ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ዜና መዋእል 30
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ህዝቅያስ ፋስጋ ኣብዓለ (1-27)

2 ዜና መዋእል 30:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 12:43፣ ዘሌ 23:5፣ ዘዳ 16:2፣ 2ዜና 35:1
  • +2ዜና 11:14, 16
  • +2ዜና 34:1, 6, 7

2 ዜና መዋእል 30:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 9:10, 11

2 ዜና መዋእል 30:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 29:34
  • +ዘጸ 12:18

2 ዜና መዋእል 30:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 35:18
  • +መሳ 18:29

2 ዜና መዋእል 30:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ጐየይቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 15:29፣ 1ዜና 5:26፣ 2ዜና 28:20, 21

2 ዜና መዋእል 30:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 29:8, 9

2 ዜና መዋእል 30:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 32:9
  • +2ዜና 29:10
  • +ዘዳ 12:5, 6፣ መዝ 132:13

2 ዜና መዋእል 30:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጸጋውን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 8:49, 50
  • +ዘዳ 30:1-3
  • +ዘጸ 34:6፣ መዝ 86:5፣ ሚክ 7:18
  • +2ዜና 15:2፣ ኢሳ 55:7፣ ያእ 4:8

2 ዜና መዋእል 30:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ጐየይቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 30:1
  • +2ዜና 36:15, 16

2 ዜና መዋእል 30:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 11:14, 16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 5/2023፡ ገጽ 7

2 ዜና መዋእል 30:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 9:10, 11
  • +ዘሌ 23:6

2 ዜና መዋእል 30:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 18:22
  • +2ዜና 28:24

2 ዜና መዋእል 30:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 1:5

2 ዜና መዋእል 30:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 29:34

2 ዜና መዋእል 30:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 30:1
  • +መዝ 86:5

2 ዜና መዋእል 30:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 9:6, 10
  • +2ዜና 19:2, 3፣ እዝ 7:10

2 ዜና መዋእል 30:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣሕወዮ።”

2 ዜና መዋእል 30:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 23:6፣ ዘዳ 12:5, 7፣ ነህ 8:10
  • +2ዜና 29:25

2 ዜና መዋእል 30:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንልቢ ዅሎም እቶም ንየሆዋ ብምስትውዓል ዜገልግልዎ ዝነበሩ ሌዋውያን ተዛረበ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 3:1
  • +ዘሌ 23:6

2 ዜና መዋእል 30:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 8:65

2 ዜና መዋእል 30:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 35:7, 8
  • +2ዜና 29:34

2 ዜና መዋእል 30:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 30:11, 18
  • +ዘጸ 12:49

2 ዜና መዋእል 30:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 8:65, 66

2 ዜና መዋእል 30:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 6:23-26፣ ዘዳ 10:8

ሓፈሻዊ

2 ዜና 30:1ዘጸ 12:43፣ ዘሌ 23:5፣ ዘዳ 16:2፣ 2ዜና 35:1
2 ዜና 30:12ዜና 11:14, 16
2 ዜና 30:12ዜና 34:1, 6, 7
2 ዜና 30:2ዘሁ 9:10, 11
2 ዜና 30:32ዜና 29:34
2 ዜና 30:3ዘጸ 12:18
2 ዜና 30:52ዜና 35:18
2 ዜና 30:5መሳ 18:29
2 ዜና 30:62ነገ 15:29፣ 1ዜና 5:26፣ 2ዜና 28:20, 21
2 ዜና 30:72ዜና 29:8, 9
2 ዜና 30:8ዘጸ 32:9
2 ዜና 30:82ዜና 29:10
2 ዜና 30:8ዘዳ 12:5, 6፣ መዝ 132:13
2 ዜና 30:91ነገ 8:49, 50
2 ዜና 30:9ዘዳ 30:1-3
2 ዜና 30:9ዘጸ 34:6፣ መዝ 86:5፣ ሚክ 7:18
2 ዜና 30:92ዜና 15:2፣ ኢሳ 55:7፣ ያእ 4:8
2 ዜና 30:102ዜና 30:1
2 ዜና 30:102ዜና 36:15, 16
2 ዜና 30:112ዜና 11:14, 16
2 ዜና 30:13ዘሁ 9:10, 11
2 ዜና 30:13ዘሌ 23:6
2 ዜና 30:142ነገ 18:22
2 ዜና 30:142ዜና 28:24
2 ዜና 30:16ዘሌ 1:5
2 ዜና 30:172ዜና 29:34
2 ዜና 30:182ዜና 30:1
2 ዜና 30:18መዝ 86:5
2 ዜና 30:19ዘሁ 9:6, 10
2 ዜና 30:192ዜና 19:2, 3፣ እዝ 7:10
2 ዜና 30:21ዘሌ 23:6፣ ዘዳ 12:5, 7፣ ነህ 8:10
2 ዜና 30:212ዜና 29:25
2 ዜና 30:22ዘሌ 3:1
2 ዜና 30:22ዘሌ 23:6
2 ዜና 30:231ነገ 8:65
2 ዜና 30:242ዜና 35:7, 8
2 ዜና 30:242ዜና 29:34
2 ዜና 30:252ዜና 30:11, 18
2 ዜና 30:25ዘጸ 12:49
2 ዜና 30:261ነገ 8:65, 66
2 ዜና 30:27ዘሁ 6:23-26፣ ዘዳ 10:8
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ዜና መዋእል 30:1-27

