ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 17
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ሕንቅሕንቅሊተይ ክልተ ንስርን ተኽሊ ወይንን (1-21)

      • ልምልምቲ ጠጥዒ፡ ግርምቲ ቄድሮስ ኰነት (22-24)

ህዝቅኤል 17:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሆሴ 12:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 85

ህዝቅኤል 17:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:49, 50፣ ኤር 4:13፣ ድጕ 4:19
  • +ኤር 22:23
  • +2ነገ 24:12፣ 2ዜና 36:9, 10፣ ኤር 24:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 85

ህዝቅኤል 17:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ምድሪ ከነኣን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 85-86

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2007፡ ገጽ 12-13

ህዝቅኤል 17:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:17፣ ኤር 37:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 85-86

ህዝቅኤል 17:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 17:13, 14
  • +2ዜና 36:11

ህዝቅኤል 17:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 37:5, 7፣ ህዝ 17:15
  • +2ነገ 24:20፣ 2ዜና 36:11, 13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 85-86

ህዝቅኤል 17:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 37:1

ህዝቅኤል 17:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:7
  • +ኤር 21:7

ህዝቅኤል 17:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:12, 14፣ ኢሳ 39:7፣ ኤር 22:24, 25፣ 52:31, 32

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 85-86

ህዝቅኤል 17:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:17፣ ኤር 37:1
  • +2ዜና 36:11, 13
  • +2ነገ 24:15፣ ኤር 24:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 85-86

ህዝቅኤል 17:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 27:12፣ 38:17

ህዝቅኤል 17:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 17:16
  • +ኤር 37:5
  • +2ነገ 24:20፣ 2ዜና 36:11, 13
  • +ኤር 32:3, 4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 85

ህዝቅኤል 17:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ንጼዴቅያስ።

  • *

    ማለት፡ ነቡካድነጻር።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 34:2, 3፣ 52:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 85

ህዝቅኤል 17:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 37:7, 8፣ ድጕ 4:17፣ ህዝ 29:6

ህዝቅኤል 17:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኢዱ እኳ እንተ ሃበ።”

ህዝቅኤል 17:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 5:11

ህዝቅኤል 17:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 12:13
  • +ህዝ 20:36

ህዝቅኤል 17:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ናብ ኵሉ ንፋስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 12:14
  • +ህዝ 6:13

ህዝቅኤል 17:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 11:1፣ ኤር 23:5
  • +ኢሳ 53:2
  • +መዝ 2:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 86-87

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2007፡ ገጽ 12-13

ህዝቅኤል 17:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 86-87

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2007፡ ገጽ 12-13

ህዝቅኤል 17:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 9:6፣ ህዝ 21:26, 27፣ ዳን 4:17፣ ኣሞ 9:11
  • +1ሳሙ 2:7, 8፣ ሉቃ 1:52

ሓፈሻዊ

ህዝ. 17:2ሆሴ 12:10
ህዝ. 17:3ዘዳ 28:49, 50፣ ኤር 4:13፣ ድጕ 4:19
ህዝ. 17:3ኤር 22:23
ህዝ. 17:32ነገ 24:12፣ 2ዜና 36:9, 10፣ ኤር 24:1
ህዝ. 17:42ነገ 24:15
ህዝ. 17:52ነገ 24:17፣ ኤር 37:1
ህዝ. 17:6ህዝ 17:13, 14
ህዝ. 17:62ዜና 36:11
ህዝ. 17:7ኤር 37:5, 7፣ ህዝ 17:15
ህዝ. 17:72ነገ 24:20፣ 2ዜና 36:11, 13
ህዝ. 17:8ኤር 37:1
ህዝ. 17:92ነገ 25:7
ህዝ. 17:9ኤር 21:7
ህዝ. 17:122ነገ 24:12, 14፣ ኢሳ 39:7፣ ኤር 22:24, 25፣ 52:31, 32
ህዝ. 17:132ነገ 24:17፣ ኤር 37:1
ህዝ. 17:132ዜና 36:11, 13
ህዝ. 17:132ነገ 24:15፣ ኤር 24:1
ህዝ. 17:14ኤር 27:12፣ 38:17
ህዝ. 17:15ዘዳ 17:16
ህዝ. 17:15ኤር 37:5
ህዝ. 17:152ነገ 24:20፣ 2ዜና 36:11, 13
ህዝ. 17:15ኤር 32:3, 4
ህዝ. 17:16ኤር 34:2, 3፣ 52:11
ህዝ. 17:17ኤር 37:7, 8፣ ድጕ 4:17፣ ህዝ 29:6
ህዝ. 17:19ዘዳ 5:11
ህዝ. 17:20ህዝ 12:13
ህዝ. 17:20ህዝ 20:36
ህዝ. 17:21ህዝ 12:14
ህዝ. 17:21ህዝ 6:13
ህዝ. 17:22ኢሳ 11:1፣ ኤር 23:5
ህዝ. 17:22ኢሳ 53:2
ህዝ. 17:22መዝ 2:6
ህዝ. 17:24ኢሳ 9:6፣ ህዝ 21:26, 27፣ ዳን 4:17፣ ኣሞ 9:11
ህዝ. 17:241ሳሙ 2:7, 8፣ ሉቃ 1:52
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 17:1-24

