ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ነገስት 6
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ነገስት—ትሕዝቶ

      • ኤልሳእ ንሓጺን ፋስ ጸምበለል ኣበሎ (1-7)

      • ኤልሳእን ሶርያውያንን (8-23)

        • ኣዒንቲ ጊልያ ኤልሳእ ተኸፍታ (16, 17)

        • ኣእምሮ ሶርያውያን ዓወረ (18, 19)

      • ሰማርያ ምስ ተኸብበት፡ ጥሜት ኰነ (24-33)

2 ነገስት 6:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 2:3, 5፣ 9:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 9/2022፡ ገጽ 12

2 ነገስት 6:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 9/2022፡ ገጽ 12

2 ነገስት 6:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 9/2022፡ ገጽ 12

2 ነገስት 6:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 20:1, 34፣ 22:31

2 ነገስት 6:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 17:24

2 ነገስት 6:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ካብ ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ንላዕሊ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 2:12

2 ነገስት 6:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዳን 2:22, 28

2 ነገስት 6:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 37:16, 17

2 ነገስት 6:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣገልጋሊ።”

2 ነገስት 6:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 22:31፣ 2ዜና 32:7፣ መዝ 18:2፣ 27:3፣ 46:7፣ 55:18፣ 118:11፣ ሮሜ 8:31
  • +ዘጸ 14:13፣ መዝ 3:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/1998፡ ገጽ 12-13፡ 18

2 ነገስት 6:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 7:56
  • +2ነገ 2:11፣ መዝ 34:7፣ 68:17፣ ዘካ 6:1፣ ማቴ 26:53

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/1998፡ ገጽ 12-13

2 ነገስት 6:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 19:10, 11

2 ነገስት 6:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:29

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 11/2022፡ ገጽ 1-2

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 3/2020፡ ገጽ 5

2 ነገስት 6:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 11/2022፡ ገጽ 1-2

2 ነገስት 6:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 25:21፣ ሮሜ 12:20

2 ነገስት 6:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 5:2

2 ነገስት 6:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሰፈሩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:52፣ 1ነገ 20:1

2 ነገስት 6:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ሓደ ቃብ፡ 1.22 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:26፣ ዘዳ 28:15, 17
  • +ዘዳ 14:3፣ ህዝ 4:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ገጽ 1510

2 ነገስት 6:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:29፣ ዘዳ 28:53-57፣ ህዝ 5:10

2 ነገስት 6:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ድጕ 4:10

2 ነገስት 6:30

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብውሽጢ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋኡ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 37:29፣ 1ነገ 21:27

2 ነገስት 6:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 38:4

2 ነገስት 6:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 18:13፣ 21:9, 10

ሓፈሻዊ

2 ነገ. 6:12ነገ 2:3, 5፣ 9:1
2 ነገ. 6:81ነገ 20:1, 34፣ 22:31
2 ነገ. 6:91ነገ 17:24
2 ነገ. 6:10ማቴ 2:12
2 ነገ. 6:12ዳን 2:22, 28
2 ነገ. 6:13ዘፍ 37:16, 17
2 ነገ. 6:162ሳሙ 22:31፣ 2ዜና 32:7፣ መዝ 18:2፣ 27:3፣ 46:7፣ 55:18፣ 118:11፣ ሮሜ 8:31
2 ነገ. 6:16ዘጸ 14:13፣ መዝ 3:6
2 ነገ. 6:17ግብ 7:56
2 ነገ. 6:172ነገ 2:11፣ መዝ 34:7፣ 68:17፣ ዘካ 6:1፣ ማቴ 26:53
2 ነገ. 6:18ዘፍ 19:10, 11
2 ነገ. 6:191ነገ 16:29
2 ነገ. 6:22ምሳ 25:21፣ ሮሜ 12:20
2 ነገ. 6:232ነገ 5:2
2 ነገ. 6:24ዘዳ 28:52፣ 1ነገ 20:1
2 ነገ. 6:25ዘሌ 26:26፣ ዘዳ 28:15, 17
2 ነገ. 6:25ዘዳ 14:3፣ ህዝ 4:14
2 ነገ. 6:28ዘሌ 26:29፣ ዘዳ 28:53-57፣ ህዝ 5:10
2 ነገ. 6:29ድጕ 4:10
2 ነገ. 6:30ዘፍ 37:29፣ 1ነገ 21:27
2 ነገ. 6:31ኤር 38:4
2 ነገ. 6:321ነገ 18:13፣ 21:9, 10
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ነገስት 6:1-33

