ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 33
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ሓላፍነታት ሓላዊ (1-20)

      • ብዛዕባ ውድቀት የሩሳሌም ዚሕብር ወረ (21, 22)

      • ናብ ነበርቲ ዑናታት እተላእከ መልእኽቲ (23-29)

      • እቶም ህዝቢ ነቲ መልእኽቲ ኣብ ግብሪ ኣየውዓልዎን (30-33)

        • ህዝቅኤል ከም “ደርፊ ፍቕሪ” (32)

        • “ኣብ መንጎኦም ነብዪ ኸም ዝነበረ ኺፈልጡ እዮም” (33)

ህዝቅኤል 33:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 3:11
  • +ዘሌ 26:25፣ ህዝ 6:3፣ 21:9

ህዝቅኤል 33:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 4:5፣ ሆሴ 8:1

ህዝቅኤል 33:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሰይፊ መጺኡ ድማ እንተ ወሲድዎ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 6:17፣ ዘካ 1:4
  • +ህዝ 3:19፣ ግብ 18:6

ህዝቅኤል 33:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍሱ።”

ህዝቅኤል 33:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍሲ።”

  • *

    ወይ፡ “ብደሙ ግና ነቲ ሓላዊ ተሓታቲ ኽገብሮ እየ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 56:10
  • +ህዝ 3:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 7

ህዝቅኤል 33:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 21:8፣ ኤር 1:17፣ ህዝ 3:17

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 122፡ 125-126

ህዝቅኤል 33:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 3:11፣ ህዝ 18:4
  • +ምሳ 11:21

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 122

ህዝቅኤል 33:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኻ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 15:10
  • +ህዝ 3:19፣ ግብ 18:6

ህዝቅኤል 33:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:39፣ ኢሳ 64:6፣ ህዝ 24:23
  • +ህዝ 37:11

ህዝቅኤል 33:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 31:6፣ ሉቃ 15:10
  • +መዝ 130:7, 8
  • +ህዝ 18:23፣ 1ጢሞ 2:3, 4
  • +ኢሳ 55:7፣ ኤር 3:22፣ 25:5፣ ግብ 3:19
  • +ህዝ 18:31፣ 2ጴጥ 3:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 57

ህዝቅኤል 33:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 3:20፣ 18:24
  • +1ነገ 8:48, 50፣ ህዝ 18:21
  • +ህዝ 18:26

ህዝቅኤል 33:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓሚጹ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ጴጥ 2:20
  • +ህዝ 18:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 122፡ 124

ህዝቅኤል 33:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 55:7፣ ህዝ 18:21፣ ሚክ 6:8

ህዝቅኤል 33:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 22:26
  • +ዘሌ 6:2, 4፣ ህዝ 22:29
  • +ዘሌ 18:5፣ ህዝ 18:27

ህዝቅኤል 33:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሓደ እኳ ኣይኪዝከርን እዩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:18
  • +ህዝ 20:11

ህዝቅኤል 33:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 10:38፣ 2ጴጥ 2:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 122

ህዝቅኤል 33:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 18:27

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 122

ህዝቅኤል 33:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 18:25, 29

ህዝቅኤል 33:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 24:25-27
  • +2ነገ 25:4፣ 2ዜና 36:17፣ ኤር 39:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 112

ህዝቅኤል 33:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 3:26

ህዝቅኤል 33:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 39:10፣ ህዝ 36:4
  • +ዘፍ 12:7

ህዝቅኤል 33:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 9:4፣ ዘሌ 17:12
  • +ህዝ 22:6

ህዝቅኤል 33:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ጸፎ 3:3
  • +ኤር 5:8
  • +ዘዳ 4:26፣ እያ 23:15

ህዝቅኤል 33:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 42:22፣ ህዝ 5:12

ህዝቅኤል 33:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:20, 21፣ ኢሳ 6:11፣ ኤር 44:2
  • +ህዝ 6:3

ህዝቅኤል 33:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 17:9፣ 2ዜና 36:14
  • +ኤር 9:11፣ 25:11

ህዝቅኤል 33:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 18:18

ህዝቅኤል 33:31

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብፍትወት ኪዛረቡ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 29:13፣ ኤር 44:16, 17

