ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 34
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ኣንጻር ጓሶት እስራኤል እተዘርበ ትንቢት (1-10)

      • የሆዋ ንኣባጊዑ ዚገብረለን ክንክን (11-31)

        • “ጊልያይ ዳዊት” ኪጓስየን እዩ (23)

        • “ኪዳን ሰላም” (25)

ህዝቅኤል 34:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 23:1፣ ሚክ 3:1, 11፣ ጸፎ 3:3፣ ዘካ 11:17፣ ማቴ 23:13
  • +ኢሳ 40:11፣ ዮሃ 21:15

ህዝቅኤል 34:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 21:16፣ ኤር 22:17፣ ሚክ 3:3፣ ዘካ 11:4, 5
  • +ኢሳ 56:11

ህዝቅኤል 34:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 15:4
  • +ኤር 22:13

ህዝቅኤል 34:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 23:2፣ 50:6፣ ማቴ 9:36

ህዝቅኤል 34:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንኣባጊዐይ ከኣ ካብ ኢዶም ኪደልየን እየ።”

  • *

    ወይ፡ “ከይጓስዩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 52:24-27

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 90፡ 101-102

ህዝቅኤል 34:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 17:34, 35፣ መዝ 80:1፣ ኢሳ 56:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ናብ የሆዋ ተመለስ፡ ገጽ 4

ህዝቅኤል 34:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 40:11
  • +ዮኤ 2:1, 2፣ ጸፎ 1:14, 15

ህዝቅኤል 34:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 23:3፣ ህዝ 11:17፣ ኣሞ 9:14፣ ሚክ 7:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 106

ህዝቅኤል 34:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 25:6፣ 30:23፣ ኤር 31:12
  • +ኤር 33:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 106

    ናብ የሆዋ ተመለስ፡ ገጽ 4

ህዝቅኤል 34:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 3:15
  • +ጸፎ 3:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 107

ህዝቅኤል 34:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚክ 4:6፣ ማቴ 15:24፣ ሉቃ 15:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 107

    ናብ የሆዋ ተመለስ፡ ገጽ 4

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/1996፡ ገጽ 25

ህዝቅኤል 34:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘካ 10:3

ህዝቅኤል 34:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 40:11፣ ኤር 23:3

ህዝቅኤል 34:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 11:1፣ ኤር 30:9
  • +ዮሃ 10:11፣ እብ 13:20፣ 1ጴጥ 5:4፣ ራእ 7:17
  • +ህዝ 37:24፣ ሆሴ 3:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 89፡ 90-91

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/4/2007፡ ገጽ 26

ህዝቅኤል 34:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:45፣ ኤር 31:1
  • +መዝ 2:6፣ ኢሳ 9:6፣ ኤር 23:5፣ ሚክ 5:2፣ ሉቃ 1:32፣ ግብ 5:31

ህዝቅኤል 34:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 37:26
  • +ኤር 23:6፣ 33:16
  • +ዘሌ 26:6፣ ኢሳ 11:6-9፣ 35:9፣ 65:25፣ ሆሴ 2:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 90-91፡ 109-111

ህዝቅኤል 34:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 56:7፣ ህዝ 20:40፣ ሚክ 4:1
  • +ዘፍ 12:2, 3፣ ዘዳ 28:12፣ ዘካ 8:13

ህዝቅኤል 34:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:4፣ መዝ 85:12፣ ኢሳ 35:2፣ ህዝ 36:30
  • +ዘሌ 26:13

ህዝቅኤል 34:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 30:10፣ 46:27

ህዝቅኤል 34:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንስም ዚኸውን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 36:29
  • +ህዝ 36:15

ህዝቅኤል 34:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 37:27

ህዝቅኤል 34:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 78:52፣ 100:3፣ ኢሳ 40:11