2 ነገስት

6 ደቂ ነብያት+ ድማ ንኤልሳእ፡ “እንሆ፡ እዛ ምሳኻ እንነብረላ ዘለና ቦታ ጸቢባትና ኣላ። 2 በጃኻ፡ ናብ ዮርዳኖስ ንኺድ። ነፍሲ ወከፍና ኻብኡ ሓሓደ ጕንዲ ንውሰድ እሞ፡ ኣብኡ እንቕመጠሉ ቦታ ንስራሕ” በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ኪዱ” በሎም። 3 ሓደ ኻባታቶም ድማ፡ “በጃኻ፡ ምስ ገላዉኻ ኺድ” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ሕራይ፡ እኸይድ” በለ። 4 ምሳታቶም ድማ ከደ፣ ናብ ዮርዳኖስ መጺኦም ከኣ፡ ኣእዋም ቈረጹ። 5 ሓደ ኻባታቶም ኦም ኪቘርጽ ከሎ፡ ሓጺን እቲ ፋስ ተነጺሉ ናብ ማይ ወደቐ፣ ንሱ ድማ፡ “ኣየ ጐይታይ፡ ኣቕሓ ልማኖ እምበር እዩ” ኢሉ ጨርሐ። 6 እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ከኣ፡ “ኣበይ ወዲቑ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ እታ ቦታ ኣርኣዮ። ሽዑ፡ ዕንጨይቲ ቘሪጹ ናብኣ ደርበዮ እሞ፡ ንሓጺን እቲ ፋስ ጸምበለል ኣበሎ። 7 ንሱ ድማ፡ “ኣልዕሎ” በሎ። ኢዱ ዘርጊሑ ኸኣ ወሰዶ።

8 ንጉስ ሶርያ ድማ ምስ እስራኤል ኪዋጋእ ከደ።+ ምስቶም ገላዉኡ ኸኣ፡ “ኣብ ከምዝን ከምዝን ቦታ ምሳኻትኩም ክሰፍር እየ” ኢሉ ተማኸረ። 9 እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ+ ድማ ንንጉስ እስራኤል፡ “እዛ ቦታ እዚኣ ሶርያውያን ኪወርዱላ እዮም እሞ፡ ብእኣ ኸይትሓልፍ ተጠንቀቕ” ኢሉ ለኣኸሉ። 10 ንጉስ እስራኤል ከኣ ናብታ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ዘጠንቀቖ ቦታ መልእኽቲ ለኣኸ። ንሱ የጠንቅቖ ነበረ፣ እቲ እውን ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት* ካብኡ ይርሕቕ ነበረ።+

11 ልቢ ንጉስ ሶርያ ድማ በዚ ተቘጥዐ፣ ንገላዉኡ ጸዊዑ ኸኣ፡ “እስከ ንገሩኒ! ካባናስ እቲ ኣብ ጐድኒ ንጉስ እስራኤል ዝዀነ መን እዩ፧” በሎም። 12 ሓደ ኻብቶም ገላዉኡ ድማ፡ “ዋላ ሓዴና ኣይኰነን፡ ጐይታይ ንጉስ። እቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ነብዪ ኤልሳእ እዩ ነቲ ኣብ መደቀሲኻ ዄንካ እተዛረብካዮ ነገር ንንጉስ እስራኤል ዚነግሮ” በሎ።+ 13 ንሱ ኸኣ፡ “ዚሕዝዎ ምእንቲ ኽሰድድሲ፡ ኣበይ ከም ዘሎ ኺዱ ርኣዩ” በለ። “ኣብ ዶታን+ ኣሎ” ተባሂሉ ድማ ተነግሮ። 14 ብኡብኡ፡ ኣፍራስን ሰረገላታትን ዓብዪ ሰራዊትን ናብኣ ሰደደ፣ ብለይቲ መጺኦም ከኣ ነታ ኸተማ ኸበብዋ።

15 እቲ ጊልያ* ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ኣንጊሁ ተንሲኡ ምስ ወጸ፡ ሰራዊት ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነታ ኸተማ ኸቢብዋ ረኣየ። እቲ ጊልያ ድማ፡ “ኣየ ጐይታይ! እንታይ ክንገብር ኢና፧” በሎ። 16 ንሱ ግና፡ “ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ እዮም እሞ፡+ ኣይትፍራህ”+ በሎ። 17 ኤልሳእ ከኣ፡ “ኦ የሆዋ፡ ምእንቲ ኺርእስ፡ በጃኻ ኣዒንቱ ኽፈት” ኢሉ ጸለየ።+ ብኡብኡ፡ የሆዋ ኣዒንቲ እቲ ጊልያ ኸፈተ እሞ፡ ንሱ ረኣየ፣ እንሆ ድማ፡ ኣብ ዙርያ ኤልሳእ፡ እቲ ኣኽራን ብኣፍራስን ሰረገላታትን ሓዊ መሊኡ ነበረ።+

18 እቶም ሶርያውያን ናብኡ ምስ ወረዱ ኸኣ፡ ኤልሳእ፡ “በጃኻ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ብዑረት ውቕዓዮ” ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ።+ ከምቲ ኤልሳእ ዝለመኖ ድማ፡ ብዑረት ወቕዖም። 19 ሽዑ፡ ኤልሳእ፡ “እዚኣ እታ መገዲ ኣይኰነትን፣ እዚኣ እውን እታ ኸተማ ኣይኰነትን። ናብቲ እትደልይዎ ዘለኹም ሰብኣይ ክመርሓኩምሲ ስዓቡኒ” በሎም። ግናኸ፡ ናብ ሰማርያ መርሖም።+

