ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ቈረንቶስ 14
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ቈረንቶስ—ትሕዝቶ

      • ውህበት ትንቢትን ቋንቋታትን (1-25)

      • ስርዓታዊ ክርስትያናዊ ኣኼባታት (26-40)

        • ኣንስቲ ኣብ ጉባኤ ዘለወን ቦታ (34, 35)

1 ቈረንቶስ 14:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ተሰ 5:20

1 ቈረንቶስ 14:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 13:2
  • +1ቈረ 14:5

1 ቈረንቶስ 14:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/2010፡ ገጽ 24-25

1 ቈረንቶስ 14:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 12:30
  • +ዮኤ 2:28፣ ግብ 2:17፣ 21:8, 9

1 ቈረንቶስ 14:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ገላ 1:11, 12፣ 2:2
  • +1ቈረ 12:8

1 ቈረንቶስ 14:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ክራር።”

1 ቈረንቶስ 14:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2015፡ ገጽ 21

1 ቈረንቶስ 14:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2015፡ ገጽ 21

1 ቈረንቶስ 14:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 12:7፣ 14:4, 26

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/2007፡ ገጽ 23-24

1 ቈረንቶስ 14:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 12:8, 10፣ 14:5

1 ቈረንቶስ 14:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብኣፍ ምእንቲ ኽምህርሲ።”

  • *

    ወይ፡ “ብዚርዳእ መገዲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 14:4

1 ቈረንቶስ 14:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 16:19
  • +ኤፌ 4:14
  • +እብ 5:13, 14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2007፡ ገጽ 11

1 ቈረንቶስ 14:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 28:11, 12

1 ቈረንቶስ 14:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 2:4, 13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 150

1 ቈረንቶስ 14:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 45:14፣ ዘካ 8:23

1 ቈረንቶስ 14:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 12:8, 10

1 ቈረንቶስ 14:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 14:5

1 ቈረንቶስ 14:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 13:1

1 ቈረንቶስ 14:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 10:24, 25

1 ቈረንቶስ 14:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 14:40፣ ቈሎ 2:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 20

    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!፡ ገጽ 120

1 ቈረንቶስ 14:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ጢሞ 2:11, 12
  • +1ቈረ 11:3፣ ኤፌ 5:22፣ ቈሎ 3:18፣ ቲቶ 2:5፣ 1ጴጥ 3:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/9/2012፡ ገጽ 9

    1/3/2006፡ ገጽ 28-29

1 ቈረንቶስ 14:36

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/6/2011፡ ገጽ 14

1 ቈረንቶስ 14:38

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እቲ ዘይፈልጦ ግና፡ ኣይኪፈልጦን እዩ” ኪኸውን ይኽእል።

1 ቈረንቶስ 14:39

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ተሰ 5:20
  • +1ቈረ 14:27

1 ቈረንቶስ 14:40

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 14:33፣ ቈሎ 2:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 54

    ንቕሑ!፡

    ቍ. 1 2020፡ ገጽ 10

    “ፍቕሪ ኣምላኽ፡” ገጽ 49

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/1997፡ ገጽ 9

ሓፈሻዊ

1 ቈረ. 14:11ተሰ 5:20
1 ቈረ. 14:21ቈረ 13:2
1 ቈረ. 14:21ቈረ 14:5
1 ቈረ. 14:51ቈረ 12:30
1 ቈረ. 14:5ዮኤ 2:28፣ ግብ 2:17፣ 21:8, 9
1 ቈረ. 14:6ገላ 1:11, 12፣ 2:2
1 ቈረ. 14:61ቈረ 12:8
1 ቈረ. 14:121ቈረ 12:7፣ 14:4, 26
1 ቈረ. 14:131ቈረ 12:8, 10፣ 14:5
1 ቈረ. 14:191ቈረ 14:4
1 ቈረ. 14:20ሮሜ 16:19
1 ቈረ. 14:20ኤፌ 4:14
1 ቈረ. 14:20እብ 5:13, 14
1 ቈረ. 14:21ኢሳ 28:11, 12
1 ቈረ. 14:22ግብ 2:4, 13
1 ቈረ. 14:25ኢሳ 45:14፣ ዘካ 8:23
1 ቈረ. 14:261ቈረ 12:8, 10
1 ቈረ. 14:271ቈረ 14:5
1 ቈረ. 14:29ግብ 13:1
1 ቈረ. 14:31እብ 10:24, 25
1 ቈረ. 14:331ቈረ 14:40፣ ቈሎ 2:5
1 ቈረ. 14:341ጢሞ 2:11, 12
1 ቈረ. 14:341ቈረ 11:3፣ ኤፌ 5:22፣ ቈሎ 3:18፣ ቲቶ 2:5፣ 1ጴጥ 3:1
1 ቈረ. 14:391ተሰ 5:20
1 ቈረ. 14:391ቈረ 14:27
1 ቈረ. 14:401ቈረ 14:33፣ ቈሎ 2:5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ቈረንቶስ 14:1-40