ሓፈሻዊ

ህዝ. 34:2ኤር 23:1፣ ሚክ 3:1, 11፣ ጸፎ 3:3፣ ዘካ 11:17፣ ማቴ 23:13
ህዝ. 34:2ኢሳ 40:11፣ ዮሃ 21:15
ህዝ. 34:32ነገ 21:16፣ ኤር 22:17፣ ሚክ 3:3፣ ዘካ 11:4, 5
ህዝ. 34:3ኢሳ 56:11
ህዝ. 34:4ሉቃ 15:4
ህዝ. 34:4ኤር 22:13
ህዝ. 34:5ኤር 23:2፣ 50:6፣ ማቴ 9:36
ህዝ. 34:10ኤር 52:24-27
ህዝ. 34:111ሳሙ 17:34, 35፣ መዝ 80:1፣ ኢሳ 56:8
ህዝ. 34:12ኢሳ 40:11
ህዝ. 34:12ዮኤ 2:1, 2፣ ጸፎ 1:14, 15
ህዝ. 34:13ኤር 23:3፣ ህዝ 11:17፣ ኣሞ 9:14፣ ሚክ 7:14
ህዝ. 34:14ኢሳ 25:6፣ 30:23፣ ኤር 31:12
ህዝ. 34:14ኤር 33:12
ህዝ. 34:15ኤር 3:15
ህዝ. 34:15ጸፎ 3:13
ህዝ. 34:16ሚክ 4:6፣ ማቴ 15:24፣ ሉቃ 15:4
ህዝ. 34:17ዘካ 10:3
ህዝ. 34:22ኢሳ 40:11፣ ኤር 23:3
ህዝ. 34:23ኢሳ 11:1፣ ኤር 30:9
ህዝ. 34:23ዮሃ 10:11፣ እብ 13:20፣ 1ጴጥ 5:4፣ ራእ 7:17
ህዝ. 34:23ህዝ 37:24፣ ሆሴ 3:5
ህዝ. 34:24መዝ 2:6፣ ኢሳ 9:6፣ ኤር 23:5፣ ሚክ 5:2፣ ሉቃ 1:32፣ ግብ 5:31
ህዝ. 34:24ዘጸ 29:45፣ ኤር 31:1
ህዝ. 34:25ህዝ 37:26
ህዝ. 34:25ኤር 23:6፣ 33:16
ህዝ. 34:25ዘሌ 26:6፣ ኢሳ 11:6-9፣ 35:9፣ 65:25፣ ሆሴ 2:18
ህዝ. 34:26ኢሳ 56:7፣ ህዝ 20:40፣ ሚክ 4:1
ህዝ. 34:26ዘፍ 12:2, 3፣ ዘዳ 28:12፣ ዘካ 8:13
ህዝ. 34:27ዘሌ 26:4፣ መዝ 85:12፣ ኢሳ 35:2፣ ህዝ 36:30
ህዝ. 34:27ዘሌ 26:13
ህዝ. 34:28ኤር 30:10፣ 46:27
ህዝ. 34:29ህዝ 36:29
ህዝ. 34:29ህዝ 36:15
ህዝ. 34:30ህዝ 37:27
ህዝ. 34:31መዝ 78:52፣ 100:3፣ ኢሳ 40:11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 34:1-31

ህዝቅኤል

34 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣንጻር ጓሶት እስራኤል ተነበ። ነቶም ጓሶት ከኣ ከምዚ ኢልካ ተነበየሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እቶም ንርእሶም ዚምግቡ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም!+ ጓሶትሲ ንመጓሰ ደይኰነን ኬብልዑ ዚግባእ፧+ 3 ንስኻትኩም ስብሒ ትበልዑ፡ ጸምሪ ትኽደኑ፡ ዝሰብሐት ድማ ትሓርዱ፣+ ነተን መጓሰ ግና ኣይተብልዕወንን።+ 4 ዝደኸማ ኣየበርታዕኩምን፡ ዝሓመመት ኣየሕወኹምን፡ ዝቘሰለት ኣይዘነንኩምን፡ እተባረረት ኣይመለስኩምን፡ ዝጠፍአት ኣይደለኹምን፣+ ኣብ ክንዳኡስ፡ ብሕሰምን ብጭካነን ገዚእኩምወን።+ 5 ጓሳ ስለ ዘይነበረ፡ ፋሕ ኢለን፣+ እወ፡ ፋሕ ኢለን፡ ንዅሉ ኣራዊት መሮር እውን ምግቢ ዀይነን። 6 ኣባጊዐይ ኣብ ኵሉ ኣኽራንን ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ ዅርባታትን ተባሪረን፣ ኣባጊዐይ ዜናድየን ወይ ዚደልየን ዘይብለን ኣብ ኵሉ ገጽ ምድሪ ፋሕ ኢለን።

