ናይ ደቂ ቆራሕ።+ መዝሙር። ማህሌት።
87 መሰረት ከተማኡ ኣብ ቅዱስ ኣኽራን እዩ።+
2 የሆዋ ኻብ ኵሉ ድንኳናት ያእቆብሲ፡
ንኣፍ ደገታት ጽዮን ይፈቱ።+
3 ኦ ኸተማ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ብዛዕባኺ ኽቡር ነገር ይዝረብ ኣሎ።+ (ሴላ)
4 ንረሃብን+ ንባቢሎንን ካብተን ዚፈልጣኒ ክቘጽረን እየ፣
ፍልስጥኤምን ጢሮስን ምስ ኩሽ እነዋ።
“እዚኣ ኣብኣ እተወልደት እያ” ኺብሃል እዩ።
5 ብዛዕባ ጽዮን ድማ፡
“ነፍሲ ወከፍ ኣብኣ ተወሊዱ” ኺብሃል እዩ።
እቲ ልዑል ከኣ ኬጽንዓ እዩ።
6 የሆዋ ንህዝብታት ኪምዝግቦም ከሎ፡
“እዚ ኣብኣ እተወልደ እዩ” ኺብል እዩ። (ሴላ)
7 ዘመርትን+ ብኽቢ ዚስዕስዑ ሳዕሳዕትን፡+
“ኵሉ ዓይኒ ማያተይ ኣባኺ እዩ”+ ኺብሉ እዮም።