ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ይሁዳ ምስ ኣምላኽ ዝኣተዎ ኺዳን ኣፍረሰ (1-17)

        • ኣማልኽትኻ ኽንዲ ኸተማታትካ (13)

      • ኤርምያስ ናብ ማሕረዲ ምስ ዚውሰድ ገንሸል ተመሳሰለ (18-20)

      • ንኤርምያስ ካብ ደቂ ዓዱ ዘጋጠሞ ምጽራር (21-23)

ኤርምያስ 11:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ንኤርምያስ ዚዝረብ ዘሎ ኪኸውን ኣለዎ።

ኤርምያስ 11:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 27:26፣ 28:15

ኤርምያስ 11:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 24:3
  • +ዘጸ 13:3፣ ዘዳ 4:20
  • +ዘሌ 26:3, 12

ኤርምያስ 11:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ይኹን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 15:18፣ ዘጸ 3:8፣ ዘሌ 20:24፣ ዘዳ 6:3

ኤርምያስ 11:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣንጊሀ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 7:13፣ 25:4፣ 35:15

ኤርምያስ 11:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 65:2፣ ኤር 7:24, 26፣ ህዝ 20:8፣ ዘካ 7:11, 12

ኤርምያስ 11:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 2:11, 17፣ 1ሳሙ 8:8፣ 2ነገ 22:17
  • +2ዜና 28:22, 23
  • +ዘዳ 31:16፣ 2ነገ 17:6, 7፣ ሆሴ 6:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2007፡ ገጽ 9

ኤርምያስ 11:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 22:16፣ ኤር 6:19፣ ህዝ 7:5
  • +ኢሳ 1:15፣ ኤር 14:12፣ ህዝ 8:18፣ ሚክ 3:4

ኤርምያስ 11:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዚዓጥኑሎም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 32:37, 38፣ ኤር 2:28

ኤርምያስ 11:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንዜሕፍር ኣምላኽ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 7:9, 10

ኤርምያስ 11:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ኤርምያስ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 7:16፣ 14:11

ኤርምያስ 11:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚቐርብ መስዋእቲ።

ኤርምያስ 11:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 5:2፣ ኤር 2:21
  • +ኤር 19:5, 15

ኤርምያስ 11:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 18:18

ኤርምያስ 11:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ውሽጣዊ ስምዒትን።” ቃ.ቃ.፡ “ኰላሊትን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 28:9፣ ኤር 17:10፣ 20:12

ኤርምያስ 11:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍስኻ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 30:10፣ ኣሞ 2:12፣ 7:16
  • +ኤር 1:1

ኤርምያስ 11:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:17፣ ድጕ 2:21
  • +ኤር 18:21

ኤርምያስ 11:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 21:8, 18

ሓፈሻዊ

ኤር. 11:3ዘዳ 27:26፣ 28:15
ኤር. 11:4ዘጸ 24:3
ኤር. 11:4ዘጸ 13:3፣ ዘዳ 4:20
ኤር. 11:4ዘሌ 26:3, 12
ኤር. 11:5ዘፍ 15:18፣ ዘጸ 3:8፣ ዘሌ 20:24፣ ዘዳ 6:3
ኤር. 11:7ኤር 7:13፣ 25:4፣ 35:15
ኤር. 11:8ኢሳ 65:2፣ ኤር 7:24, 26፣ ህዝ 20:8፣ ዘካ 7:11, 12
ኤር. 11:10መሳ 2:11, 17፣ 1ሳሙ 8:8፣ 2ነገ 22:17
ኤር. 11:102ዜና 28:22, 23
ኤር. 11:10ዘዳ 31:16፣ 2ነገ 17:6, 7፣ ሆሴ 6:7
ኤር. 11:112ነገ 22:16፣ ኤር 6:19፣ ህዝ 7:5
ኤር. 11:11ኢሳ 1:15፣ ኤር 14:12፣ ህዝ 8:18፣ ሚክ 3:4
ኤር. 11:12ዘዳ 32:37, 38፣ ኤር 2:28
ኤር. 11:13ኤር 7:9, 10
ኤር. 11:14ኤር 7:16፣ 14:11
ኤር. 11:17ኢሳ 5:2፣ ኤር 2:21
ኤር. 11:17ኤር 19:5, 15
ኤር. 11:19ኤር 18:18
ኤር. 11:201ዜና 28:9፣ ኤር 17:10፣ 20:12
ኤር. 11:21ኢሳ 30:10፣ ኣሞ 2:12፣ 7:16
ኤር. 11:21ኤር 1:1
ኤር. 11:222ዜና 36:17፣ ድጕ 2:21
ኤር. 11:22ኤር 18:21
ኤር. 11:23እያ 21:8, 18
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 11:1-23

ኤርምያስ

11 እቲ ኻብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል፦ 2 “ቃላት እዚ ኺዳን እዚ ስምዑ!

“ንሰብ ይሁዳን ንነበርቲ የሩሳሌምን ተዛረብ፡* 3 ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ “ቃላት እዚ ኺዳን እዚ ዘይእዘዝ ሰብ ርጉም ይኹን፣+ 4 ኣብኡ ንኣቦታትኩም በታ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡+ ካብ እቶን ሓጺን፡+ ዘውጻእክዎም መዓልቲ፡ ከምዚ ኢለ ኣዘዝክዎም፦ ‘ድምጸይ ተኣዘዙ፣ ኵሉ እቲ ዝእዝዘኩም ድማ ግበሩ፣ ንስኻትኩም ከኣ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም፣ ኣነ እውን ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፣+ 5 ከምቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ዀይንዎ ዘሎ፡ ነቲ ንኣቦታትኩም፡ ነታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኽህቦም ዝመሓልኩሎም ማሕላ ምእንቲ ኽፍጽምሲ፡ ከምኡ ግበሩ።’”’”+

