ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ንስሓ በረኸት የምጽእ (1-4)

      • ጥፍኣት ካብ ሰሜን ኪመጽእ እዩ (5-18)

      • ኤርምያስ ብዚመጽእ ጥፍኣት እተሰምዖ ስቓይ (19-31)

ኤርምያስ 4:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 3:22፣ ዮኤ 2:12, 13

ኤርምያስ 4:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ጽዒሮም ኪረኽቡ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 65:16

ኤርምያስ 4:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሆሴ 10:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2007፡ ገጽ 9

ኤርምያስ 4:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ድጕ 4:11
  • +ኤር 9:25, 26

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2013፡ ገጽ 10

    15/3/2007፡ ገጽ 9

ኤርምያስ 4:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 6:1
  • +ኤር 35:11

ኤርምያስ 4:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 1:14፣ 21:7፣ 25:9

ኤርምያስ 4:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:1፣ 25:1፣ ኤር 5:6፣ 50:17
  • +ህዝ 26:7
  • +ኢሳ 5:9፣ 6:11፣ ኤር 2:15፣ 9:11

ኤርምያስ 4:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ደረትኩም ውቕዑ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 6:26

ኤርምያስ 4:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ትብዓት ንጉስ ኪጠፍእ።”

  • *

    ወይ፡ “ትብዓት መሳፍንቲ እውን ኪጠፍእ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:5
  • +ኢሳ 29:9, 10

ኤርምያስ 4:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሰይፊ ኽሳዕ ነፍስና በጺሑ ኸሎስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 6:13, 14፣ 14:13፣ 23:16, 17
  • +ህዝ 14:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2007፡ ገጽ 9

ኤርምያስ 4:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ከም ሰብ ጌርካ ንምግላጽ ዜገልግል ብሂል ኰይኑ፡ ምናልባት ድንጋጸ ወይ ርሕራሐ ንምግላጽ ይዕየየሉ።

ኤርምያስ 4:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 5:26, 28
  • +ዘዳ 28:49, 50፣ ድጕ 4:19፣ ኣን 1:8

ኤርምያስ 4:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:16፣ ህዝ 18:31

ኤርምያስ 4:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 8:16

ኤርምያስ 4:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ንኸተማ መዓስ ኬጥቅዑ ኸም ዘለዎም ንምውሳን ዚሕልዉ ወይ ዚጸናተዉ።

ኤርምያስ 4:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 63:10፣ ህዝ 2:3
  • +2ነገ 25:1, 2

ኤርምያስ 4:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 107:17

ኤርምያስ 4:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣምዑተይ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መናድቕ ልበይ።”

  • *

    ወይ፡ “ደሃይ ጭድርታ ውግእ” ኪኸውን ይኽእል።

  • *

    ወይ፡ “ነፍሰይ ሰሚዓ እያ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ጸፎ 1:15, 16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 155፡ 182-183

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/11/1994፡ ገጽ 7

ኤርምያስ 4:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 10:20

ኤርምያስ 4:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 6:1

ኤርምያስ 4:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጥበበኛታት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 32:6፣ ኤር 5:21

ኤርምያስ 4:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 9:10
  • +ኢሳ 5:30፣ ዮኤ 2:31

ኤርምያስ 4:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 5:25

ኤርምያስ 4:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ጸፎ 1:3

ኤርምያስ 4:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 29:22, 23

ኤርምያስ 4:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:32፣ 2ዜና 36:20, 21፣ ኢሳ 6:11፣ ኤር 10:22፣ ህዝ 33:28

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ራእይ፡ ገጽ 109

ኤርምያስ 4:28

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣይክጥዓስን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 24:4፣ ዮኤ 1:10
  • +ኢሳ 5:30፣ ዮኤ 2:30, 31
  • +2ነገ 23:26፣ ህዝ 24:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ራእይ፡ ገጽ 109

ኤርምያስ 4:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:4
  • +ኢሳ 2:19

ኤርምያስ 4:30

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍስኺ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 23:22, 26
  • +ድጕ 1:2

ኤርምያስ 4:31

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሰይ ደኺማ እያ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ድጕ 1:17

