅድሜኻ ይተዓንቀፉ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