ህዝቅኤል 33:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 2:5

ሓፈሻዊ

ህዝ. 33:2ህዝ 3:11
ህዝ. 33:2ዘሌ 26:25፣ ህዝ 6:3፣ 21:9
ህዝ. 33:3ኤር 4:5፣ ሆሴ 8:1
ህዝ. 33:4ኤር 6:17፣ ዘካ 1:4
ህዝ. 33:4ህዝ 3:19፣ ግብ 18:6
ህዝ. 33:6ኢሳ 56:10
ህዝ. 33:6ህዝ 3:18
ህዝ. 33:7ኢሳ 21:8፣ ኤር 1:17፣ ህዝ 3:17
ህዝ. 33:8ኢሳ 3:11፣ ህዝ 18:4
ህዝ. 33:8ምሳ 11:21
ህዝ. 33:9ምሳ 15:10
ህዝ. 33:9ህዝ 3:19፣ ግብ 18:6
ህዝ. 33:10ዘሌ 26:39፣ ኢሳ 64:6፣ ህዝ 24:23
ህዝ. 33:10ህዝ 37:11
ህዝ. 33:11ኢሳ 31:6፣ ሉቃ 15:10
ህዝ. 33:11መዝ 130:7, 8
ህዝ. 33:11ህዝ 18:23፣ 1ጢሞ 2:3, 4
ህዝ. 33:11ኢሳ 55:7፣ ኤር 3:22፣ 25:5፣ ግብ 3:19
ህዝ. 33:11ህዝ 18:31፣ 2ጴጥ 3:9
ህዝ. 33:12ህዝ 3:20፣ 18:24
ህዝ. 33:121ነገ 8:48, 50፣ ህዝ 18:21
ህዝ. 33:12ህዝ 18:26
ህዝ. 33:132ጴጥ 2:20
ህዝ. 33:13ህዝ 18:4
ህዝ. 33:14ኢሳ 55:7፣ ህዝ 18:21፣ ሚክ 6:8
ህዝ. 33:15ዘጸ 22:26
ህዝ. 33:15ዘሌ 6:2, 4፣ ህዝ 22:29
ህዝ. 33:15ዘሌ 18:5፣ ህዝ 18:27
ህዝ. 33:16ኢሳ 1:18
ህዝ. 33:16ህዝ 20:11
ህዝ. 33:18እብ 10:38፣ 2ጴጥ 2:20
ህዝ. 33:19ህዝ 18:27
ህዝ. 33:20ህዝ 18:25, 29
ህዝ. 33:21ህዝ 24:25-27
ህዝ. 33:212ነገ 25:4፣ 2ዜና 36:17፣ ኤር 39:2
ህዝ. 33:22ህዝ 3:26
ህዝ. 33:24ኤር 39:10፣ ህዝ 36:4
ህዝ. 33:24ዘፍ 12:7
ህዝ. 33:25ዘፍ 9:4፣ ዘሌ 17:12
ህዝ. 33:25ህዝ 22:6
ህዝ. 33:26ጸፎ 3:3
ህዝ. 33:26ኤር 5:8
ህዝ. 33:26ዘዳ 4:26፣ እያ 23:15
ህዝ. 33:27ኤር 42:22፣ ህዝ 5:12
ህዝ. 33:282ዜና 36:20, 21፣ ኢሳ 6:11፣ ኤር 44:2
ህዝ. 33:28ህዝ 6:3
ህዝ. 33:292ነገ 17:9፣ 2ዜና 36:14
ህዝ. 33:29ኤር 9:11፣ 25:11
ህዝ. 33:30ኤር 18:18
ህዝ. 33:31ኢሳ 29:13፣ ኤር 44:16, 17
ህዝ. 33:33ህዝ 2:5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 33:1-33

ህዝቅኤል

33 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንደቂ ህዝብኻ ኸምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦+

“‘ኣነ ኣብ ምድሪ ሰይፊ እንተ ኣምጺአ፡+ ኵሎም ህዝቢ እታ ምድሪ ኸኣ ሓደ ሰብ ወሲዶም ሓላዊ እንተ ገይሮም፡ 3 ንሱ ድማ ሰይፊ ናብታ ምድሪ ኺመጽእ እንተ ርእዩ እሞ መለኸት እንተ ነፊሑ፡ ነቶም ህዝቢ እውን እንተ ኣጠንቂቕዎም፡+ 4 ሓደ ኸኣ ነቲ ደሃይ መለኸት ሰሚዑ ኽነሱ እንተ ዘይተጠንቂቑ፡+ ሰይፊ መጺኡ ድማ ንህይወቱ እንተ ኣጥፊእዋ፡* ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ።+ 5 ደሃይ መለኸት ሰሚዑ ኽነሱስ ኣይተጠንቀቐን። ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። እንተ ዚጥንቀቕሲ፡ ንህይወቱ* መድሓና ነይሩ።

