ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ግብሪ ሃዋርያት 12
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ግብሪ ሃዋርያት—ትሕዝቶ

      • ያእቆብ ተቐትለ፣ ጴጥሮስ ተኣስረ (1-5)

      • ጴጥሮስ ብተኣምር ሓራ ወጸ (6-19)

      • ሄሮድስ ብመልኣኽ ተወቕዐ (20-25)

ግብሪ ሃዋርያት 12:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮሃ 15:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 77-78

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/2007፡ ገጽ 22

ግብሪ ሃዋርያት 12:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 4:21
  • +ማቴ 20:20-23፣ ሉቃ 11:49

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 78

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2012፡ ገጽ 11

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ማቴ-ቈሎ፡ ገጽ 12

ግብሪ ሃዋርያት 12:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 12:15፣ 23:15፣ ዘሌ 23:6

ግብሪ ሃዋርያት 12:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንፍርዲ ኼውጽኦ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 21:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 77-78

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2012፡ ገጽ 11

ግብሪ ሃዋርያት 12:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ቈረ 1:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 78-79

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2012፡ ገጽ 11

ግብሪ ሃዋርያት 12:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 77፡ 79

ግብሪ ሃዋርያት 12:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 34:7፣ እብ 1:7, 14
  • +ግብ 5:18, 19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2012፡ ገጽ 12

ግብሪ ሃዋርያት 12:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 83

ግብሪ ሃዋርያት 12:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ጴጥ 2:9

ግብሪ ሃዋርያት 12:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 13:5፣ 15:37, 38፣ ቈሎ 4:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 18፡ 80፡ 118

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2010፡ ገጽ 6-7

    1/2/2008፡ ገጽ 24

    1/3/2000፡ ገጽ 16

ግብሪ ሃዋርያት 12:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 80-81

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2010፡ ገጽ 7

ግብሪ ሃዋርያት 12:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 80-81

ግብሪ ሃዋርያት 12:15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 117

    መስክር፡ ገጽ 80-81

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/6/2005፡ ገጽ 31

ግብሪ ሃዋርያት 12:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 13:55፣ ግብ 15:13፣ 21:18፣ 1ቈረ 15:7፣ ገላ 1:19፣ 2:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 81፡ 112

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/1997፡ ገጽ 16

ግብሪ ሃዋርያት 12:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 16:27

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 81

ግብሪ ሃዋርያት 12:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምስ ሰብ ጢሮስን ሲዶንን ተባኢሱ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሕልፍኚ ንጉስ።”

ግብሪ ሃዋርያት 12:21

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 81-82

ግብሪ ሃዋርያት 12:22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/1998፡ ገጽ 30

ግብሪ ሃዋርያት 12:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 82

ግብሪ ሃዋርያት 12:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 6:7፣ 19:20፣ ቈሎ 1:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 82

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/4/2001፡ ገጽ 10፡ 11-12

ግብሪ ሃዋርያት 12:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 4:36, 37
  • +ግብ 11:29, 30
  • +ግብ 13:5፣ 15:37, 38

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መስክር፡ ገጽ 118

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2010፡ ገጽ 7

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ማቴ-ቈሎ፡ ገጽ 24

ሓፈሻዊ

ግብ. 12:1ዮሃ 15:20
ግብ. 12:2ማቴ 4:21
ግብ. 12:2ማቴ 20:20-23፣ ሉቃ 11:49
ግብ. 12:3ዘጸ 12:15፣ 23:15፣ ዘሌ 23:6
ግብ. 12:4ሉቃ 21:12
ግብ. 12:52ቈረ 1:11
ግብ. 12:7መዝ 34:7፣ እብ 1:7, 14
ግብ. 12:7ግብ 5:18, 19
ግብ. 12:112ጴጥ 2:9
ግብ. 12:12ግብ 13:5፣ 15:37, 38፣ ቈሎ 4:10
ግብ. 12:17ማቴ 13:55፣ ግብ 15:13፣ 21:18፣ 1ቈረ 15:7፣ ገላ 1:19፣ 2:9
ግብ. 12:19ግብ 16:27
ግብ. 12:24ግብ 6:7፣ 19:20፣ ቈሎ 1:6
ግብ. 12:25ግብ 4:36, 37
ግብ. 12:25ግብ 11:29, 30
ግብ. 12:25ግብ 13:5፣ 15:37, 38
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ግብሪ ሃዋርያት 12:1-25

ግብሪ ሃዋርያት

12 በቲ ግዜ እቲ፡ ንጉስ ሄሮድስ ንገሊኦም ካብታ ጉባኤ ኽፉእ ኪገብሮም ኢዱ ዘርግሐ።+ 2 ንያእቆብ ሓው ዮሃንስ ከኣ+ ኣሰየፎ።+ 3 እዚ ንኣይሁድ ባህ ከም ዘበሎም ምስ ረኣየ፡ ንጴጥሮስ እውን ሓዞ። (መዓልትታት በዓል ቅጫ ድማ ነበረ።)+ 4 ሒዙ ኸኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ፣+ ድሕሪ ፋስጋ ናብ ህዝቢ ኼውጽኦ* ሓሲቡ፡ ኣብ ኣርባዕተ እብረ ተመቒሎም፡ በብኣርባዕተ ዀይኖም ንዚሕልውዎ ወተሃደራት ኣሕሊፉ ሃቦ። 5 ጴጥሮስ በዚ ኸምዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሕሎ ነበረ፣ እታ ጉባኤ ግና ምእንታኡ ተጊሃ ናብ ኣምላኽ ትጽሊ ነበረት።+

