ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘሌዋውያን 23
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘሌዋውያን—ትሕዝቶ

      • ቅዱስ መዓልትታትን በዓላትን (1-44)

        • ሰንበት (3)

        • ፋስጋ (4, 5)

        • በዓል ቅጫ (6-8)

        • መስዋእቲ በዅሪ (9-14)

        • በዓል ሰሙናት (15-21)

        • ግቡእ ዓጺድ (22)

        • በዓል ደሃይ መለኸት (23-25)

        • መዓልቲ ዕርቂ (26-32)

        • በዓል ዳስ (33-43)

ዘሌዋውያን 23:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 23:14፣ ዘሌ 23:37
  • +ዘሁ 10:10

ዘሌዋውያን 23:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 16:30፣ 20:10፣ ግብ 15:21
  • +ነህ 13:22

ዘሌዋውያን 23:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንጎ ኽልተ ምሸት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 9:2, 3፣ 28:16
  • +ዘጸ 12:3, 6፣ ዘዳ 16:1፣ 1ቈረ 5:7

ዘሌዋውያን 23:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 28:17፣ 1ቈረ 5:8
  • +ዘጸ 12:15፣ 13:6፣ 34:18

ዘሌዋውያን 23:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 12:16

ዘሌዋውያን 23:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 15:20, 23
  • +ዘሁ 18:8, 12፣ ምሳ 3:9፣ ህዝ 44:30

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2007፡ ገጽ 26

ዘሌዋውያን 23:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2007፡ ገጽ 26

ዘሌዋውያን 23:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ዘሌዋውያን 23:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ 4.4 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

  • *

    ሓደ ሂን፡ 3.67 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ዘሌዋውያን 23:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 34:22፣ ዘዳ 16:9, 10

ዘሌዋውያን 23:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 2:1
  • +ዘሁ 28:26-31፣ ዘዳ 16:16

ዘሌዋውያን 23:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ 4.4 ሊ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 23:16፣ 34:22
  • +ዘሌ 7:11, 13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 1/2021፡ ገጽ 4

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/1998፡ ገጽ 13

ዘሌዋውያን 23:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 28:26, 27

ዘሌዋውያን 23:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 4:23
  • +ዘሌ 3:1

ዘሌዋውያን 23:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 7:34፣ 10:14፣ ዘሁ 18:9፣ ዘዳ 18:4፣ 1ቈረ 9:13

ዘሌዋውያን 23:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 10:10

ዘሌዋውያን 23:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንጥቑዕን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 19:9፣ ዘዳ 24:19፣ ሩት 2:2, 3
  • +ኢሳ 58:7
  • +ዘሌ 19:33

ዘሌዋውያን 23:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 10:10፣ 29:1

ዘሌዋውያን 23:27

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሳትኩም ኣሕስሙ።” ብሓፈሻኡ፡ “ርእስኻ ምሕሳም” ንእተፈላለየ ዓይነት ርእሰ ምሕሳም፡ እንተላይ ንጾም ከም ዜመልክት ጌርካ እዩ ዚውሰድ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 30:10፣ ዘሌ 25:9
  • +ዘሌ 16:29, 30፣ ዘሁ 29:7

ዘሌዋውያን 23:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 16:34፣ እብ 9:12, 24-26፣ 10:10፣ 1ዮሃ 2:1, 2

ዘሌዋውያን 23:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዘይጸውም” ኪኸውን ይኽእል።

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 9:13፣ 15:30

ዘሌዋውያን 23:30

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ።”

ዘሌዋውያን 23:32

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሳትኩም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 16:29-31፣ 23:27፣ ዘሁ 29:7

ዘሌዋውያን 23:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 23:16፣ ዘሁ 29:12፣ ዘዳ 16:13፣ እዝ 3:4፣ ነህ 8:14-18፣ ዮሃ 7:2

ዘሌዋውያን 23:36

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ነህ 8:18

ዘሌዋውያን 23:37

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 1:3
  • +ዘሌ 2:1, 11
  • +ዘሁ 15:5፣ 28:6, 7
  • +ዘሁ 28:26፣ 29:7
  • +ዘጸ 23:14፣ ዘዳ 16:16

ዘሌዋውያን 23:38

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 16:23፣ 20:8፣ 31:13
  • +ዘጸ 28:38፣ ዘሁ 18:29
  • +ዘዳ 12:11
  • +ዘሁ 29:39፣ ዘዳ 12:6፣ 1ዜና 29:9፣ 2ዜና 35:8፣ እዝ 2:68