1 ቈረንቶስ

14 ንፍቕሪ ስዓብዋ፣ ንመንፈሳዊ ውህበታት፡ ምናዳ ግና ክትንበዩ እውን ብቐጻሊ ጽዓቱ።+ 2 እቲ ብኻልእ ቋንቋ ዚዛረብሲ፡ ቅዱስ ምስጢራት ብመንፈስ ይዛረብ ኣሎ እምበር፡+ ሓደ እኳ ኣይሰምዖን እዩ እሞ፡+ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚዛረብ። 3 እቲ ዚንበ ግና፡ ንሰብ ዚሃንጽን ዜተባብዕን ዜጸናንዕን እዩ ዚዛረብ። 4 እቲ ብኻልእ ቋንቋ ዚዛረብ ንርእሱ ይሃንጽ፣ እቲ ዚንበ ግና ንጉባኤ እዩ ዚሃንጽ። 5 እምበኣር፡ ኵላትኩም ብቛንቋታት ክትዛረቡ፡+ ምናዳ ግና ክትንበዩ እደሊ ኣለኹ።+ እታ ጉባኤ ምእንቲ ኽትህነጽሲ፡ እቲ ብቛንቋታት ዚዛረብ እንተ ዘይተርጒምዎ፡ እቲ ዚንበ ኻብኡ ይዓቢ። 6 ኣሕዋተየ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ግና ብቛንቋታት እናተዛረብኩ እንተ ዝመጸኩም እሞ፡ ብራእይ፡+ ወይ ብፍልጠት፡+ ወይ ብትንቢት፡ ወይ ብትምህርቲ እንተ ዘይተዛሪበኩም፡ እንታይ ምጠቐምኩኹም፧

7 እቲ ኸም እኒ ሻምብቆ ወይስ መሰንቆ* ዝኣመሰለ ህይወት ዘይብሉ ዜድሂ ነገራት፡ ከምኡ እዩ። ፍሉይ ቃናታት እንተ ዘየድህዩ፡ እቲ ብሻምብቆ ወይ ብመሰንቆ ዚጽወት ከመይ ጌርካ ይፍለጥ፧ 8 መለኸት ዘይንጹር ደሃይ እንተ ኣድህዩስ፡ መን እዩ ንውግእ ዚዳሎ፧ 9 ከምኡ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ከም ዚርዳእ ጌርኩም ብልሳን እንተ ዘይተዛሪብኩም፡ እቲ ዚዝረብ ከመይ ኢሉ ኺፍለጥ እዩ፧ እኳ ደኣስ ንንፋስ ከም እትዛረቡ ኢኹም እትዀኑ። 10 ኣብ ዓለም ብዙሕ ዓይነት ቋንቋታት ኣሎ፣ ትርጉም ዘይብሉ ግና የልቦን። 11 ትርጉም እቲ ቛንቋ እንተ ዘይተረዲአዮስ፡ ነቲ ዚዛረብ፡ ጓና እየ ዝዀኖ፣ እቲ ዚዛረብ እውን፡ ጓና እዩ ዚዀነኒ። 12 ከምኡ ድማ፡ ንስኻትኩም ነቲ ውህበታት መንፈስ ተሃንጢኹም ስለ እትደልይዎ፡ በቲ ንጉባኤ ዚሃንጽ ውህበታት ዕዙዛት ክትኰኑ ድለዩ።+

13 ስለዚ፡ እቲ ብኻልእ ቋንቋ ዚዛረብ፡ ምእንቲ ኺትርጕም ይጸሊ።+ 14 ከመይሲ፡ ብኻልእ ቋንቋ እጽሊ እንተ ኣልየ፡ እቲ መንፈስ ዝሃበኒ ውህበት እዩ ዚጽሊ ዘሎ፣ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ። 15 እንታይ ደኣ ይገበር፧ ብውህበት መንፈስ ክጽሊ እየ፣ ግናኸ ብኣእምሮይ እውን ክጽሊ እየ። ብውህበት መንፈስ ውዳሰ ኽዝምር እየ፣ ግናኸ ብኣእምሮይ እውን ውዳሰ ኽዝምር እየ። 16 እንተ ዘይኰነስ፡ ብውህበት መንፈስ እንተ ባሪኽካ፡ እቲ ኣብ ቦታ እቲ ተራ ሰብ ተቐሚጡ ዘሎ ነቲ እትብሎ ኻብ ዘይፈልጦ፡ ከመይ ገይሩ ንምስጋናኻ “ኣሜን” ኪብል ይኽእል፧ 17 ንስኻስ ጽቡቕ ጌርካ ተመስግን ኣለኻ፣ እቲ ኻልእ ግና ኣይህነጽን እዩ ዘሎ። 18 ካብ ናይ ኵላትኩም ዚበዝሕ ቋንቋታት ብምዝራበይ፡ ንኣምላኽ አመስግኖ እየ። 19 ግናኸ፡ ንኻልኦት እውን ምእንቲ ኽምህርሲ፡* ኣብ ጉባኤ እልፊ ቓላት ብኻልእ ቋንቋ ኻብ ዝዛረብ፡ ሓሙሽተ ቓላት ብኣእምሮ* ኽዛረብ ምመረጽኩ።+

