ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 42
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ኣሕዋት ዮሴፍ ናብ ግብጺ ኸዱ (1-4)

      • ዮሴፍ ምስ ኣሕዋቱ ተራኸበ፣ ፈተኖም (5-25)

      • ኣሕዋቱ ናብ ቦታኦም፡ ናብ ያእቆብ ተመልሱ (26-38)

ዘፍጥረት 42:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 41:48, 49

ዘፍጥረት 42:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 7:12

ዘፍጥረት 42:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 2:1, 2

ዘፍጥረት 42:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 43:14
  • +ዘፍ 35:18, 19፣ 42:38፣ 44:20

ዘፍጥረት 42:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 41:57፣ ግብ 7:11

ዘፍጥረት 42:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 41:44፣ 45:8፣ መዝ 105:21፣ ግብ 7:9, 10
  • +ዘፍ 47:14
  • +ዘፍ 37:7, 9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/2015፡ ገጽ 13

ዘፍጥረት 42:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:23
  • +ዘፍ 37:1፣ ግብ 7:11, 12

ዘፍጥረት 42:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እዛ ምድሪ ተዳኺማ ኸም ዘላ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 37:7-9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/2015፡ ገጽ 13

ዘፍጥረት 42:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 2:1, 2
  • +ዘጸ 1:1-4
  • +ዘፍ 35:18, 19፣ 42:38፣ 43:7
  • +ዘፍ 37:27, 35፣ 44:20

ዘፍጥረት 42:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:34፣ 43:29

ዘፍጥረት 42:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 45:21, 23

ዘፍጥረት 42:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጭንቂ ነፍሱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 37:18, 28፣ 50:17፣ ግብ 7:9

ዘፍጥረት 42:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 37:21
  • +ዘፍ 9:5

ዘፍጥረት 42:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 43:30
  • +ዘፍ 42:19
  • +ዘፍ 43:23

ዘፍጥረት 42:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:7, 9

ዘፍጥረት 42:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:11

ዘፍጥረት 42:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:13
  • +ዘፍ 37:28, 35
  • +ዘፍ 35:18, 19፣ 42:4

ዘፍጥረት 42:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 42:19
  • +ዘፍ 42:2

ዘፍጥረት 42:36

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 43:14
  • +ዘፍ 37:28, 35
  • +ዘፍ 42:24

ዘፍጥረት 42:37

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 37:22፣ 46:9
  • +ዘፍ 43:8, 9፣ 44:32

ዘፍጥረት 42:38

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 37:31-34፣ 44:20
  • +መዝ 89:48፣ መክ 9:10፣ ሆሴ 13:14፣ ግብ 2:27፣ ራእ 20:13
  • +ዘፍ 37:34, 35፣ 44:29

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 42:1ዘፍ 41:48, 49
ዘፍ. 42:2ግብ 7:12
ዘፍ. 42:31ዜና 2:1, 2
ዘፍ. 42:4ዘፍ 43:14
ዘፍ. 42:4ዘፍ 35:18, 19፣ 42:38፣ 44:20
ዘፍ. 42:5ዘፍ 41:57፣ ግብ 7:11
ዘፍ. 42:6ዘፍ 41:44፣ 45:8፣ መዝ 105:21፣ ግብ 7:9, 10
ዘፍ. 42:6ዘፍ 47:14
ዘፍ. 42:6ዘፍ 37:7, 9
ዘፍ. 42:7ዘፍ 42:23
ዘፍ. 42:7ዘፍ 37:1፣ ግብ 7:11, 12
ዘፍ. 42:9ዘፍ 37:7-9
ዘፍ. 42:131ዜና 2:1, 2
ዘፍ. 42:13ዘጸ 1:1-4
ዘፍ. 42:13ዘፍ 35:18, 19፣ 42:38፣ 43:7
ዘፍ. 42:13ዘፍ 37:27, 35፣ 44:20
ዘፍ. 42:15ዘፍ 42:34፣ 43:29
ዘፍ. 42:19ዘፍ 45:21, 23
ዘፍ. 42:21ዘፍ 37:18, 28፣ 50:17፣ ግብ 7:9
ዘፍ. 42:22ዘፍ 37:21
ዘፍ. 42:22ዘፍ 9:5
ዘፍ. 42:24ዘፍ 43:30
ዘፍ. 42:24ዘፍ 42:19
ዘፍ. 42:24ዘፍ 43:23
ዘፍ. 42:30ዘፍ 42:7, 9
ዘፍ. 42:31ዘፍ 42:11
ዘፍ. 42:32ዘፍ 42:13
ዘፍ. 42:32ዘፍ 37:28, 35
ዘፍ. 42:32ዘፍ 35:18, 19፣ 42:4
ዘፍ. 42:33ዘፍ 42:19
ዘፍ. 42:33ዘፍ 42:2
ዘፍ. 42:36ዘፍ 43:14
ዘፍ. 42:36ዘፍ 37:28, 35
ዘፍ. 42:36ዘፍ 42:24
ዘፍ. 42:37ዘፍ 37:22፣ 46:9
ዘፍ. 42:37ዘፍ 43:8, 9፣ 44:32
ዘፍ. 42:38ዘፍ 37:31-34፣ 44:20
ዘፍ. 42:38መዝ 89:48፣ መክ 9:10፣ ሆሴ 13:14፣ ግብ 2:27፣ ራእ 20:13
ዘፍ. 42:38ዘፍ 37:34, 35፣ 44:29
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 42:1-38

