ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • እብራውያን 7
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

እብራውያን—ትሕዝቶ

      • መልከጼዴቅ፡ ፍሉይ ንጉስን ካህንን (1-10)

      • ክህነት ክርስቶስ ዘለዎ ሓለፋ (11-28)

        • ክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ኬድሕን ይኽእል (25)

እብራውያን 7:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 14:17-20

እብራውያን 7:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዝመቐሎ።”

እብራውያን 7:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 110:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/1995፡ ገጽ 19

እብራውያን 7:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “በቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 14:20

እብራውያን 7:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ካብ ሕቘ ኣብርሃም ዝወጹ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 40:12, 15
  • +ዘሁ 18:21, 26፣ ዘዳ 14:28

እብራውያን 7:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 12:7፣ 14:18-20፣ 17:6፣ 22:17

እብራውያን 7:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 7:3

እብራውያን 7:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ሕቘ ኣቦኡ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 14:18

እብራውያን 7:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 3:20፣ እብ 7:19፣ 9:9፣ 10:1
  • +መዝ 110:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 9/2019፡ ገጽ 3

እብራውያን 7:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 3:27፣ 1ቈረ 9:21፣ ገላ 6:2፣ ቈሎ 2:13, 14

እብራውያን 7:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 18:6, 7

እብራውያን 7:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 49:10፣ ማቴ 1:1, 3፣ ሉቃ 3:23, 33

እብራውያን 7:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 110:4
  • +እብ 3:1፣ 7:26

እብራውያን 7:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 6:9፣ 1ጢሞ 6:16

እብራውያን 7:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 110:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 2/2020፡ ገጽ 2

እብራውያን 7:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 8:3፣ እብ 9:9፣ 13:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    10/2023፡ ገጽ 25

እብራውያን 7:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 13:38, 39፣ ገላ 2:15, 16፣ እብ 10:1
  • +ዮሃ 14:6፣ እብ 4:16
  • +1ጴጥ 1:3, 4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    10/2023፡ ገጽ 25

እብራውያን 7:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

  • *

    ወይ፡ “ኣይኪጥዓስን ከኣ እዩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 110:4

እብራውያን 7:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 31:31፣ ማቴ 26:27, 28፣ 1ቈረ 11:25፣ እብ 8:6፣ 9:15፣ 12:22, 24

እብራውያን 7:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 6:4

እብራውያን 7:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 1:33፣ እብ 7:15, 16

እብራውያን 7:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 8:34፣ 1ጢሞ 2:5፣ እብ 9:24፣ 1ዮሃ 2:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 140

እብራውያን 7:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 53:9፣ 1ጴጥ 2:21, 22
  • +ኤፌ 1:20, 21፣ 1ጴጥ 3:22

እብራውያን 7:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 9:8, 15
  • +ዘሁ 28:3
  • +ሮሜ 6:10፣ እብ 9:28፣ 10:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2008፡ ገጽ 14

እብራውያን 7:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 16:11
  • +መዝ 2:7፣ 110:4
  • +እብ 2:10፣ 5:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2008፡ ገጽ 14

