ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ነገስት 9
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ነገስት—ትሕዝቶ

      • የሁ ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ተቐብአ (1-13)

      • የሁ ንዮራምን ንኣሓዝያን ቀተሎም (14-29)

      • ኢዛቤል ተቐትለት፣ ኣኽላባት ስጋኣ በልዑ (30-37)

2 ነገስት 9:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 8:25, 28

2 ነገስት 9:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 19:16, 17

2 ነገስት 9:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 22:7

2 ነገስት 9:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2011፡ ገጽ 3

2 ነገስት 9:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 19:16

2 ነገስት 9:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 18:4፣ 19:2፣ 21:15, 25፣ ሉቃ 18:7

2 ነገስት 9:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ዚሸይን ዘበለ።” ንተባዕትዮ ዜመልክት ናይ ንዕቀት መግለጺ እብራይስጢ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 21:20, 21

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    11/2022፡ ገጽ 7

2 ነገስት 9:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:28, 29
  • +1ነገ 16:11, 12

2 ነገስት 9:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 21:23
  • +2ነገ 9:3

2 ነገስት 9:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 3/2022፡ ገጽ 5-6

2 ነገስት 9:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 9:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 3/2022፡ ገጽ 5-6

2 ነገስት 9:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 21:7
  • +2ሳሙ 15:10፣ 1ነገ 1:34, 39

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 3/2022፡ ገጽ 5-6

2 ነገስት 9:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 19:16
  • +1ነገ 19:15፣ 2ነገ 8:15፣ 10:32
  • +2ነገ 8:28

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2011፡ ገጽ 3

2 ነገስት 9:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኹም እንተ ፈቒዳ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 19:17, 18፣ 1ነገ 21:1
  • +2ዜና 22:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2011፡ ገጽ 3

2 ነገስት 9:17

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2011፡ ገጽ 3-4

2 ነገስት 9:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “የሁ ወዲ ኒምሺ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2011፡ ገጽ 4

    1/8/2005፡ ገጽ 11

    1/1/1998፡ ገጽ 13

2 ነገስት 9:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 8:25, 29፣ 2ዜና 22:7
  • +1ነገ 21:1, 15

2 ነገስት 9:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:31፣ 18:4፣ 19:2፣ 21:7
  • +ዘሌ 20:6፣ ዘዳ 18:10፣ 1ነገ 18:19

2 ነገስት 9:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 21:19
  • +1ነገ 21:29

2 ነገስት 9:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 4:8, 10፣ መዝ 9:12፣ 72:14
  • +ዘፍ 9:5፣ ዘሌ 24:17
  • +1ነገ 21:24

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2014፡ ገጽ 13-14

2 ነገስት 9:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 8:29፣ 2ዜና 22:7
  • +እያ 17:11

2 ነገስት 9:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 5:7

2 ነገስት 9:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 8:24፣ 2ዜና 22:2

2 ነገስት 9:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 21:1
  • +1ነገ 16:31፣ 21:25

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 131

2 ነገስት 9:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:15-19

2 ነገስት 9:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 32:26፣ መዝ 94:16

2 ነገስት 9:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:31

2 ነገስት 9:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 9:10

2 ነገስት 9:36

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 55:10, 11
  • +1ነገ 21:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 120-121

ሓፈሻዊ

2 ነገ. 9:12ነገ 8:25, 28
2 ነገ. 9:21ነገ 19:16, 17
2 ነገ. 9:32ዜና 22:7
2 ነገ. 9:61ነገ 19:16
2 ነገ. 9:71ነገ 18:4፣ 19:2፣ 21:15, 25፣ ሉቃ 18:7
2 ነገ. 9:81ነገ 21:20, 21
2 ነገ. 9:91ነገ 15:28, 29
2 ነገ. 9:91ነገ 16:11, 12
2 ነገ. 9:101ነገ 21:23
2 ነገ. 9:102ነገ 9:3
2 ነገ. 9:122ነገ 9:6
2 ነገ. 9:13ማቴ 21:7
2 ነገ. 9:132ሳሙ 15:10፣ 1ነገ 1:34, 39
2 ነገ. 9:141ነገ 19:16
2 ነገ. 9:141ነገ 19:15፣ 2ነገ 8:15፣ 10:32
2 ነገ. 9:142ነገ 8:28
2 ነገ. 9:15እያ 19:17, 18፣ 1ነገ 21:1
2 ነገ. 9:152ዜና 22:6
2 ነገ. 9:212ነገ 8:25, 29፣ 2ዜና 22:7
2 ነገ. 9:211ነገ 21:1, 15
2 ነገ. 9:221ነገ 16:31፣ 18:4፣ 19:2፣ 21:7
2 ነገ. 9:22ዘሌ 20:6፣ ዘዳ 18:10፣ 1ነገ 18:19
2 ነገ. 9:251ነገ 21:19
2 ነገ. 9:251ነገ 21:29
2 ነገ. 9:26ዘፍ 4:8, 10፣ መዝ 9:12፣ 72:14
2 ነገ. 9:26ዘፍ 9:5፣ ዘሌ 24:17
2 ነገ. 9:261ነገ 21:24
2 ነገ. 9:272ነገ 8:29፣ 2ዜና 22:7
2 ነገ. 9:27እያ 17:11
2 ነገ. 9:282ሳሙ 5:7
2 ነገ. 9:292ነገ 8:24፣ 2ዜና 22:2
2 ነገ. 9:301ነገ 21:1
2 ነገ. 9:301ነገ 16:31፣ 21:25
2 ነገ. 9:311ነገ 16:15-19
2 ነገ. 9:32ዘጸ 32:26፣ መዝ 94:16
2 ነገ. 9:341ነገ 16:31
2 ነገ. 9:352ነገ 9:10
2 ነገ. 9:36ኢሳ 55:10, 11
2 ነገ. 9:361ነገ 21:23
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ነገስት 9:1-37