ዘፍጥረት

42 ያእቆብ ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዘሎ ምስ ፈለጠ፡+ ንደቁ፡ “ስለምንታይ ስቕ ኢልኩም ትጠማመቱ፧” በሎም። 2 ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዘሎ ሰሚዐ ኣለኹ። ብህይወት ክንነብር እምበር ከይንመውትሲ፡ ናብኣ ወሪድኩም ሸምቱልና” በሎም።+ 3 እቶም ዓሰርተ ኣሕዋት ዮሴፍ+ ከኣ እኽሊ ኺሽምቱ ናብ ግብጺ ወረዱ። 4 ያእቆብ ግና፡ ንብንያም ሓው ዮሴፍ፡ “ድንገት ከይረኽቦ” ኢሉ፡+ ምስ ኣሕዋቱ ኣይሰደዶን።+

5 እቲ ጥሜት ናብ ምድሪ ከነኣን ስለ ዝሰፍሐ፡ ደቂ እስራኤል ምስቶም ካልኦት ዚሽምቱ ዀይኖም መጹ።+ 6 ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ስልጣን ዝነበሮ ድማ ዮሴፍ ነበረ፣+ ንዅሉ ህዝቢ ምድሪ፡ እኽሊ ዚሸይጥ እውን ንሱ ነበረ።+ ኣሕዋት ዮሴፍ ከኣ መጹ፡ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ድማ ሰገዱሉ።+ 7 ዮሴፍ ንኣሕዋቱ ምስ ረኣዮም፡ ብኡብኡ ኣለለዮም፣ መንነቱ ግና ሓብኣሎም።+ ኣበርቲዑ ኸኣ ተዛረቦም፡ “ካበይ ዝመጻእኩም ኢኹም፧” ድማ በሎም፣ ንሳቶም ከኣ፡ “ካብ ምድሪ ከነኣን ምግቢ ኽንዕድግ” በልዎ።+

8 ዮሴፍ ከኣ ንኣሕዋቱ ኣለለዮም፣ ንሳቶም ግና ኣየለለይዎን። 9 ዮሴፍ ድማ ብኡብኡ ነቲ ብዛዕባኦም ዝሓለሞ ሕልምታት ዘከረ እሞ፡+ “ንስኻትኩም ሰለይቲ ኢኹም! እተቓልዐ ሸነኽ እዛ ምድሪ እዚኣ* ኽትርእዩ ዝመጻእኩም ኢኹም!” በሎም። 10 ንሳቶም ከኣ፡ “ኣይፋልናን ጐይታይ፡ ገላዉኻስ ምግቢ ኺዕድጉ ደኣ እዮም መጺኦም። 11 ንሕና ዅላትና ደቂ ሓደ ሰብኣይ ኢና። ንሕና ቕኑዓት ኢና። ገላዉኻ ሰለይቲ ኣይኰኑን” በልዎ። 12 ንሱ ግና፡ “ኣይፋልኩምን! እተቓልዐ ሸነኽ እዛ ምድሪ እዚኣ ደኣ ኽትርእዩ ዝመጻእኩም ኢኹም!” በሎም። 13 ንሳቶም ከኣ፡ “ገላዉኻ 12 ኣሕዋት እዮም።+ ንሕና ደቂ ሓደ ኣብ ከነኣን ዚነብር ሰብኣይ ኢና፣+ እቲ ሕሳስ ልደ ምስ ኣቦና ኣሎ፡+ እቲ ሓደ ኸኣ የሎን” በልዎ።+