2 ዜና መዋእል

30 ህዝቅያስ ድማ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ፋስጋ ምእንቲ ኼብዕሉ ናብ ቤት የሆዋ ናብ የሩሳሌም ኪመጹ፡+ ናብ ኵሎም እስራኤልን ይሁዳን ለኣኸ፣+ ናብ ኤፍሬምን ምናሴን+ እውን ከይተረፈ ደብዳበ ጸሓፈ። 2 ግናኸ፡ ንጉስን መሳፍንቱን ብዘሎ ጉባኤ የሩሳሌምን፡ ነቲ ፋስጋ ኣብ ካልአይቲ ወርሒ ኺብዓል ወሰኑ፣+ 3 ከመይሲ፡ እኹላት እተቐደሱ ኻህናት ስለ ዘይነበሩን+ እቲ ህዝቢ ናብ የሩሳሌም ስለ ዘይተኣከበን፡ ኣብቲ ስሩዕ ግዜ ኼብዕልዎ ኣይከኣሉን ነበሩ።+ 4 እዚ መሰናድዎ እዚ ኣብ ኣዒንቲ ንጉስን ኣብ ኣዒንቲ ብዘሎ እቲ ጉባኤን ቅኑዕ ነበረ። 5 ከምቲ እተጻሕፈ ገይሮም ብጕጅለ ኣየብዓልዎን ነበሩ እሞ፡+ እቶም ህዝቢ መጺኦም ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኣብ የሩሳሌም ፋስጋ ኼብዕሉ ኢሎም፡ ኣብ ብዘላ እስራኤል፡ ካብ ብኤር-ሸባዕ ክሳብ ዳን፡+ ኪእወጅ ወሰኑ።

6 እቶም መልእኽተኛታት* ድማ ካብ ንጉስን መሳፍንቱን ደብዳበታት ሒዞም ናብ ብዘሎ እስራኤልን ይሁዳን ወጹ፣ ከምቲ ንጉስ ዝኣዘዞ ኸኣ ከምዚ በሉ፦ “ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ ንሱ ናብቶም ካብ ኢድ ነገስታት ኣሶር ዘምለጡ ተረፍ ምእንቲ ኺምለስሲ፡ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን ተመለሱ።+ 7 ከምቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ዝጠለምዎ እሞ፡ ከምዚ እትርእይዎ ዘለኹም መሰክሒ ዝገበሮም ኣቦታትኩምን ኣሕዋትኩምን ኣይትኹኑ።+ 8 ሕጂ ድማ፡ ከም ኣቦታትኩም ተረርቲ ኣይትኹኑ።+ እቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ ኻባኻትኩም ምእንቲ ኺምለስ፡+ ንየሆዋ ኢድኩም ሃቡ፡ ናብታ ንዘለኣለም ዝቐደሳ መቕደሱ ኸኣ ምጹ፡+ ንየሆዋ ኣምላኽኩም እውን ኣገልግልዎ። 9 ናብ የሆዋ እንተ ተመሊስኩምሲ፡ ኣሕዋትኩምን ደቅኹምን ብማረኽቶም ኪምሓሩ እዮም፡+ ናብዛ ምድሪ ኺምለሱ እውን ኪፍቀደሎም እዩ፣+ የሆዋ ኣምላኽኩምሲ ርሕሩሕን* መሓርን እዩ፣+ ንስኻትኩም ናብኡ እንተ ተመሊስኩም ድማ፡ ንሱ ገጹ ኻባኻትኩም ኣይኪመልስን እዩ።”+

10 እቶም መልእኽተኛታት* ከኣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኤፍሬምን ምናሴን፡+ ክሳብ ዛብሎን፡ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ሓለፉ፣ እቶም ህዝቢ ግና ሰሓቕዎምን ኣላገጹሎምን።+ 11 ካብ ኣሴርን ካብ ምናሴን ካብ ዛብሎንን ግና ገሊኦም ሰባት ርእሶም ኣትሒቶም ናብ የሩሳሌም መጹ።+ 12 እቲ ንጉስን መሳፍንትን ብቓል የሆዋ ዝኣዘዝዎ ምእንቲ ኺፍጸም ከኣ፡ ኢድ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሓደ ልቢ ኽትህቦም ኣብ ይሁዳ ነበረት።