7 “‘“ስለዚ፡ ኣቱም ጓሶት፡ ቃል የሆዋ ስምዑ፦ 8 ‘“ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ” ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ “ጓሳ ስለ ዘይነበረ፡ ጓሶተይ ድማ ስለ ዘየናደይወን፡ የግዳስ ንርእሶም ስለ ዝመገቡ፡ ንኣባጊዐይ ከኣ ስለ ዘየብልዑ፡ ኣባጊዐይ ግዳይን ምግቢ ኣራዊት መሮርን ኰይነን እየን እሞ፡”’ 9 ስለዚ፡ ኣቱም ጓሶት፡ ቃል የሆዋ ስምዑ። 10 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣነ ኣንጻር እዞም ጓሶት እየ፣ ብዛዕባ ኣባጊዐይ ከኣ ክጸባጸቦም እየ፣* ንኣባጊዐይ ከየብልዑ* እውን ክሰጕጎም እየ፣+ እቶም ጓሶት ድማ ደጊም ንርእሶም ኣይኪምግቡን እዮም። ንኣባጊዐይ ካብ ኣፎም ከናግፈን እየ፣ ንሳተን ድማ ደጊም ንዓታቶም ምግቢ ኣይኪዀናን እየን።’”

11 “‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “እነኹ ኣነ፡ ኣነ ባዕለይ ንኣባጊዐይ ከናድየንን ክኣልየንን እየ።+ 12 ፋሕ ንዝበላ ኣባጊዑ ረኺቡ ኸም ዜብልዐን ጓሳ፡ ንኣባጊዐይ ክኣልየን እየ።+ ካብ ኵሉ እቲ ብመዓልቲ ደበናታትን ብርቱዕ ድነን ፋሕ ኢለናሉ ዝነበራ ቦታታት ከናግፈን እየ።+ 13 ካብ ህዝብታት ከውጽአን፡ ካብ ሃገራት ከኣ ክእክበን፡ ናብ ምድረን ድማ ከምጽአን፡ ኣብ ኣኽራን እስራኤል እውን ኣብ ጥቓ ወሓይዝን ኣብ ጥቓ ዅሉ እቲ መንበሪታትን ከብልዐን እየ።+ 14 ካብ ጽቡቕ መጓሰዪ ኸብልዐን እየ፣ ነዋሕቲ ኣኽራን እስራኤል እውን መገሃጫአን ኪኸውን እዩ።+ ኣብኡ ኣብ ጽቡቕ መገሃጫ በጥ ኪብላ፡+ ኣብ ሕሩይ መጓሰዪ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ከኣ ኪበልዓ እየን።

15 “‘“ኣነ ባዕለይ ንኣባጊዐይ ከብልዐን፡+ ኣነ ባዕለይ እውን በጥ ከብለን እየ”+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 16 “ዝጠፍአት ከናዲ፡+ እተባረረት ክመልስ፡ ዝቘሰለት ክዝንን፡ ዝደኸመት ድማ ከበርትዕ እየ፣ ዝሰብሐትን ዝበርትዐትን ግና ከጥፍእ እየ። ንዓኣ ፍርዲ ኸብልዓ እየ።”

