ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 40
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ዮሴፍ ሕልምታት እሱራት ፈትሐ (1-19)

        • ‘ትርጉም ናይ ኣምላኽ እዩ’ (8)

      • ድግስ መዓልቲ ልደት ፈርኦን (20-23)

ዘፍጥረት 40:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 40:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2015፡ ገጽ 13

ዘፍጥረት 40:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 40:20-22

ዘፍጥረት 40:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 37:36
  • +ዘፍ 39:20፣ መዝ 105:17, 18

ዘፍጥረት 40:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 39:22

ዘፍጥረት 40:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2015፡ ገጽ 12-13

ዘፍጥረት 40:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 41:15, 16፣ ዳን 2:28, 45

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2015፡ ገጽ 13

    1/12/2011፡ ገጽ 12-13

    ራእይ፡ ገጽ 9፡ 119፡ 246-248

ዘፍጥረት 40:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንርእስኻ ልዕል ኬብል።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 41:12, 13
  • +ዘፍ 40:20, 21

ዘፍጥረት 40:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    4/2017፡ ገጽ 21

ዘፍጥረት 40:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መዕቘር ማይ፣ ጕድጓድ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 37:28
  • +ዘፍ 39:7, 8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    1/2023፡ ገጽ 15-16

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    4/2017፡ ገጽ 21

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/11/2014፡ ገጽ 14-15

ዘፍጥረት 40:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንርእስኻ ኻባኻ ኼልዕል እዩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 40:20, 22

ዘፍጥረት 40:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንርእሲ እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ መስተን ንርእሲ እቲ ሓለቓ ሰንከትትን ኣብ ማእከል ገላዉኡ ልዕል ኣበለ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማር 6:21

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 44

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/1998፡ ገጽ 31

ዘፍጥረት 40:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 40:8

ዘፍጥረት 40:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 40:14

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 40:1ዘፍ 40:11
ዘፍ. 40:2ዘፍ 40:20-22
ዘፍ. 40:3ዘፍ 37:36
ዘፍ. 40:3ዘፍ 39:20፣ መዝ 105:17, 18
ዘፍ. 40:4ዘፍ 39:22
ዘፍ. 40:8ዘፍ 41:15, 16፣ ዳን 2:28, 45
ዘፍ. 40:13ዘፍ 41:12, 13
ዘፍ. 40:13ዘፍ 40:20, 21
ዘፍ. 40:15ዘፍ 37:28
ዘፍ. 40:15ዘፍ 39:7, 8
ዘፍ. 40:19ዘፍ 40:20, 22
ዘፍ. 40:20ማር 6:21
ዘፍ. 40:22ዘፍ 40:8
ዘፍ. 40:23ዘፍ 40:14
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 40:1-23

ዘፍጥረት

40 ድሕሪ እዚ ነገር እዚ፡ እቲ ናይ ንጉስ ግብጺ ኣሰላፍ መስተን+ እቲ ሰንካትን ንጐይታኦም ንጉስ ግብጺ በደሉ። 2 ፈርኦን ድማ በቶም ክልተ ሰበ ስልጣኑ፡ ማለት በቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ መስተን+ በቲ ሓለቓ ሰንከትትን ተቘጥዐ፣ 3 ኣብ ቤት እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ኪእሰሩ፡+ ናብታ ዮሴፍ ተኣሲሩላ ዝነበረ ቦታ ኣእተዎም።+ 4 ሽዑ፡ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ንዮሴፍ ምሳታቶም ኪኸውንን ኬገልግሎምን መደቦ፣+ ንገለ እዋን* ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸንሑ።

5 እቶም ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ዝነበሩ ናይ ንጉስ ግብጺ ኣሰላፍ መስተን ሰንካትን ክልቲኦም ብሓንቲ ለይቲ በበይኑ ዝትርጉሙ ሕልሚ ሓለሙ። 6 ንጽብሒቱ ንግሆ፡ ዮሴፍ መጺኡ ምስ ረኣዮም፡ ጕህዮም ነበሩ። 7 ስለዚ፡ ነቶም ኣብ ቤት ጐይታኡ ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰበ ስልጣን ፈርኦን፡ “ስለምንታይ እዩ ሎሚ ገጽኩም ጸምልዩ፧” ኢሉ ሓተቶም። 8 ንሳቶም ድማ፡ “ሕልሚ ሓሊምና፡ ዚትርጕመልና ግና የልቦን” በልዎ። ዮሴፍ ከኣ፡ “ትርጉም ናይ ኣምላኽ ደይኰነን፧+ በጃኹም ሕልምኹም ንገሩኒ” በሎም።