ሓፈሻዊ

ኤር. 4:1ኤር 3:22፣ ዮኤ 2:12, 13
ኤር. 4:2ኢሳ 65:16
ኤር. 4:3ሆሴ 10:12
ኤር. 4:4ድጕ 4:11
ኤር. 4:4ኤር 9:25, 26
ኤር. 4:5ኤር 6:1
ኤር. 4:5ኤር 35:11
ኤር. 4:6ኤር 1:14፣ 21:7፣ 25:9
ኤር. 4:72ነገ 24:1፣ 25:1፣ ኤር 5:6፣ 50:17
ኤር. 4:7ህዝ 26:7
ኤር. 4:7ኢሳ 5:9፣ 6:11፣ ኤር 2:15፣ 9:11
ኤር. 4:8ኤር 6:26
ኤር. 4:92ነገ 25:5
ኤር. 4:9ኢሳ 29:9, 10
ኤር. 4:10ኤር 6:13, 14፣ 14:13፣ 23:16, 17
ኤር. 4:10ህዝ 14:9
ኤር. 4:13ኢሳ 5:26, 28
ኤር. 4:13ዘዳ 28:49, 50፣ ድጕ 4:19፣ ኣን 1:8
ኤር. 4:14ኢሳ 1:16፣ ህዝ 18:31
ኤር. 4:15ኤር 8:16
ኤር. 4:17ኢሳ 63:10፣ ህዝ 2:3
ኤር. 4:172ነገ 25:1, 2
ኤር. 4:18መዝ 107:17
ኤር. 4:19ጸፎ 1:15, 16
ኤር. 4:20ኤር 10:20
ኤር. 4:21ኤር 6:1
ኤር. 4:22ዘዳ 32:6፣ ኤር 5:21
ኤር. 4:23ኤር 9:10
ኤር. 4:23ኢሳ 5:30፣ ዮኤ 2:31
ኤር. 4:24ኢሳ 5:25
ኤር. 4:25ጸፎ 1:3
ኤር. 4:26ዘዳ 29:22, 23
ኤር. 4:27ዘሌ 26:32፣ 2ዜና 36:20, 21፣ ኢሳ 6:11፣ ኤር 10:22፣ ህዝ 33:28
ኤር. 4:28ኢሳ 24:4፣ ዮኤ 1:10
ኤር. 4:28ኢሳ 5:30፣ ዮኤ 2:30, 31
ኤር. 4:282ነገ 23:26፣ ህዝ 24:14
ኤር. 4:292ነገ 25:4
ኤር. 4:29ኢሳ 2:19
ኤር. 4:30ህዝ 23:22, 26
ኤር. 4:30ድጕ 1:2
ኤር. 4:31ድጕ 1:17
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 4:1-31

ኤርምያስ

4 “ኣታ እስራኤል፡ እንተ ተመሊስካ” ይብል የሆዋ፡

“ናባይ እንተ ተመሊስካ፡

ጽዩፋት ጣኦታትካ ድማ ካብ ቅድመይ እንተ ኣርሒቕካ፡

ሽዑ፡ ቀባሕባሓይ ኣይክትከውንን ኢኻ።+

 2 ብሓቅን ብፍትሕን ብጽድቅን ‘ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ!’

ኢልካ እንተ ምሒልካ፡

ሽዑ፡ ኣህዛብ በረኸት ኪረኽቡ፡*

ብእኡ እውን ኪምክሑ እዮም።”+

3 የሆዋስ ንሰብ ይሁዳን ንየሩሳሌምን ከምዚ ይብል፦

“ዚሕረስ ምድርኹም ሕረሱ፣

ኣብ መንጎ ኣእሻዅ ከኣ ኣይትዝርኡ።+

 4 ኣቱም ሰብ ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን፡

ብሰንኪ ኽፉእ ተግባራትኩም፡

ነድረይ ከም ሓዊ ኸይባራዕ እሞ፡+

ሓደ እኳ ኼጥፍኦ ኸም ዘይክእል ኰይኑ ኸይነድድሲ፡

ንየሆዋ ተገዘሩ፣

ዕልቦ ልብኹም ኣርሕቑ።”+

 5 ኣብ ይሁዳ ንገሩ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ኣውጁ።

ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ ጨድሩን መለኸት ንፍሑን።+

ብዓውታ ኸምዚ ኢልኩም ተድሃዩ፦ “ተኣከቡ፡

ናብ እተዓርዳ ኸተማታት ከኣ ንህደም።+

 6 ሰንደቕ ዕላማ ናብ ጽዮን ኣልዕሉ።

መጸግዒ ድለዩ፣ ደው እውን ኣይትበሉ።”

