መዝሙር
ንኣላዪ፣ ብሸሚኒት* እተቓነየ። ናይ ዳዊት መዝሙር።
12 ኦ የሆዋ፡ እሙን ተሳኢኑ እዩ እሞ፡ ኣድሕነኒ፣
እሙናት ካብ መንጎ ሰባት ጠፊኦም።
3 የሆዋ ንዅለን ዚሽሕጣ ኸናፍርን
ዓብዪ ትምክሕቲ ንእትዛረብ ልሳንን ኪቘርጽ እዩ።+
4 ንሳቶም፡ “ብልሳንና ኽንስዕር ኢና።
ንኸናፍርና ኸም ቃሕ ዝበለና ጌርና ንጥቀመሉ ኢና፣
መን እዩ ጐይታና ዚኸውን፧” ይብሉ።+
“ካብቶም ዚንዕቕዎም* ከድሕኖም እየ።”
7 ኦ የሆዋ፡ ክትሕልዎም፡+
ንነፍሲ ወከፎም ካብዚ ወለዶ እዚ ንዘለኣለም ከተዕቍቦም ኢኻ።
8 ደቂ ሰብ እከይ ስለ ዜስፋሕፍሑ፡
እኩያት ብዘይ ቀይዲ ይዞሩ።+