14 ዮሴፍ ግና ከምዚ በሎም፦ “ከምቲ ዝበልኩኹም፡ ‘ንስኻትኩም ሰለይቲ ኢኹም!’ 15 በዚ ኽትፍተኑ ኢኹም፦ ከምቲ ፈርኦን ህያው ዝዀነ፡ እቲ ሕሳስ ልደ ሓውኩም ናብዚ ኸይመጸ፡ ካብዚ ኣይክትከዱን ኢኹም።+ 16 ንስኻትኩም ኣብዚ ተኣሲርኩም ከለኹም፡ ሓደ ኻባኻትኩም ንሓውኩም ኬምጽእ ስደዱ። በዚ ኸምዚ፡ ሓቂ ትዛረቡ እንተ ኣለኹም፡ ዘረባኹም ይፍተን። እንተ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ፈርኦን ህያው ዝዀነ፡ ሰለይቲ ኢኹም።” 17 ሽዑ፡ ሰለስተ መዓልቲ ብሓደ ኣሰሮም።

18 ድሕርዚ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ ዮሴፍ ከምዚ በሎም፦ “ኣነ ንኣምላኽ እፈርሆ እየ እሞ፡ እዚ ግበሩ፡ ብህይወት ድማ ትነብሩ። 19 ቅኑዓት እንተ ዄንኩም፡ ሓደ ሓውኩም ኣብታ ተኣሲርኩምላ ዝነበርኩም ቤት ተኣሲሩ ይጽናሕ፣ ዝተረፍኩም ግና ኬድኩም ነቶም ጠምዮም ዘለዉ ቤተ ሰብኩም ዚኸውን እኽሊ ኣብጽሑ።+ 20 ድሕሪኡ፡ ነቲ ሕሳስ ልደ ሓውኩም ናባይ ኣምጽእዎ እሞ ዘረባኹም ኪእመን እዩ፣ ኣይትሞቱን ድማ።” ንሳቶም ከኣ ከምኡ ገበሩ።

21 ንሓድሕዶም ድማ፡ “ብርግጽ ብሰሪ ሓውና ኢና እንቕጻዕ ዘለና፣+ ከመይሲ፡ ክንርሕርሓሉ ኺልምነና ኸሎ፡ ጭንቁ* ርኢናስ ኣይሰማዕናዮን። ስለዚ ኸኣ እዩ እዚ ጭንቂ እዚ ዚበጽሓና ዘሎ” ተባሃሃሉ። 22 ሮቤል ከኣ፡ “‘ነዚ ቘልዓ እዚ ኣይትበድልዎ’ ኢለኩምዶ ኣይነበርኩን፧ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምን።+ ሕጂ ደሙ ብርግጽ ይድለ ኣሎ”+ ኢሉ መለሰሎም። 23 ኣብ መንጎኦም ኣስተርጓሚ ነበረ እሞ፡ ዮሴፍ ከም እተረድኦም ኣይፈልጡን ነበሩ። 24 ንሱ ኸኣ ካባታቶም ኣልጊሱ በኸየ።+ ተመሊሱ ኸም ብሓድሽ ምስ ተዛረቦም ከኣ፡ ንስምኦን+ ካባታቶም ወሲዱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኣሰሮ።+ 25 ድሕርዚ፡ ዮሴፍ ነቲ ኸረጺታቶም ብእኽሊ ኺመልኡሎምን ነቲ ገንዘቦም ኣብ ከከረጺቶም ኪመልሱሎምን ንመገዲ ስንቂ ኺህብዎምን ኣዘዘ። ከምኡ ኸኣ ተገብረሎም።