ከመይሲ፡ ካብ ሰሜን መዓት፡ ዓብዪ ውድቀት አምጽእ ኣለኹ።+

 7 ንሱ ኸም ኣንበሳ ኻብ ጣሻ በለዅ ኢሉ፣+

እቲ መጥፍኢ ኣህዛብ ነቒሉ።+

ንምድርኺ መሰክሒ ኺገብራ ኻብ ቦታኡ ወጺኡ።

ከተማታትኪ ኺዓኑን ብዘይ ነባሪ ኪኸውንን እዩ።+

 8 እምበኣር፡ እቲ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ ኻባና ኣይተመልሰን እሞ፡

ማቕ ተኸደኑ፡+

ሕዘኑ፡* ዋይዋይ ድማ በሉ።

 9 “በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ፡ “ንንጉስ ልቡ ኺጠልሞ* እዩ፣+

ንመሳፍንቲ እውን ልቦም ኪጠልሞም* እዩ፣

ካህናት ከኣ ኪርዕዱ፡ ነብያት ከኣ ኪግረሙ እዮም።”+

10 ሽዑ ኣነ፡ “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ! ሰይፊ ኣብ ጐረሮና ኸሎስ፡* ‘ሰላም ክትረኽቡ ኢኹም’+ ብምባልካ፡ ነዚ ህዝቢ እዝን ንየሩሳሌምን ብሓቂ ፈጺምካ ኣታሊልካዮ”+ በልኩ።

11 በታ ግዜ እቲኣ፡ ነዚ ህዝቢ እዝን ንየሩሳሌምን ከምዚ ኺብሃል እዩ፦

“ዚምሽሉቝ ንፋስ ካብቲ መኻን ኵርባታት ምድረ በዳ

ንጓል* ህዝበይ ክዅስትራ እዩ፣

ኬዝሩ ወይ ኬጽሪ ኣይኰነን ዚመጽእ።

12 ብምሉእ ሓይሉ ዚነፍስ ንፋስ ካብቲ ቦታታት እቲ ብትእዛዘይ ኪመጽእ እዩ።

ሕጂ ኣነ ንዓታቶም ክፈርዶም እየ።

13 እንሆ፡ ንሱ ኸም ደበናታት ዝናም ኪመጽእ እዩ፣

ሰረገላታቱ ድማ ከም ህቦብላ ንፋስ እዩ።+

ኣፍራሱ ኻብ ንስርታት ይፈጥኑ።+

ጠፊእና ኢና እሞ፡ ወይለና!

14 ኣቲ የሩሳሌም፡ ምእንቲ ኽትድሕንስ፡ ልብኺ ኻብ እከይ ሕጸቢ።+

ክሳዕ መዓስ ኢኺ እኩይ ሓሳባት ኣብ ውሽጥኺ ኸተንብሪ፧

15 ካብ ዳንሲ ድምጺ፡ ወረ የውሪ ኣሎ፣+

ካብ ኣኽራን ኤፍሬም ከኣ መዓት ይእውጅ ኣሎ።

16 እወ፡ ንኣህዛብ ንገሩ፣

ኣንጻር የሩሳሌም ኣውጁ።”

“ሓለውቲ* ኻብ ርሑቕ ሃገር ይመጹ ኣለዉ፣

ኣንጻር ከተማታት ይሁዳ ድማ ድምጾም ዓው ኬብሉ እዮም።

17 ካባይ ስለ ዝዓለወት፡+

ከም ሓለውቲ መሮር ኰይኖም ብዅሉ ሸነኻ ኺመጽእዋ እዮም”+ ይብል የሆዋ።

18 “መገድታትክን ተግባራትክን ኣብ ልዕሌኺ ኺወርድ እዩ።+

መዓትክስ ክሳብ ልብኺ ኺበጽሕ እዩ እሞ፡

ክሳዕ ክንደይ ኰን መሪር እዩ!”

19 እዋይ ስቓይ፡* እዋይ ስቓይ!

