ናይ ዳዊት መዝሙር።
15 ኦ የሆዋ፡ ኣብ ድንኳንካ ጋሻ ዚኸውን መን እዩ፧
ኣብ ቅዱስ ከረንካ ዚነብርከ መን እዩ፧+
 2 እቲ ብዘይ ኣበር ዚመላለስ፡+
ቅኑዕ ዚገብር፡+
ብልቡ ድማ ሓቂ ዚዛረብ።+
 3 ብልሳኑ ዘይሓሚ፡+
ንብጻዩ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፡+
ንፈተውቱ ኸኣ ዘየጸልም።+
 4 ንዑቕ ዘበለ ዚንዕቕ፡+
ንየሆዋ ንዚፈርህዎ ግና ዜኽብሮም።
ዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፡ ቃሉ ዘይልውጥ።+
 5 ገንዘቡ ብወለድ ዘየለቅሕ፡+
ኣንጻር ንጹህ ኪኸውን ኢሉ ኸኣ ጉቦ ዘይቅበል።+
ከምዚ ዚገብር ዘበለ ኸቶ ኣይናወጽን እዩ።+