ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • መሳፍንቲ 15
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

መሳፍንቲ—ትሕዝቶ

      • ሲምሶን ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ሕነኡ ፈደየ (1-20)

መሳፍንቲ 15:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ውሽጣዊት ክፍሊ።”

መሳፍንቲ 15:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 14:17
  • +መሳ 14:11, 20

መሳፍንቲ 15:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 14:11, 20
  • +መሳ 14:15

መሳፍንቲ 15:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 14:4

መሳፍንቲ 15:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “እግርን ሰለፍን።”

  • *

    ወይ፡ “ነቓዕ፡ ቋቝራ።”

መሳፍንቲ 15:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 23:11, 12

መሳፍንቲ 15:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ክንኣስሮ።”

መሳፍንቲ 15:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነቓዕ፡ ቋቝራ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 13:1

መሳፍንቲ 15:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣሲርና።”

መሳፍንቲ 15:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 13:24, 25፣ 14:5, 6
  • +መሳ 16:9, 12

መሳፍንቲ 15:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 3:31

መሳፍንቲ 15:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 16:30

መሳፍንቲ 15:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ኵርባ ምንጋጋ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 15:9

መሳፍንቲ 15:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ገንኦ ኣብ ከውሒ ዚርከብ ማይ ዚዓቍር ዓሚቝ ቦታ እዩ።

  • *

    ወይ፡ “ሓይሉ።”

  • *

    ትርጉሙ፡ “ዓይኒ ማይ እቲ እተማህለለ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 17:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    9/2023፡ ገጽ 4

መሳፍንቲ 15:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 49:16፣ መሳ 2:16፣ 13:1, 5፣ 16:31፣ እብ 11:32

ሓፈሻዊ

መሳ. 15:2መሳ 14:17
መሳ. 15:2መሳ 14:11, 20
መሳ. 15:6መሳ 14:11, 20
መሳ. 15:6መሳ 14:15
መሳ. 15:7መሳ 14:4
መሳ. 15:92ሳሙ 23:11, 12
መሳ. 15:11መሳ 13:1
መሳ. 15:14መሳ 13:24, 25፣ 14:5, 6
መሳ. 15:14መሳ 16:9, 12
መሳ. 15:15መሳ 3:31
መሳ. 15:16መሳ 16:30
መሳ. 15:17መሳ 15:9
መሳ. 15:19ዘጸ 17:6
መሳ. 15:20ዘፍ 49:16፣ መሳ 2:16፣ 13:1, 5፣ 16:31፣ እብ 11:32
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
መሳፍንቲ 15:1-20

መሳፍንቲ

15 ድሕሪ ቝሩብ ግዜ፡ ብግዜ ዓጺድ ስርናይ፡ ሲምሶን ማሕስእ ሒዙ፡ ንሰበይቱ ኺበጽሓ ኸደ እሞ፡ “ናብ ሰበይተይ፡ ናብ መደቀሲ* ኽኣቱ እደሊ ኣለኹ” በለ። ኣቦኣ ግና ኪኣቱ ኣይፈቐደሉን። 2 ኣቦኣ ኸኣ፡ “‘ብርግጽ ጸሊእዋ ኪኸውን ኣለዎ’ ኢለ ሓሲበስ፡+ ንዓርክኻ ሂበያ።+ ካብኣዶ ግዳ ንእሽቶ ሓብታ ኣይትጽብቕን፧ በጃኻ፡ ኣብ ክንዳኣ ንዓኣ ውሰዳ” በሎ። 3 ሲምሶን ግና፡ “ሕጂ ንፍልስጥኤማውያን እንተ ጐዳእክዎም፡ በደል የብለይን” በለ።

4 ሲምሶን ድማ ከይዱ 300 ወኻርያ ሓዘ። ፋናታት ወሲዱ ኸኣ፡ ነተን ወኻሩ ጭራ ምስ ጭራ ኣቈራንዩ፡ ኣብ መመንጎ ኽልተ ጭራ ሓደ ፋና ገበረ። 5 ነቲ ፋናታት ብሓዊ ወሊዑ ድማ፡ ነተን ወኻሩ ናብ ዘየተዓጽደ እኽሊ ፍልስጥኤማውያን ፈነወን። ካብ እንዳእቲ ኽሳዕ ዘይተዓጽደ እኽሊ፡ ኣታኽልቲ ወይንን ኣእዋም ኣውልዕን እውን ኣንደደ።