ኣብ ልበይ* ብርቱዕ ስቓይ ኣሎ።

ልበይ ኣብ ውሽጠይ ይወቅዕ ኣሎ።

ደሃይ መለኸት፡

ምልክት መጠንቀቕታ ውግእ* ሰሚዐ እየ* እሞ፡

ስቕ ክብል ኣይከኣልኩን።+

20 ብዘላ እታ ምድሪ ጠፊኣ እያ እሞ፡

መዓት ኣብ ልዕሊ መዓት ይውረ ኣሎ።

ድንኳናተይ ብሃንደበት፡

ዓለባታት ድንኳነይ ከኣ ብቕጽበት ጠፊኡ።+

21 ክሳዕ መዓስ እየ ሰንደቕ ዕላማ ኽርኢ፡

ደሃይ መለኸትከ ኽሰምዕ፧+

22 “ህዝበይሲ ዓያሹ እዮም፣+

ኣይፈለጡንን።

ኣእምሮ ዘይብሎም ሃላያት እዮም።

ክፉእ ንምግባር በላሕቲ* እዮም፣

ጽቡቕ ምግባር ግና ኣይፈልጡን እዮም።”

23 ነታ ምድሪ ርእየያ፣ እንሆ ድማ፡ ጥራያን ባድምን እያ ነይራ።+

ንሰማያት እውን ጠሚተዮም፣ ብርሃኖም ከኣ ኣይነበረን።+

24 ንኣኽራን ርእየዮም፣ እንሆ ድማ፡ የንቀጥቅጡ ነይሮም፣

ኵርባታት እውን የንፈጥፍጡ ነይሮም።+

25 ርእየስ፡ እንሆ፡ ሰብ ኣይነበረን፣

ኣዕዋፍ ሰማያት እውን ሃዲመን ነይረን።+

26 ርእየስ፡ እንሆ፡ እቲ ግራት ፍረታት፡ በረኻ ዀይኑ ነይሩ፣

ከተማታታ ኸኣ ኵላተን ፈሪሰን ነይረን።+

ብሰንኪ የሆዋ፡

ብሰንኪ እቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ እዩ እዚ ዀይኑ።

27 የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “ብዘላ እታ ምድሪ ኽትባድም እያ፣+

ጠሪሰ ግና ኣይከጥፍኣን እየ።

28 በዚ ምኽንያት እዚ፡ እታ ምድሪ ኽትሓዝን፡+

ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሰማያት ድማ ኪጽልምት እዩ።+

ስለምንታይሲ፡ ኣነ ተዛሪበ ኣለኹ፣ ኣነ ወሲነ ኣለኹ፣

ሓሳበይ ከኣ ኣይክልውጥን* እየ፣ ካብኡ እውን ኣይክምለስን እየ።+

29 ብዘላ እታ ኸተማ

ብደሃይ ፈረሰኛታትን ቀስተኛታትን ትሃድም ኣላ።+

ናብ ጣሻታት ኪኣትዉ፡

ኣብ ኣኻውሕ ድማ ኪሓዅሩ እዮም።+

ኵለን ከተማታት ተሓዲገን እየን፣

ዋላ ሓደ ሰብ እውን ኣይቅመጠንን እዩ።”

30 ሕጂ ኣቲ ዝዓኖኺ፡ እንታይ ደኣ ኽትገብሪ ኢኺ፧

ድሙቕ ቀይሕ ትኽደኒ፡

ብስልማት ወርቂ ትስለሚ፡

ንኣዒንትኺ ብዅሕሊ ተጕልሒ ኔርኪ።

ግናኸ፡ እቶም ዚደልዩኺ ንዒቖምኺ እዮም እሞ፡

ንኸንቱ ኢኺ ገዛእ ርእስኺ ዘጸበቕኪ፣+

ሕጂ ንህይወትኪ* ይደልይዋ ኣለዉ።+

31 ከመይሲ፡ ከምቲ ናይ ሕምምቲ ዝበለ ደሃይ፡

ከምቲ ንበዅራ ናይ እትጸዓር ዝበለ ጭንቂ፡

ድምጺ እታ እትንኣኽ ጓል ጽዮን ሰሚዐ።

ኣእዳዋ ዘርጊሓ፡+

“ብሰንኪ ቐተልቲ ደኺመ እየ* እሞ፡ ወይለይ!” ትብል ኣላ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