ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘሌዋውያን 15
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘሌዋውያን—ትሕዝቶ

      • ካብ ብልዕቲ ዚክዖ ርኹስ ፈሳሲ (1-33)

ዘሌዋውያን 15:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ. ቃ.፡ “ስጋኡ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 22:4፣ ዘሁ 5:2

ዘሌዋውያን 15:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 11:24, 25፣ 14:46, 47፣ 17:15፣ 22:6

ዘሌዋውያን 15:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 15:2

ዘሌዋውያን 15:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 11:32, 33

ዘሌዋውያን 15:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 14:8

ዘሌዋውያን 15:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 1:14

ዘሌዋውያን 15:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 22:4፣ ዘዳ 23:10, 11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2004፡ ገጽ 23

ዘሌዋውያን 15:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 19:15፣ 1ሳሙ 21:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንየሆዋ ቕረቦ፡ ገጽ 130-131

ዘሌዋውያን 15:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 12:2, 5
  • +ዘሌ 20:18

ዘሌዋውያን 15:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 15:4-6

ዘሌዋውያን 15:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 15:10

ዘሌዋውያን 15:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 18:19፣ 20:18

ዘሌዋውያን 15:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 9:20፣ ሉቃ 8:43
  • +ዘሌ 15:19

ዘሌዋውያን 15:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 15:21

ዘሌዋውያን 15:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 15:22

ዘሌዋውያን 15:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 15:13

ዘሌዋውያን 15:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 1:14
  • +ዘሌ 15:14, 15

ዘሌዋውያን 15:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 12:7

ዘሌዋውያን 15:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 19:30፣ ዘሁ 5:3፣ 19:20

ዘሌዋውያን 15:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 15:16

ዘሌዋውያን 15:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 15:19
  • +ዘሌ 15:2, 25

ሓፈሻዊ

ዘሌ. 15:2ዘሌ 22:4፣ ዘሁ 5:2
ዘሌ. 15:5ዘሌ 11:24, 25፣ 14:46, 47፣ 17:15፣ 22:6
ዘሌ. 15:11ዘሌ 15:2
ዘሌ. 15:12ዘሌ 11:32, 33
ዘሌ. 15:13ዘሌ 14:8
ዘሌ. 15:14ዘሌ 1:14
ዘሌ. 15:16ዘሌ 22:4፣ ዘዳ 23:10, 11
ዘሌ. 15:18ዘጸ 19:15፣ 1ሳሙ 21:5
ዘሌ. 15:19ዘሌ 12:2, 5
ዘሌ. 15:19ዘሌ 20:18
ዘሌ. 15:20ዘሌ 15:4-6
ዘሌ. 15:23ዘሌ 15:10
ዘሌ. 15:24ዘሌ 18:19፣ 20:18
ዘሌ. 15:25ማቴ 9:20፣ ሉቃ 8:43
ዘሌ. 15:25ዘሌ 15:19
ዘሌ. 15:26ዘሌ 15:21
ዘሌ. 15:27ዘሌ 15:22
ዘሌ. 15:28ዘሌ 15:13
ዘሌ. 15:29ዘሌ 1:14
ዘሌ. 15:29ዘሌ 15:14, 15
ዘሌ. 15:30ዘሌ 12:7
ዘሌ. 15:31ዘሌ 19:30፣ ዘሁ 5:3፣ 19:20
ዘሌ. 15:32ዘሌ 15:16
ዘሌ. 15:33ዘሌ 15:19
ዘሌ. 15:33ዘሌ 15:2, 25
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘሌዋውያን 15:1-33

ዘሌዋውያን

15 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 2 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልኩም ተዛረብዎም፦ ‘ሓደ ሰብ ካብ ብልዕቱ* ፈሳሲ እንተ ተኻዕይዎ፡ እቲ ምኽዓው የርክሶ እዩ።+ 3 በቲ ምኽዓው ርኹስ እዩ፣ እቲ ፈሳሲ ኻብ ብልዕቱ ይክዖ ወይ ይተዓገት ርኹስ እዩ።

4 “‘እቲ ፈሳሲ ዚክዓዎ ዝደቀሶ ዘበለ ዅሉ ዓራት ርኹስ ይኹን፣ ኮፍ ዚብሎ ዘበለ ዅሉ ድማ ርኹስ ይኹን። 5 ንዓራቱ ዝተንከየ ሰብ ከኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ድማ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን።+ 6 ኣብቲ እቲ ፈሳሲ ዚክዓዎ ኾፍ ዝበሎ ኣቕሓ ኾፍ ዚብል እውን፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን። 7 ንስጋ እቲ ፈሳሲ ዚክዓዎ ዝተንከየ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን። 8 እቲ ፈሳሲ ዚክዓዎ ንሓደ ንጹህ ጡፍ እንተ ኢሉሉ ድማ፡ ንሱ ኽዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን። 9 እቲ ፈሳሲ ዚክዓዎ እተወጥሓሉ ዀረሻ ኸኣ ርኹስ ይኹን። 10 ኣብ ትሕቲኡ ንዝነበረ ዘበለ ነገር ዝተንከየ ዅሉ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን፣ ነዚ ዝጾረ ዘበለ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን። 11 እቲ ፈሳሲ ዚክዓዎ+ ኢዱ ኸይተሓጽበ ዝተንከዮ ዘበለ ዅሉ፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን። 12 እቲ ፈሳሲ ዚክዓዎ ዝተንከዮ ኣቕሓ መሬት ድማ ይሰበር፣ ኵሉ ኣቕሓ ዕንጨይቲ ኸኣ ብማይ ይተሓጸብ።+