6 ፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ “መን እዩ እዚ ገይሩ፧” ኢሎም ሓተቱ። “ሰበይቱ ወሲዱ ንዓርኩ ስለ ዝሃቦ፡ ሲምሶን እቲ ሰብኣይ ጓል እቲ ቲምናዊ እዩ” ተባሂሉ ድማ ተነግሮም።+ ሽዑ፡ እቶም ፍልስጥኤማውያን ደዪቦም፡ ንዓኣን ንኣቦኣን ብሓዊ ኣንደድዎም።+ 7 ሲምሶን ከኣ፡ “ከምዚ ኻብ ገበርኩምሲ፡ ሕነ ኽሳዕ ዝፈድየኩም ኣይክሓድግን እየ” በሎም።+ 8 ሽዑ፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ* ወቒዑ ብዙሓት ቀተለ፣ ድሕርዚ፡ ወሪዱ ኣብ በዓቲ* ኸውሒ ዔጣም ተቐመጠ።

9 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ደዪቦም ኣብ ይሁዳ ሰፈሩ፡ ኣብ ሌሒ+ እውን ኰለል በሉ። 10 ሰብ ይሁዳ ድማ፡ “ስለምንታይ ክትጻረሩና ደዪብኩም፧” በልዎም፣ ንሳቶም ከኣ፡ “ንሲምሶን ክንሕዞ፡* ከምቲ ዝገበረና ድማ ክንገብሮ ኢና ዝደየብና” በልዎም። 11 ሽዑ፡ 3,000 ሰብኡት ናብ በዓቲ* ኸውሒ ዔጣም ወረዱ እሞ፡ ንሲምሶን፡ “ፍልስጥኤማውያን ከም ዚገዝኡናዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧+ ስለምንታይ ደኣ ኢኻ እዚ ዝገበርካና፧” በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ከምቲ ዝገበሩኒ፡ ከምኡ እየ ዝገበርክዎም” በሎም። 12 ንሳቶም ግና፡ “ሒዝና* ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፍና ኽንህበካ ኢና መጺእና” በልዎ። ሲምሶን ድማ፡ “ንስኻትኩም ደኣ ኸይተጥቅዑኒ ምሓሉለይ” በሎም። 13 ንሳቶም ከኣ፡ “ኣይፋልናን፡ ኣሲርና ደኣ ናብ ኢዶም ኣሕሊፍና ኽንህበካ ኢና እምበር፡ ኣይንቐትለካን ኢና” በልዎ።

ብኽልተ ሓድሽ ገመድ ኣሲሮም ድማ፡ ካብቲ ኸውሒ ኣደየብዎ። 14 ናብ ሌሒ ምስ መጸ ኸኣ፡ እቶም ፍልስጥኤማውያን ብዓወት እናጨደሩ ተቐበልዎ። ሽዑ፡ መንፈስ የሆዋ ኣኽእሎ ሃቦ፣+ እቲ ኣብ ቀላጽሙ ዝነበረ ኣግማድ ከኣ ብሓዊ ኸም ዝሓረረ ፈትሊ ልሕጺ እንጣጢዕ ኰነ፣ መእሰሪኡ ድማ ኣብ ኣእዳዉ መኸኸ።+ 15 ሓድሽ ምንጋጋ ኣድጊ ኸኣ ረኸበ፣ ኢዱ ዘርጊሑ ድማ ወሰዶ እሞ፡ ብእኡ ገይሩ 1,000 ሰብኡት ቀተለ።+ 16 ሲምሶን ከኣ፡

“ብምንጋጋ ኣድጊ፡ ሓደ ዅምራ፡ ክልተ ዅምራ!

ብምንጋጋ ኣድጊ፡ 1,000 ሰብኡት ቀቲለ” በለ።+

17 ዘረባኡ ምስ ወድአ፡ ነቲ ምንጋጋ ደርበዮ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ድማ ራማት-ሌሒ* ኢሉ ሰመያ።+ 18 ሽዑ፡ ኣዝዩ ጸምአ፡ ናብ የሆዋ ኸኣ፡ “እዚ ዓብዪ ድሕነት እዚ ብኢድ ጊልያኻ ዝሃብካ ንስኻ ኢኻ። ሕጂ ግና ብጽምኢዶ ኽመውት እየ፧ ኣብ ኢድ እቶም ዘይግዙራትዶኸ ኽወድቕ እየ፧” ኢሉ ተማህለለ። 19 ኣምላኽ ድማ ነታ ኣብ ሌሒ ዝነበረት ገንኦ* ሰንጠቓ፡ ካብኣ ኸኣ ማይ ወጸ።+ ምስ ሰተየ ድማ፡ መንፈሱ* ተመልሰ፡ ተሓደሰ እውን። ስለዚ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ዔን-ሃቆረ* ኢሉ ሰመያ፣ ንሳ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ሌሒ ኣላ።

20 ንሱ ኸኣ ብዘመን ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል 20 ዓመት ፈረደ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