6 “‘እቲ ሓላዊ ግና ሰይፊ ኺመጽእ ከሎ ርእዩ መለኸት እንተ ዘይነፊሑ፡+ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ዘየጠንቂቕዎም፡ ሰይፊ መጺኡ እውን ንህይወት* ሓደ ኻባታቶም እንተ ኣጥፊእዋ፡ እቲ ሰብ እቲ ብስሕተቱ ኺመውት እዩ፣ ደሙ ግና ካብቲ ሓላዊ ኽደልዮ እየ።’*+

7 “ንስኻ ግና ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረ ሸይመካ ኣለኹ፣ ካብ ኣፈይ ቃል ምስ ሰማዕካ፡ ካባይ መጠንቀቕታ ሃቦም።+ 8 ንሓደ እኩይ፡ ‘ኣታ እኩይ፡ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ’ ምስ በልክዎ፡+ ነቲ እኩይ መገዱ ኪቕይር ከተጠንቅቖ ኢልካ እንተ ዘይተዛሪብካዮ፡ ንሱ እኩይ ብምዃኑ ብስሕተቱ ኺመውት እዩ፣+ ደሙ ግና ካባኻ ኽደልዮ እየ። 9 ግናኸ፡ ንሓደ እኩይ ካብ መገዱ ኺምለስ እንተ ኣጠንቂቕካዮ እሞ ንሱ ነቲ መገዱ ምቕያር እንተ ኣብዩ፡ ንሱ ብስሕተቱ ኺመውት እዩ፣+ ንስኻ ግና ብርግጽ ህይወትካ* ኸተድሕን ኢኻ።+

10 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንቤት እስራኤል፡ ‘ንስኻትኩምሲ፡ “ዕልወትናን ሓጢኣትናን ከቢዱና ኣሎ፣ የማህምነና እውን ኣሎ።+ ከመይ ጌርና ደኣ ብህይወት ክንነብር ኢና፧”+ ኢልኩም ኣለኹም’ በሎም። 11 ‘“ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ” ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ “እኩይ መገዱ ቐዪሩ+ ብህይወት ኪነብር እምበር፡+ ብሞት እኩይ ባህ ኣይብለንን እዩ።+ ካብ ክፉእ መገድታትኩም ተመለሱ፡ ተመለሱ፣+ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ስለምንታይከ እትሞቱ፧”’+ በሎም።

12 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንደቂ ህዝብኻ ኸምዚ በሎም፦ ‘ጻድቕ ምስ ዓለወ፡ ጽድቁ ኣየድሕኖን እዩ፣+ እኩይ ካብ እከዩ ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ እከዩ ኣይዕንቅፎን እዩ፣+ ጻድቕ በታ ዚሓጥኣላ መዓልቲ ድማ፡ ሳላ ጽድቁ ብህይወት ኣይነብርን እዩ።+ 13 ንጻድቕ፡ “ብርግጽ ብህይወት ክትነብር ኢኻ” ምስ በልክዎ፡ ብጽድቁ ተኣሚኑ እንተ በዲሉ፡*+ ብሰሪ እቲ ዝገበሮ በደል ደኣ ኺመውት እዩ እምበር፡ ካብ ጽድቁስ ሓደ እኳ ኣይኪዝከረሉን እዩ።+

14 “‘ንእኩይ ድማ፡ “ብርግጽ ክትመውት ኢኻ” ምስ በልክዎ፡ ካብ ሓጢኣቱ ተመሊሱ ፍትሕን ጽድቅን እንተ ገይሩ፡+ 15 እቲ እኩይ ድማ ትሕጃ ዚመልስን+ እተዘምተ ዚኽሕስን+ ከይበደለ ብሕግታት ህይወት ዚመላለስን እንተ ዀይኑ፡ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ።+ ኣይኪመውትን እዩ። 16 ካብቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ብሓደ እኳ ተሓታቲ ኣይኪኸውንን እዩ።*+ ፍትሕን ጽድቅን ብምግባሩ፡ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ።’+

17 “ደቂ ህዝብኻ ግና መገዶም ዘይቅኑዕ ክነሱስ፡ ‘መገዲ የሆዋ ዘይቅኑዕ እዩ’ ኢሎም ኣለዉ።

18 “ጻድቕ ጽድቁ እንተ ሓዲጉን እንተ በዲሉን፡ ብሰሩ ኺመውት እዩ።+ 19 ግናኸ፡ እኩይ ካብ እከዩ እንተ ተመሊሱ እሞ ፍትሕን ጽድቅን እንተ ገይሩ፡ ከምኡ ብምግባሩ ብህይወት ኪነብር እዩ።+

20 “ንስኻትኩም ግና፡ ‘መገዲ የሆዋ ዘይቅኑዕ እዩ’ ኢልኩም ኣለኹም።+ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መገድታትኩም ክፈርደኩም እየ።”

