መዝሙር
መዝሙር ምድያብ። ናይ ዳዊት።
122 “ናብ ቤት የሆዋ ንኺድ”
ምስ በሉኒ ተሓጒሰ።+
2 ኦ የሩሳሌም፡ ኣእጋርና ኣብ ኣፍ ደገታትኪ
ደው ኢለን ኣለዋ።+
5 ዝፋናት ፍርዲ፡
ዝፋናት ቤት ዳዊትሲ ኣብኣ ተነቢሩ ኣሎ።+
6 ንሰላም የሩሳሌም ለምኑ።+
ኦ ኸተማ፡ እቶም ዚፈትዉኺ ኪቐስኑ እዮም።
7 ኣብ ውሽጢ ዕርድታትኪ ሰላም፡
ኣብ ውሽጢ እተዓርደ ግምብታትኪ ኸኣ ቅሳነት ይኹን።
8 ምእንቲ ኣሕዋተይን ብጾተይን፡
“ሰላም ኣብ ውሽጥኺ ይኹን” ክብል እየ።
9 ምእንቲ ቤት የሆዋ ኣምላኽና፡+
ጽቡቕኪ ኽደሊ እየ።