ህዝቅኤል

17 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ብዛዕባ ቤት እስራኤል ሕንቅሕንቅሊተይ በል፡ ምስላ እውን መስል።+ 3 ከምዚ በል፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ዓብዪ ዝኣኽናፉን ነዊሕ ዝመንገብገቡን ሕብራዊ ኽንቲት ዝመልኦን ዓብዪ ንስሪ+ ናብ ሊባኖስ መጸ፣+ ጫፍ ቄድሮስ ድማ ወሰደ።+ 4 ጫፍ ጨንፈራ ሰሊዑ፡ ናብ ምድሪ ነጋዶ* ኣምጺኡ፡ ኣብ ከተማ ነጋዶ ገበራ።+ 5 ካብ ዘርኢ እታ ምድሪ ወሲዱ+ ኸኣ ኣብ ፍርያም ግራት ገበራ። ከም ኲሓ ድማ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማያት ተኸላ። 6 ንሳ ኸኣ በቘለት፣ ልሙዕ ጨናፍራ ናብ ውሽጢ ገጹ ዜስፋሕፍሕ፡ ሰራውራ ኣብ ትሕቲኣ ዚዓቢ ሓጻር ተኽሊ ወይኒ ዀነት።+ በዚ ኸምዚ፡ ተኽሊ ወይኒ ዀነት፣ ጠጥዕን ጨናፍርን ከኣ ኣውጽአት።+

7 “‘“ዓብዪ ዝኣኽናፉን ነዊሕ ዝመንገብገቡን ካልእ ዓብዪ ንስሪ ድማ መጸ።+ ሽዑ፡ እታ ተኽሊ ወይኒ ሰራውራ ኻብቲ እተተኽለትሉ መደብ ስፍራ ኣታኽልቲ ኣርሒቓ ብሃንቀውታ ናብኡ ዘርግሐት፣ ንሱ ብመስኖ ኼስትያ ኸኣ ልሙዕ ጨናፍራ ናብኡ ሰደደት።+ 8 ጨናፍር ምእንቲ ኸተውጽእን ፍረ ምእንቲ ኽትፈርን ግርምቲ ተኽሊ ወይኒ ምእንቲ ኽትከውንንሲ፡ ድሮ ኣብ ጽቡቕ ግራት ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማያት ተተኺላ ነበረት።”’+

9 “ከምዚ ድማ በል፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ክትለምዕ ድያ፧ ፍሪኣ ኺምሽምሽን ጠጥዓ ኺጽምሉንሲ+ ሱራዶ ኣይኪምንቈስን እዩ፧+ እምብዛ ንቕጽቲ ስለ እትኸውን፡ ካብ ሱራ ንምምንቋስ ብርቱዕ ቅልጽም ወይ ብዙሕ ህዝቢ ኣይኬድልን እዩ። 10 ዝፈለሰት እኳ እንተ ዀነት፡ ክትለምዕ ድያ፧ ንፋስ ምብራቕ ምስ ነፈሰ፡ ጠሪሳዶ ኣይክትነቅጽን እያ፧ ኣብቲ ዝበቘለትሉ መደብ ስፍራ ኣታኽልቲ ኽትነቅጽ እያ።”’”

