ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 27
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ኣርዑት ባቢሎን (1-11)

      • ንጼዴቅያስ፡ ንባቢሎን ኪግዛእ ተነግሮ (12-22)

ኤርምያስ 27:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 27

ኤርምያስ 27:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 25:12, 13፣ ኦብ 1
  • +ኤር 48:1፣ ህዝ 25:8, 9
  • +ኤር 49:1, 2፣ ህዝ 25:2
  • +ኢሳ 23:1፣ ኤር 47:4፣ ህዝ 26:3
  • +ኢሳ 23:4፣ ህዝ 28:21፣ ዮኤ 3:4

ኤርምያስ 27:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ቅኑዕ ንዝዀነ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዳን 4:17

ኤርምያስ 27:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:9፣ 28:14፣ 43:10፣ ዳን 2:37, 38

ኤርምያስ 27:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:12, 14፣ 51:11
  • +መዝ 137:8፣ ኤር 50:14, 27፣ ዳን 5:26, 30

ኤርምያስ 27:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብሕማምን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 26:7, 8

ኤርምያስ 27:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኺዓርፍ።”

ኤርምያስ 27:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:17፣ 1ዜና 3:15፣ ኤር 37:1
  • +ኤር 38:2, 20

ኤርምያስ 27:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:7
  • +2ነገ 25:3
  • +ኤር 21:9፣ ህዝ 14:21

ኤርምያስ 27:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 28:1, 2, 11፣ 37:19
  • +ኤር 14:14፣ 23:21፣ 28:15፣ 29:8, 9፣ ህዝ 13:6

ኤርምያስ 27:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 20:6፣ 29:21፣ ህዝ 13:3

ኤርምያስ 27:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:11, 13፣ 2ዜና 36:7፣ ኤር 28:1-3፣ ዳን 1:1, 2
  • +ኤር 14:13

ኤርምያስ 27:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 27:11፣ 38:17

ኤርምያስ 27:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ኤርምያስ 27:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ናይ ቤተ መቕደስ ባሕሪ ነሓሲ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 7:15፣ 2ነገ 25:17፣ 2ዜና 4:11, 12፣ ኤር 52:21
  • +1ነገ 7:23
  • +1ነገ 7:27፣ 2ነገ 25:16፣ 2ዜና 4:11, 14

ኤርምያስ 27:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:14, 15፣ 2ዜና 36:10፣ ኤር 24:1፣ ዳን 1:2, 3

ኤርምያስ 27:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ኤርምያስ 27:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:13, 14፣ 2ዜና 36:18፣ ኤር 52:17, 18፣ ዳን 5:3
  • +እዝ 1:7፣ 5:14

ሓፈሻዊ

ኤር. 27:3ህዝ 25:12, 13፣ ኦብ 1
ኤር. 27:3ኤር 48:1፣ ህዝ 25:8, 9
ኤር. 27:3ኤር 49:1, 2፣ ህዝ 25:2
ኤር. 27:3ኢሳ 23:1፣ ኤር 47:4፣ ህዝ 26:3
ኤር. 27:3ኢሳ 23:4፣ ህዝ 28:21፣ ዮኤ 3:4
ኤር. 27:5ዳን 4:17
ኤር. 27:6ኤር 25:9፣ 28:14፣ 43:10፣ ዳን 2:37, 38
ኤር. 27:7ኤር 25:12, 14፣ 51:11
ኤር. 27:7መዝ 137:8፣ ኤር 50:14, 27፣ ዳን 5:26, 30
ኤር. 27:8ህዝ 26:7, 8
ኤር. 27:122ነገ 24:17፣ 1ዜና 3:15፣ ኤር 37:1
ኤር. 27:12ኤር 38:2, 20
ኤር. 27:132ነገ 25:7
ኤር. 27:132ነገ 25:3
ኤር. 27:13ኤር 21:9፣ ህዝ 14:21
ኤር. 27:14ኤር 28:1, 2, 11፣ 37:19
ኤር. 27:14ኤር 14:14፣ 23:21፣ 28:15፣ 29:8, 9፣ ህዝ 13:6
ኤር. 27:15ኤር 20:6፣ 29:21፣ ህዝ 13:3
ኤር. 27:162ነገ 24:11, 13፣ 2ዜና 36:7፣ ኤር 28:1-3፣ ዳን 1:1, 2
ኤር. 27:16ኤር 14:13
ኤር. 27:17ኤር 27:11፣ 38:17
ኤር. 27:191ነገ 7:15፣ 2ነገ 25:17፣ 2ዜና 4:11, 12፣ ኤር 52:21
ኤር. 27:191ነገ 7:23
ኤር. 27:191ነገ 7:27፣ 2ነገ 25:16፣ 2ዜና 4:11, 14
ኤር. 27:202ነገ 24:14, 15፣ 2ዜና 36:10፣ ኤር 24:1፣ ዳን 1:2, 3
ኤር. 27:222ነገ 25:13, 14፣ 2ዜና 36:18፣ ኤር 52:17, 18፣ ዳን 5:3
ኤር. 27:22እዝ 1:7፣ 5:14
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 27:1-22

