ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ነገስት 3
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ነገስት—ትሕዝቶ

      • ዮራም፡ ንጉስ እስራኤል (1-3)

      • ሞኣብ ካብ እስራኤል ዓለወ (4-25)

      • ሞኣብ ተሳዕረ (26, 27)

2 ነገስት 3:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 1:17

2 ነገስት 3:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:30-33

2 ነገስት 3:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:28-30

2 ነገስት 3:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

2 ነገስት 3:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 22:37
  • +2ሳሙ 8:2

2 ነገስት 3:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 19:2
  • +1ነገ 22:3, 4

2 ነገስት 3:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 8:14

2 ነገስት 3:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እቲ ጊልያ ኤልያስ ዝነበረ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 22:7
  • +1ነገ 19:19, 21
  • +1ነገ 19:16፣ 2ነገ 2:15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2013፡ ገጽ 29

    1/11/1997፡ ገጽ 30-31

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ገጽ 98

2 ነገስት 3:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንዓይን ንዓኻን እንታይ እዩ፧”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 2:30፣ ህዝ 14:3
  • +መሳ 10:14፣ 1ነገ 18:19፣ 22:6

2 ነገስት 3:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚኡ ደው ዝብል።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 17:3, 4፣ 19:3, 4
  • +ምሳ 15:29

2 ነገስት 3:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሙዚቀኛ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 10:5፣ 1ዜና 25:1
  • +1ነገ 18:46፣ ህዝ 1:3፣ ግብ 11:21

2 ነገስት 3:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ርባ።”

2 ነገስት 3:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ርባ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 107:35

2 ነገስት 3:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 32:17፣ ማር 10:27
  • +ዘዳ 28:7

2 ነገስት 3:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 3:5
  • +2ነገ 3:25

2 ነገስት 3:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:39, 40

2 ነገስት 3:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቅናት እተዓጥቀ።”

2 ነገስት 3:22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2005፡ ገጽ 10

2 ነገስት 3:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 15:9, 10

2 ነገስት 3:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:7

2 ነገስት 3:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 26:15፣ 2ዜና 32:4
  • +2ነገ 3:19
  • +ኢሳ 16:7

2 ነገስት 3:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 3:9

2 ነገስት 3:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:31፣ 2ዜና 28:1, 3፣ መዝ 106:37, 38

ሓፈሻዊ

2 ነገ. 3:12ነገ 1:17
2 ነገ. 3:21ነገ 16:30-33
2 ነገ. 3:31ነገ 12:28-30
2 ነገ. 3:51ነገ 22:37
2 ነገ. 3:52ሳሙ 8:2
2 ነገ. 3:72ዜና 19:2
2 ነገ. 3:71ነገ 22:3, 4
2 ነገ. 3:92ሳሙ 8:14
2 ነገ. 3:111ነገ 22:7
2 ነገ. 3:111ነገ 19:19, 21
2 ነገ. 3:111ነገ 19:16፣ 2ነገ 2:15
2 ነገ. 3:131ሳሙ 2:30፣ ህዝ 14:3
2 ነገ. 3:13መሳ 10:14፣ 1ነገ 18:19፣ 22:6
2 ነገ. 3:142ዜና 17:3, 4፣ 19:3, 4
2 ነገ. 3:14ምሳ 15:29
2 ነገ. 3:151ሳሙ 10:5፣ 1ዜና 25:1
2 ነገ. 3:151ነገ 18:46፣ ህዝ 1:3፣ ግብ 11:21
2 ነገ. 3:17መዝ 107:35
2 ነገ. 3:18ኤር 32:17፣ ማር 10:27
2 ነገ. 3:18ዘዳ 28:7
2 ነገ. 3:19ዘዳ 3:5
2 ነገ. 3:192ነገ 3:25
2 ነገ. 3:20ዘጸ 29:39, 40
2 ነገ. 3:23ዘጸ 15:9, 10
2 ነገ. 3:24ዘሌ 26:7
2 ነገ. 3:25ዘፍ 26:15፣ 2ዜና 32:4
2 ነገ. 3:252ነገ 3:19
2 ነገ. 3:25ኢሳ 16:7
2 ነገ. 3:262ነገ 3:9
2 ነገ. 3:27ዘዳ 12:31፣ 2ዜና 28:1, 3፣ መዝ 106:37, 38
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ነገስት 3:1-27