2 ነገስት

9 ነብዪ ኤልሳእ ድማ ንሓደ ኻብ ደቂ ነብያት ጸዊዑ ኸምዚ በሎ፦ “ሕቘኻ ተዓጠቕ እሞ፡ እዚ መቐርሰሚቶ ዘይቲ እዚ ምሳኻ ወሲድካ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ኪድ።+ 2 ኣብኣ ምስ በጻሕካ፡ ንየሁ+ ወዲ ዮሳፋጥ ወዲ ኒምሺ ኣብኡ ድለዮ፣ ኣቲኻ ኸኣ ካብ መንጎ ኣሕዋቱ ኣተንሲእካ ናብ ውሻጠ ኣእትዎ። 3 ነዚ መቐርሰሚቶ ዘይቲ ውሰድ እሞ፡ ኣብ ርእሱ ኣፍሲስካ፡ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀቢአካ እየ”’ በሎ።+ ሽዑ፡ ማዕጾ ኸፊትካ ኸይደንጐኻ ህደም።”

4 ጊልያ እቲ ነብዪ ድማ፡ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ከደ። 5 ኣብኡ ምስ በጽሐ፡ እቶም ኣሕሉቕ ሰራዊት ተቐሚጦም ነበሩ። ንሱ ኸኣ፡ “ኦ ሓለቓ፡ ንዓኻ መልእኽቲ ኣሎኒ” በለ። የሁ ድማ፡ “ንመንና ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ “ኦ ሓለቓ፡ ንዓኻ” በሎ። 6 የሁ ድማ ተንሲኡ ናብ ቤት ኣተወ፣ ሽዑ፡ እቲ ጊልያ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ዘይቲ ኣፍሲሱ ኸምዚ በሎ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀቢአካ እየ።+ 7 ንቤት ጐይታኻ ኣከኣብ ውቓዕ፣ ኣነ ኸኣ ደም ገላዎይ ነብያትን ደም ኵሎም እቶም ብኢድ ኢዛቤል ዝሞቱ ገላዉ የሆዋን ክፈዲ እየ።+ 8 ብዘላ ቤት ኣከኣብ ከኣ ክትጠፍእ እያ፣ ካብ ኣከኣብ ድማ ተባዕታይ ዘበለ፡* እንተላይ ኣብ እስራኤል ዘሎ ረዳኢ ኣልቦን ድኹምን፡ ከጽንት እየ።+ 9 ንቤት ኣከኣብ ከኣ ከም ቤት የሮብዓም+ ወዲ ናባጥን ከም ቤት ባዕሳ+ ወዲ ኣሒያን ክገብራ እየ። 10 ንኢዛቤል ድማ ኣብ ግራት ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዋ እዮም፡+ ዚቐብራ እውን የልቦን።’” ሽዑ፡ ማዕጾ ኸፊቱ ሃደመ።+

11 የሁ ናብቶም ገላዉ ጐይታኡ ምስ ተመልሰ፡ “ደሓን ድዩ፧ እዚ ዕቡድ እዚ ስለምንታይ እዩ መጺኡካ፧” ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ድማ፡ “ነዚ ሰብኣይ እዝን ንዘረባኡን ትፈልጥዎ ኢኹም” ኢሉ መለሰሎም። 12 ንሳቶም ግና፡ “ኣይፋልናን። በጃኻ ደኣ ንገረና” በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ከምዚ ኢሉኒ፡ ኣስዒቡ እውን፡ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክትነግስ ቀቢአካ ኣለኹ”’ ኢሉኒ” በሎም።+ 13 ሽዑ፡ ነፍሲ ወከፎም ተቐላጢፎም ከክዳኖም ወሲዶም፡ ኣብ ትሕቲኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጥራዩ ዝነበረ መደያይቦ ኣንጸፉ፣+ መለኸት ነፊሖም ድማ፡ “የሁ ነጊሱ!” በሉ።+ 14 የሁ+ ወዲ ዮሳፋጥ ወዲ ኒምሺ ኸኣ ንዮራም ውዲት ኣለመሉ።