ኤርምያስ

27 ኣብ መጀመርታ ንግስና ዮያቂም ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ እዚ ቓል እዚ ኻብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 2 “የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ ‘መእሰሪታትን ኣርዑታትን ንዓኻ ግበር፣ ኣብ ክሳድካ ድማ ግበሮ። 3 ንዕኡ ኸኣ ናብ ንጉስ ኤዶምን+ ናብ ንጉስ ሞኣብን+ ናብ ንጉስ ዓሞናውያንን+ ናብ ንጉስ ጢሮስን+ ናብ ንጉስ ሲዶንን+ ብኢድ እቶም ናብ የሩሳሌም ናብ ጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ዝመጹ ልኡኻት ጌርካ ስደዶ። 4 ንጐይተቶም ድማ እዚ ትእዛዝ እዚ ሃቦም፦

“‘“የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፣ ንጐይተትኩም ከምዚ በልዎም፦ 5 ‘ንምድርን ኣብ ገጽ ምድሪ ንዘለዉ ሰብን እንስሳን ብዓብዪ ሓይለይን ብዝርግሕቲ ቕልጽመይን ዝገበርኩ ኣነ እየ፣ ኣነ ኸኣ ንዓኣ ባህ ንዝበለኒ* ሂበያ ኣለኹ።+ 6 ሕጂ ድማ ኵለን እዘን ሃገራት እዚአን ኣብ ኢድ ጊልያይ ነቡካድነጻር+ ንጉስ ባቢሎን ሂበየን ኣለኹ፣ እንስሳታት መሮር እኳ ኺግዝእዎ ሂበዮ ኣለኹ። 7 ግዜ ምድሩ ኽሳዕ ዚኣክል፡ ማለት ብዙሓት ኣህዛብን ዓበይቲ ነገስታትን ንዕኡ ባርያኦም ክሳዕ ዚገብርዎ፡+ ኵሎም ኣህዛብ ንዕኡን ንወዱን ንወዲ ወዱን ኪግዝእዎም እዮም።’+

8 “‘“‘እቲ ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ከይግዛእ ዚኣቢ፡ ክሳዱ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ምግባር ዚኣቢ ህዝብን መንግስትን፡ ነቲ ህዝቢ እቲ ብኢዱ ገይረ ኽሳዕ ዝውድኦ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን* ክቐጽዖ እየ’ ይብል የሆዋ።+

9 “‘“‘እምበኣር፡ ነቶም፡ “ንንጉስ ባቢሎን ኣይክትግዝእዎን ኢኹም” ዚብሉኹም ነብያትኩምን ጠንቈልትኹምን ሓለምትኹምን ገበርቲ ስሒርኩምን ኣስማተኛታትኩምን ኣይትስምዕዎም። 10 ንሳቶምሲ ኻብ ምድርኹም ርሒቕኩም ምእንቲ ኽትውሰዱን ኣነ ምእንቲ ኽብትነኩምን ምእንቲ ኽትጠፍኡን፡ ሓሶት እዮም ዚንበዩልኩም ዘለዉ።