9 ሽዑ፡ እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ መስተ ንዮሴፍ ከምዚ ኢሉ ሕልሙ ነገሮ፦ “ብሕልመይ ኣብ ቅድመይ ተኽሊ ወይኒ ነበረት። 10 ኣብታ ተኽሊ ወይኒ ድማ ሰለስተ ውልዶታት ነበረ፣ ንሱ ኺጥጥዕ ከሎ ድማ፡ ዓምቢቡ ኣብ ዘለላኡ ብሱል ወይኒ ኣፍረየ። 11 ጽዋእ ፈርኦን ድማ ኣብ ኢደይ ነበረት፣ ነቲ ወይኒ ወሲደ ኸኣ ናብታ ጽዋእ ፈርኦን ጸመቝክዎ። ድሕሪኡ፡ ነታ ጽዋእ፡ ንፈርኦን ኣብ ኢዱ ሃብክዎ።” 12 ዮሴፍ ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ትርጉሙ እዚ እዩ፦ እቲ ሰለስተ ውልዶታት፡ ሰለስተ መዓልቲ እዩ። 13 ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ፈርኦን ኬውጽኣካ፡* ናብ ሽመትካ እውን ኪመልሰካ እዩ።+ ከምቲ ኣቐዲምካ ኣሰላፍ መስተኡ ኸለኻ እትገብሮ ዝነበርካ ድማ፡ ጽዋእ ፈርኦን ኣብ ኢዱ ኽትህቦ ኢኻ።+ 14 ጽቡቕ ምስ ኰነልካ ኸኣ ዘክረኒ። ካብዛ ቦታ እዚኣ ምእንቲ ኸተውጽኣኒ፡ በጃኻ ብተኣማንነት ኣፍቅረኒ፡ ንፈርኦን ከኣ ንገረለይ። 15 ኣነ ኻብ ምድሪ እብራውያን እተጨወኹ እየ፣+ ኣብዚ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ* ዜእቱ ገለ እኳ ኣይገበርኩን።”+

16 እቲ ሓለቓ ሰንከትቲ፡ ዮሴፍ ጽቡቕ ከም ዝተርጐመ ምስ ረኣየ፡ ንሱ እውን ከምዚ በሎ፦ “ኣነ እውን ብሕልመይ ሰለስተ መሶብ ጻዕዳ እንጌራ ኣብ ርእሰይ ነበረ፣ 17 ኣብቲ ላዕለዋይ መሶብ ከኣ ንፈርኦን ዚኸውን ኵሉ ዓይነት እንጌራ ነበረ፣ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ዝነበረ መሶብ ድማ ኣዕዋፍ ይበልዓ ነበራ።” 18 ዮሴፍ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ትርጉሙ እዚ እዩ፦ እቲ ሰለስተ መሶብ፡ ሰለስተ መዓልቲ እዩ። 19 ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ፈርኦን ንርእስኻ ኪቘርጽ እዩ፡* ኣብ ጕንዲ ኸኣ ኪሰቕለካ እዩ፣ ኣዕዋፍ ድማ ስጋኻ ኺበልዓ እየን።”+

20 ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ ንፈርኦን መዓልቲ ልደቱ ነበረ፣+ ንዅሎም ገላዉኡ ኸኣ ድግስ ገበረሎም። ሽዑ፡ ነቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ መስተን ሓለቓ ሰንከትትን ኣብ ቅድሚ ገላዉኡ ኣምጽኦም።* 21 ነቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ መስተ ኸኣ ናብ ኣሰላፍነቱ መለሶ፣ ንሱ ድማ እታ ጽዋእ ኣብ ኢድ ፈርኦን ይህብ ነበረ። 22 ነቲ ሓለቓ ሰንከትቲ ግና፡ ከምቲ ዮሴፍ ዝተርጐመሎም፡+ ሰቐሎ። 23 እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ መስተ ግና ንዮሴፍ ረስዖ እምበር፡ ኣይዘከሮን።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