1 ተሰሎንቄ
1 ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን*+ ጢሞቴዎስን፡+ ናብታ ምስ ኣቦና ኣምላኽን ምስ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ሓድነት ዘለዋ ጉባኤ ተሰሎንቄ፦
ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።
2 ብዛዕባ ዅላትኩም ኣብ ጸሎትና ኽንጠቅስ ከለና፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ነመስግኖ ኢና፣+ 3 ከመይሲ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ነቲ ብእምነት ዝገበርኩምዎ ግብርን ብፍቕሪ ዝጸዓርኩምዎ ጻዕርን ሳላ እታ ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዘላትኩም ተስፋ+ ዘርኣኹምዎ ተጻዋርነትን ከየቋረጽና ንዝክሮ ኣለና። 4 ኣቱም ብኣምላኽ እተፈቐርኩም ኣሕዋትና፡ ንሱ ኸም ዝሓረየኩም ፈሊጥና ኢና፣ 5 ስለምንታይሲ፡ እቲ ዝሰበኽናልኩም ብስራት ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን ብጽኑዕ እምነትን እውን እምበር፡ ብቓል ጥራይ ኣይመጸኩምን። ኣባኻትኩምን ምእንታኹምን ከመይ ዝበልና ኸም ዝዀንና እውን ትፈልጡ ኢኹም። 6 ንስኻትኩም ከኣ ነቲ ቓል ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ጸበባ+ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ ብምቕባልኩም፡ ንዓናን+ ንጐይታን+ ትመስሉ ኣለኹም። 7 ስለዚ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዘለዉ ኣመንቲ ኣርኣያ ዄንኩምዎም ኢኹም።
8 ኣብ ኣምላኽ ዘላትኩም እምነት ኣብ ኵሉ ተዘርጊሓ+ ኣላ እምበር፡ ቃል የሆዋ* ኻባኻትኩም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ጥራይ ኣይኰነን እተሰምዐ፣ ስለዚ፡ ሓንቲ እኳ ኽንብል ኣየድልየናን እዩ። 9 ከመይሲ፡ ኣብ ፈለማ ኸመይ ጌርና ኸም ዝረኸብናኩምን ካብ ጣኦታትኩም+ ናብ ኣምላኽ ከመይ ጌርኩም ከም እተመለስኩምን፡ ንሳቶም ባዕላቶም የውርዩ ኣለዉ፣ እዚ ዝገበርኩም ከኣ፡ ነቲ ህያውን ናይ ሓቅን ኣምላኽ ክትግዝኡን 10 ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ኻብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ዜናግፈና+ ወዱ የሱስ ካብ ሰማያት ክትጽበዩን+ ኢልኩም ኢኹም።