11 “‘“‘ነቲ ኽሳዱ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ዚገብርን ዚግዝኦን ህዝቢ ግና’ ይብል የሆዋ፡ ‘ንምድሩ ኺሓርሳን ኣብኣ ኪቕመጥንሲ፡ ኣብኣ ኺነብር* ክፈቕደሉ እየ።’”’”

12 ንጼዴቅያስ+ ንጉስ ይሁዳ ድማ ብተመሳሳሊ ኸምዚ ኢለ ተዛረብክዎ፦ “ክሳውድኹም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ግበሩ፣ ንዕኡን ንህዝቡን ከኣ ተገዝኡ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።+ 13 ስለምንታይ ንስኻን ህዝብኻን፡ ከምቲ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንንጉስ ባቢሎን ዘይግዛእ ህዝቢ እተዛረቦ ብሰይፍን+ ብጥሜትን+ ብለበዳን እትሞቱ፧+ 14 ንቓላት እቶም፡ ‘ንንጉስ ባቢሎን ኣይክትግዝእዎን ኢኹም’ ዚብሉኹም ዘለዉ ነብያት ኣይትስምዑ፣+ ንሳቶምሲ ሓሶት እዮም ዚንበዩልኩም ዘለዉ።+

15 “‘ኣነ ምእንቲ ኽብትነኩም፡ ንስኻትኩምን እቶም ዚንበዩልኩም ነብያትን ከኣ ምእንቲ ኽትጠፍኡስ፡ ብስመይ ሓሶት እዮም ዚንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፡ ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን’ ይብል የሆዋ።”+

16 ንኻህናትን ንዅሉ እዚ ህዝቢ እዝን ድማ ከምዚ በልክዎም፦ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንቓላት እዞም፡ “እንሆ፡ ኣቕሑ ቤት የሆዋ ኻብ ባቢሎን ሕጂ ብቕልጡፍ ኪምለስ እዩ!”+ ኢሎም ዚንበዩልኩም ነብያትኩም ኣይትስምዑ፣ ንሳቶምሲ ሓሶት እዮም ዚንበዩልኩም ዘለዉ።+ 17 ኣይትስምዕዎም። ንንጉስ ባቢሎን ተገዝኡ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።+ ስለምንታይ እዛ ኸተማ እዚኣ እትዓኑ፧ 18 ንሳቶም ነብያት እንተ ዀይኖም፡ ቃል የሆዋ ኸኣ ምሳታቶም እንተ ኣልዩ፡ እቲ ኣብ ቤት የሆዋን ኣብ ቤት* ንጉስ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ዝተረፈ ኣቕሑ ናብ ባቢሎን ከይውሰድ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ግዳ ይለምንዎ።’

19 “የሆዋ ጐይታ ሰራዊትሲ ብዛዕባ እቲ ኣዕኑድን+ እቲ ባሕርን*+ እቲ ዓረብያታትን+ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተሪፉ ዘሎ ኣቕሑን ከምዚ ይብል፣ 20 እወ፡ ብዛዕባ እቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ንየኮንያ ወዲ ዮያቂም፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ምስ ኵሎም ልዑላን ይሁዳን የሩሳሌምን ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ማሪኹ ኺወስዶ ኸሎ ዘይወሰዶ፡+ 21 ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት የሆዋን ኣብ ቤት* ንጉስ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ዝተረፈ ኣቕሑ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ 22 ‘“ናብ ባቢሎን ኪውሰድ፡+ ኣነ ቘላሕታ ኽሳዕ ዝገብረሉ እውን ኣብኡ ኺጸንሕ እዩ። ሽዑ፡ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኸደይቦን ክመልሶን እየ” ይብል የሆዋ።’”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