13 ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ+ ድማ በዓል ቅጫ ኼብዕል ኢሉ፡+ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ የሩሳሌም ተኣከበ፣ ኣዝዩ ዓብዪ ጉባኤ ኸኣ ነበረ። 14 ተንሲኦም ድማ ኣብ የሩሳሌም ንዝነበረ መሰውኢታት ኣርሓቑ፣+ ንዅሉ መሰውኢታት ዕጣን ኣርሒቖም+ ከኣ ናብ ስንጭሮ ቄድሮን ደርበይዎ። 15 ድሕርዚ፡ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ኻልአይቲ ወርሒ፡ መስዋእቲ ፋስጋ ሓረዱ። እቶም ካህናትን እቶም ሌዋውያንን ድማ ሓፈሩ፣ ተቐዲሶም ከኣ ዚሓርር መስዋእቲ ናብ ቤት የሆዋ ኣምጽኡ። 16 ከምቲ ሕጊ ሙሴ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ድማ፡ ኣብ በቦታኦም ደው በሉ፣ እቶም ካህናት ከኣ ነቲ ደም ካብ ኢድ እቶም ሌዋውያን ተቐቢሎም ነጸጉ።+ 17 ኣብቲ ጉባኤ ብዙሓት ዘይተቐደሱ ነበሩ፣ እቶም ሌዋውያን ድማ ንዅሎም እቶም ዘይነጽሁ ዘበሉ፡ ንየሆዋ ምእንቲ ኪቕደሱ፡ መስዋእቲ ፋስጋ ይሓርዱሎም ነበሩ።+ 18 ከመይሲ፡ ብዙሓት ካብቲ ህዝቢ፡ ምናዳ ኻብ ኤፍሬምን ምናሴን+ ይሳኮርን ዛብሎንን፡ ዘይነጽሁ ኽነሶም፡ ነቲ ጽሑፍ ጥሒሶም፡ ፋስጋ በልዑ። ህዝቅያስ ግና ከምዚ ኢሉ ምእንታኦም ጸለየ፦ “እቲ ሕያዋይ የሆዋ+ 19 ነቲ ኸምቲ ስርዓት ቅድስና ዘይነጽሀ ኽነሱ+ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቱ ኺደሊ ልቡ ዘዳለወ ዘበለ ዅሉ ይሕደገሉ።”+ 20 የሆዋ ኸኣ ንህዝቅያስ ሰሚዑ፡ ነቲ ህዝቢ ይቕረ በለሉ።*

21 እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ እስራኤላውያን ድማ፡ በዓል ቅጫ ሸውዓተ መዓልቲ ብዓብዪ ሓጐስ ኣብዓሉ፣+ እቶም ሌዋውያንን እቶም ካህናትን ከኣ መዓልቲ መዓልቲ ናውቶም ዓው ኣቢሎም ንየሆዋ እናወቕዑሉ፡ ንየሆዋ ይውድስዎ ነበሩ።+ 22 ህዝቅያስ ድማ ንዅሎም እቶም ንየሆዋ ብምስትውዓል ዜገልግልዎ ዝነበሩ ሌዋውያን ተዛረቦምን ኣተባብዖምን።* ንሳቶም ከኣ መስዋእቲ ሕብረት እናሰውኡን+ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም እናኣመስገኑን፡ ኣብ ብዘሎ እቲ በዓል፡ ሸውዓተ መዓልቲ በልዑ።+

23 ኵሎም እቶም ጉባኤ ኸኣ ካልእ ሸውዓተ መዓልቲ ኼብዕሉ ወሰኑ፣ ካልእ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ኣብዓሉ።+ 24 ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ ነቶም ጉባኤ 1,000 ዝራብዕን 7,000 በጊዕን ሃቦም፣ እቶም መሳፍንቲ ድማ ነቶም ጉባኤ 1,000 ዝራብዕን 10,000 በጊዕን ሃብዎም፣+ ብዙሓት ካህናት እውን ተቐደሱ።+ 25 ኵሎም እቶም ጉባኤ ይሁዳን እቶም ካህናትን እቶም ሌዋውያንን ኵሎም እቶም ካብ እስራኤል ዝመጹ ጉባኤን+ እቶም ካብ ምድሪ እስራኤል ዝመጹን ኣብ ይሁዳ ዚነብሩን ጓኖትን+ ይሕጐሱ ነበሩ። 26 ካብ ዘመን ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል ኣትሒዙ፡ ከምዚ ዝበለ ኣብ እስራኤል ኣይተገብረን ነበረ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ዓብዪ ሓጐስ ኰነ።+ 27 እቶም ሌዋውያን ካህናት ከኣ ደው ኢሎም ነቲ ህዝቢ ባረኽዎ፣+ ኣምላኽ ድማ ድምጾም ሰምዐ፡ ጸሎቶም እውን ኣብታ ቕድስቲ ማሕደሩ፡ ኣብ ሰማያት በጽሐ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