26 እኽሎም ኣብ ኣእዱጎም ጽዒኖም ድማ ካብኡ ኸዱ። 27 ኣብ መሕደሪ ኸኣ ሓደ ኻባታቶም ንኣድጉ ድርቋ ኺህብ ከረጺቱ ምስ ከፈተ፡ ነቲ ገንዘቡ ኣብ ኣፍ ከረጺቱ ረኣዮ። 28 ንኣሕዋቱ ድማ፡ “ገንዘበይ ተመሊሱ፡ እንሆ ኸኣ ኣብ ከረጺተይ!” በሎም። ሽዑ፡ ልቦም መለቘ፡ ራዕራዕ እናበሉ ኸኣ፡ “እዚ ኣምላኽ ገይሩና ዘሎ እንታይ እዩ፧” ተባሃሃሉ።

29 ናብ ኣቦኦም ያእቆብ ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ መጹ ድማ፡ ዝበጽሖም ኵሉ ኸምዚ ኢሎም ነገርዎ፦ 30 “እቲ ጐይታ እታ ሃገር ዝዀነ ሰብኣይ ኣበርቲዑ ተዛረበና፡+ ከም ሰለይቲ እታ ሃገር ገይሩ እውን ረኣየና። 31 ንሕና ግና፡ ‘ንሕና ቕኑዓት ኢና። ሰለይቲ ኣይኰንናን።+ 32 ንሕና 12 ኣሕዋት፡+ ደቂ ኣቦና ኢና። እቲ ሓደ የሎን፡+ እቲ ሕሳስ ልደ ድማ ሎሚ ምስ ኣቦና ኣብ ምድሪ ከነኣን ኣሎ’+ በልናዮ። 33 እቲ ጐይታ እታ ሃገር ዝዀነ ሰብኣይ ግና፡ ‘ቅኑዓት ምዃንኩም በዚ ኽፈልጥ እየ፦ ሓደ ሓውኩም ምሳይ ይጽናሕ።+ ነቶም ጠምዮም ዘለዉ ቤተ ሰብኩም ዚኸውን ድማ ሒዝኩም ኪዱ።+ 34 ቅኑዓት እምበር፡ ሰለይቲ ዘይምዃንኩም ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ ነቲ ሕሳስ ልደ ሓውኩም ናባይ ኣምጽእዎ። ሽዑ፡ ሓውኩም ክህበኩም እየ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እውን ትነግዱ’ በለና።”

35 ከከረጺቶም ኪግልብጡ ኸለዉ ኸኣ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ማሕፉዳ ገንዘብ ኣብ ከከረጺቱ ነበረ። ንሳቶምን ኣቦኦምን ነቲ ማሕፉዳ ገንዘቦም ምስ ረኣዩ፡ ፈርሁ። 36 ኣቦኦም ያእቆብ ድማ፡ “ውሉድ ዘይብለይ ጌርኩምኒ!+ ዮሴፍ የሎን፡+ ስምኦን ከኣ የሎን፡+ ንብንያም ድማ ክትወስድዎ ኢኹም! እዚ ዅሉ ኣባይ እዩ በጺሑ!” በሎም። 37 ሮቤል ግና ንኣቦኡ፡ “ኣነ ናባኻ እንተ ዘይመሊሰዮ፡ ንኽልቲኦም ደቀይ ቅተል።+ ንዓይ ሕድሪ ሃበኒ፡ ኣነ ድማ ናባኻ ኽመልሶ እየ” በሎ።+ 38 ንሱ ግና፡ “ሓዉ ሞይቱ፡ ንሱ ኸኣ በይኑ ተሪፉ እዩ እሞ፡ ወደይሲ ምሳኻትኩም ኣይኪወርድን እዩ።+ ኣብቲ እትኸድዎ መገዲ ገለ ድንገት እንተ ረኺብዎ፡ ሽዑ ብርግጽ ንሽበተይ ብሓዘን ናብ መቓብር*+ ከተውርድዎ ኢኹም” በሎም።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