2 ነገስት

3 ኣብ መበል 18 ዓመት ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ፡ ዮራም+ ወዲ ኣከኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፣ 12 ዓመት ከኣ ነገሰ። 2 ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ድማ ክፉእ ይገብር ነበረ፣ ግናኸ፡ ነቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓወልቲ ኣምልኾ ኣርሒቕዎ ነበረ እሞ፡ ከም ኣቦኡ ወይ ከም ኣዲኡስ ኣይነበረን።+ 3 ይኹን እምበር፡ ናብቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት ለገበ እምበር፡+ ካብኡ ኣየልገሰን።

4 ሜሻ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ብዓል ኣባጊዕ ነበረ፣ ንንጉስ እስራኤል ድማ 100,000 ገንሸልን* 100,000 ዘይተቐምቀመ ድዑልን ይግብረሉ ነበረ። 5 ኣከኣብ ምስ ሞተ ኸኣ፡+ ንጉስ ሞኣብ ካብ ንጉስ እስራኤል ዓለወ።+ 6 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ንጉስ ዮራም ካብ ሰማርያ ወጺኡ፡ ኵሉ እስራኤል ኣከበ። 7 ናብ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ልኢኹ እውን፡ “ንጉስ ሞኣብ ካባይ ዓልዩ ኣሎ። ንሞኣብ ክንዋግኣስ ምሳይዶ ትኸይድ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “እኸይድ።+ ኣነ ኸማኻ እየ። ህዝበይ ከም ህዝብኻ እዩ። ኣፍራሰይ ከም ኣፍራስካ እዮም” በሎ።+ 8 ንሱ ድማ፡ “በየናይ መገዲ ንደይብ፧” በለ። ንሱ ኸኣ፡ “ብመገዲ በረኻ ኤዶም” ኢሉ መለሰ።

9 ንጉስ እስራኤል ድማ ምስ ንጉስ ይሁዳን ምስ ንጉስ ኤዶምን+ ነቐለ። ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ መገዲ ምስ ዞሩ ኸኣ፡ ነቲ ሰራዊትን ነተን ዚስዕባኦም ዝነበራ እንስሳ ዘቤትን ማይ ሰኣኑ። 10 ሽዑ፡ ንጉስ እስራኤል፡ “ኣየ! የሆዋ ነዞም ሰለስተ ነገስታት እዚኦም ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ኺህቦም ጸዊዕዎም!” በለ። 11 ዮሳፋጥ ግና፡ “ብእኡ ጌርና ንየሆዋ እንሓትተሉ ነብዪ የሆዋዶ ኣብዚ የልቦን፧” በለ።+ ሓደ ኻብ ገላዉ ንጉስ እስራኤል ድማ፡ “እቲ ኣብ ኣእዳው ኤልያስ ማይ ዜፍስስ ዝነበረ*+ ኤልሳእ+ ወዲ ሻፋጥ እባ ኣሎ” ኢሉ መለሰ። 12 ዮሳፋጥ ከኣ፡ “ቃል የሆዋ ምስኡ ኣሎ” በለ። ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥን ንጉስ ኤዶምን ድማ ናብኡ ወረዱ።