20 ኣብ ሰማርያ ምስ በጽሑ፡ ኤልሳእ፡ “ኦ የሆዋ፡ ኪርእዩስ ኣዒንቶም ክፈት” በለ። የሆዋ ኸኣ ኣዒንቶም ከፈተ እሞ፡ ኣብ ማእከል ሰማርያ ኸም ዘለዉ ረኣዩ። 21 ንጉስ እስራኤል ምስ ረኣዮም ድማ ንኤልሳእ፡ “ክቐትሎምዶ፧ ኣቦየ፡ ክቐትሎምዶ፧” በሎ። 22 ንሱ ግና፡ “ኣይትቕተሎም። ነቶም ብሰይፍኻን ብቐስትኻን ዝማረኽካዮም ትቐትሎምዶ፧ በሊዖምን ሰትዮምን ናብ ጐይታኦም ኪምለሱስ፡ እንጌራን ማይን ግዳ ሃቦም” በለ።+ 23 ዓብዪ ድግስ ከኣ ገበረሎም፣ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ፡ ኣሰናበቶም፡ ናብ ጐይታኦም እውን ተመልሱ። እቶም ዘመትቲ ጭፍራታት ሶርያውያን ከኣ፡+ መሊሶም ናብ ምድሪ እስራኤል ኣይመጹን።

24 ድሕሪኡ፡ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ንዅሉ ሰራዊቱ* ኣኽቲቱ ደየበ፡ ንሰማርያ ድማ ከበባ።+ 25 ኣብ ሰማርያ ኸኣ ብርቱዕ ጥሜት ኰነ።+ ርእሲ ኣድጊ+ ብ80 ብሩር፡ ርብዒ ቃብ* ሓርኢ ርግቢ ኸኣ ብሓሙሽተ ብሩር ክሳዕ ዚሽየጥ፡ ከበቡዋ። 26 ንጉስ እስራኤል ብልዕሊ መካበብያ ኺሓልፍ ከሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ፡ “ኦ ጐይታይ ንጉስ፡ ርድኣኒ!” ኢላ ኣእወየት። 27 ንሱ ድማ፡ “የሆዋ እንተ ዘይረዲኡክስ፡ ካብ ምንታይ እየ ኽረድኣኪ፧ ካብ ዓውዲዶ ወይ ካብ መጽመቝ ወይኒ ወይ ዘይቲ፧” በላ። 28 ንጉስ ከኣ፡ “እንታይ ኢኺ ዄንኪ፧” ኢሉ ሓተታ። ንሳ ድማ፡ “እዛ ሰበይቲ እዚኣ፡ ‘ወድኺ ሃቢ እሞ፡ ሎሚ ኽንበልዖ፣ ንወደይ ከኣ ጽባሕ ክንበልዖ’ ኢላትኒ።+ 29 ሽዑ፡ ንወደይ ኣብሲልና በሊዕናዮ።+ ንጽብሒቱ ድማ፡ ‘ወድኺ ሃቢ እሞ፡ ክንበልዖ’ ኢለያ። ንሳ ግና ንወዳ ሓቢኣቶ” ኢላ መለሰት።

30 ንጉስ ከኣ ዘረባ እታ ሰበይቲ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐደደ።+ በቲ መካበብያ ኺሓልፍ ከሎ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ኽዳውንቱ* ማቕ ተኸዲኑ ኸም ዘሎ፡ እቲ ህዝቢ ረኣየ። 31 ንሱ ኸኣ፡ “ርእሲ ኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ ሎሚ ኣብ ልዕሊኡ እንተ ጸኒሓስ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ እውን ይወስኸሉ” በለ።+

32 ኤልሳእ ድማ ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ ነበረ፣ እቶም ዓበይቲ እውን ምስኡ ተቐሚጦም ነበሩ። ንጉስ ከኣ ቀቅድሚኡ ሰብ ለኣኸ፣ እቲ ልኡኽ ቅድሚ ምምጻኡ ግና፡ ኤልሳእ ነቶም ዓበይቲ፡ “እዚ ወዲ ቐታል ነፍሲ+ ንርእሰይ ኪቘርጽ ከም ዝለኣኸዶ ርኢኹም፧ እቲ ልኡኽ ኪመጽእ ከሎ ርኢኹም፡ ነቲ ማዕጾ ዕጸውዎ፣ ነቲ ማዕጾ ዓጺኹም እውን ደፊእኩም ሓዝዎ። ደሃይ እግሪ ጐይታኡስ ድሕሪኡዶ የሎን፧” በሎም። 33 ገና ምሳታቶም ኪዛረብ ከሎ፡ እቲ ልኡኽ ናብኡ መጸ፣ ንጉስ ድማ፡ “እዚ መዓት እዚ ኻብ የሆዋ እዩ። ደጊምከ ስለምንታይ እየ ንየሆዋ ዝጽበዮ፧” በለ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