6 ሄሮድስ ኬቕርቦ ምስ ሓሰበ፡ በታ ናብኣ እተውግሕ ለይቲ፡ ጴጥሮስ ብኽልተ ሰንሰለት ተኣሲሩ ኣብ መንጎ ኽልተ ወተሃደራት ደቂሱ ነበረ፣ እቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ኣፍ ደገ ዝነበሩ ሓለውቲ ኸኣ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ይሕልውዎ ነበሩ። 7 እንሆ ድማ፡ መልኣኽ የሆዋ* ኣብ ጥቓኡ ደው በለ፣+ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ እውን ብርሃን በርሀ። ንጴጥሮስ ኣብ ጐድኑ ተንክዩ፡ “ቀልጢፍካ ተንስእ!” ኢሉ ኣተንስኦ። እቲ ሰንሰለት ከኣ ካብ ኣእዳዉ ወደቐ።+ 8 እቲ መልኣኽ ድማ፡ “ተዓጠቕ፡ ኣሳእንካ እውን ውደ” በሎ። ንሱ ኸኣ ከምኡ ገበረ። ንሱ ድማ፡ “ክዳንካ ተኸደን እሞ ስዓበኒ” በሎ። 9 ንሱ እውን ወጺኡ ሰዓቦ፣ ግናኸ፡ ራእይ ዚርኢ ዘሎ ይመስሎ ነበረ እምበር፡ እቲ በቲ መልኣኽ ዚኸውን ዝነበረ ነገር ሓቂ ምዃኑ ኣይፈለጠን። 10 ነቶም ቀዳሞትን ካልኦትን ሓለውቲ ምስ ሓለፉ፡ ናብቲ ናብ ከተማ ዜምርሕ ማዕጾ ሓጺን በጽሑ፣ እዚ እውን ባዕሉ ተኸፍተሎም። ምስ ወጹ ኸኣ፡ ብሓንቲ ጐደና ኸዱ፣ ብኡብኡ ኸኣ፡ እቲ መልኣኽ ካብኡ ተፈልየ። 11 ጴጥሮስ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ምስ ተረድአ ድማ፡ “የሆዋ* መልኣኹ ልኢኹ፡ ካብ ኢድ ሄሮድስን ካብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኣይሁድ ዚጽበይዎ ዝነበሩን ከም ዘናገፈኒ፡ ብሓቂ ሕጂ ፈሊጠ” በለ።+

12 ምስ ተፈለጦ፡ ናብ ቤት ማርያም ኣደ እቲ ማርቆስ ዚብሃል ዮሃንስ ከደ፣+ ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ተኣኪቦም ይጽልዩ ነበሩ። 13 ማዕጾ እቲ ኣፍ ደገ ምስ ኳሕኵሐ፡ ሮዳ ዝስማ ገረድ መን ምዃኑ ኽትሰምዕ መጸት። 14 ድምጺ ጴጥሮስ ምዃኑ ምስ ኣለለየት፡ ካብ ታሕጓስ እተላዕለ ነቲ ማዕጾ ኸይከፈተት፡ ናብ ውሽጢ ጐይያ፡ ጴጥሮስ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ ነገረት። 15 ንሳቶም ግና፡ “ተጸሊልኪ ኢኺ” በልዋ። ንሳ ግና ከምኡ ምዃኑ ኣርጊጻ ተዛረበት። ሽዑ፡ “መልኣኹ እዩ” በሉ። 16 ጴጥሮስ ግና ይዅሕኵሕ ነበረ። ማዕጾ ምስ ከፈቱ፡ ረኣይዎ እሞ ተደመሙ። 17 ንሱ ግና ስቕ ኪብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም፣ የሆዋ* ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘውጽኦ ኸኣ ኣዘንተወሎም፣ “እዚ ንያእቆብን+ ንኣሕዋትን ንገርዎም” ድማ በሎም። ካብኡ ወጺኡ ኸኣ ናብ ካልእ ቦታ ኸደ።

18 መዓልቲ ምስ ኰነ ድማ፡ እቶም ወተሃደራት፡ ‘ጴጥሮስ እንታይ ኰን ኰይኑ፧’ ኢሎም ብዙሕ ተረበሹ። 19 ሄሮድስ ኣናድዩ ምስ ሰኣኖ፡ ነቶም ሓለውቲ መርሚሩ ኪቕጽዑ ኣዘዘ፣+ ካብ ይሁዳ ናብ ቂሳርያ ወሪዱ ድማ፡ ኣብኣ ቐነየ።

20 ሄሮድስ ንሰብ ጢሮስን ሲዶንን ተቘጢዕዎም* ነበረ። ንሳቶም ከኣ ሓቢሮም ናብኡ መጹ እሞ፡ ሃገሮም እትረኽቦ ምግቢ ኻብ ግዝኣት እቲ ንጉስ ስለ ዝነበረ፡ ንብላስጦስ ኣዛዝ ቤት ንጉስ* ኣእሚኖም ዕርቂ ለመኑ። 21 ብምድብቲ መዓልቲ ግና፡ ሄሮድስ ልብሰ መንግስቲ ለቢሱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ፣ ተዛረቦም እውን። 22 እቶም እተኣከቡ ህዝቢ ድማ፡ “እዝስ ድምጺ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ድምጺ ሰብ ኣይኰነን!” ኢሎም ጨደሩ። 23 ንሱ ንኣምላኽ ክብሪ ስለ ዘይሃበ ኸኣ፡ መልኣኽ የሆዋ* ብቕጽበት ወቕዖ፣ ሓሲኹ እውን ሞተ።

24 ቃል የሆዋ* ድማ እናዓበየን እናተዘርግሐን ከደ።+

25 በርናባስን+ ሳውልን ነቲ ዕዮ ረድኤት ኣብ የሩሳሌም ምስ ፈጸሙ፡+ ነቲ ማርቆስ ዚብሃል ዮሃንስ ተማሊኦምዎ ተመልሱ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