ዮራም ድማ ብምኽንያት ሓዛኤል+ ንጉስ ሶርያ፡ ንሱ ምስ ኵሉ እስራኤል ኣብ ራሞት-ጊልዓድ ኰይኑ ይሕሉ ነበረ።+ 15 ድሕርዚ፡ ንጉስ ዮራም ካብቲ ምስ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኺዋጋእ ከሎ ሶርያውያን ዘቝሰልዎ ቝስሊ ኺሓዊ ናብ ይዝርኤል+ ተመልሰ።+

የሁ ኸኣ፡ “እንተ ተሰማሚዕኩም፡* ከይዱ ኣብ ይዝርኤል ከይነግርሲ፡ ካብዛ ኸተማ እዚኣ ሓደ እኳ ኣምሊጡ ኣይውጻእ” በሎም። 16 ዮራም ቈሲሉ ኣብኡ ደቂሱ ነበረ እሞ፡ የሁ ኣብ ሰረገላኡ ደዪቡ ናብ ይዝርኤል ከደ፣ ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳ ድማ ንዮራም ኪርእዮ ወሪዱ ነበረ። 17 ሓደ ሓላዊ ኣብ ግምቢ ይዝርኤል ደው ኢሉ ኸሎ፡ ጭፍራ የሁ ኺመጽእ ረኣየ። ሽዑ፡ “ጭፍራ እርኢ ኣለኹ” በለ። ዮራም ከኣ፡ “ሓደ ፈረሰኛ ውሰድ እሞ ኪቕበሎም ስደዶ፡ ‘ብሰላም ዲኻ፧’ እውን ይበል” በለ። 18 ሓደ ፈረሰኛ ድማ ኪቕበሎ ኸይዱ፡ “ንጉስ፡ ‘ብሰላም ዲኻ፧’ ይብል ኣሎ” በለ። የሁ ግና፡ “ምስ ‘ሰላም’ እንታይ ኣሎካ፧ ድሕረይ ተሰለፍ!” በሎ።

እቲ ሓላዊ ኸኣ፡ “እቲ ልኡኽ ናብኦም በጺሑ፡ ግናኸ ኣይተመልሰን” ኢሉ ነገረ። 19 ንሱ ድማ ካልኣይ ፈረሰኛ ሰደደ፣ ንሱ ናባታቶም ምስ መጸ ኸኣ፡ “ንጉስ፡ ‘ብሰላም ዲኻ፧’ ይብል ኣሎ” በለ። የሁ ግና፡ “ምስ ‘ሰላም’ እንታይ ኣሎካ፧ ድሕረይ ተሰለፍ!” በሎ።

20 እቲ ሓላዊ ኸኣ፡ “ናባታቶም በጺሑ፡ ግናኸ ኣይተመልሰን፣ ከም ዕቡድ ይጋልብ ኣሎ እሞ፡ ኣጋልባኡ ኸም ኣጋልባ የሁ ወዲ ወዱ ንኒምሺ* እዩ” ኢሉ ነገረ። 21 ሽዑ፡ ዮራም፡ “ጽዓን!” በለ። ሰረገላ ድማ ተጻዕነሉ፡ ዮራም ንጉስ እስራኤልን ኣሓዝያ+ ንጉስ ይሁዳን ከኣ ኣብ ሰሰረገላኦም ደዪቦም ንየሁ ኪቕበልዎ ወጹ። ኣብ ግራት ናቦት+ እቲ ይዝርኤላዊ ድማ ረኸብዎ።