ሓፈሻዊ

እብ. 7:1ዘፍ 14:17-20
እብ. 7:3መዝ 110:4
እብ. 7:4ዘፍ 14:20
እብ. 7:5ዘጸ 40:12, 15
እብ. 7:5ዘሁ 18:21, 26፣ ዘዳ 14:28
እብ. 7:6ዘፍ 12:7፣ 14:18-20፣ 17:6፣ 22:17
እብ. 7:8እብ 7:3
እብ. 7:10ዘፍ 14:18
እብ. 7:11ሮሜ 3:20፣ እብ 7:19፣ 9:9፣ 10:1
እብ. 7:11መዝ 110:4
እብ. 7:12ሮሜ 3:27፣ 1ቈረ 9:21፣ ገላ 6:2፣ ቈሎ 2:13, 14
እብ. 7:13ዘሁ 18:6, 7
እብ. 7:14ዘፍ 49:10፣ ማቴ 1:1, 3፣ ሉቃ 3:23, 33
እብ. 7:15መዝ 110:4
እብ. 7:15እብ 3:1፣ 7:26
እብ. 7:16ሮሜ 6:9፣ 1ጢሞ 6:16
እብ. 7:17መዝ 110:4
እብ. 7:18ሮሜ 8:3፣ እብ 9:9፣ 13:9
እብ. 7:19ግብ 13:38, 39፣ ገላ 2:15, 16፣ እብ 10:1
እብ. 7:19ዮሃ 14:6፣ እብ 4:16
እብ. 7:191ጴጥ 1:3, 4
እብ. 7:21መዝ 110:4
እብ. 7:22ኤር 31:31፣ ማቴ 26:27, 28፣ 1ቈረ 11:25፣ እብ 8:6፣ 9:15፣ 12:22, 24
እብ. 7:231ዜና 6:4
እብ. 7:24ሉቃ 1:33፣ እብ 7:15, 16
እብ. 7:25ሮሜ 8:34፣ 1ጢሞ 2:5፣ እብ 9:24፣ 1ዮሃ 2:1
እብ. 7:26ኢሳ 53:9፣ 1ጴጥ 2:21, 22
እብ. 7:26ኤፌ 1:20, 21፣ 1ጴጥ 3:22
እብ. 7:27ዘሌ 9:8, 15
እብ. 7:27ዘሁ 28:3
እብ. 7:27ሮሜ 6:10፣ እብ 9:28፣ 10:14
እብ. 7:28ዘሌ 16:11
እብ. 7:28መዝ 2:7፣ 110:4
እብ. 7:28እብ 2:10፣ 5:9
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
እብራውያን 7:1-28

እብራውያን

7 እዚ ንጉስ ሳሌምን ካህን እቲ ልዑል ኣምላኽን ዝነበረ መልከጼዴቅ እዝስ ንኣብርሃም፡ ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኺምለስ ከሎ ረኺቡ ዝባረኾ፡+ 2 ኣብርሃም ድማ ካብ ኵሉ፡ ዕሽር ዝሃቦ፡* ቀዳማይ ትርጉም ስሙ፡ “ንጉስ ጽድቂ” እዩ፣ ደሓር ከኣ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ማለት፡ “ንጉስ ሰላም” እዩ። 3 ብዘይ ኣቦ፡ ብዘይ ኣደ፡ ብዘይ ቍጽሪ ወለዶ፡ መጀመርታ መዓልትታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዘይብሉ ብምዃኑ፡ ግናኸ ኸም ወዲ ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ንሓዋሩ ኻህን ኰይኑ ይነብር።+

4 እዚ በቲ ርእሲ ዓሌት* ዝዀነ ኣብርሃም ካብቲ ብሉጽ ምርኮ ዕሽር እተዋህቦ ሰብ እዚ ኸመይ ዓብዪ ኸም ዝዀነ እሞ ርኣዩ።+ 5 ብመሰረት ሕጊ፡ እቶም ክህነት ዚቕበሉ ኻብ ደቂ ሌዊ ዘበሉ፡+ ካብቲ ህዝቢ፡ ማለት ካብቶም ዘርኢ ኣብርሃም* እኳ ዝዀኑ ኣሕዋቶም ዕሽር ኪእክቡ ትእዛዝ ኣለዎም።+ 6 እዚ ወለዶኡ ኻብኦም ዘይኰነ ሰብ እዚ ግና፡ ካብ ኣብርሃም ዕሽር ወሲዱ፡ ነቲ ተስፋታት ዝረኸበ እውን ባሪኽዎ እዩ።+ 7 እቲ ዝነኣሰ በቲ ዝዓበየ ኸም ዚባረኽ ኣይከሓድን እዩ። 8 በዚ ሓደ ወገን መወትቲ ሰባት ዕሽር ኪቕበሉ ኸለዉ፡ በቲ ሓደ ወገን ግና እቲ ህያው ምዃኑ እተመስከረሉ እዩ ዕሽር ዚቕበል።+ 9 እቲ ዕሽር እተቐበለ ሌዊ እኳ ብኣብርሃም ገይሩ ዕሽር ሂቡ ኺብሃል ይከኣል እዩ፣ 10 ከመይሲ፡ መልከጼዴቅ ንኣብርሃም ኪረኽቦ ኸሎ፡ ሌዊ ገና ኻብ ኣቦኡ ዘይተወልደ ዘርኢ* እዩ ነይሩ።+