ኣነ ኸኣ፡ “ኣሜን፡* ኦ የሆዋ” ኢለ መለስኩ።

6 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ነዚ ዅሉ ቓላት እዚ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ጐደናታት የሩሳሌምን ኣውጆ፦ ‘ቃላት እዚ ኺዳን እዚ ስምዑ፡ ግበርዎ ድማ። 7 ንኣቦታትኩም በታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም መዓልቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ “ድምጸይ ተኣዘዙ” ኢለ ደጋጊመ* እናመዓድኩ ኣጸቢቐ ምዒደዮም እየ።+ 8 ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ ኣእዛኖም እውን ኣየድነኑን፣ የግዳስ፡ ነፍሲ ወከፍ ብንቕጽና ንእኩይ ልቡ ስዒቡ።+ ስለዚ፡ ኵሉ ቓላት እዚ ኺገብርዎ ዝኣዘዝክዎም፡ ንሳቶም እውን ምግባሩ ዝኣበዩ ኺዳን፡ ኣውሪደሎም።’”

9 የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “ኣብ መንጎ ሰብ ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን ውዲት ኣሎ። 10 ናብ ስሕተት እቶም ንቓላተይ ምእዛዝ ዝኣበዩ ቐዳሞት ኣቦታቶም ተመሊሶም ኣለዉ።+ ንሳቶም እውን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስዒቦምን ንዓታቶም ኣገልጊሎምዎምን እዮም።+ ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ ኣፍሪሶም ኣለዉ።+ 11 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ኬምልጡሉ ዘይክእሉ መዓት አምጽኣሎም ኣለኹ።+ ናባይ ምስ ዚምህለሉ፡ ኣይክሰምዖምን እየ።+ 12 ሽዑ፡ ከተማታት ይሁዳን ነበርቲ የሩሳሌምን ናብቶም ዚስውኡሎም* ዘለዉ ኣማልኽቲ ኸይዶም ኪምህለሉ እዮም፣+ ንሳቶም ግና ብግዜ መዓቶም ኣይኬድሕንዎምን እዮም። 13 ኣታ ይሁዳ፡ ብዝሒ ኣማልኽትኻስ ክንዲ እቲ ብዝሒ ኸተማታትካ ዀይኑ ኣሎ፣ ክንዲ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ጐደናታት ዚኣክል ከኣ፡ ንዜሕፍር ነገር* መሰውኢታት፡ ንበዓል ንምስዋእ መሰውኢታት ጌርካ ኣለኻ።’+

14 “ንስኻ* ኸኣ ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትጸሊ። ብሰሪ መዓቶም ኪጽውዑኒ ኸለዉስ፡ ኣይክሰምዕን እየ እሞ፡ ምእንታኦም ኣይተእዊ፡ ወይ ኣይትጸሊ።+

15 ብዙሓት ክፉእ ሓሳብ እናገበሩ ኽነሶምሲ፡

ፍቕርተይ ኣብ ቤተይ ክትከውን እንታይ መሰል ኣለዋ፧

መዓት ምስ መጸክስ፡ ብቕዱስ ስጋዶ* ይኣልይዎ እዮም፧

በቲ ግዜ እትስ ትፍስሂ ዲኺ፧

16 የሆዋ ንዓኺ፡ ብጽቡቕ ፍረ ዝጸበቐት

ልምዕቲ ኦም ኣውልዕ ኢሉ ሰምዩኪ ነይሩ።

ብዓብዪ ደሃይ ጭድርታ፡ ብሓዊ ኣንዲድዋ፣

ንሳቶም ድማ ጨናፍራ ሰይሮም።

17 “እቲ ተኻሊኺ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡+ ብሰሪ እቲ ንበዓል ብምስዋእ ዘዀረያኒ ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ዝገበራኦ እከይ፡ መዓት ከም ዚመጸኪ ተዛሪቡ ኣሎ።”+

18 ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ የሆዋ ሓቢሩኒ፣

ሽዑ፡ እንታይ ይገብሩ ኸም ዝነበሩ ኣርኢኻኒ።

19 ኣነ ኸኣ ናብ ማሕረዲ ኸም ዚውሰድ ምእዙዝ ገንሸል* ነይረ።

ከምዚ እናበሉ ተንኰል ይሓስቡለይ ከም ዝነበሩ ድማ ኣይፈለጥኩን፦+

“ስሙ ደጊም ከይዝከርሲ፡

ነቲ ኦም ምስ ፍሪኡ ነጥፍኣዮ፣

ካብ ምድሪ ህያዋን ድማ ንመንቍሶ።”

20 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ግና ብጽድቂ እዩ ዚፈርድ፣

ውሽጣዊ ሓሳባትን* ልብን ይምርምር እዩ።+

ጕዳየይ ናባኻ ኣማዕቊበ ኣለኹ እሞ፡

ነቲ እትፈድዮም ሕነ ኣርእየኒ።

21 ስለዚ፡ የሆዋ ኣንጻር እቶም፡ “ብኢድና ኸይትመውት፡ ብስም የሆዋ ኣይትነበ”+ ኢሎም ንህይወትካ* ዚደልይዋ ዘለዉ ሰብ ዓናቶት+ ከምዚ ይብል፣ 22 ስለዚ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ። ኣጕባዝ ብሰይፊ ኺሞቱ፡+ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከኣ ብጥሜት ኪሞቱ እዮም።+ 23 በታ ተሓተትቲ ዚዀኑላ ዓመት ኣብ ሰብ ዓናቶት+ መዓት ከምጽእ እየ እሞ፡ ተረፍ እኳ ኣይኪተርፎምን እዩ።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