22 ዮራም ከኣ ንየሁ ምስ ረኣዮ፡ “የሁ፡ ብሰላም ዲኻ፧” በሎ። ንሱ ግና፡ “ምንዝርና ኣዴኻ ኢዛቤልን+ እቲ ብዙሕ ኣስማታን ክሳዕ ዘሎ፡ እንታይ ሰላም ኪህሉ ይኽእል፧”+ በለ። 23 ሽዑ፡ ዮራም ኪሃድም ሰረገላኡ መለሰ፡ ንኣሓዝያ ኸኣ፡ “ኣሓዝያ፡ ተታሊልና ኢና!” በሎ። 24 የሁ ድማ ቀስቱ ብኢዱ ወሲዱ፡ ንዮራም ኣብ መንጎ መናዅቡ ወግኦ፣ እቲ ፍላጻ ኸኣ ብልቡ ወጸ፣ ኣብ ሰረገላኡ ድማ ተቘልዓጸ። 25 የሁ ኸኣ ንቢድቃር እቲ ሓጋዚኡ ኸምዚ በሎ፦ “ኣልዕሎ እሞ፡ ኣብ ግራት ናቦት እቲ ይዝርኤላዊ ደርብዮ።+ ኣነን ንስኻን ብሓባር ተወጢሕና ደድሕሪ ኣቦኡ ኣከኣብ ክንስዕብ ከለና፡ የሆዋ ኣንጻሩ ኸምዚ ዚብል ከቢድ መልእኽቲ ኸም እተዛረበ ዘክር፦+ 26 ‘“ከምቲ ትማሊ ደም ናቦትን+ ደም ደቁን ዝረኣኹ” ይብል የሆዋ፡ “ኣነ እውን ኣብዛ ግራት እዚኣ ኽፈድየካ እየ”+ ይብል የሆዋ።’ ሕጂ ድማ፡ ከምቲ ቓል የሆዋ፡ ኣልዕሎ እሞ፡ ኣብታ ግራት ደርብዮ።”+

27 ኣሓዝያ+ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ እዚ ምስ ረኣየ፡ ብመገዲ ቤት ኣታኽልቲ ኣቢሉ ሃደመ። (ጸኒሑ፡ የሁ ሰዓቦ እሞ፡ “ንዕኡ እውን ውቕዕዎ!” በለ። ንዕኡ እውን ብመገዲ እታ ጥቓ ዪብልዓም+ ዘላ ጉር እናደየበ ኣብ ሰረገላ ኸሎ ወቕዕዎ። ናብ መጊዶ ሃዲሙ ግና፡ ኣብኣ ሞተ። 28 ገላዉኡ ድማ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ናብ የሩሳሌም ወሰድዎ፣ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት+ ኣብ መቓብሩ ቐበርዎ። 29 ኣሓዝያ+ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ዝነገሰ፡ ኣብ መበል 11 ዓመት ዮራም ወዲ ኣከኣብ እዩ ነይሩ።)

30 የሁ ናብ ይዝርኤል+ ምስ መጸ፡ ኢዛቤል+ ብዛዕባኡ ሰምዐት። ኣዒንታ ብዅሕሊ ተዃሒላ፡ ርእሳ ድማ ተሰሪሓ፡ ብመስኰት ኣንቈልቊላ ጠመተት። 31 የሁ ብኣፍ ደገ ምስ ኣተወ፡ “ዚምሪ እቲ ቐታል ጐይታኡስ ደሓንዶ ዀይኑ እዩ፧” በለት።+ 32 ናብቲ መስኰት ኣንቃዕሪሩ፡ “ምሳይ መን ኣሎ፧ መን፧” በለ።+ ብኡብኡ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ናብኡ ኣንቈልቊሎም ጠመቱ። 33 ንሱ ኸኣ፡ “ኣጽድፍዋ!” በለ። ንሳቶም ድማ ኣጽደፍዋ፡ ካብቲ ደማ ኸኣ ናብ መንደቕን ናብ ኣፍራስን ተነጽገ፣ ረጊጽዋ ድማ ሓለፈ። 34 ድሕርዚ ኸኣ፡ ናብ ቤት ኣትዩ በልዐን ሰተየን። ሽዑ፡ “ጓል ንጉስ እያ እሞ፡+ በጃኹም፡ ብዛዕባ እዛ ርግምቲ ገለ ግበሩ፡ ቅበርዋ እውን” በለ። 35 ኪቐብርዋ ምስ ከዱ ግና፡ ብዘይካ ሽክና ርእሳን ኣእጋራን ግናዕ ኣእዳዋን ገለ እኳ ኣይረኸቡላን።+ 36 ተመሊሶም ምስ ነገርዎ፡ ንሱ ኸምዚ በለ፦ “እዚ ነቲ የሆዋ ብጊልያኡ ኤልያስ እቲ ቲሽባዊ እተዛረቦ ኸምዚ ዚብል ቃል ዚፍጽም እዩ፦+ ‘ኣብ ግራት ይዝርኤል፡ ኣኽላባት ስጋ ኢዛቤል ኪበልዑ እዮም።+ 37 ሬሳ ኢዛቤል ድማ፡ “እዚኣ ኢዛቤል እያ” ኸይብሉስ፡ ኣብ ልዕሊ ገጽ እታ ግራት፡ ኣብ ግራት ይዝርኤል ከም ድዅዒ ኪኸውን እዩ።’”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