21 ኣብ መበል 12 ዓመት፡ ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ እታ እተማረኽናላ ወርሒ፡ ካብ የሩሳሌም ዘምለጠ ሰብኣይ ናባይ መጸ እሞ፡+ “እታ ኸተማ ተወቒዓ!” በለኒ።+

22 ኣብታ ቕድሚ እታ እቲ ዘምለጠ ሰብኣይ ዝመጸላ መዓልቲ ዝነበረት ምሸት፡ ኢድ የሆዋ ኣብ ልዕለይ መጺኣ ነበረት፣ እቲ ሰብኣይ ንግሆ ናባይ ቅድሚ ምምጻኡ ድማ፡ ኣፈይ ከፊቱለይ ነበረ። ስለዚ፡ ኣፈይ ተኸፊቱ ነበረ፣ ኣነ እውን ድሕሪኡ ዓባስ ኣይኰንኩን።+

23 ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 24 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነበርቲ እዚ ዑናታት+ እዚ ብዛዕባ ምድሪ እስራኤል፡ ‘ኣብርሃም ሓደ ጥራይ እዩ ነይሩ፣ ነዛ ምድሪ ኸኣ ተረስትይዋ።+ ንሕና ግና ብዙሓት ኢና፣ እዛ ምድሪ ብርግጽ ርስቲ ጌርካ ተዋሂባትና እያ’ ይብሉ ኣለዉ።

25 “ስለዚ፡ ከምዚ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ምግቢ ምስ ደም ትበልዑ፡+ ኣዒንትኹም ናብ ጽዩፋት ጣኦታት* ተልዕሉ፡ ደም እውን ተፍስሱ ኣለኹም።+ ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም ነዛ ምድሪ እትርስተይዋ፧ 26 ኣብ ሰይፍኹም ተኣሚንኩም ኣለኹም፣+ ፍንፉን ተግባራት ከኣ ትገብሩ ኣለኹም፣ ነፍሲ ወከፍኩም ድማ ሰበይቲ ብጻዩ የርክስ ኣሎ።+ ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም ነዛ ምድሪ እትርስተይዋ፧”’+

27 “ከምዚ ኸኣ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ፡ እቶም ኣብ ዑናታት ዚነብሩ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣብ መሮር ዘለዉ ድማ፡ ምግቢ ገይረ ንኣራዊት ክህቦም እየ፣ ኣብ ዕርድታትን ኣብ በዓትታትን ዘለዉ ኸኣ፡ ብሕማም ኪሞቱ እዮም።+ 28 ነታ ምድሪ ጠሪሰ ኸባድማ እየ፣+ ነቲ ዕቡይ ትምክሕታ ድማ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፣ ኣኽራን እስራኤል ከኣ ዚሓልፎ ዘይብሉ ዀይኑ ኺባድም እዩ።+ 29 ብሰሪ እቲ ዝገበርዎ ፍንፉን ነገራት፡+ ነታ ምድሪ ጠሪሰ ምስ ኣባደምክዋ፡+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።”’

30 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ደቂ ህዝብኻ ኣብ ጥቓ መናድቕን ኣፍ ደገታት ኣባይትን ኰይኖም ብዛዕባኻ ይዛራረቡ ኣለዉ።+ ንሓድሕዶም፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፡ ‘ንዑ፡ ነቲ ኻብ የሆዋ ዚመጽእ ቃል ንስማዕ’ ይባሃሃሉ ኣለዉ። 31 ህዝበይ ኰይኖም ኣብ ቅድሜኻ ምእንቲ ኪቕመጡ፡ ኪዓጕጉ እዮም፣ ቃላትካ ድማ ኪሰምዑ እዮም፣ ግናኸ፡ ኣይኪገብርዎን እዮም።+ ብኣፎምሲ ኺሽሕጡኻ* እዮም፣ ልቦም ግና ንዘይግቡእ ረብሓ ይስስዕ እዩ። 32 እንሆ፡ ንስኻ ንዓታቶም ከምቲ ብጥዑም ድምጺ እተደርፈ፡ ብኽእለት ብእተወቕዐ በገና ድማ እተሰነየ ደርፊ ፍቕሪ ኢኻ። ቃላትካ ኺሰምዑ እዮም፣ ግናኸ፡ ኣይኪገብርዎን እዮም። 33 ምስ ተፈጸመ ኸኣ፡—ኪፍጸም ድማ እዩ፡—ኣብ መንጎኦም ነብዪ ኸም ዝነበረ ኺፈልጡ እዮም።”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