20 ኣሕዋተየ፡ ንኽፍኣት ደኣ ሕጻናት ኩኑ እምበር፡+ ብኣእምሮ ቘልዑ ኣይትኹኑ፣+ የግዳስ፡ ብኣእምሮ ብሱላት ኩኑ።+ 21 ኣብ ሕጊ፡ “‘ነዚ ህዝቢ እዚ ብቛንቋታት ካልኦትን ብኸናፍር ጓኖትን ገይረ ኽዛረቦ እየ፣ ሽዑ እውን እንተ ዀነ ኣይኪሰምዑንን እዮም’ ይብል የሆዋ”* ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ።+ 22 ስለዚ፡ ቋንቋታት ንዘይኣመንቲ ትእምርቲ እዩ እምበር፡+ ንኣመንቲ ኣይኰነን፣ ትንቢት ግና ንኣመንቲ እምበር፡ ንዘይኣመንቲ ኣይኰነን። 23 እምበኣር፡ ብዘላ እታ ጉባኤ ብሓባር እንተ ተኣኪባ፡ ኵላቶም ከኣ ብቛንቋታት እንተ ተዛሪቦም እሞ ተራ ሰባት ወይ ዘይኣመንቲ ኣብኡ እንተ ኣትዮም፡ ተጸሊልኩምዶ ኣይብሉን እዮም፧ 24 ኵላትኩም ክትንበዩ ኸለኹም ሓደ ዘይኣማኒ ወይ ተራ ሰብ እንተ ኣትዩ ግና፡ ብዅላቶም ይግናሕ፡ ብዅላቶም ከኣ ይምርመር እዩ፣ 25 እቲ ኣብ ልቡ እተሓብአ ይግለጽ እሞ፡ “ኣምላኽ ብሓቂ ኣብ መንጎኹም እዩ” እናበለ፡ ብገጹ ተደፊኡ ንኣምላኽ ኬምልኾ እዩ።+

26 ኣሕዋተየ፡ እንታይ ደኣ ይገበር፧ ክትእከቡ ኸለኹም፡ ሓደ መዝሙር ኣለዎ፡ ሓደ ትምህርቲ ኣለዎ፡ ሓደ ራእይ ኣለዎ፡ ሓደ ኻልእ ቋንቋ ኣለዎ፡ ሓደ ኸኣ ትርጉም ኣለዎ።+ ኵሉ ንምህናጽ ይገበር። 27 ብኻልእ ቋንቋ ዚዛረብ እንተሎ፡ ካብ ክልተ ወይ ካብ ሰለስተ ኣይብዝሑ፡ በብተራ ድማ ይዛረቡ፣ ሓደ ኸኣ ይተርጕም።+ 28 ተርጓሚ እንተ ዘየልቦ ግና፡ እቲ ብቛንቋታት ዚዛረብ፡ ኣብታ ጉባኤ ስቕ ይበል፡ ንርእሱን ንኣምላኽን ከኣ ይዛረብ። 29 ከምኡ ድማ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ነብያት+ ይዛረቡ፣ እቶም ካልኦት እውን የስተውዕሉ። 30 ሓደ ኻብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ራእይ እንተ ተገሊጹሉ፡ እቲ ቐዳማይ ስቕ ይበል። 31 ኵላቶም ምእንቲ ኺምሃሩን ኵላቶም ምእንቲ ኺተባብዑንሲ፡+ ኵላትኩም በብሓደ ኽትንበዩ ትኽእሉ ኢኹም። 32 ነብያት ከኣ ንውህበት መንፈስ ነብያት ኪቈጻጸርዎ ኣለዎም። 33 ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ህውከት ኣምላኽ ኣይኰነን።+

ከምቲ ኣብ ኵለን ጉባኤታት ቅዱሳት ዚግበር ዘሎ፡ 34 ኣንስቲ ኣብ ጉባኤታት ኪዛረባ ኣይተፈቕደለንን እሞ ስቕ ይበላ።+ የግዳስ፡ ከምቲ ሕጊ እውን ዚብሎ፡ ይገዝኣ።+ 35 ሰበይቲ ኣብ ጉባኤ ኽትዛረብ ነውሪ እዩ እሞ፡ ገለ ኺፈልጣ እንተ ደልየን፡ ኣብ ቤት ንሰብኡተን ይሕተታ።

36 ቃል ኣምላኽ ካባኻትኩም ድዩ ወጺኡ፧ ወይስ ክሳዕ ኣባኻትኩም ጥራይ ድዩ በጺሑ፧

37 ነብዪ ዝዀነ ወይ ውህበት መንፈስ ዘለዎ ዚመስሎ እንተሎ፡ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ ትእዛዛት ጐይታ ምዃኑ ይቀበሎ። 38 እቲ ነዚ ዕሽሽ ዚብሎ ግና፡ ዕሽሽ ኪብሃል እዩ።* 39 ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ክትንበዩ ብቐጻሊ ጽዓቱ፣+ ብቛንቋታት ምዝራብ ድማ ኣይትኸልክሉ።+ 40 ግናኸ፡ ኵሉ ብኣገባብን ብስርዓትን ይኹን።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