11 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 12 “በጃኻ ነታ ዓላዊት ቤት፡ ‘እዚ እንታይ ማለት ምዃኑስ ኣይትፈልጡን ዲኹም፧’ በላ። ከምዚ እውን በል፦ ‘እንሆ፡ ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም መጺኡ፡ ንጉሳን መሳፍንታን ወሲዱ፡ ምስኡ ናብ ባቢሎን ኣምጺእዎም።+ 13 ካብ ዘርኢ ንጉስ ወሲዱ ኸኣ፡+ ምስኡ ኺዳን ኣትዩን ኣምሒልዎን።+ ምርኡያት እታ ምድሪ ድማ ወሲዱ፣+ 14 እታ መንግስቲ ኽትዋረድ እሞ ኸይትትንስእ፡ ኪዳኑ ብምሕላው ጥራይ ምእንቲ ኽትነብር፡ ከምኡ ገይሩ።+ 15 ግናኸ፡ ንጉስ፡ ኣፍራስን+ ዓብዪ ሰራዊትን+ ኪረክብ ኢሉ፡ ናብ ግብጺ ልኡኻት ብምስዳድ፡ ካብኡ ዓልዩ።+ እሞኸ ኺሰልጦ ድዩ፧ እቲ ኸምዚ ዚገብር ዘሎስ ካብ መቕጻዕቲዶ ኼምልጥ እዩ፧ ኪዳን ኣፍሪሱስ ኬምልጥ ድዩ፧’+

16 “‘“ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ” ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ “ንሱ ኣብ ባቢሎን፡ እቲ ዘንገሶ፡* እቲ ማሕላኡ ዝነዓቖን ኪዳኑ ዘፍረሶን ንጉስ* ኣብ ዚነብረላ ቦታ ኺመውት እዩ።+ 17 እቶም ዓብዪ ሰራዊትን እቶም ብዙሓት ጭፍራን ፈርኦን ከኣ፡ ብዙሕ ህይወት* ንምጥፋእ ዕርዲ ኸበባ ምስ ተዀመረን መንደቕ ከበባ ምስ ተሃንጸን፡ ኣብ ውግእ ኣይኪረድኡን እዮም።+ 18 ንሱስ ማሕላ ንዒቑ፡ ኪዳን እውን ኣፍሪሱ እዩ። ቃል እኳ እንተ ኣተወ፡* እዚ ዅሉ ገይሩ እዩ፣ ኣይኬምልጥን ድማ እዩ።”’

19 “‘ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ፡ ሳዕቤናት ምንዓቕ ማሕላይን+ ምፍራስ ኪዳነይን ኣብ ርእሱ ኸምጽእ እየ። 20 መርበበይ ኣብ ልዕሊኡ ኽድርቢ እየ፣ ብመርበብ ሃድነይ ድማ ኪትሓዝ እዩ።+ ናብ ባቢሎን ክወስዶ፡ ኣብኡ ኸኣ በቲ ኣባይ ዝፈጸሞ ጥልመት ምስኡ ናብ ፍርዲ ኽኣቱ እየ።+ 21 ኵሎም ህዱማት ጭፍራታቱ ብሰይፊ ኺወድቁ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ኵሉ ኣንፈት* ፋሕ ኪብሉ እዮም።+ ሽዑ፡ ኣነ የሆዋ ኸም እተዛረብኩ ኽትፈልጡ ኢኹም።”’+

22 “‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ካብ ጫፍ እቲ ነዊሕ ቄድሮስ+ ጨንፈር ወሲደ ኽተኽላ እየ፣ ካብ ጫፍ ውልዶኣ ልምልምቲ ጠጥዒ ኽወስድ፡+ ኣብ ነዊሕን በሪኽን ከረን ከኣ ክተኽላ እየ።+ 23 ኣብ ነዊሕ ከረን እስራኤል ክተኽላ እየ፣ ጨናፍራ ድማ ኪዓቢ እዩ፣ ፍረ ኸኣ ከተፍሪ፡ ግርምቲ ቄድሮስ እውን ክትከውን እያ። ኵለን ዓይነት ኣዕዋፍ ኣብ ትሕቲኣ ኺነብራ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል እቲ ልሙዕ ጨናፍራ ድማ ኪሰፍራ እየን። 24 ኣነ የሆዋ ነታ ነዋሕ ኦም ከም ዘዋረድክዋ፡ ነታ ሓጻር ኦም እውን ልዕል ከም ዘበልክዋ፡+ ነታ ጥልልቲ ኦም ከም ዘንቀጽክዋ፡ ነታ ንቕጽቲ እውን ከም ዘጠጣዕክዋ፡+ ኵሉ ኣእዋም መሮር ኪፈልጥ እዩ። ኣነ የሆዋ ተዛሪበ ኣለኹ፡ ገይረዮ እውን ኣለኹ።”’”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