11 እምበኣር፡ ብኽህነት ሌዋውያን ፍጽምና ዚርከብ ነይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡+ (እዝስ ሓደ መዳይ እቲ ነቲ ህዝቢ እተዋህቦ ሕጊ እዩ ነይሩ እሞ፡) ከም ስርዓት ኣሮን ዘይኰነስ፡ ከም ስርዓት መልከጼዴቅ+ ዚብሃል ካልእ ካህን ኪትንስእ ንምንታይ መድለየ፧ 12 ከመይሲ፡ ክህነት ኪልወጥ ከሎ፡ እቲ ሕጊ እውን ኪልወጥ ኣለዎ።+ 13 እቲ ብዛዕባኡ እዚ እተባህለሉስ፡ ካብ ካልእ ነገድ እዩ፣ ካብቲ ነገድ እቲ ድማ ሓደ እኳ ኣብ መሰውኢ ዘገልገለ የልቦን።+ 14 ጐይታናስ ካብ ይሁዳ ኸም እተወልደ ንጹር እዩ፣+ ሙሴ ኸኣ ካህናት ካብቲ ነገድ እቲ ኸም ዝመጹ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረበን።

15 እዚ ዝበለጸ ንጹር ዚኸውን፡ ከም መልከጼዴቅ ዝኣመሰለ+ ኻልእ ካህን ምስ ዚትንስእ እዩ፣+ 16 ንሱ ኸምኡ ዝዀነ ድማ፡ በቲ ኣብ ስጋዊ ትውልዲ ዚምርኰስ ሕጋዊ ትእዛዝ ዘይኰነስ፡ ብሓይሊ ዘይትጠፍእ ህይወት እዩ።+ 17 ከመይሲ፡ “ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ”+ ተባሂሉ ተመስኪሩሉ እዩ።

18 እምበኣርሲ፡ እቲ ዝቐደመ ትእዛዝ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝዀነ፡ ተሳዒሩ እዩ።+ 19 ከመይሲ፡ ሕጊ ንሓደ እኳ ፍጹም ኣይገበረን፣+ እቲ ናብ ኣምላኽ እንቐርበሉ+ ዚሓይሽ ተስፋ ብምትእትታዉ ግና፡+ ከምኡ ገይሩ እዩ። 20 ከምቲ እዚ ብዘይ ማሕላ ዘይተገብረ፡ 21 (ከመይሲ፡ ብዘይ ማሕላ ኻህናት ዝዀኑ እኳ እንተ ኣለዉ፡ እዚ ግና በቲ ብዛዕባኡ፡ “የሆዋ፡* ‘ንስኻ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ’ ኢሉ ምሒሉ እዩ፣ ሓሳቡ ኸኣ ኣይኪልውጥን እዩ”* ኢሉ ዝመሓሎ ማሕላ እዩ ኸምኡ ዀይኑ፡)+ 22 ከምኡ ድማ የሱስ ዋሕስ እቲ ዝሓሸ ኺዳን ኰይኑ እዩ።+ 23 ከምኡ ኢሎም ከይቅጽሉ ሞት ይዓግቶም ብምንባሩ ኸኣ፡ ብዙሓት እናተተኻኽኡ ኻህናት ይዀኑ ነይሮም እዮም፣+ 24 ንሱ ግና ንዘለኣለም ስለ ዚነብር፡+ ዘይትካእ ክህነት ኣለዎ። 25 ስለዚ፡ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚቐርቡ፡ ኵሉ ሳዕ ምእንታኦም ኪልምን ብህይወት ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ምሉእ ብምሉእ ኬድሕኖም ይኽእል እዩ።+

26 ከምዚ ዝኣመሰለ እሙንን ገርህን ዘይረኸሰን+ ካብ ሓጥኣን እተፈልየን ካብ ሰማያት ልዕል ዝበለን+ ሊቀ ኻህናት ኪህልወና ይግባእ እዩ። 27 ንሱ ኸምቶም ካልኦት ሊቃውንቲ ኻህናት፡ ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፡ ደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ+ መዓልቲ መዓልቲ መስዋእቲ ኬቕርብ ኣየድልዮን እዩ፣+ ከመይሲ፡ ገዛእ ርእሱ ምስ ኣቕረበ፡ ነዚ ሓንሳእ ንሓዋሩ ገይርዎ እዩ።+ 28 ሕግስ ድኻም ንዘለዎም ሰባት እዩ ሊቃውንቲ ኻህናት ኪዀኑ ዚሸሞም፣+ እቲ ድሕሪ ሕጊ እተማሕለ ቓል ማሕላ+ ግና ንዘለኣለም ፍጹም ዝዀነ+ ወዲ እዩ ዚሸይም።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