13 “‘እቲ ምኽዓው ደው ምስ በለ፡ እቲ ፈሳሲ ዚክዓዎ ድማ ካብኡ ምስ ነጽሀ፡ ንምንጻሁ ሸውዓተ መዓልቲ ይቝጸር፡ ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ሰብነቱ ኸኣ ብፈልፋሊ ማይ ይተሓጸብ፡ ንጹህ ድማ ይኸውን።+ 14 ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኸኣ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫቚት ርግቢ ይውሰድ፣+ ናብ ቅድሚ የሆዋ፡ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ይምጻእ እሞ፡ ንኻህን ይሃበን። 15 እቲ ኻህን ድማ፡ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ እታ ኻልአይቲ ኸኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ይሰውኣየን፣ እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ እቲ ዚክዓዎ ፈሳሲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የተዓርቆ።

16 “‘ሰብኣይ ዘርኡ እንተ ወጺእዎ፡ ብዘሎ ሰብነቱ ብማይ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን።+ 17 እቲ ዘርኢ እተኻዕዎ ዘበለ ኽዳንን ቈርበትን ድማ ብማይ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን።

18 “‘ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ እንተ ደቂሱ እሞ፡ ዘርኡ እንተ ወጺኡ፡ ብማይ ይተሓጸቡ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹሳት ይኹኑ።+

19 “‘ሰበይቲ ኻብ ሰብነታ ደም እንተ ተኻዕዩዋ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ብጻግኒኣ ርኽስቲ ትኹን።+ ዝተንከያ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።+ 20 ብጻግኒኣ ዝደቀሰቶ ዘበለ ዅሉ ነገር ርኹስ ይኹን፣ ኮፍ ዝበለቶ ዘበለ ዅሉ ድማ ርኹስ ይኹን።+ 21 ዓራታ ዝተንከየ ዘበለ ዅሉ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን። 22 ንሳ ኾፍ ዝበለቶ ዘበለ ዝተንከየ ዘበለ ዅሉ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን። 23 ነቲ ኾፍ ኢላቶ ዝነበረት ዓራት ወይ ካልእ ኣቕሓ ዝተንከየ፡ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን።+ 24 ሰብኣይ ምስኣ እንተ ደቂሱ እሞ፡ ጻግኒኣ እንተ ጸይቕዎ፡+ ሸውዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን፣ ንሱ ዚድቅሶ ዘበለ ዅሉ ዓራት ከኣ ርኹስ ይኹን።

25 “‘ሰበይቲ ብግዜ ጻግኒኣ ዘይኰነ ነዊሕ መዓልትታት ደም ምስ ዚፈስሳ፡+ ወይ ካብ ንቡር ጻግኒኣ ንዝነውሐ ግዜ ምስ ዚፈስሳ፡+ ብዅሉ እቲ ዚክዓዋ መዓልትታት፡ ከምቲ መዓልትታት ጻግኒኣ፡ ርኽስቲ ትኹን። 26 በቲ ዚክዓዋ መዓልትታት እትድቅሶ ዘበለ ዅሉ ዓራት፡ ከምቲ ዓራት ጻግኒኣ ይኹን፣+ ኮፍ እትብሎ ዘበለ ዅሉ ኣቕሓ እውን፡ ከምቲ ርኽሰት ጻግኒኣ ርኹስ ይኹን። 27 ነዚ ዝተንከዮ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ርኹስ ይኹን፡ ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት እውን ርኹስ ይኹን።+

28 “‘ካብ ምኽዓዋ ምስ ነጽሀት ድማ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ትቝጸር፡ ድሕሪኡ ንጽህቲ ትኸውን።+ 29 ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫቚት ርግቢ ትውሰድ፣+ ናብ ካህን፡ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ድማ ተምጽኣየን።+ 30 እቲ ኻህን ድማ፡ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ እታ ኻልአይቲ ኸኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ይግበረን፣ እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ እቲ ዚክዓዋ ርኽሰታ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የተዓርቃ።+

31 “‘ነቲ ኣብ ማእከሎም ዘሎ ማሕደረይ ብምርካሶም ብርኽሰቶም ከይሞቱስ፡ በዚ ኸምዚ ንእስራኤላውያን ካብ ርኽሰቶም ፍለይዎም።+

32 “‘ፈሳሲ ብዛዕባ ዚክዓዎ፡ ዘርኡ ብምውጻኡ ብዛዕባ ዝረኸሰ ሰብ፡+ 33 ብጻግኒኣ ብዛዕባ ዝረኸሰት፡+ ካብ ሰብነቱ ፈሳሲ ብዛዕባ ዚክዓዎ ወዲ ተባዕታይ ኰነ ጓል ኣንስተይቲ፡+ ከምኡ ድማ ምስ ርኽስቲ ሰበይቲ ብዛዕባ ዝደቀሰ ሰብኣይ፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ።’”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