ዘሌዋውያን 23:39

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 16:13
  • +ዘሁ 29:12

ዘሌዋውያን 23:40

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ርባን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ነህ 8:15፣ ራእ 7:9
  • +ዘዳ 16:15
  • +ነህ 8:10

ዘሌዋውያን 23:41

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 29:12

ዘሌዋውያን 23:42

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 31:10, 11

ዘሌዋውያን 23:43

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 12:37, 38፣ ዘሁ 24:5
  • +ዘዳ 31:13፣ መዝ 78:6

ሓፈሻዊ

ዘሌ. 23:2ዘጸ 23:14፣ ዘሌ 23:37
ዘሌ. 23:2ዘሁ 10:10
ዘሌ. 23:3ዘጸ 16:30፣ 20:10፣ ግብ 15:21
ዘሌ. 23:3ነህ 13:22
ዘሌ. 23:5ዘሁ 9:2, 3፣ 28:16
ዘሌ. 23:5ዘጸ 12:3, 6፣ ዘዳ 16:1፣ 1ቈረ 5:7
ዘሌ. 23:6ዘሁ 28:17፣ 1ቈረ 5:8
ዘሌ. 23:6ዘጸ 12:15፣ 13:6፣ 34:18
ዘሌ. 23:7ዘጸ 12:16
ዘሌ. 23:101ቈረ 15:20, 23
ዘሌ. 23:10ዘሁ 18:8, 12፣ ምሳ 3:9፣ ህዝ 44:30
ዘሌ. 23:15ዘጸ 34:22፣ ዘዳ 16:9, 10
ዘሌ. 23:16ግብ 2:1
ዘሌ. 23:16ዘሁ 28:26-31፣ ዘዳ 16:16
ዘሌ. 23:17ዘጸ 23:16፣ 34:22
ዘሌ. 23:17ዘሌ 7:11, 13
ዘሌ. 23:18ዘሁ 28:26, 27
ዘሌ. 23:19ዘሌ 4:23
ዘሌ. 23:19ዘሌ 3:1
ዘሌ. 23:20ዘሌ 7:34፣ 10:14፣ ዘሁ 18:9፣ ዘዳ 18:4፣ 1ቈረ 9:13
ዘሌ. 23:21ዘሁ 10:10
ዘሌ. 23:22ዘሌ 19:9፣ ዘዳ 24:19፣ ሩት 2:2, 3
ዘሌ. 23:22ኢሳ 58:7
ዘሌ. 23:22ዘሌ 19:33
ዘሌ. 23:24ዘሁ 10:10፣ 29:1
ዘሌ. 23:27ዘጸ 30:10፣ ዘሌ 25:9
ዘሌ. 23:27ዘሌ 16:29, 30፣ ዘሁ 29:7
ዘሌ. 23:28ዘሌ 16:34፣ እብ 9:12, 24-26፣ 10:10፣ 1ዮሃ 2:1, 2
ዘሌ. 23:29ዘሁ 9:13፣ 15:30
ዘሌ. 23:32ዘሌ 16:29-31፣ 23:27፣ ዘሁ 29:7
ዘሌ. 23:34ዘጸ 23:16፣ ዘሁ 29:12፣ ዘዳ 16:13፣ እዝ 3:4፣ ነህ 8:14-18፣ ዮሃ 7:2
ዘሌ. 23:36ነህ 8:18
ዘሌ. 23:37ዘሌ 1:3
ዘሌ. 23:37ዘሌ 2:1, 11
ዘሌ. 23:37ዘሁ 15:5፣ 28:6, 7
ዘሌ. 23:37ዘሁ 28:26፣ 29:7
ዘሌ. 23:37ዘጸ 23:14፣ ዘዳ 16:16
ዘሌ. 23:38ዘጸ 16:23፣ 20:8፣ 31:13
ዘሌ. 23:38ዘጸ 28:38፣ ዘሁ 18:29
ዘሌ. 23:38ዘዳ 12:11
ዘሌ. 23:38ዘሁ 29:39፣ ዘዳ 12:6፣ 1ዜና 29:9፣ 2ዜና 35:8፣ እዝ 2:68
ዘሌ. 23:39ዘዳ 16:13
ዘሌ. 23:39ዘሁ 29:12
ዘሌ. 23:40ነህ 8:15፣ ራእ 7:9
ዘሌ. 23:40ዘዳ 16:15
ዘሌ. 23:40ነህ 8:10
ዘሌ. 23:41ዘሁ 29:12
ዘሌ. 23:42ዘዳ 31:10, 11
ዘሌ. 23:43ዘጸ 12:37, 38፣ ዘሁ 24:5
ዘሌ. 23:43ዘዳ 31:13፣ መዝ 78:6
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
  • 41
  • 42
  • 43
  • 44
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘሌዋውያን 23:1-44