17 “‘ኣትን ኣባጊዐይ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን፡ ኣብ መንጎ ደዓውልን ድቤላታትን ክፈርድ እየ።+ 18 ኣብቲ ኣዝዩ ብሉጽ መጓሰዪ ምብላዕኩምዶ ኣይኣኽለኩምን እዩ፧ ነቲ ዝተረፈ መጓሰዪኹም ብኣእጋርኩም ምርጋጽኩም ግቡእ ድዩ፧ ጽሩይ ማይ ምስ ሰተኹምከ ነቲ ማይ ብኣእጋርኩም ብምርጋጽ ምብልሻውኩምሲ ግቡእ ድዩ፧ 19 እሞኸ ኣባጊዐይ ኣብቲ ብኣእጋርኩም እተረግጸ መጓሰዪ ኺበልዓ፡ ካብቲ ብኣእጋርኩም ረጊጽኩም ዘበላሸኹምዎ ማይ እውን ኪሰትያ ድየን፧”

20 “‘ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እነኹ ኣነ፡ ኣነ ባዕለይ ኣብ መንጎ ስብሕቲ በጊዕን ዕባራ በጊዕን ክፈርድ እየ፣ 21 ከመይሲ፡ ብጐድንኹምን ብመንኵብኩምን ደፊእኩምወን፡ ኣብ ወጻኢ ፋሕ ክሳዕ ዚብላ ድማ ንዅለን እተን ሕሙማት ብኣቕርንትኹም ወጊእኩምወን ኢኹም። 22 ኣነ ኸኣ ንኣባጊዐይ ከድሕነን እየ፣ ደጊም እውን ግዳይ ኣይኪዀናን እየን፣+ ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን ድማ ክፈርድ እየ። 23 ሓደ ጓሳ፡ ጊልያይ ዳዊት፡+ ከተንስኣለን እየ፣+ ንሱ እውን ኬብልዐን እዩ። ንሱ ባዕሉ ኼብልዐን፡ ጓሳአን ከኣ ኪኸውን እዩ።+ 24 ኣነ የሆዋ ኣምላኾም ክኸውን፡+ ጊልያይ ዳዊት ድማ ኣብ መንጎኦም ሹም ኪኸውን እዩ።+ ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ።

25 “‘“ምሳታቶም ከኣ ኪዳን ሰላም ክኣቱ እየ፣+ ኣብ በረኻ ብደሓን ምእንቲ ኺነብሩን ኣብ ዱር ምእንቲ ኺድቅሱን፡+ ካብታ ምድሪ ሕሱማት ኣራዊት ከጥፍእ እየ።+ 26 ንዓታቶምን ነቲ ኣብ ዙርያ ዅርባይ ዘሎ ቦታን ንበረኸት ክገብር እየ፣+ ብግዜኡ ኸኣ ዝናም ከዝንም እየ። በረኸት ከም ዝናም ኪዘንም እዩ።+ 27 ኣእዋም መሮር ፍሪኡ ኼፍሪ እዩ፣ ምድሪ ድማ ፍርያታ ኽትህብ እያ፣+ ኣብ ምድሮም ከኣ ብደሓን ኪነብሩ እዮም። ኣርዑቶም ምስ ሰበርኩ፡+ ካብቶም ባሮት ዝገበርዎም ድማ ምስ ኣናገፍክዎም፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም። 28 ደጊም ግዳይ ኣህዛብ ኣይኪዀኑን እዮም፣ ኣራዊት ምድሪ ኸኣ ኣይኪበልዕዎምን እዮም፣ ዜፍርሆም ዘይብሎም ከኣ ብደሓን ኪነብሩ እዮም።+

29 “‘“ስሙይ* ሕርሻ ኽገብረሎም እየ፣ ኣብታ ምድሪ ኸኣ ደጊም ብጥሜት ኣይኪሞቱን እዮም፣+ ደጊም እውን ብኣህዛብ ኣይኪዋረዱን እዮም።+ 30 ‘ሽዑ፡ ኣነ የሆዋ ኣምላኾም ምሳታቶም ምዃነይ፡ ንሳቶም ቤት እስራኤል እውን ህዝበይ ምዃኖም ኪፈልጡ እዮም’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”’

31 “‘ኣቱም ኣባጊዐይ፡+ ኣቱም ዝኣልዮም ኣባጊዐይ፡ ንስኻትኩምሲ ሰብ ጥራይ ኢኹም፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም እየ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