13 ኤልሳእ ከኣ ንንጉስ እስራኤል፡ “ምሳኻ እንታይ ኣሎኒ፧*+ ናብ ነብያት ኣቦኻን ናብ ነብያት ኣዴኻን ደኣ ኺድ” በሎ።+ ንጉስ እስራኤል ግና፡ “ኣይፋልን፡ ነዞም ሰለስተ ነገስታት እዚኦም ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ኺህቦም ዝጸውዖምሲ የሆዋ እዩ” በለ። 14 ኤልሳእ ድማ፡ “ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ እንተ ዘይብልሲ፡+ ከምቲ እቲ ዘገልግሎ* የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ህያው ዝዀነ፡ ኣይምጠመትኩኻን፡ ኣይምረኣኹኻን እውን።+ 15 ሕጂ ኸኣ ብዓል በገና* ኣምጽኡለይ” በለ።+ እቲ ብዓል በገና ምስ ወቕዐ፡ ኢድ የሆዋ ኣብ ልዕሊኡ መጸት።+ 16 ከምዚ ድማ በለ፦ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣብዚ ስንጭሮ* እዚ ብዙሕ ጐዳጕዲ ዅዓቱ፣ 17 የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “ንፋስ ኣይክትርእዩን፡ ዝናም እውን ኣይክትርእዩን ኢኹም፣ እዚ ስንጭሮ* ግና ማይ ኪመልእ፡+ ካብኡ ኸኣ ንስኻትኩምን ማልኩምን ካልኦት እንስሳታትኩምን ክትሰትዩ ኢኹም።”’ 18 እዚ ግና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቐሊል እዩ፣+ ከመይሲ፡ ንሞኣብ እውን ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኺህበኩም እዩ።+ 19 እተዓርደት ዘበለት ከተማን+ ሕርይቲ ዘበለት ከተማን ውቕዑ፡ ጽቡቕ ዘበለ ኦም ቍረጹ፡ ኵሉ ዓይኒ ማያት ድበዩ፡ ጽቡቕ ዘበለ ግራት ድማ ብኣእማን ኣበላሽዉ።”+

20 ንግሆ፡ በታ ናይ ንግሆ መስዋእቲ እኽሊ ዚቐርበላ ግዜ ኸኣ፡+ ማይ ካብ ኣንፈት ኤዶም ብሃንደበት መጸ፡ እታ ምድሪ እውን ብማይ መልአት።

21 ኵሎም ሞኣባውያን ድማ እቶም ነገስታት ኪዋግእዎም ከም ዝደየቡ ምስ ሰምዑ፡ ኣጽዋር ኪጸውር ዚኽእል* ዘበለ ዅሉ ኣኽቲቶም፡ ኣብቲ ዶብ ቈሙ። 22 ንግሆ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ ጸሓይ ኣብቲ ማይ ተንጸባርቕ ነበረት፣ ነቶም ኣብ መንጽር ዝነበሩ ሞኣባውያን ከኣ፡ እቲ ማይ ከም ደም ቀይሕ ኰይኑ ተራእዮም። 23 ንሳቶም ድማ፡ “እዚ ደም እዩ! እቶም ነገስታት ብርግጽ ንሓድሕዶም ብሰይፊ ተቐታቲሎም። እምበኣር ሕጂ፡ ኦ ሞኣብ፡ ናብ ምርኮ!” በሉ።+ 24 ናብ ሰፈር እስራኤል ምስ ኣተዉ ድማ፡ እቶም እስራኤላውያን ተንሲኦም ንሞኣባውያን ወቕዕዎም፡ ንሳቶም እውን ካባታቶም ሃደሙ።+ ንሞኣባውያን እናወቕዕዎም ከኣ፡ ናብ ሞኣብ ገስገሱ። 25 ሽዑ፡ ከተማታት ኣፍረሱ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከኣ ናብ ጽቡቕ ግራት ዘበለ እምኒ ብምድርባይ፡ ብኣእማን መልእዎ፣ ዓይኒ ማይ ዘበለ ድማ ደበዩ፣+ ጽቡቕ ኦም ዘበለ እውን ቈረጹ።+ መካበብያ ኣእማን ቂር-ሓረሰት+ ጥራይ ደው ኢሉ ተረፈ። ወንጨፍቲ ኸኣ ከቢቦም ወቕዕዋ።

26 ንጉስ ሞኣብ ድማ ብውግእ ከም እተሳዕረ ምስ ረኣየ፡ ጥሒሱ ናብ ንጉስ ኤዶም ኪሓልፍ፡+ 700 ሰይፊ እተዓጥቁ ሰባት ምስኡ ወሰደ፣ ግናኸ፡ ኣይከኣሉን። 27 ሽዑ፡ ነቲ ኣብ ክንዳኡ ዚነግስ በዅሪ ወዱ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ዚሓርር መስዋእቲ ገይሩ ኣቕረቦ።+ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ብርቱዕ ቍጥዓ ዀነ፣ ስለዚ፡ ካብኡ ኣንሳሒቦም ናብ ምድሮም ተመልሱ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