ዘሌዋውያን

23 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘እተን እትእውጅወን በዓላት+ የሆዋ፡+ ቅዱሳት ኣኼባታት እየን። በዓላተይ እዚኣተን እየን፦

3 “‘ሽዱሽተ መዓልቲ ይተዓየ፣ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና፡ ናይ ሰንበት ምሉእ ዕረፍቲ፡+ ቅዱስ ኣኼባ እያ። ገለ ዕዮ እኳ ኣይትዕየዩ። ኣብ እትነብሩሉ ዅሉ ድማ ንየሆዋ ሰንበት እያ።+

4 “‘እተን ብምዱብ ግዜኡ እትእውጅወን በዓላት የሆዋ፡ ማለት ቅዱሳት ኣኼባታት እዚኣተን እየን፦ 5 ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ወርሒ፡+ ጽልግልግ ምስ በለ፡* ንየሆዋ ፋስጋ እዩ።+

6 “‘ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ንየሆዋ በዓል ቅጫ ይኹን።+ ሸውዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ።+ 7 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ።+ ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ። 8 ግናኸ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኣቕርቡ። ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹን። ዝዀነ ይኹን ከቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ።’”

9 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 10 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ዓጺድ ከኣ ምስ ዓጸድኩም፡ ካብ በዅሪ ዓጺድኩም ሓንቲ እንዳእቲ+ ናብ ካህን ኣምጽኡ።+ 11 ተቐባልነት ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ነታ እንዳእቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይወዝውዛ። እቲ ኻህን ኣብታ ድሕሪ ሰንበት ዘላ መዓልቲ ይወዝውዛ። 12 ኣብታ እንዳእቲ እተወዝውዙላ መዓልቲ፡ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ዚኸውን፡ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ዘሎ ጥዑይ ገንሸል* ኣቕርቡ። 13 እቲ ምስኡ ዘሎ መስዋእቲ እኽሊ ድማ፡ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡ ጥዑም ጨና ይኹን። እቲ መስዋእቲ መስተ ኸኣ፡ ርብዒ ሂን* ወይኒ ይኹን። 14 ክሳዕ እታ ንኣምላኽኩም መስዋእቲ እተቕርቡላ መዓልቲ፡ እንጌራ፡ ወይ ቆሎ፡ ወይ ሓድሽ እኽሊ ኣይትብልዑ። እዚ ኣብ እትነብሩሉ ዘበለ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ እዩ።

15 “‘ካብ ጽባሕ እታ ንመስዋእቲ ውዝወዛ ዚኸውን እንዳእቲ ዘምጻእኩምላ መዓልቲ ሰንበት፡ ሸውዓተ ሰናብቲ ቝጸሩ።+ እዚኣተን ከኣ ምሉኣት ሰሙናት ይኹና። 16 ክሳዕ ጽባሕ እታ ሻውዐይቲ ሰንበት፡ 50 መዓልቲ ቝጸሩ እሞ፡+ ንየሆዋ ሓድሽ መስዋእቲ እኽሊ ኣቕርቡ።+ 17 ካብቲ እትነብሩሉ ንመስዋእቲ ውዝወዛ ኽልተ እንጌራ ኣምጽኡ። እዚ ኸኣ፡ ካብ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ድኹም ሓርጭ እተዳለወ ይኹን። ንየሆዋ በዅሪ ፍረ+ ምእንቲ ኪኸውን ድማ በዂዑ ይሰንከት።+ 18 ምስቲ እንጌራ ድማ፡ ሸውዓተ ጥዑያት ገንሸል ዓመትን ሓደ ዝራብዕን ክልተ ድዑልን ኣቕርቡ።+ ምስቲ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን፡ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ማለት ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ይኹን። 19 ንመስዋእቲ ሓጢኣት+ ከኣ፡ ሓደ ወጠጦ፡ ንመስዋእቲ ሕብረት+ ድማ ክልተ ገንሸል ዓመት ሰውኡ። 20 እቲ ኻህን ከኣ፡ ነቲ እንጌራ በዅሪ ፍረ ምስቲ ኽልተ ገንሸል፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪኸውን ይወዝውዞ። ነቲ ኻህን፡ ንየሆዋ እተቐደሰ ይኹነሉ።+ 21 ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ቅዱስ ኣኼባ ኪዀነልኩም ኣውጁ።+ ዝዀነ ይኹን ከቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ። እዚ ኣብ እትነብሩሉ ዘበለ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ እዩ።

22 “‘ዓጺድ ምድርኹም ክትዓጽዱ ኸለኹም፡ ንደረት ግራትካ ጠሪስካ ኣይትዕጸዶ፣ ንቐሪም ዓጺድካ እውን ኣይትእረዮ።+ ንድኻን*+ ንጓናን+ ደኣ ሕደጎ። ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።’”

23 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 24 “ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ ‘ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ምሉእ ዕረፍቲ፡ ብደሃይ መለኸት ዚእወጅ መዘከርታ፡+ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። 25 ዝዀነ ይኹን ከቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ፣ ንየሆዋ ድማ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኣቕርቡ።’”

26 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 27 “ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ሻውዐይቲ ወርሒ ግና፡ መዓልቲ ዕርቂ እያ።+ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፣ ርእስኹም ኣሕስሙ፡*+ ንየሆዋ ድማ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኣቕርቡ። 28 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽኩም እትዕረቑላ መዓልቲ ዕርቂ እያ እሞ፡+ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ገለ ዕዮ እኳ ኣይትዕየዩ። 29 በታ መዓልቲ እቲኣ ርእሱ ዘየሕስም* ሰብ፡* ካብ ህዝቡ ኺምንቈስ እዩ።+ 30 በታ መዓልቲ እቲኣ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ዚዓዪ ሰብ* እውን፡ ካብ መንጎ ህዝቡ ኸጥፍእ እየ። 31 ዝዀነ ይኹን ዕዮ ኣይትዕየዩ። እዚ ኣብ እትነብሩሉ ዘበለ ዅሉ፡ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ እዩ። 32 እዚኣ ናይ ሰንበት ምሉእ ዕረፍቲ ትኹነልኩም፣ ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ ድማ፡ ምሸት ርእስኹም* ኣሕስሙ።+ ንሰንበትኩም ከኣ ካብ ምሸት ክሳዕ ምሸት ኣብዕልዋ።”

33 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 34 “ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም፦ ‘ኣብ መበል 15 መዓልቲ እዛ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ንየሆዋ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ዳስ ይኹን።+ 35 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹን፣ ዝዀነ ይኹን ከቢድ ዕዮ ኸኣ ኣይትዕየዩ። 36 ሸውዓተ መዓልቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኣቕርቡ። ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፣+ ንየሆዋ ኸኣ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኣቕርቡ። እዚ ፍሉይ ኣኼባ እዩ። ዝዀነ ይኹን ከቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ።

37 “‘ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ፡—ዚሓርር መስዋእትን+ ምስቲ መስዋእቲ ሕሩድ ዘሎ መስዋእቲ እኽልን+ መስዋእቲ መስተን፡+—በብመዓልቱ ንምቕራብ ቅዱሳት ኣኼባታት+ እትእውጁለን በዓላት+ የሆዋ እዚኣተን እየን። 38 እዚ ብዘይካ እቲ ንየሆዋ እትህብዎ ኣብ ሰናብቲ የሆዋ+ ዚቐርብ መባእኩምን+ መስዋእቲ መብጽዓኹምን+ መስዋእቲ ፍታውኩምን+ እዩ። 39 ግናኸ፡ ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ፍርያት እታ ምድሪ ምስ ኣከብኩም፡ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል የሆዋ ኣብዕሉ።+ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ምሉእ ዕረፍቲ ይኹን፡ ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ እውን ምሉእ ዕረፍቲ ይኹን።+ 40 ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ፍረ ብሉጽ ኣእዋም፡ ማለት ጨናፍር ኣእዋም ስየን+ ጨናፍር ልሙዕ ኣእዋምን ኣእዋም ዓራባ ስንጭሮን* ወሲድኩም፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽኩም ሸውዓተ መዓልቲ+ ተሓጐሱ።+ 41 ነዚ ኣብ ዓመት ሸውዓተ መዓልቲ ንየሆዋ ኣብዕልዎ።+ ንውሉድ ወለዶኹም ከም ናይ ሓዋሩ ሕጊ፡ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ኣብዕልዎ። 42 ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ዳስ ተቐመጡ።+ ካብ እስራኤል እተወልዱ ዅሎም ኣብ ዳስ ይቀመጡ፣ 43 እዚ ኸኣ፡ ኣነ ንእስራኤላውያን ካብ ምድሪ ግብጺ ኸውጽኦም ከለኹ፡ ኣብ ዳስ ከም ዘቐመጥክዎም+ ውሉድ ወለዶኹም ምእንቲ ኺፈልጡ እዩ።+ ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።’”

44 ሙሴ ድማ ብዛዕባ እተን በዓላት የሆዋ ንእስራኤላውያን ተዛረቦም።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